Print this page

ኣጀንዳ ህዝብናን፡ ኣጀንዳ ህግደፍን በበይኑ’ዩ

2022-05-21 13:41:54 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 978 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣጀንዳ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ፡ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ዕድል ባዕሉ ምውሳን ወጻኢ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ድሕሪ ምዝዛም 2ይ ውግእ ዓለም ጉዳይ ኤርትራ ዓለምለኻዊ መልክዕ ኣብ ዝሓዘሉ እዋን ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብቲ ጉዳይ ነናቶም ድሌትን ረብሓን ክነብሮም እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግና ካብ  ናይ ገዛእ ርእሱ ዕድል ባዕሉ ምውሳን ወጻኢ ካልእ ኣጀንዳ ኣይነበሮን። እንተኾነ ኣጀንዳኡ ቅኑዕን ፍትሓውንኳ እንተነበረ፡ ዓቕሙ ውሱን ስለ ዝነበረን ኣንጻሩ ዝተሰለፉ ዘራያት ስለ ዝበዝሕዎን ከዕውቶ ኣይከኣለን።

ህዝቢ ኤርትራ ኣጀንዳኡ ቅኑዕ ስለ ዝነበረ፡ ብዘይካ ዘዕውተሉ ዓቕሚ ንምፍጣር ምቅላስ ካልእ መተካእታ ኣይነበሮን። ስለዚ ስልቲ ቀይሩ ቃልሱ ክቕጽል ናይ ግድነት ኮይንዎ። በዚ መሰረት ኣብቲ መሪር ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ምስተጸምደ እውን ብዘይካቲ ካብ ቅድም ዝሖዞ ኣጀንዳ  ካልእ ኣይነበሮን። ብኣንጻሩ ሓይሊ መግዛእትን ዓንገልቱን ኣጀንዳኦም ኣንጻር ኣጀንዳ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝነበረ ኣብቲ ምርብራብ ተራእዩ እዩ። ኣብቲ ን30 ዓመታት ዝቕጸለን ናይ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣጀንዳ ዘፍሸለን መሪር ቃልሲ ከኣ ትብዓት፡ ጽንዓትን ተስፋ ዘይምቑራጽን ተወሲኽዎ ኣጀንዳኡ ቅኑዕ ስለ ዝነበረ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ምዕራፋት ተማሂሩ በቲ ዝንጸባረቕ ዝነበረ ፍልልያቱ ከይተዓንቀፈ ሓድነቱ ሳላ ዘደልደለ ተዓዊቱ።

ድሕሪ ናጽነት ኣጀንዳ ህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ንጹር ነይሩን ኣሎን። ንሱ ከኣ ቀጻልን ሕድሪ ሰማእታት ዘየዕብርን ሰላም፡ ዲሞክራሲ፡ ልምዓትን ህድኣትን ዘውሕስ ሃገረ መንግስቲ ኤርትራ ምህናጽ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ብሰንኪ ሰንሰለታዊ መግዛእትን መሪር ቃልስን ሓዲርዎ ዝነበረ ሽቑርርታ ድሒኑ ርእሱ ኣቕኒዑ ዝኸደላ፡ እግሩ መሊኡ ዝረግጸላን ኣፉ መሊኡ ዝዛረበላን ሃገር ምህናጽ ኣጀንዳኡ ኮይኑ። እንተኾነ ንዓኡ ዝመስል ግና ድማ ምስቲ ናቱ ዝጻረር ዝኣጀንዳኡ፡ ብኢደወነኑ ኣብ ስልጣን ዝተኾየጠ ዓመጸኛ ጉጅለ ኣጋጢምዎስ እቲ ጉዕዞ በቲ ዝተጸበዮ ኣይቀጸለን። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ከም ኣብ ግዜ መግዛእቲ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ዝኣጀንዳኡ ኤርትራዊ ጸላኢ ከጋጥሞ ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ስለ ዝነበረ፡ ከም ዝደንጸዎ በብግዜኡ ክገልጾ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ኣጀንዳታት ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ግዜ መግዛእቲ ክሳብ ህግደፍ፡ በብግዜኡ ዝተፈላለዩ መልከዓት ዝሕዙ ቀንዲ ሸተኦም ግና ወጽዓ ህዝቢ ምግዳድ እዩ። ኣጀንዳ ህዝቢ ኤርትራ ግና ዘይቅየርን ካብ ክሊ ኣብ ኩሉ መዳያት ናይ ገዛእ ርእሱ ዕድል ባዕሉ ምውሳን ኣላጊሱ ዘይፈልጥ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ቅድም  ኣጀንዳኡ ምጭባጥ ሃገራዊ ናጽነቱ ነይሩ ኣረጋጊጽዎ ድማ። ድሕሪ ናጽነት እውን ምስ ግዜን ምዕባለን ኣብ ዝርዝሩን ኣተገባብርኡን ይፍለ እምበር፡ ኣጀንዳኡ ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ክዝርዘር እንከሎ ከኣ ሕገ-መንግስታዊ፡ ብዙሕነታዊ፡ ብህዝባዊ ተሳትፎ ዝካየድ ዲሞክራሲያዊ ምርጫ፡ ልዕልና ፍትሕን ምኽባር መሰላትን ዘውሕስ ምምሕዳር ምትካል ካብ ዝብሉ ወጻኢ ኣይኮነን። ኣጀንዳ ህግደፍ ግና ኣብ ዝርዝሩ ክንኣቱ ከይተገደድና፡ ቀንዲ መርኣያኡ ምትራር ኣዕኑዱ፡ ወጽዓ፡ ግህሰት፡ ጥልመትን ምጽሕታር ህውከትን ኮይኑ፡ ኣንጻር ኣጀንዳ ህዝቢ ኤርትራ ዝስለፍ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዩ ከኣ “ምስ ህግደፍ ምስላፍ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ምስላፍ እዩ”  ኢልካ ምድምዳም ዘየጸግም። 

ህዝቢ ኤርትራ ምስ ርሑቕ ኮነ ምስ ቀረባ፡ ሰላም፡ ምድግጋፍ፡ ናይ ሓባር ረብሓን ኢድ ዘይምትእትታውን ዝመሰረቱ ዝምድና እዩ ምርጫኡ። ብፍላይ ምስ ጐረበቱ ንዝህልዎ ዝምድና ኣዕዚዙ ክገልጽ እንከሎ “እንተ ክትድቅስ ጐረቤትካ ይደቅስ” እዩ ዝብል። ብኣንጻሩ ምስ ጐረቤትካ ዘይምቅዳውን ምስሕሓብን ዘኸትሎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክገልጽ እንከሎ “ምስ ዓጋም ዝተጸገዐት ቆልቋልሲ ክትነብዕ ትነብር” ኢሉ ይምስል። ኣጀንዳ ህግደፍ ኣብዚ መዳይዚ’ውን ብኣንጻሩ፡ ንጹርነት ዘይብሉ፡ ካብ ህዝቢ ዝተሓብአ፡ ዘይትካልዊ፡ ህዝቢ ዘይኮነ ገዛኢ ግንባር ዝማእከሉ፡ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ዘየበርኽ፡ ክጅመር እንከሎ ዝሕባእ ክፈሻል እንከሎ ከኣ ዝቕላዕ ኣገባብ እዩ ዝኽተል። 

ኣብ መንጐ ኤርትራን ጐረባብታን ካብ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ዝያዳ ድማ ሎሚ ዝቃላዕ ዘሎ ናይ ሕጓ ዝምድናታቱ ነዚ ዘመልክት እዩ። ኢትዮጵያ ብኢህወደግ ክትምራሕ እንከላ ዝነበረ ስዉር ኣጀንዳ  ዝምድናኡ፡ መዓስ ከም ዝተቓለዐን እንታይ ሳዕቤን ከም ዘኸተለን ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ እዩ። ናይቲ ህዝቢ ኤርትራ “ስለምንታይ ህግደፍ ካብ ተመኩሮኡ ዘይመሃር” ብዝብል፡ ከእውየሉ ዝጸንሐ ዝምድና ህግደፍን ብልጽግናን ኣጀንዳ መጻኢ ዕድል እንታይ ከም ዝኸውን ከኣ ክቃላዕ ዝጀመረ ይመስል። ምልክታቱ ከኣ ዘየቕስንን ናብ ደሓን ዘይምዕብልን ምዃኑ ዝግመት እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ድማ ናይቲ ብሰንኪ ዘይህዝባዊ ኣጀንዳ ህግደፍ ከጋጥም ዝኽእል ዕዳን ውድቀትን ንህዝብና እውን ዝልክሞ ምዃኑ እዩ። ብሰንኪ ናይ ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ዘሊልካ ምእታው ድሮ ዘኽቲመን ዘለዋ ስድራቤታት ኤርትራን ጌና ዝስማዕ ዘሎ ሻቕሎትን ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ።

እቲ ካልእ ኣጀንዳ ህዝቢ ኤርትራ ንዘቤታዊ ጉዳይካ ቀዳምነት ኣብ ምሃብ ዘተኩር እዩ። ህዝብና ኣብ ረብሓኡ  ዘትከለ ብናቱ ተሳትፎ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ጽኑዕ ባይታ ክንጸፈሉ  እዩ ዝደሊ። እቲ ምስ ካለኦት ዝገብሮ ዝምድናታትን ምትሕግጋዝን ድማ ካብቲ ኣብ ኤርትራዊ ባይታ ዝተሰረተ ህንጸት ዝነቅልን ንዓኡ ዝያዳ ዘራጉድን ክኾነሉ ይብህግ። ብኣንጻሩ ህግደፍ ጉዳይ ኤርትራ ቀዳምነቱ ኣይኮነን። ኣብ ክንዲ ምስ ንኤርትራ ዘተሃንጽዎ፡ ምስ ንኢጋድን ካለኦት ዞባዊ ትካላትን ዘፋርስዎ ክመሓዞ ይጽዕር። ኣብ ክንዲ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንምምላስ፡ ፍትሒ ዝሰፍነሉን ዲሞክራስያዊ ባይታ ዝንጸፈሉን ዕድል ምምድማድ፡ ኣብ ካለኦት ሃገራት እውን እንተኾነ ምርጫ ፈጺሙ ከይካየድ፡  እንተ ወሓደ ከኣ ምስምሳት ብምፍጣር ከም ዝደናጐ ይመክርን ውዲት ይኣልምን። እንተኾነ እተን ካለኦት ሃገራት ኤርትራ ስለ ዘይኮና፡ ዘዝፈተኖ ክፈሽሎ ጸኒሑ። ናይዚ ቀረባ ግዜ ናይ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኩነታት ናይዚ ኣብነት እዩ። ኣብ ሱዳንን ካለኦት ናይዚ ዞባ ሃገራት ዝኣልሞ ዘሎ ተንኮል እውን ተወሳኺ ፍሽለት ከሰክሞ  እዩ።

ስለዚ “ኣጀንዳ ህዝብናን፡ ኣጀንዳ ህግደፍን በበይኑ’ዩ” ካብ በልና፡ ካብ ህግደፍ ዝመጽእ ንህዝብና ዘርብሕ መፍትሒ ከምዘየለ ንጹር እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ክፍታሕ ናይ ግድን እዩ። እቲ መፍትሒ ከኣ ካብ ናይ ህግደፍ ዝተፈልየ ኣጀንዳ ብምሓዝ ጥራይ ዝረጋገጽ ስለ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ኣጀንዳ ህዝቢ እተድምዓሉ ዓቕሚ ምጥራይ ግድን  እዩ።

Last modified on Saturday, 21 May 2022 15:47