Print this page

 ቅልውላው፡ ድሕሪ ውግእ

2023-02-05 09:47:32 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 2549 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ውግእ ናይ ዝኾነ ጸገም ቀጻልን ውሑስን መፍትሒ ከምዘይኮነ፡ ብናይ ብዙሓት ተመኩሮ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ።  ርሑቕ ከይከድና ኣብ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮና እውን ብግብሪ ተራእዩ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ህግደፍ ምስ የመን ዝኸፈቶ ውግእ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ፡ ብናይ የመን ልዕልና መዕለቢ ምርካቡ፡ ናይ 1998-2000 ደማዊ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ተቛሪጹ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ዘሄግ  ኣምሪሑ ብቀያድን ናይ መወዳእታን ፍርዲ ምብያኑ፡  ንዝሓለፉ ዝያዳ ክልተ ዓመታት ብዝለዓለ ተሳትፎ ህግደፍን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ እውን፡ ብናይ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ስምምዕ ናይ ምዝዛም መልክዕ ሒዙ ይቕጽል ምህላዉ ናይ ውግእ መወዳእታ፡ ውግእ ዘይምዃኑ ዘርእዩ ኣብነታት እዮም።

ጉጅለ ህግደፍ ጸገማት ካብ ውግእ ወጻኢ ክፍታሕ ከም ዝኽእል ዘይስቆሮ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ተመኩሮኡ ብውግእ ዝሰኸረ እዩ። ውግእ መፍትሒ ከም ዘይከውንን፡ ቀጻሊ ዘተኣማምን ሰላም ከም ዘየውሕስን ጥራይ ዘይኮነ፡ ህይወት ሰብ ኣጽኒቱን ሃብቲ ሃገር ኣዕንዩን ናብ ውድቀት ዝወስድ ጽልሙት መንገዲ እዩ። ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ እታ ብክቡር መስዋእቶም ዘምጽእዋ ናጻን ልኡላዊትን ሃገሮም ኣደዳ፡ ስደት፣ ድኽነትን ስግኣትን ኮይነምሉ ካብ ዘለዉ ቀንዲ ምኽንያታት ሓደ፡ ካብ ድሌቶምን ኣፍልጠኦምን ወጻኢ፡ ብዘይፈልጥዎ ሕቡእ ኣጀንዳታት ኣብ ዕረፍቲ ዘይህብ ውግኣት ምጽማዶም እዩ።  ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ክንዲ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩረኡ ተማሂሩን ተዓጊሱን ንሰላማዊ መፍትሒ ዕድል ዝህብ፡ ናይ ወትሩ ምርጫኡን ሕልሙን ውግእ እዩ። እዚ ድማ ቀጻልነት ስልጣኑ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ዝጠፍእ ኤርትራዊ ህይወትን ዝባኽን ጸጋ ሃገርን ዘየገድሶ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

ኣብ ከም ናይ ኤርትራ ዝኣመሰሉ ህዝባዊ መሰረትን ተቐባልነትን ዘየብሎም ዓመጸኛ ስርዓታት፡ ናይቲ ውግእ ቀንዲ ዕላማ ናይ ህዝቢ ሕቶ ከይምልስ ምሕባእን ኣብ ስልጣን መቐጸልን እዩ። እቲ ውግእ ናህሩ ወዲኡ ናብ መድረኽ ሰላምን ሕግን ምስተመለሰ፡ በቲ ብዛዕባቲ ክቡር ዋጋ ዘኸፈለሉ፡ መንቀሊኡን ዕላማኡን   ዘይፈልጥ ወገን፡ “ኣበይ ጸኒሕና፡ ስለምንታይከ፡ መንዩኸ ዝሕተተሉ?” ዝብሉ ሕቶታት ክሓትት ናይ ግድን እዩ። ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ውግእ ምስ የመን ብዙሕኳ እንተዘይተወዓውዐ ናይ ህዝቢ ሕቶታት ነይሩ እዩ።  ድሕሪ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ድማ፡ ብመጠንቲ ዝሓተቶ፡ ናይ ብዙሓት ሞት፡ ስንክልና፡ ምምዝባልን ምብኻን ሃብቲ ሃገርን ብዝሓየለ ተራእዩ። እቲ ሕቶታት ናይቲ ውግእ ሳዕቤንን ዝሕተተሉ ኣካል መን ምዃኑን ብምንጻር ናብ ናይ ድሕሪ ውግእ ክዕመም ዝነበሮ ዘቤታውን ሕገመንግስታውን ዋኒን ምምላስን ዝዓለመ ነይሩ።

ህግደፍ ግና ኣይኮነንዶ ብግብሪ ተሓቲቱ፡ “ምናልባት ከይሕተት” ኢሉ መህደሚ መንገዲ ምምድማድ ልማዱ ስለ ዝነበረን ዝኾነን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ናብ ንቡር ክምለስ  ዝሓተትዎ ላዕለዎትን ማእከሎትን ሓለፍቲ ህግደፍን ጋዜጠኛታትን ዝወሰዶ ጨካን ስጉምቲ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ሕብረተሰብ  ዓለም ዝተፈልጠ፡ እቲ ጉጅለ ክሳብ ክንደይ ተሓታትነት ዘይጸውርን ዘይህዝባውን ምዃኑ ዘነጸረ ነይሩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ዘይሰብኣዊ ምዃኑ እውን ዝተቓለዓሉ ፍጻመ እዩ። ሎሚ ድሕሪዚ “ኣብ ውግእ ትግራይ ተዓዊተ ተመሊሰ ኣለኹ” ኢሉ ዝጭድረሉ  ዘሎ ግዜ እውን ኣብ ኤርትራ ናይ ድሕሪ ውግእ ፖለቲካዊ  ቅልውላው ክንጸባረቕ ባህርያዊ እዩ። እሞ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂዶ እቲ ሕቶ ይጐልሕን ኣይጐልሕን ግና ሓቢርካ ዝረአ እዩ። ብወገና ህዝቢ ልዕሊ ዝጠፍኡ ደቁን ዝባኸነ ሃብቱን ስለዘይብሉ፡ ብኢሳያስ ብዝንገሮ ናይ ሓሶት ናይ ግዳያት ኣሃዝ ከይተዳዓዓሰ፡ ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ድምጹ ከስምዕ ይግበኦ ንብል። ብውሕዱ እቲ “ንዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ዘቤታዊ ጉዳይና ከይንዓምም ኣብ ትሕቲ ስግኣት ወያነን ኣሜሪካን ኢና ጸኒሕና” ብዝብል ተሓቢእሉ ዝጸንሐ በዓቲ፡ በቲ ባዕሉ “ንወያነ ሓደጋ ናብ ዘይትኾነና ደረጃ ኣውሪድና ኢና”  ዝበሎ  ከም ዝተቓለዐ ፍሉጥ እዩ።

እዚ ቅልውላው ድሕሪ ውግእ፡ ኣብቶም ካለኦት ክዋስኡ ዝጸንሑ እውን ብጋህዲ ይረአ ኣሎ። ኣብ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ክልል ኦሮሞ መመሊሱ ዝልሕም ዘሎ ውግእ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ መንጎ ኦሮሞን ኣምሓራን ዝምዕብል ዘሎ ምፍጣጥ ሓደገኛ ናይ ድሕሪ ውግእ ቅልውላው መርኣያ እዩ። ነቲ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ተኸቲሉ፡ ኣብ ኦርተደኩሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ሓደገኛ መንግስታዊ ኢድ ኣእታውነት ዘጋደዶ ናዕቢ ተወሲኽዎ፡ እቲ ናይ ድሕሪ ውግእ ቅልውላው ኣብ ኢትዮጵያ ይዓርግ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ።

ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ናይ ዝተወሰኑ ወገናት ምቅዋም ንውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ጀሚሩ፡ ሓያሎ ናብ ሓያል ቅልውላው ድሕሪ ውግእ ዘምርሑ ዘለዉ ዝመስሉ  ርሱናት ሕቶታት ይለዓሉ ኣለዉ።  “ትግራይ ድሕሪ ሕጂ ከመይ እያ እትቕጽል?” ኣብ ዝብል፡ ነብሳ ዝኸኣለት ሃገርዶ ትኹን፡ ኣካል ኢትዮጵያ ኮይና ትቐጽል?፡ ህወሓትን ከም ውድብን መሪሕነታን ይቕጽሉዶ ኣይቐጽሉ?፡ ትግራይ ትምረሓሉ ስነ-ሓሳብ ከምቲ ዝጸንሓቶ ሰውራዊ ዲሞክራሲዶ ናብ ኣብ ናጻ ዕዳጋ ዝተሰረተ ምዕራባዊ ዲሞክራሲ ትሰጋገር?፡ ኣብ ትግራይ ምጽናት ዓሌት ተፈጺሙዶ ኣይተፈጸመን እንተተፈጺሙኸ መሪሕነት ህወሓት ኣካል ናይቶም ዝሕተቱ ድዩ ኣይፋሉን? ……… ወዘተ፡ ዝብሉ ሕቶታት ይባርዑ ኣለዉ። ምናልባት እውን እዚ ንህወሓት ናብቲ  ብ2001 ዘጋጠማ  ምክፍፋል ከይሸማ ናይ ብዙሓት ወገናት ስኽፍታን ስግኣትን ኮይኑ ዘሎ እዩ።

ኣብዚ ኩነታት፡ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢኸ፡ ካብቲ ብሰንኪ እቲ ውግእ ዘስዓቦ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ተረሓሒቕዎ ዝጸንሐ ተመሊሱ፡ ኣብዚ ናይ ድሕሪ ውግእ ቅልውላው ብኸመይ ሓቢሩ  ክዋሳእ  ከም ዝግበኦ ብጽሞናን ብህዝባዊ ሓላፍነትን ክሓስበሉ ኣብ  ዝግበኦ  እዩ  ዘሎ።

Last modified on Sunday, 05 February 2023 10:52