Print this page

ምትእትታው ዘይኮነ፡ ምትሕግጋዝ

2021-07-23 19:40:12 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1559 times
Rate this item
(1 Vote)

ኣይኮነንዶ ሎሚ ዓለምና ብሳላ ስልጣነ ናብ ቁሸት ኣብ ዝተቐየረትሉ፡ ብቐደሙ ውን መነባብሮ ሰባት ኣብ ኩሉ ህይወት ሓባራዊ እዩ። እዚ ሓባራውነት ህያው ዝኸውን ከኣ ብግራዊ ስራሕ እናተሰነየ  ክኸይድ እንከሎ እዩ። ኣብ ሕብረተሰብኣዊ ህይወት ምትሕግጋዝ ክጉሰ ዘይከኣል ሕጊ ናይ ምዕባለ ኢዩ። ርኽክባት ከከም ኩነታቱን ምኽንያታቱን በብእዋኑ ዝተፈላለየ መልከዓት ዝሕዝ ይኹን'ምበር፡ ምስ ካልኦት ርክብን ዝምድናን ዓጺኻ በይንኻ ምጉዓዝ ዘይከኣል ኢዩ። ብተነጽሎዚ ኣይኮነንዶ ከዕብየካን ንቕድሚት ከሰጉመካን በቲ ዘለኻዮ ክትቅጽል እውን ኣጸጋሚ እዩ። እዚ ንዓና ኤርትራውያን ኣብቲ ዝሓለፈ ኮነ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ቃልስና ንሓንሳብ እንዳተንሰአ ንሓንሳብ ከኣ እንዳወደቐ ዝመጸን እንሓልፎ ዘሎናን መስርሕ እዩ።

እዚ ሓባራዊ ህይወትን ዝምድናን ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ፍሉይን ተሃዋስን እዋን፡ እቲ ዝያዳ ግምት እንህቦ፡ ዝያዳ ኣዛራቢ ፖለቲካዊ ዛዕባ እዩ። ብባህሪኡ ግና ከምቲ ዝተጠቕሰ ኣብ ኩሉ እንተናና’ውን ዝንጸባረቕ እዩ። ዝምድናን ምቅርራብን ተመጣጢ ባህርያት ስለ ዝህልዎ፡ ብጥንቃቐ ሒዝካ ደረቱ ምውሳን ዘድልዮ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ። ደረቱ ንጹር ምስዘይከውን ግና ከኸትሎ ካብ ዝኽእል ሓደጋታት ሓደ ናብ ኢድ ምትእትታው ወይ ምንጽጻግ ምምዕባል እዩ። ኢድ ምትእትታውን ምንጽጻግን ውጽኢቶም ጥዑይ ከምዘይከውን ድማ ርዱእ እዩ።

ንናይ ኢድ ኣእታውነትን ምንጽጻግን ጫፋት ኣወጊድካ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ከተሕይል ዝግበር ናይ ቃልሲ ስልቲ ክንመጸሉ ዝጸናሕና መስርሕ እዩ። እዚ መስርሕ ምስ ግዜን ኩነታትን ዝያዳ ዓብላሊ ኣድላይነት ዝህልወሉ ኩነታት ይፍጠር እዩ። ኣብዚ እዋንዚኳ “ዝምድና ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ምስ መንግስቲ ትግራይን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን እንታይ  መልክዕ ክሕዝ ይግበኦ?” ዝብል ኣባና ኮነ ኣብኣቶም ክሳብ ክንደይ ተሃዋስን ንቕድሚት ተመዚዙ ወጺኡ ዘሎን ኣጀንዳ ምዃኑ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እዚ ዛዕባዚ ምስ ናይ ግዳም ሓይልታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሕድሕድ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ኣድላይን ብኽንድኡ ደረጃ በዳህን ኮይኑ ዘሎ እዩ።

ምትሕግጋዝ ብክልተ ድዩ ካብኡ ንላዕሊ ብዝኾኑ ተዋሳእቲ ዝትግበር እዩ። ተሓጋገዝቲ ንክደጋገፉ ሓቢሮም ዘማዕብልዎ ናይ ሓባር ረብሓ፡ ወይ ሓቢሮም ዘወግድዎ ናይ ሓባር ስግኣት ይህልዎም። ክተሓጋገዙ እንከለዉ፡ ከካብ ናቶም ሕሳብ እዮም ዝነቕሉ እምበር፡ ሓደ ኣካል ዘይረብሓሉ ክነሱ፡ ነቲ ካልእ ከርብሕ ኢሉ ጥራይ ዝኣትወሉ ውዕል ኣይኮነን። ነቲ መስርሕ ናይ “ሓባር” ዘብሎ ከኣ ተሓባበርቲ በብናቶም ሕሳብ ኣትዮም ኩሎም ዝርብሕሉ ስለ ዝኾነ እዩ። ኣብቲ ምትሕግጋዝ ግደ ናይቶም ተሓጋገዝቲ ምስ ግዜን ኩነታትን ካልእ ረቛሕታትን ናይቲ ሓደ ዓብይ ናይቲ ካልእ ከኣ ንኡስ ክኸውን ይኽእል። እቲ ዘገድስ እቲ ወኪለሞ ዘለዉ ጉዳይ’ምበር ናይ ኣበርክቶ ምምጥጣን  ምስ ምዕባለ ዝቀያየር ኩሉ ግዜ ሓደ ዓይነት ሚዛን ሒዙ ዝነብር ኣይኮነን። ኩሉ ሓይልታት ነቲ ዝሰማማዓሉ ናይ ሓባር ዕላማ በታ ዘላቶ ዓቕሚ ኣበርክቶኡ ዝገብር ክሳብ ዝኾነ ኣብ ጉዳያቱ ብዘለዎ ውክልና ናይ ማዕረ ሽርክነት ኢዩ ዝኸውን።

 እቲ ናይ ካለኦት ሓገዝን ምትሕብባርን እትደልየሉ በይንኻ ዘይትኽእሎን ዘይተዓሞን   ምስ ዝኸውን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ሓባር ረብሓ ስለዝህልወካ’ውን እዩ። እቲ ምሳኻ ክተሓጋገዝ ዝደሊ ኣካል’ውን ከምዚ ናትካ ምስ ኮኖ እዩ ምሳኻ ክተሓጋገዝ ዝውስን።  ውጽኢት ናይቲ ምትሕግጋዝ ግና ኣብ ሓዲኡ ሽዑ ዝረአ ናይ ሓዲኡ ከኣ ርሑቕ ዝጠመተ ክኸውን ይኽእል። ባዕልኻ ክትገብሮ ንዝግበኣካን ዝከኣለካን፡ ግድን ኣነ ንዓኻ ተኪአ ክገብረልካ እየ ኢሉ ዘገድደካ፡ እሞ ነቲ እትጽበዮ ረብሓ ናብ ናቱ  ጥራይ ክጥቕልሎ ዝህንደድ ከጋጥም እንከሎ፡ ካብቲ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ “ኢድ ኣእታውነት” እዩ። እዚ ከኣ ውጽኢቱ ሃስያ ስለ ዝኾነ ተቓባልነት የብሉን። እቲ ካልእ ገጽ ድማ ክልቴኻ ካብ እትረብሓሉ ናይ ምትሕግጋዝ መድረኽ ናይ ምብኳርን ምንጽጻግን  ሓደጋ  እዩ። ስለዚ እቲ ዘዋጽእ ነዚ ናይ ምትእትታውን ምንጽጽጻግን ጫፋት ኣወጊድካ ኣብቲ ክልቴኻ እትረብሓሉ ክትጽመድ ምብቃዕ እዩ።  ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና ተሃዋስን ናይ ሻማሻማን መድረኽ፡ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ብፖሊሲን ትካላዊ ኣሰራርሓን ዝምራሕን መጻኢ ዘማዕዱን እምበር፡ መምስ ዘጋጥም ስምዒታት እንዳተቖራረጸ ዝተሓዝ መስርሕ ክኸውን ኣይግበኦን። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ጉዳይ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ኣብ ኣገደስቲ ሰነዳትን ፖሊሲታትን ናይ ሓደ ውደባ ኣገዳሲ ቦታ ዝወሃቦ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ነዚ ኣብ ዝምልከት፡  ኣብቲ ብጉባአኡ ዘጽደቖ ስኑድ መደብ ዕዮኡ ካብ ዘስፈሮ፡ ምስ ዝዀነ ሃገር ዝህልወና ዝምድና ሓባራዊ ረብሓ ንምዕዋት ዝዓለመ እዩ። ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ብምኽባር፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሕድሕድ ብዘይምትእትታው፡ ንሰላምን ቍጠባዊ ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግባእ። ዝብል ዓንቀጽ ኣሎ።  ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን እዚ ሎሚ ናብ ውግእ ዓሪጉ ዘሎ ቅልውላው ክጅመር እንከሎ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሕድሮ ጽልዋ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ኤርትራውያን ናይ “ብኸመይ ኢና እንሕዞን እንዛመዶን”? ሕቶ ከቕርብ ጸኒሑ’ዩ። ዝተፈላለዩ ወገናት ከኣ ነዚ ሕቶ ከከም ሚዛኖም ክምልስዎ ጸኒሖም። ሰዲህኤ ብወገኑ ብመንጽርዚ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ዝተጠቕሰ ዓንቀጽ ተመርኲሱ፡ ክሕዞ ጸኒሑ። ናይ 21 ሕዳር 2020 መግለጺ ማእከላይ ባይቶኡን ናይ 3 ሓምለ 2021 ናይ ፈጻሚ ሽማግለኡ ኣዋጁን ድማ ነዚ ዘመልክቱ እዮም።

 ኣብዚ ጉዳይዚ እንኽተሎ ኣተሓሕዛ ንዓወትና፡ ቀጻልነትናን ህዱእ ጉርብትናናን ወሳኒ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ክሳብ ክንድዚ ወሳኒ ስለ ዝኾነ ድማ ካብ ስምዒትን ሕዱር ቅርሕንትን ወጺእና ናይ ውልቀሰባት ስምዒታዊ መደረ ካብ ውድባውን መንግስታውን ትካላዊ መርገጻትን ኣለሊና፡ ዝያዳ  ከኣ ናይ ሓባርና ብደሆ ኣነጺርና ክንሕዞ ይግበኣና። ምስ ትግራይ ነንረብሓና ክንብል ከነማዕብሎ ካብ ዝግበኣና “ሰላማዊ ጉርብትናን ተሓጊዝካ ምዕባይን” ሓደ እዩ። እዚ ከነሰስኖን ክንከናኸኖን ዝግበኣና እዩ። እቲ ኣብዚ ከይንበጽሕ ዓንቂጹና ዘሎ ናይ ሓባር ጸላኢ ጉጅለ ህግደፍ እዩ። ስለዚ ንዓኡ’ውን ተሓጋጊዝና ከነወግዶ ይግበና። ኣብዚ መስርሕ ነናትና ብልጫታት ስለ ዘለና፡ “እቲ ሓደ ኣብ ጉዳይ እቲ ካልእ ኢዱ ብዘእትወሉ” ቅኒት ዘይኮነ፡ እቲ ሓደ ናይቲ ካልእ “ሕጽረትን ጐደሎን ብዝምልኣሉ” ተቐራሪብናን ትካላዊ መልክዕ ኣትሒዝና ናይ ምውሳን ናጻነትናን ክብርታትናን ዓቂብና  ክንመሓዞ መተካእታ የብሉን።

Last modified on Friday, 23 July 2021 21:43