Print this page

ጉዳይ ስደተኛታት፡ እዋናዊ ቀዳምነትና’ዩ

2020-12-14 08:57:34 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2050 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅድሜና ዘለዉ ክንዘራረበሎም ዝግበኣና፡ ግን ከኣ ናይ ለውጢ መስመር ቃልስና ከየስሕቱና ክንጥንቀቐሎም ዝግበኣና እዋናውያን  ዛዕባታት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ተሳቲፉዶ ኣይፋሉን? ኣብዚ  ውግእ  ዘስዓቦ ኣሰላልፋ መን ምስ መን ኣሎ? ካብቶም ገኒኖም ኣዛረብቲ ኮይኖም  ዘለዉ እዮም።

እዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ናይ ዞባን ዓለምን ኣጀንዳ’ውን ኮይኖም ዘለዉ ዛዕባታት፡ ብዝያዳ ነቶም ኣንጻር ህግደፍ ዝተሰለፍና፡ ኤርትራውያን ኣዛረብቲ ክኾኑ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ንመጻኢ ዕድል ኤርትራን ህዝባን ኮነ ነቲ ነካይዶ ዘለና ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ናይ ምርግጋጽ ቃልስና ኣዝዮም ጸለውቲ ስለ ዝኾኑ። ኣብዚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰሊፉ ኣንጻር ትግራይ ምስታፉን ዘይምስታፉን፡ ብሕብእብእ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ደቂ ውሑዳት መራሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ዘይኮኑ፡ ደቂ ህዝቢ ኤርትራ እዮም። እቲ ጉጅለ ንኢድ ኣእታውነቱ ዝምልከት ሓቂ ክነግረና ከይተጸበና፡ ናይቶም ኣብቲ ውግእ ተሳቲፎም ዝተወግኡ፡ ዝሞቱን ሃለዋቶም ዝጠፍኡን ወለድን ስድራቤታትን ሓዘኖምን ሻቕሎቶምን ይገልጹ ስለ ዘለዉ፡ ነቲ በለካ ለኸዓካ ገዲፍና፡ ነቲ ክዉን ከም መርተዖ ምውሳዱ  ናይቲ ሕቶ መልሲ እዩ።  እቲ “መን ምስ መን ይስለፍ?” ዝብል ኣብ ዝርዝር ከይኣተናን ብስምዒት ከይተደፋእናን፡ ኣየንኡ እዩ ርትዓውን ኤርትራዊ ረብሓ ዘረጋግጽን ዝብል ሕቶ ብዝምልስ መዐቀኒ ክንመዝኖ ይግበኦ። ናይ ክሳብ ሕጂ ኣቕጣጫ ኢሳያስን ናይ ብዙሓት ንኤርትራ ካብ ርእሳ ዘይወረዱላ ኢትዮጵያውያን ተንተንትን  ጠመተ፡ ናበይ ገጹ የመዓዱ ከም ዘሎ ምስትብሃል ግና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

“ኤርትራዊ ረብሓ” ዝብል ኣምር ብብዙሕ ኩርንዓት ዝረአ፡ ነብሱ ዝኸኣለ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ኣብዚ እዋንዚ ቅድሚት ክንሰርዖ ዝግበኣና መዓቀኒ “ኤርትራዊ ህልውናን ልኡላውነትን” ክኸውን ከም ዝግበኦ ከነስተውዕል ይግበኣና። ብዝኾነ ይኹን ዝጸንሐን ዘሎን ፍልልያትን ህልኽን ኣወንዚፍና፡ ነዚ መሰረታዊ መዐቀኒ ክንስሕቶ ኣይግበኣናን። ምሕዝነት ኢሳይስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ቀጻሊ መደባቶምን ሓደጋኡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣድቂቕካ ምግማት ከገድሰና እዩ። እዚ ንዕዘቦ ዘለና ናይ ጉጅለ ህግድፍ ከለፍለፍን ዘይምኽኑይ ኢድ ኣእታውነቱ ኣብ ውግእ ትግራይን ድሮ ህይወት ብዙሓት መንእሰያትን ንብረት ህዝቢ ኤርትራን ኣኽፊሉና ምህላዉ ውሁብ  እዩ። እቲ ክስዕብ ዝኽእል ዘስገኣና ዋጋ ምውጋዱ ኮነ ምንካዩ ከኣ ብቃልስና ዝውሰን እዩ።

እቲ ከሻቕለናን ከተሓሳስበናን ዝግበኦ ካልእ ጉዳይ፡ እቲ ብሰንኪ ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ካብ 1967 ጀሚሩ ካብ ኤርትራውያን ዘይለቐቐ ስደትን መሪር ሳዕቤናቱን እዩ።  ስደት ኤርትራውያን ብሰንክቲ ጉጅለ ህግደፍ ፊን ኣብ ዘዝበሎ ዝጽሕትሮ ውግኣት ክሳብ ሎሚ ኣይተገትአን። ስደት ኣብዚ እዋንዚ እዋናዊ ቀዳምነትና ዝኾነሉ ከኣ፡ ሃለዋት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያን፡ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ክልል ትግራይ ኣብ  መደበር ስደተኛታት፡ ሽመልባ፡ ሕንጻጽ፡ ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን እዩ። እዚ መደበር ስደተኛታት ካብ ቀደሙ ስግኣትን ናይ ቀረባት ዋሕድን ዘይተፈልዮ ምንባሩ ዝዝከር እዩ ። እዚ ሎሚ ዝያዳ ዓሪጉ ዘሎ ስግኣት ከምቲ “ጠባይ  መደበር ስደተኛ እዩ” ኢልና ክንሓልፎ ዝጸናሕና ኣይኮነን።  እቲ መደበራት ስደተኛ ዝርከበሉ ከባቢ ቀጻሊ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ብምዃኑ ኣይኮነንዶ ንዓና ሰብ ጉዳይ፡ ንዓለም እውን ኣሻቒሉ ዘሎ እዩ። ኣብዚ ውግእ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይሳተፍ ስለ ዘሎን ጉጅለ ህግድፍ ኣብ ልዕሊቶም ራሕሪሐምዎ ዝተሰዱ መንእሰያት ሕነ ካብ ምፍዳይ ድሕር ከምዘይብል ስለ እንፈልጥ  ሻቕሎትና ዝያዳ ክኸውን ግድን እዩ። ስግኣትን ሻቕሎትን ጥራይ ዘይኮነ ብግብሪ’ውን ብሰንክዚ ውግእ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳይ ኮይኖም ከም ዘለዉ ከካብ ኩርናዑ ስግኣታት ይቃልሑ ኣለዉ።

ኣብዚ መደበር ስደተኛታት ብፍላይ ካብ 30 ሕዳር 2020 ንደሓር ሕክምና ኮነ ዝቕመስን ዝለሓስን የለን።  ናይቶም ስደተኛታት ንብረት ዝርካቡን ናይቲ መደበራት ኣብያተ-ጽሕፈትን እውን ተዘሚቱ እዩ። እቲ ብሕጊ ዘይምራሕን ሕጊ ዘየኽብርን ጉጅለ ህግዲፍ  ካብዚ መደበራት ስደተኛታት መንእሰያት ብሓይሊ ገፊፉ ናብ ኤርትራ ክወስድ እዩ ዝብል ስግኣት ሰማይ ዓሪጉ ዘሎ ስግኣት እዩ። ንመደብር ሽመልባ ጠቒሶም ብግብሪ ወሲዱ ኣብ ባረንቱን ከባቡኡን ኣስፊርዎም ዝብሉ ወገናት እውን ኣለዉ። ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ካልኦት ሰብኣዊ ትካላትን ናይቲ መደበራት ደሃይ ዝፈልጥሉ መንገዲ ስለ ዝተዓጽወ ኣብ ሻቕሎት ኣለዉ። ኣብቲ መደበራት ሰብኣዊ ኣገልግሎት ይህቡ ናይ ዝነበሩ ትካላት ኣባላት ኣብ ሽረ ከም እተቐትሉ እውን ይንገር ኣሎ። ካብ ኤርትራውያን ስደተኛታት እውን ኣብ ከባቢ’ቲ  መደበራት ብሰንኪ ዝተኻየደ ውግእ ዝሞቱን ዝትወግኡን ከም ዘለዉ  ተፈሊጡ ኣሎ።

ዓቕሎም ዝጸበቦም ኣብቲ መደበራት ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት “ነብሰይ ኣውጽእኒ” ብዝብል ብሓፈሻ ናብ ሱዳን ሓዊስካ፡ ናብ ኩሉ ኩርንዓት፡ ብፍላይ ከኣ ብመንገዲ ማይ ጸብሪ፡  ለማልሞ፡ ዳባትን ጐንደርን ብዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ብእግሪ ይኹን ብመጐዓዝያ፡ ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ክኸዱ ዝፈተኑ ብዙሓት እዮም። በዚ ፈተነኦም ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ዝበጽሑ ኣለዉ። ኣዝዮም ብዙሓት ከኣ ኣማኢት ብር ጨቐቕ ኢሎም ከፊሎም፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጾም ብኣውቶቡሳት እንዳተጓዕዙ ካብ ከባብታት ዓደርቃይ፡  ደባርቕ፡ ዳባትን ጐንደርን ብወተሃደራዊ ሓይሊ ተገዲዶም “ድሕሪ ሕጂ ክንሕልወኩም ኢና” ብዝብል ሸፈጥ፡ ናብቲ ውሕስነት ስለ ዝሰኣንሉ ዝገደፍዎ ናይ ትግራይን ኣምሓራን ፍሉያት ሓይልታትን መልሻን ዝዋግእሉ ዘለዉ ዝባደመ መደበራት ዝተመልሱ ኣለዉ።

ስለዚ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ተሃዋሲ ስለ ዝኾነ፡ እዋናዊ ቀዳምነትና ጌርና ክንወስዶ ይግበኣና። ቅድሚ ኩሉ ናብ ኤርትራ ከይዶም ግዳይ ማእሰርትን ቅትለትን ከይኮኑ ነቲ ዝምልከቶም ኣካላት ዘስምዕዎ ዘለዉ ምሕጽንታ ከነራጉዶ ንጽዓት። ካብዚ ሓሊፍና ዝዕንገልሉ ዕድል ንምፍጣር ከምቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ነዚ ጉዳይዚ ብዝምልከት “ኣብ’ዛ ፈታኒት እዋን እዚኣ ነዞም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ስደተኛታት ዜጋታትና ኣድላዪ ሓገዝን ሓለዋን ክግበረሎም ንኹሎም ብቐረባ ዝምልከቶምን ንኣህጉራዊ ሕብረተሰብ ብሓፈሻን ኣጥቢቕና ንሓትት። ነቶም ካብ ናይ ውግእ ዞባ ወጻኢ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ኢትዮጵያ ዘለዉ ድማ ንድሕነቶም ህጹጽ ኣቓልቦን ደገፍን ክግበረሎም ምሕጽንታና ነቕርብ።”  ዝበሎ፡ ካባና ዝሓሸ ዓቕምን ድምጽን ምስ ዘለዎም ሓቢርና “ኣለናልኩም” ዝብል ድምጽና ነስምዕ። ኩለን ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ብተናጸል ኮነ ብእኩብ፡ ድምጸን ከስምዓን ተጽዕኖአን ከዛይዳን እዋኑዩ።

ኣንታ ወትሩ በትሪ ጉጅለ ህግደፍ ኮይንካ ህዝብኻ ከይትብድል እሞ ደሓር ከየጣዕሰካ እነተሓሳስበካ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ሎሚ እውን ኣስተውዕል። ኣበይን ምእንቲ ምንታይ ትዋጋእ ከም ዘለኻ፡ ዋላ ተደንጐየ ኣይሓለፈን እሞ ሎሚ’ውን ሕሰበሉ። ኣብ ዘይጉዳይካ ኣንጻር ህወሓት ናይ ምውጋእ ጉጉይ መንገዲ ተጐዝጒዝካ፡ ኣብ ልዕሊ ዓለም ለኻዊ ዑቕባ ዘለዎም ኣሕዋትካን ኣሓትካን ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብህግደፍ ናይ ዝፍጸም በደል ኢደበይዛ ኣይትኹን። ጽባሕ ካብ ምጠዓስ ሎሚ ሕሰብ። እንዳ ረኣኻ እንዳሰማዕካ ትወስዶ ንዘለኻ ስጉምቲ፡ ኩሉ ግዜ ነቲ ጉጅለ ጥራይ ኣላጊብናሉ እንሓልፍ  ኣይኮነን። ለኣኻይ ናቱ እጃም ኣለዎ። ተዓሚቱ ዘዝተላእኮ ዘዕኑ ኣካል’ውን ብጽሒት ከም ዘለዎ ኣይትዘንግዕ። ስለዚ ከምቲ ስምካ ዝሕብሮ፡ ናይ ህዝብኻ ተኸላኻሊ እምበር ናይቲ ጉጅለ ተለኣኣኺ ኣይትኹን።

Last modified on Monday, 14 December 2020 10:01