Print this page

ሓይልታት ምክልኻል፡ ዝውስነሉ እዋን’ዩ

2021-03-18 21:30:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2133 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ምምሕዳር ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግዲፍ) ቀንዲ ዝልለየሉ ባህሪ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ምዃኑ እዩ። እዚ ማለት ግና ህዝቢ ዘየማእከሉን ንረብሓ ህዝቢ ዘይሰርሑን  መሳርሒ ትካላት የብሉን ማለት ኣይኮነን። ፖሊስን ጸጥታን ዝያዳ ከኣ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ የማናይ ኢድ ናይቲ ግንባር ምዃኖም ግሉጽ ሓቂ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾኑ ከኣ ምስ ምውዳቕ ህግደፍ ከኸትሙ ወይ’ውን ንህዝቢ ብዘገልግሉ ኣገባብ ዳግማይ ብደቂቕ ክስርዑ  ዝግበኦም  ትካላት እዮም።

ምእሳር፡ ምጭዋይ፡ ምቕታልን ምውራርን መለለዪ ተግባራት ምምሕዳር ጉጅለ ህግዲፍ እዮም። ከምዚ እንብል ንስለ ምኽሳስ ወይ ዘየለ ፈጢርካ ንምጽላም ኣይኮናን። እቲ ጉጅለ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ  ከይተረፈ እውን በዚ ተግባራቱ እዩ ዝልለን ዝኽሰስን። እዚ ከኣ በዞም ዝጠቐስናዮም ደገፍቲ ዓራት ናይ ህግዲፍ ዝኾኑ ጨቆንቲ ትካላት ዝትግበር ዘሎ እዩ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ከይተደረተ፡ ዶባት ሰጊሩ እውን ህርፋን ጉጅለ ህግደፍ ከርዊ ዝጸንሐ ሎሚ እውን ዝቕጽሎ ዘሎ ትካል እዩ።

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣካል ናይታ ኢሳያስ በዘን ዝጠቐስናየን ትካላት ኣቢሉ  ገበናት ዝፍጽመላ ዓንኬል እዮም። እዚ ኤርትራውያን ኣብ ናይ ሓባር ኣረዳድኣ ካብ ንበጽሓሉ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እዞም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ምስ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብናይ “ጥቐመኒ ክጠቕመካ” ሸርሒ ሓቢሮም ዝጠፍኡ ወይ ሓቢሮም ዝለምዑ ምስ ህዝቦም ዝተዳመዩ እዮም። ሓደ ብዘይ ናይቲ ካልእ ህልውና ክነብሩ ዘይክእሉ ኢዮም። እቲ ዘዛምዶም ህልውና ጥራይ ዘይኮነ፡ ቀንዲ ማእከሉ ምኽዕባት ረብሓ እዩ። እዞም ኣዘዝቲ ነቲ ድሕነት ሃገር ኣብ ምሕላው ክመርሕዎ ዝግበኦም ሰራዊት፡ ሃገርን ህዝብን ናይ ምሕላው ክብሩን ሕድሩን ቀንጢጦም፡ ናይ ውልቃዊ ረብሓኦም መኻዕበቲ  ባርያ ከም ዝገብርዎ ባዕሉ እቲ ሰራዊቲ  ዝፈልጦ እምበር ብኻልእ ዝንገሮ ኣይኮነን። ሰራዊት ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ እንዳተዳህከ፡ ምእንቲ ህዝቢ ኢሉስ ይጽነሓልናሞ፡ ምእንቲ ክብሩን ስሙን፡ ኣንጻር’ዞም ብክብሩ ዝጻወቱን ብረሃጹ ዝህብትሙን ህዝቢ “ይውክለኒ እዩ” ዝብሎ ድምጺ ብዘይምስምዑ ክንሓምዮ ጸኒሕና ኢና። ምሕማይ ጥራይ ኣይኮነን፡ ሕድሪ ስዉኣቱ ከይጠልም ’ውን ክንጽወዖ ጸኒሕና ኢና።

እቲ ተራን ማእከላይን ኣካል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብቲ ኣዘዝቱን ኢሳያስን ዝፍሕስዎ ተንኮላት ዝርብሖ ነገር የብሉን። ዘይምርብሑ ጥራይ ውን ዘይኮነ፡ ካብቲ ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝያዳ ተሃሳዪ እዩ። ምኽንያቱ መብዛሕትኡ ናይዚ ሰራዊት ኣባል ኣብ ክሊ ዕድመ ገሊኡ ክሳብ 70  ገሊኡ ድማ ትሕቲ 18 ዓመት እዩ።  ገሊኡ ኣብ ክንዲ ጸሎቱ፡ ገሊኡ ከኣ ኣብ ክንዲ ትምህርቱ ተገዲዱ ወተሃደር ኮይኑ ዘሎ እዩ። ክፍለጥ ዘለዎ ግን ተጠቃሚ ስለ ዘይኮነስ ብዝፍጽሞ ገበናት ኣይሕተትን’ዩ ማለት ኣይኮነን። እወ ቀንዲ ተሓተቲ ኢሳያስን  ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት እዮም። ፡ይኹን እምበር፡ እቲ ሓፋሽ ሰራዊት’ውን ዘዝተባህሎ እሞ ድማ ብተደጋጋሚ  ገበን ምፍጻም  ዋጋ ከም ዘኽፍል ተረዲኡ ክዕቀብ ምስተገብኦ።

ህዝቢ ኤርትራ እዚ ሰራዊት ካብ ህዝቢ ስለ ዝወጸን ካብቲ ኣዘዝቱ ዘካይድዎ ናይ ንዋትን ደምን ንግዲ ተጠቃሚ ስለዘይኮነ፡ “ከማይ ውጹዕ’ዩ” ክብሎ እዩ ጸኒሑ። ምስዚ ግና እቲ ኢሳያስ፡ ኣብ ማይ ሓባር ተጋደልቲ ከረሽን እንከሎ፡ ብተደጋጋሚ ናይ መንእሰያት ግፋታት ከካይድ እንከሎን ኣብ ዶባት ኤርትራ ኣንጻር ዝሰግር መንእሰይ ናይ “ተኲስካ ቅተል” ፖሊሲ ከተግብር እንከሎን እቲ ቀንዲ ተዋሳኣይ ናይቲ ትግባረ ኮይኑ ዝጸንሐ እዚ ወተሃደር እዩ። “ልቢ ኣዕቢኻ” ከምዚ ዝገበረ “ተገዲዱ እዩ”፡ ዝብል ምስምስ ክበዝሕ እንከሎ ኣብ መወዳእትኡ “ዕባራ ምኽንያት” እዩ ዝኸውን። ስለዚ ከምቲ “ኣደስ ትሓብእ እሞ ሓበላ ዓይንስ ኣይትሓብእን” ዝበሃል፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ “ህዝቢ ንሓዋሩ ሕማቕ ተግባረይ ክሓብኣለይ እዩ” ኢሉ ነብሱ ከዕሹ ኣይግበኦን። ህዝቢ ኤርትራ “ሰራዊተይ ሰራዊተይ” ክብል እንከሎ፡ ንሱ ከኣ ኣብ ክንዲ “ህዝበይ ህዝበይ” ምባል፡ ኢደ-በይዛ ምልክን ወራርን ኮይኑ እንተቀጺሉ፡ እቲ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻልን ናበይ ገጹ ከም ዝምዕብል ምግማቱ ዘጸግም ኣይከውንን።

ኣብዚ እዋንዚ ኢሳያስ ኢድ ኣእታውነቱ ኣብ ውግእ ትግራይ ዘተግብረሉ ዘሎ ሓይልታት ምክልኻል እዩ። እዚ ሓይልታት ምክልኻል ኣብቲ ውግእ ዝምረሓሉ ዘሎ መርሆ ከኣ፡ ብዘይ ኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብኢሳያስ ዝተሰነዐ ዓመጸኛን ዘይሓላፍነታውን ፖሊሲ እዩ። ስለዚ ቅድሚ ኹሉ ናይዚ ሰራዊት  ኣብቲ ውግእ ምስታፍ  ብህዝቢ ኤርትራ ኣፍልጦ ዝወሃቦን ኣይኮነን። በቲ እቲ ሰራዊት ዝፍጽሞ ተግብራት ከኣ ህዝቢ ኣይሕተትን እዩ። ኢሳያስ ናብዚ ውግእ ዝኣተወሉ ምኽንያት ካብ “ንኤርትራ ዝተፈርደላ መሬት ንምምላስ እዩ” ዝብል ጀሚርካ ብዙሕ መጸባበቕታት ይግበረሉ እዩ። እቲ ብዙሓት ነቲ ኩነታት ካብቲ ኢሳያስ “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ እዩ” ዝበለሉ ጀሚሮም ነቲ ኩነታት ዝተኸታተልዎ ዝሰማምዕሉ ግና፡ ምኽንያት ኢድ ምትእትታውን ኢሳያስ ሕዱር ቂም ዝደረኾ  ሕነ ናይ ምፍዳይ ሕማም ምዃኑ ንጹር እዩ። እዚ እቲ ቀንዲ ኮይኑ ካብዚ ውግእ ርቡሕ ዓስቢ ክረክብ ምዃኑ ዘተንብህ  ምልክታት እውን ይቀላቐል ኣሎ።

ሰራዊት ኤርትራ ክሳብ ሕጂ መሳርሒ ኢሳያስ ካብ ምዃን ሓሊፉ ክብሩ ኣይሓለወን።  ንብዓት ህዝቡ’ውን ኣይሓበሰን። ኣብ ትግራይ ከይዱ፡ ኣብ ኤርትራ ዘየርኣዮ ህዝባዊ ሓልዮትን ልውህናን ከንጸባርቕ እትጽበዮ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኩሉ ካብ ገዛኻ እዩ  ዝጅመር። “ንብረት ህዝቢ ራስዩ፡ ላዕልዎት ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ኣዕንዩ፡ ፋብሪካታት ፈቲሑ ወሲዱ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዓሚጹ፡ ዕጥቂ ዘይብሎም ሲቪል ቀቲሉ…….ወዘተ” ክትሰምዕ እንከለኻ ግና “ኣብዚ ደረጅዚ  ድዩ በጺሑ”  ዘየብል ኣይኮነን። ነዚ ተግብራት ውዒልዎ ድዩ ኣይወዓሎን ምስተጻረየ፡ ሽዑ ኣፍና መሊእና እንዛረበሉ ክኸውን እዩ። ኣብኡ ቅድሚ ምብጻሕና፡ እቶም ግዳያት፡ ኣባላት ግዝያዊ መራሕነት ትግራይ፡  ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ናይ ወጻኢ ትካላትን ማዕከናት ዜናን ይህብዎ ንዘለዉ ምስክርነት’ውን ብጥንቃቐ እተስተማቕሮ’በር “እዚኣቶም ስቕ ኢሎም እዮም” ኢልካዮ ጥራይ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ካብቶም ኣብ ውግእ ዝወዓሉ ኢትዮጵያውያን፡ ንሰራዊት ኤርትራ “የኩልኮሌ ሌባ/ ሰራቒ ቀንጠመንጢ” ክብልዎ እንከለዉ ኣዝዩ የገርምን የሕንኽን።

ስለዚ ሎሚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ  ኣብ ቅድሜኡ ክልተ ምርጫታት ጥራይ እየን ዘለዎኦ። እታ ሓንቲ “ካብ ዓብቕካስ ተቖናደፍ” ኢሉ  ከም ቁርዲድ ኣብ ኢሳያስ ተላሒጉ  ጸረ-ህዝብነቱ  ምእዋጅ እያ። እታ ካለይቲ ከኣ “ሰይጣን ወሰደኒ፡ መልኣኽ መለሰኒ” ኢሉ፡ ቅድም ነብሱ ካብ ተሓታትነት ንምድሓን ቀጺሉ  ከኣ ህዝባውነቱ ንምምስካር ብረቱ  ኣንጻር ህግደፍ ምቕናዕ ጥራይ እየን።

Last modified on Thursday, 18 March 2021 22:35