Print this page

ክጅመር እንከሎ፡ ቅኑዕ ዝመስል ዝነበረ ጌጋ

2021-04-12 08:12:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1776 times
Rate this item
(1 Vote)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎን፡ ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ ወጽዓ ዕድመኡ ነዊሕ እዩ። ኣመዓባብላኡ እውን ህዝቢ ኤርትራ እናተመከሮን ዋጋ እንዳከፈለሉን ዝመጸ እዩ። ኣብቲ መጀመርያ ግዜ፡ ብፍላይ ኣብ ጽባሕ ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ታሪኹ ወናኒ ሃገሩ ኮይኑ ስለዝተሰምዖ ነቲ እቲ ጉጅለ ኣብ ኣመራርሓ ንዝነበሮ ጉድለታትን ተንኮላትን ከስተብህለሉ ኣይከኣለን። እቲ ምእንቲ ህዝቢ ኢሉ ዝተቓለሰ ጉጅለ ናብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ይበጽሕዩ ዝብል ስግኣት ስለ ዘይነበሮ ከም ቅኑዕ ዝተቐበለሉ መድረኽ ኢዩ ነይሩ። ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ተንኮላቱ ንምሕባእ “መግዛእቲ ዝገደፈልና ብዘይካ ሕማቕ ባህሊ ካልእ የለን”፡ ነቲ ናይ ምብሓት ፖሊሲኡ ንምትግባር ድማ   “ካብ ጸላኢ ባዶ ካዝና ኢና ተረኪብና” ብዝብሎ ዝነበረ ምቑዛም፡ ህዝብና ንኹሉ ክኢሉ ዘይትግበር ተስፋ ሰኒቑ፡ “ሓቂ እዩ እስከ ተጸሚምና ግዜ ንሃቦ” ብዝብል ከብዱ ብጥምዩ ዝባኑ ብዕርቑ፡ ሓልዮት ምርኣዩ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ከምዚ ኮይኑ ግና እምብዛ ብዘይስማዕ ድምጺ “እንድዒኸ፡ እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ” ዝብሉ እቲ ኩነታት ዘሰከፎም ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ብጊሓቱ ተወዲቦም፡ “እዚ ጉጅለ ንብዓት ሓርገጽ’ዩ ዝነብዕ ዘሎ”  ብዝብል ካብ ቃልሲ ዘይበኾሩ ኣካላት ምንባሮም ዘይዝንጋዕ እዩ።

እቲ ኣካይዳኡ ክጅምር እንከሎ ቅኑዕ መሲሉካን መመኽነይታታት እናጸብጸብካን ዕድል ዝሃብካዮ ደሓር ክጠልም እንከሎ ክሳብ ክንደይ መሪር ምዃኑ ሎሚ ኣብ ልቢ ኤርትራዊ ዘይወጽእ ስንብራት ኮይኑ ዘሎ እዩ። ነዚ ተጣዒስካ ዘይምለስ “ካብ ንግሆኡ፡ ሕገመንግስቲ የድልየና፡ ዘይተመረጸ ኣካል ኣይምረሓና፡ መሰላትና ይከበርልና፡ ብጸጋታት ሃገርና ናይ ምጥቃም መሰልና ይወሓሰልና…. ወዘተ” ኢልና መኪትና እንተንነብርኮ ኣብዚ ዘለናዮ  ድኽነትን ውርደትን ኣይመወደቕናን ዝብል ጣዕሳ ናይ ብዙሓት ከም ዝኾነ ንከታተሎ ዘለና እዩ። እቲ መፍትሒ ግና በቲ ንድሕሪት ዘይምለስ ምጥዓስ ዘይኮነ፡ እንደገና ከይድገም ምቅላስ እዩ። እዚ ከኣ  ፋሕጭንግራሕ ኢልካ ዘይኮነስ ሓቢርካ ኢዩ ዝዕወት።

ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ደልሃመት ብቃልሲ ክወጽእ ከም ዝደሊ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ብጋህዲ ዘርእዮ ዘሎ እዩ። ብኣንጻሩ እቲ ካብ ቀደሙ ንመንፈስ ሓልዮትን ጽቡቕ ድሌትን ህዝብና እናመዝመዘ ናይ  ምልኪ መሓውራቱ ዘደልድል ጉጅለ ህግደፍ፡ ነዚ ህዝባዊ ጠለባትን ናይ ምዕዋቱ ቃልስን ደቚሱን ጓዕጺጹን ብምሉእ ዓቕሙ ክጻባእ ከም ዝጸንሐ፡ ክንከታተሎ ዝጸናሕና እዩ። ክሳብ ዕለተ-ስዕረቱ ነዚ ኣገባብ ከም ዝቕጽሎ ከኣ ንርእዮ ኣለና። ካብቲ ህግደፍ ቃልሲ ህዝብና ንከበርዕን ዝጥቀሞ ሜላታት፡ እቲ ቀንዲ ህዝቢ ሓቢሩ ድምጹ ከየስምዕን፡ ተወዲቡ ኣንጻሩ ኢዱ ንከይስንዝርን ዘይምትእምማን ከም ዝሓድሮ ጌርካ ሓድነት ህዝብ ምድኻም ኢዩ። ሓድነት ንዘይምውሓስና ግና ጠቕሊልና ንህግደፍ ጥራይ ነሰክሞ ገበን ኣይኮነን። “ሓደ ሓረስታይ ብተደጋጋሚ ጤለ-በጊዑ ብወኻርያ ዝብላዓ እንተኮይነን፡ ቆላሕታኡ ናብ ወኻርያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብቲ ጓሳ’ውን ከቕልብ ይግበኦ” ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ። ንሕና እቶም ምእንቲ ለውጢ ኣንጻርቲ ጉጅለ እንቃለስ ዘለና እውን ንገዛእ ርእስና ንህግደፍ ነዕንግሎ ከይንህሉ  ከነስተብህል ይግበኣና። ናይቶም ጉልባቦም ቀሊዖም እቲ ጉጅለ ዘዝበሎ ዝደግሙ እንዳወሓዱ ዝኸዱ ዘለዉ ወገናትናኳ ክሳብቲ ኩነታት ዝግለጸሎም ንግደፎ።

ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ወጽዓ ሓቢርና ንምምካት ቅድም ቀዳድም፡ ናጽነትን ልኡላውነት ሃገርናን ሓድነት ህዝቡናን ከም ብሌን ዓይንና እንሕሉ  ኤርትራውያን ምዃን ይግበኣና።  ኣብ ርእሲኡ ከኣ ምልካዊ ምሕደራ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ምቅዋም መባእታዊ መራኸቢና ክኸውን እኹል እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ከም ኣድላይነቱ፡ ብዛዕባ እምነትና፡ ኣውራጃና፡ ቋንቋና፡ ባህልና….. ወዘተ ምሕሳብን ዝምዕብልሉ ብልሓት ምሕሳብን ነውሪ ኣይኮነን። ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራ እትምረሓሉ ራኢ ምስትንታን’ውን ከምኡ። ነዚ ቅድሚቲ መባእታዊ መራኸቢ ዝኾነና ዝጠቐስናዮ መሰረታዊ ጉዳያት እንተ ሰሪዕናዮ ግና ንቕድሚት ዘሰጉመና ኣይኮነን። እኳደኣ ብኣንጻሩ ነቲ ናይ ሓባር መባእታዊ ረቛሕታት፡ ኤርትራውነት፡ ናጽነት፡ ልኡላውነት፡ ሓድነት ህዝብን ምውጋድ ወጽዓ ህግደፍን ዘትርር ክኸውን እዩ ዝግበኦ። እቲ ኣብ መጻኢ ዝቕጽል ዝርዝር ህንጸት ሃገር እውን ኣብዚ ኣቐዲምና ዝመድመድናዮ፡ ጽኑዕ መሰረታዊ ናይ ሓባር ባይታ፡ ህዝቢ ብዘጽድቖ ሕገ-መንግስቲ እንዳተኣልየ ዝህነጽ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። እዚ ማለት ኣብ መጻኢ እነካይዶ ህንጸት ሃገር  ኣብቲ ኣቐዲምና ዘንበርናዮ ጽኑዕ መሰረት ዝድለብን እናሻዕ ከም ሓድሽ ዘይጅመር ክኸውን እንከሎ እዩ ዘድምዕ።

ዝሓለፈ ተመኩሮና ክንድህስስ እንከለና ገዛእትና ምልሕላሕ ሓድነት ኤርትራውያን ከም ቀንዲ መሳርሒ መንበርከኺና ይጥቀምሉ ከም ዝነበሩ ወትሩ እነዘንትዎ እዩ። ንኣብነት ግዝያዊ ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያ በዚ ንስምዒታት ብጉጉይ መንገዲ ኣነሃሂርካ ህዝቢ ናይ ምክፍፋል ተግባር ካብ እንኸሶም ገዛእቲ ሓደ እዩ። እቶም ካለኦት ገዛእቲ እውን ነናቶም ኢንታታት ነይርዎም። መግዛእታዊ ተመኩሮ ክንዝክር እንከሎና፡ ዝውሰድ ኣውንታ እንተልይዎ ንምውሳድ ወይ ነቲ ክድገም ዘየብሉን  ንምኹናን እዩ። ካብቲ ኣብዚ እዋንዚ   ክድገም ዘየብሉ ክነሱ ክድገም እንዕዘቦ፡ እቲ ሓሓሊፉ ዝረአ ንኤርትራዊ ናጽነትና፡ ልኡላውነትናን ሓድነት ህዝብናን ዝህድድ ኣካይዳ ናይ ምድጋሙ ዝንባለታት እዩ።

ኤርትራውያን ሎሚ ካብዚ ዘለናዮ ሃገርን ህዝብን ናይ ምድሓን መዋጽኦ የድልየና ኣሎ። ነዚ መዋጸኦ ንምርካብ ኢና ከኣ ንቃለስ ዘለና። በብወገና ብዝተወደበ ይኹን ብዘይተወደበ፡ “መዋጸኦ እዩ” እንብሎ ኣተሓሳስባታት ኣለና። እዚ በብኹርናዑ ተመዚዙ ዘሎ ዘይተኣርነበ ሓሳባት ሒዝካ በበይንኻ ምውፋር እንተቐጺሉ፡ ብዘይጥርጥር መፍቶ ናይቲ ብምርሕሓቕና ዝዕንገልን ኣብ ኤርትራ ሓንቲ ዘየፍረየ ኣተሓሳስባኡ ዞባዊ መልክዕ ንምትሓዝ ዝሃልኽ ዘሎን ጉጅለ ከም እንኸውን ርዱእ እዩ። ስለዚ እታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ምርጫ ተጸዋዊርካ ብናይ “እንካን ሃባን” መርሆ፡ ኣብ ማእከላይ ቦታ ተራኺብካ፡ ነቲ ጫፋት ኣቀራሪብካ፡ ብውሕዱ ነዚ ወጻዒ ጉጅለ ምውጋድ ዘኽእል ናይ ሓባር መድረኽ ክትፈጥር ምኽኣል ጥራይ እያ። ናይ “ንበይነይ”  መንገዲ ግና ናብቲ “ካብቲ ሕማምሲ እቲ መድሃኒት  ዝተባህለ ገዲዱ” ዓይነት ሳዕቤን እዩ ክወስደና።

Last modified on Monday, 12 April 2021 10:16