Print this page

ዞባዊ ሓደገኛነት ጉጅለ ህግደፍ

2022-11-13 10:32:22 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 948 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ጉጅለ ህግደፍ ካብ ምፍጣሩ ጀሚሩ፡ ንኤርትራን ህዝባን ሓደገኛ እዩ። ግብራዊ ኣፍራሲ ተግባራቱ ድማ መስካሪ እዩ። እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብተኸታታሊ ክፍጽሞ ዝጸንሐ፡ ጥልመት፡ ክሕደትን ግህሰት መሰላትን ንሓደገኛነቱ መረጋገጽቲ እዮም። ኣብዚ እዋንዚኳ ብሰንኪ ወተሃደራዊ ክተቱ ዘይምቕባሎም፡ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዜጋታት ዝወስዶ ዘሎ ግፍዓዊ ስጉምትታትን ማእሰርትን ከም ኣብነት ዝውሰድ ጨካን ተግባራቱ እዩ። ኣብቲ ቅድም: እዞም ግፍዕታት ኣብ ኤርትራ ጥራይ  ተደሪቶም ዝተርፉ ዝመስሎም ወገናት ነይሮም። እንተኾነ ኣብዚ እዋንዚ እዚ ጉጅለ ብተግር ካብ ኤርትራ ሓሊፉ ዞባዊ ሓደጋ ከም ዝኾነ ንብዙሓት ነጺርሎም ኣሎ።

ህግደፍ ካብ መጀመርታኡ ሓሓሊፉ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ውግኣት ክጽሕትርን ጽልኢ ክዘርእን እንከሎ፡ ክልተ ዕላማታት ነይረምዎ። እቲ ሓደ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጣዊ ሃገራዊ ወኒኑ ዝርኢ፡ ናብ ግዳም ከም ዘማዕዱ ንምድራኹ ነይሩ። እቲ ካለኣይ ድማ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ዞባዊ መልክዕ ንምትሓዝን “እቲ ጸገም ኣባና ጥራይ ኣይኮነን” ብዝብል መሰነይታ ንምርካብን ነይሩ። እቲ ጉዳይ ኣብ ርእሲኦም ዘይበጸሖም ናይ ቀረባን ርሑቕን ሓይልታት፡ ተግባራት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዝድረት እምበር፡ መሊኡ ናብኣቶም ከም ዝፈስስ ይርድእዎ ኣይነበሩን። ካብዚ ነቒሎም ብንቡር ዝመርሕን ጉዳይ ህዝቢ ዝዓጦን ስርዓት መሲልዎም፡ ምስኡ ናይ ዝምድና ውዕል ዝኽትሙን ንዝተወሰነ ግዜ ዝተጠቕመሎምን ነይሮም። ድሕሪ ዝተወሰነ ግና እቲ ኣብ ኤርትራ ዝጀመረ ኩሉ ዓይነት ዓመጽን በደልን ኣብ ረርእሶም’ውን ምስ ወረደ፣ ጸጸግዖም ዝሓዙ ነይሮም። ሱዳን፡ የመንን ጅቡትን ብዓብይኡ ድማ ኢትዮጵያ ናይዚ ኣብነት እየን።

ኣብቲ መጀመርያ መድረኽ ድሕሪ ናጽነት፡  ህግደፍን ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዝነበረ ግንባር ኢህወደግን ጥቡቕ ዝምድና ነይርዎም። ናይዚ ግዝያዊ ጥቡቕ ዝምድና ግዳይ ዝኾኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ከኣ ውሑዳት ኣይኮኑን። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ግና  “ክቱርያ ፍቕርስ ሕሱም ጽልኢ ይፈጥር” ከም ዝበሃል፡ እቲ ዝምድና ብዙሓት ኣብኡ ክበጽሕ እዩ ኢሎም ብዘይተጸብይዎ ሃንደበት ናብ ናይ 1998-2000 ዘስካሕክሕ ደማዊ ውግእ ተሰጋጊሩ። ክሳብ ሎሚ በሰላኡ ዘይሓወየ ዕንወትን ጽልእን ድማ ኣኸቲሉ። ህግደፍ ነቲ ኣብቲ ውግእ ዝወረደ ስዕረትን ዕንወትን፡ ዝያዳ ቂም ሒዝሉ እምበር ኣይተማህረሉን። በዚ መሰረት ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት ኣብ ናይ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ዝምድና ምጽናሕ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ2018 ናብ  ሓድሽ ግና ድማ  ትሕዝቶኡ ዘይፍሉጥን ዘይግሉጽን ምዕራፍ ዝምድና ኣትየን። ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ድማ፡ ነቲ ኣይኮነንዶ ክትደግሞስ ክትዝክሮ’ውን ዘስካሕክሕ  ተመኩሮ ውግእ 1998-2000 ክደግምዎ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ጀመሩ።

ኣብ 2018 ምስ ህግደፍ ካብ ዝተዛመዱ  ኢትዮጵያዊ ወገናት፡ ነቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከውርዶ ዝጸንሐ ርኡይ በደላት ስለ ዘየቕለብሉ ወይ ድማ ተግባራት ዲክታተር ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ተደሪቱ ዝተርፍ እምበር ናብ ዝረገጾ መሬት ከም ዝልሕም ገይሮም ስለ ዘይተረድእዎ ኣጣቒዐምሉ። ብሄር ኣምሓራን ገለ ተቓወምቲ ኮይኖም ኣንጻር ኢህወደግ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ውድባትን  ናይቲ ግርህነት ግዳይ ዝኾኑ እዮም። ብኣንጻሩ ነቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከውርዶ ዝጸንሐ በደላት ተረዲኦምን ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይጠቐመ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዘይኮኖ ተገንዚቦምን “ብዛዕባዚ ዘይብሱል ዝምድና ሕሳብና ንግበር” ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ወገናት እውን ነይሮም። ብወገን ክልል ትግራይ ዝነበረ ትኩር ኣጠማምታ ናይዚ መርኣያ እዩ።

ሓደገኛነት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ መሊኡ ፈሲሱ ኣብ ጐረባብቲ ዝድረት ዘይኮነ፡ ኪነኡ ክሳብ ሶማልያን ካለኦት ዞባውያንን መልከዓቱ እናቐያየረ ዝምጠጥ እዩ። ክሳብ ሎሚ ዘይጠዓየ ዝምድናኡ ምስ ኢጋድ ንኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እዚ እዩ ድማ ንሓደገኛነት ጉጅለ ህግደፍ ዞባዊ መልክዕ ዘትሕዞ። ወዮም ንናቶም ሕዱር ህርፋን፡ ብናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ “ሓደ ህዝቢ ኢና፡ ኣይከሰርናን፡ ሰላሳ ዓመታት ትርጉም ኣብ ዘየብሉ ኣባኺና፡ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ክመርሕና እዩ”  ብዝብሉ ሓረጋት ተሃራሪፎም በቲ ግጉይ መንገዲ ነዊሕ ተጓዒዞም እዮም። ክንድቲ ዝኸድዎ ርሕቀት ከኣ ጉዳዮም ኣብ ሓደጋ ወዲቑን ተሓላሊኹን። ኣብቲ ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ ኢትዮጵያ-ትግራይ ጥራይ ዘይኮነ፡ መስርሕ ሰላሞም’ውን ክሳብ ክንደይ ብሰንኪቲ ሓደገኛ ውዲት ህግደፍ ክተሓላለኽ ከም ዝኽእል ምርዳኡ ዘጸግም ኣይኮነን።

ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ  ነቲ ኩነታት ዞባዊ መልክዕ ንምትሓዙ ኣገዲዱኒ ካብ ዝብሎም ምኽንያታት ሓደ ምውሓስ ልኡላውነት ኤርትራ እዩ። እንተኾነ ኣብዚ እዋንዚ ኮነ ኢሎም ርእዮም ከምዘይረኣዩ ክኾኑ ንዝደለዩ ውሑዳት ዕዉራት ደገፍቲ ህግደፍ እንተዘይኮይኑ፡ በዚ ዘይርትዓዊ ምኽንያት ንማንም ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዝውንን ከእምን ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ምዕቃብ ልኡላውነትን ህግደፍ ዝኸዶ ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ዕንደራን ፈጺሞም ዝዛመዱ ኣይኮኑን። ምናልባት ነቲ ኣብ ፈቐዶ ኣዳራሻት ኢትዮጵያ ባዕሉ ተጠሊዑ ዝበሎን፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ህርፋን ዓባይ ኢትዮጵያ ከም ዘለዎ ዘመልክት ዘቕርብዎ ዘለዉ ታሪኽ ጠቀስ ምስክርነትን፡ እቲ ቀንዲ ንኢሳያስ ዝህውጾ ዘሎ፡ ኤርትራ ንኢሳቶስ ምስ ኢትዮጵያ ደሚሩ ኣስታት 126 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ዓባይ ሃገር ኢትዮጵያ  ናይ ምምራሕ  ሕልሚ ከይህልዎ ግምት ዝወሃቦ እዩ።

ኢሳያስ ክሳብ ሎሚ ኣዘራራብን ዘይግሉጽን ኮይኑ ዘሎ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ኢድ ምእታዉ ከይኣኽሎ፡ ኣብዚ ሎሚ እዋን ኣብ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያውያን ክልል ትግራይን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣሉታዊ ታራ ይጻወት ምህላዉ ዞባዊ ሓደገኛነቱ ዘርኢ እዩ። ኣብ ጉዳይ ሩሲያን ዩክረይንን ኣንጻር ውጹዓት ዩኩረናውያን ምስላፉ እውን ምስዚ ደሚርካ ዝረአ እዩ። ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ “ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝውሰድ ስጉምቲ ብዞባዊ ረብሓ ኣሜሪካ ዝቃነ እዩ” ዝበሎ’ውን መልእኽቱ ረዚን እዩ።

ስለዚ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ እዋንዚ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ዘባዊ ሓደጋ’ውን እዩ። ንምውጋዱ ዝግበር ቃልሲ ድማ ዞባዊ ባህሪ ከም ዝህልዎ’ውን ርዱእ እዩ። እቲ መሪሕ ግደ ናትና ናይ ኤርትራውያን ምዃኑ ግና ኣይንዘንግዕ።

Last modified on Sunday, 13 November 2022 11:49