Print this page

እገዳ ኣብ ልዕሊ ህግዲፍ መመላእታ’ዩ

2021-03-25 13:22:41 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2052 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ወጻዒ ጥራይ ዘይኮነ ገበነኛ እዩ። እቲ ገበን ነዚ ጉጅለ ብዓይኒ ጽልኢ ዝልጠፎ ዘይኮነ፡  ንተግባሩ ስለ ዝምጥን እዩ።  ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ፡ ብዘይሕገመንግስቲ ይገዝእ። ናይ ኤርትራውያን ናይ ምውዳብ፡ ምዝራብን ምሕሳብን መሰል ይገፍፍ። መሰል ዝኣመንካሉ ሃይማኖት ምስዓብ ኣየኽብርን። ልዕልና ፍትሒ ኣየዘውትርን። ንዜጋታት ይስውርን የጥፍእን። ኮታ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ኣየኽብርን። እኩብ ድምር ናይዚ ጉጅለ ሕማቕ ተግባራት ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዝደረት ዘይኮነ፡ ናብ ጐረባብትና ሃገራት እውን ዝልሕም ዘሎ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዝፍጸም ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ እዚ ጉጅለ ዶብ እናሰገረ ዝፍጽሞ በደላት እውን ደቂሱ ዝሓድር ኣይኮነን።

እዚ ሎሚ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ፡ ኣብ ኤርትራ መሊኡ ናብ ጐረባብትና ሃገራት ዝፈስስ ዘሎ ገበናት ህግደፍ ሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነ፡ ባህሪያቱ ኮይኑ; መስርሑ ሒዙ ዝመጸ ምዕባለ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንመስርሕ ኣመዓባብላ ገበናት ናይቲ ጉጅለ ይከታተሎ ነይሩ እዩ። ኣብቲ መጀመርያ፡ “ወዮ ብሳላ ክቡር መስዋእቲ ደቀይ ኣብ ስልጣን መጺኡስ ሕድሮም ክሒዱ ኣይክጠልመንን እዩ” ዝብል እምነት ስለ ዝነበሮ ምእንቲ ኣሕሊፉ ከይህቦ ንዝርእዮ ዝነበረ ሕጽረታት’ውን  ክኽውለሉ ኢዩ ዝፍትን ነይሩ። ጌና ግዜ ረኺቡ፡ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ናተይ ኢሉ ንከዕሪ ህዝብና ልቢ ኣዕብዩ   ዕድል ሂብዎ እዩ። እቲ ጉጅለ ግና ንትዕግስቲ ህዝብና ብኣንጻሩ ብሕመቕን ዘይምስትውዓልን ተርጒሙ መደልደሊ ናይ ወጽዓ መሳርሒኡ ተጠቒምሉ። ደሓር ግና ህዝቢ ኤርትራ ንህግደፍ ብቕንዕና ዝሃቦ ዕድል መዝሚዙ ኣንጻሩ ውዲታት ይምህዘሉ ከም ዝነበረ እናተረድአ መጺኡ። እነሆ ከኣ ብውሽጥን ወጻእን ብዝተፈላለዩ ኣወዳድባታት ነዚ ጉጅለ ይቃለሶ ኣሎ።

ኣብቲ መጀመርታ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ተግባራት ህግደፍ ሓደ ዓይነት ኣመዛዝና ኣይነበሮን። ገሊኡ “ጌና ዕድል ንሃቦ” ክብል እንከሎ ገሊኡ ግና ካብ ቀደሙ እውን “በዓል ደሓን” ከም ዘይነበረ ተረዲኡ ንቃለሶ ደኣ ኢሉ። ሎሚ ግና ከምቲ “ሓቅን ወጋሕታን እንዳሓደረ ይበርህ” ዝበሃል፡ ሓቀኛ ባህርያት ናይቲ ጉጅለ ተቐሊዑ እዩ። “መን ይድግፎን ስለምንታይን፡ መን ይቃወሞን ስለምንታይን” ከኣ ተነጺሩ እዩ። ሎሚ እቲ ሓፋሽ ነዚ ጉጅለ ዝቃወሞ ኮነ፡ እቶም ውሑዳት “ምሳኻ ኣለና” ዝብልዎ፡ ብዘይካ ገለ ገርሀተኛታት፡ መን ንፍትሒ ተሰሊፉ፡ መንከ መሳርሒ ወጻዒ ይኸውን ኣሎ ተነጺሮም እዮም።

ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ወጻኢ ብዝተፈላለዩ ውዳበታት ዝቃለስ ዘሎ፡ ነዚ ጉጅለ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ከቃልዖ ዝለዓለ ጻዕሪ ይገብር ኣሎ። ከምቲ ክኾኖ ዝግበኦኳ እንተዘይኮነ ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ዘይኤርትራዊ ወገናት እውን ንምሕጽንታ ህዝብና ሰሚዖም ንገበናት እቲ ጉጅለ ተረዲአምዎ እዮም። ዝተፈላለዩ ወገናት ከኣ ካብ ምርዳእ ሓሊፎም ዓው ኢሎም “ዓገብ” ካብ ዝብልዎ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ንኣብነት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እተጽንዕን እትምርምርን መዝነታ  ዓመታዊ ዝሕደስ ኣካል ካብ ዘቕውም ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ብዙሓት ሃገራት እውን በብወገነን ጉጅለ ህግደፍ እሱራት ክፈትሕ ወይ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከቕርብ፡ ነቲ ቅድሚ 25 ዓመታት ብቑጽሪ 82/1995 ዝኣወጆ መወዳእታኡ ግና ዘይፍለጥ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከቋርጾ ክምሕጸና ጸኒሐን እየን። እቲ ጉጅለ ግና ብትዕቢት ተሸንዲሑ ነቲ ስምዕታ ዋጋ ኣይሃቦን። ጉጅለ ህግደፍ እቲ ቀዳማይ ጻዕሩ ኮይኑ ዝነበረ ሓቀኛ ምስሉ ምሕባእ እዩ። ምእንቲዚ ከኣ፡ ኩሉ መራኸብታት ዓጽዩ ደሓር ከኣ ናይ ብሕቲ ሚድያታት ኣጊዱ ንኤርትራ ካብ ዓለም ነጺሉዋ። እንተኾነ ከምቲ “ሓቅስ ብእግራ እንተ ቀበርካያ ብርእሳ ትወጽእ” ዝበሃል፡ ሃለዋት ኤርትራ ተሓቢኡ ኣይተሓብአን።

ህግደፍ ነቲ ብሰንኪ ተግባሩ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ብኩራት ዲሞክራሲ ከስፋሕፍሕ እሞ “እቲ ጸገም ኣባና ጥራይ ኣይኮነን” ንምባል ንክጥዕሞ ክጽዕር ጸኒሑ። እነሆኳ ከም መርኣያ ምልኪ ናይ ምርባሕን ምስፍሕፋሕን ተግባሩ ምስ ኩሉ ክፋኡ ናብ ኢትዮጵያን ሶማልያን ሰጊሩ። እንተኾነ እዚ ኣብ ዘይጉዳይካ ኢድ ምእታዉ ከምቲ “ክረኣያ ክብላስ ይእረያ” ዝበሃል መዓት ክጐቲትሉ። ሕብረት ኤውሮጳ ብ22 መጋቢት 2021 ኩለን ኣባል ሃገራቱ ዝተሰማማዓሉ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ድሕነት   ህግደፍ ዝርዝር ኣተገባብራኡ ደሓር ዝረአ እገዳ ወሲኑ። ንናይ ጸጥታ ትካላቱ ድማ ኣብ ናይ ገበነኛታት ዝርዝር ኣስፊርወን ኣሎ። እቲ ጠንቂ ከኣ በዚ ትካላት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትርውያን ክፍጸም ዝጸንሐ ገበናትን ምስቓይን እዩ።

እገዳ ኣብ ልዕሊ እዚ ጉጅለ ሓድሽ ስለ ዘይኮነ፡ እዚ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ’ውን ዘምጸኦ ለውጢ የለን ይበሃል ይኸውን። እንተኾነ እዚ ናይ ሎሚ እገዳ ምስቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ  ብፍላይ ኣብቲ ጠንቁ ይፍለ እዩ። እቲ ናይ ቅድም ህግደፍ “ንኣልሸባብ ስለ ዝሓገዘ” ብዝብል ንኤርትራዊ ዘቤታዊ  ጉዳይ ኣብ ግምት ዘየእተወ እገዳ እዩ ነይሩ። ናይ ሎሚ ግና ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘትከለ ዘቤታዊ ዝመንቀሊኡ ምዃኑ ዝተፈልየ  እዩ። ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ከኣ እቲ እገዳ በዚ ዘብቅዕ ኣይመስልን እዩ።

እገዳ ኣብ ምቕጻዕ እቲ ጉጅለ ነብሱ ዝኸኣለ ብጽሒት ክህልዎ’ዩ። እቲ  ጉጅለ ነዚ እገዳ ዝሃቦ ምላሽ እውን ከም ዝቐንጠዎ ዘመልክት’ዩ። ነቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ እገዳ ክለኣኾም ዝደልይዎን ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ዘየገደሶምን ኣካላት እዮም ኣልዒለምሉ። ኣብ ምልዓል እቲ እገዳ ናይቲ ሽዑ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዝመስል ዝነበረ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ግደኡ ቀሊል ኣይነበረን። ሕሉፍ ሓሊፉ ነቲ ሽዑ ዝነበሮ ተቐባልነት ተጠቒሙ ናብ ቤት ምኽሪ ጻጥታ ሕቡራት ሃገራት ደብዳበ ጽሒፉ እዩ።  ኣብ ርእሲኡ  ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ዝነበረ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ፡ በዚ ኤርትራዊ ጉዳይ ተንቀሳቒስሉ። ሎሚ ግና ዲክታተር ኢስያስን ዶ/ር ኣብይን ክልቲኦም “ስንኩል ንስንኩል ይዋቕዑ ብድንኩል” ኮይኖም ስለ ዘለዉ፡ ኣይኮነንዶ ክሕግዞ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ሓደጋ ዘሎ እዩ። እቲ ቀንዲ ጉዳይ እምበኣር፡ እቲ እገዳ ንጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምቕጻዕ’ኳ መመላእታ ብጽሒት እንተሃለዎ፡ እቲ ወሳኒ ኣብ ናትና ኤርትራዊ ቃልሲ ዝምርኮስ ምዃኑ ንኻልኢት እውን  ክንዝንግዖ  ዘይግበኣና እዩ።

Last modified on Thursday, 25 March 2021 14:27