Print this page

ሳዋ፡ መዓስ እዩኸ ክርህዋ?

2020-09-11 08:03:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2493 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ካብቶም ለንቅነ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ብዛዕባ ኤርትራ ክዝረቡ ዝቐነዩ ግና ብናይ ህግዲፍ መርበብ 03 ዝተማህዙ ከይኮኑ፡ ዕቱብን ደቂቕን ምጽራይ ዘድልዮም ወረታት፡ “ኣብ ዓድታት ካርንሽም ብዙሓት ስድራቤታት ተኣሲሮም ናብ ዘይተፈልጠ ሕቡእ ኣብያተ-ማእሰርቲ ተወሲዶም፡ ጠዓመ መቐለ ዝተባህለ ቀራን ኢደ በይዛ ሰለያ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተቐይዱ፡ ኤቨን ዘካርያስ ዝበሃል ኣብ ኤርትራ ንብዙሓት ደም ዘንበዐ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓሊባይ ሎጅ ብዝብል ትካል ተኸዊሉ  ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ተቐንጺሉ፡ መራሕ መኪና ኣንበሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መኪናኡ ተቐቲሉ…” ዝብሉ ካብቶም ብዙሓት ናይ ህውከት እምበር ናይ ቅሳነት ዘይኮኑ ንፋሳት እዮም። ልዕሊ ኩሉ ከኣ “ተሳተፍቲ መበል 34 ዙርያ ናብ ሳዋ ክወርዱ ጀሚሮም” ዝብል  ኣብ መድረኽ ዘሎ በዓል ቅነ ኤርትራዊ ወረ እዩ። እዚ ዘየሕጉስ ወረታት ንኤርትራዊ ሃዋህው ኣብ ዝበከለሉ፡ ኣብ ጐረቤትና ትግራይ ግና ብኣንጻሩ “ትግራይ ትመርጽ” ብዝብል ጭረሖ ናይ ጽንዓትን ዲሞክራስያዊ መሰልካ ምጥቃምን መኸተ፡ ኣብ ዓበይቲ ማዕከናት  ጸላዊ  ዜና ኣብ ዝኾነሉ ህሞት ምዃኑ፡ ደላይ ሰላምን ለውጥን ኤርትራዊ ብቕዱስ ቅንኢ ሓሪኑ ንዝያዳ መኸተ ክዕጠቕ ዝጽውዕ እዩ።

እዚ ኩነታት፡ እቶም ኣብ ሓደ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢኦም ስርዓት ደርጊ ሓቢሮም ብምቅላስ ናይ ሓባር ዓወት ዘመዝገቡ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ሎሚ  ዘለዉዎ ሃለዋት ከነነጻጽር ዘገድደና እዩ። ውጽኢት ምንጽጻርና  ናበይ ከም ዝመርሓና ከኣ ፍሉጥ እዩ።  ህዝቢ ኤርትራ ብመንጽር ፖለቲካዊ ኣተሃላልዋ  ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኣዝዩ ዝኸፈአ ደልሃመት ከም ዘሎ ክንቅበሎ እንቕሰብ ሓቂ እዩ። ሎሚ ንሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ዝምልከት ዝውረ ሕማቕ እምበር፡ ጽቡቕ ዛዕባ የለን።

እታ ኣብ ሓደ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ዝብጀዉ ሓርበኛታት ብምምልማልን ምዕጣቕን ጽቡቕ ዝና ዝነበራ መደበር ታዕሊም ሩባ ሳዋ፡ ሎሚ ብሰንኪ ህግዲፍ ምስሊ ኤርትራውነት ዝድውን ዘይሰብኣውን ዘይዲሞክራስያውን ስርሒታት ዝፍጸመላ ገሃነም ኮይና ስለ ዘላ፡ ሳዋ ኣማን ብኣማን ክልተ ግዜ ተራእያ። ካብዚ ኣበሳዚ ወጺኣ ራህዋ ትርእየሉ ግዜ ከመጸላ  ከኣ ትጽበ ኣላ። እተን ገበን ጉጅለ ህግዲፍ ብዝለዓለ ደረጃ ዝፍጸመለን ዘይተዓደላ ቦታታት ኤርትራ፡ ዕራዒሮ፡ ናኹራ፡ እምባትካላ፡ ዓዲ ኣበይቶ፡ ምዕጢር፡ ዊዓ………ወዘተ እንዳበልካ እንተ ዘርዚርካየን ብዙሓት እየን።  ሳዋ ግና ናይ ወለዶታት ምትኽኻእ ኣብ ሓደጋ ዘእትወት ስለዝኾነት ዝገደደ እዩ። ምኽንያቱ እዛ ዘይኢዳ ዝረኸበት ሳዋ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ካብ ኩሉ መሰላት  ዝሕየረላ፡ ዝምድና ተመሃራይን ወለዱን ዝብተኸላ፡ ኤርትራዊ ባህላውን ሃይማኖታውን ክብርታት ዝበላሸወላ፡ ንጸቢብ ኣፍራሲ ህግዲፋዊ ጉጅለ ዘገልግል ጸይቂ ባህሊ ዝህንደሰላ፡ መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ኤርትራዊ ባህሊ ወጻኢ ናይ ዝኾኑ ኣርሒቖም ዘይርእዩ ኣረመንየ ጉግማጉግ ዓለምቲ መጻወትን ከደምትን ዝኾነላ፡ መንእሰይ ተማሂሩን ሓዳር መስሪቱን ትውልዳዊ ሃገር ናይ ምቕጻል ሓላፍነቱ ከይፍጽም ዝዝረዓላን ኩሉ ጸልማት ምስ ኮኖ ናብ ስደት ዝነቕለላን ማእከል ገበን ኮይና ኣላ።

እዚ “ደቂ ሃገር ኢና” ብዝብሉ ኤርትራዊ ስነ-ምግባር ዝቐበጾም፡ ዘይወግሕ ዝመስሎም፡ ንድሕሪት እምበር ንቕድሚት ዘማዕዱ ቀልቢ ዝረሓቖምን ብግዝያዊ ጽሩራ ዝሰኸሩን ወገናት ኣብ ሳዋ ዝፍጸም ዘሎ ገበን፡ ሓደ መርኣያ ካብ ገበናት ጉጅለ ህግዲፍ እምበር፡ ንኹሉ ኣብ መዝነት ዘሎ ዝውክል ኣይኮነን ዝብል እምነት ኣለና። ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ሃገርና፡ ንዓሰርተታት ዓመታት እሱራት ተዓጽየሙለን ዘለዋ ኣብያተ-ማእሰርቲ፡ ነናተን ክብደት ገበን ኣለወን። ኣብ ሳዋ ዝፍጸም ዘይሰብኣዊ ገበናት ዘሕድሮ ሻቕሎት ኣብ ኤርትራዊ ክሊ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ህግዲፍ ካብ ከምዚ ዓይነት ኣብዚ ንርከበሉ መዋእል ከጋጥም ኢልካ ዘይትጽበዮ ባርነት ንክቑጠብ በብግዜኡ መጸዋዕታ ዘቕርበሉ ብሰንክቲ  ኣብ ሳዋ ዝትግበር ዘሎ “ደረት ግዜን ኣገልግሎትን ዘየብሉ” ግዱድ ዕስክርና እዩ። እዚ ኣብ ሳዋ ዝፍጸም ገበን ኣብ ቀልቢ ብዙሓት ኣገደስቲ ሳባትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ቆላሕታ ዝረኸበሉ ቀንዲ  ምኽንያት፡  ኤርትራውያን ኣብ ኩሉ ዝተሰደድሉ ኩርነዓት ዓለም፡ ጠንቂ ስደቶም እቲ ካብ ሳዋ ዝነቅል  “ደረት ዘየብሉን ኣገዳድን ዕስክርና” ምዃኑ ስለ ዝገልጹ እዩ።

ተመኩሮ ሳዋ ድሕሪ ናጽነት፡ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና ገበን ዝፈጸመሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ መወዳእታ መላኺ ኣተሓሳስባኡ ዝቕበረሉ ነቑጣ ክኸውን እዩ። ህግዲፍ ነቲ ዘይተርፍ  ስዕረቱ ንዘይምቕባል እዩ፡  ነቲ ሳዋ ዝመበቆሉ ግዱድን ደረት ዘየብሉን ወተሃደራዊ ፖሊሲኡ  ጠጠው ንከብል ዝቐርቦ ምሕጽንታ ዘይቅበሎ። ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ሓልዮት ዘንቀሎም ወገናት፡ ብቐንዱ ከኣ ባይቶ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ብተደጋጋሚ ከቐርብሉ ንዝጸንሑ ምሕጽንታታት’ውን፡ ዘይርትዓውን ዘይወድዓውን ትምክሕታዊ ምስምሳት ብምቕራብ ክነጽጎ ጸኒሑ። ሳዋ ኩሉቲ ሎሚ ኣብኣ ዝፍጸም ዘሎ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን ግህሰታት ኣወጊድካ፡ ሃገር ኣብ ምክልኻልን ምህናጽን ዝነጥፍ፡ ክብሪ ህዝቢ ዘቐድም ብሕጋዊ ትካል ዝመሓደር ብቑዕ ዓቕሚ ኣብ ምፍጣር ዘትከለ ኣገባብ ጥራይ መንእሰይ ዝምልመለላ እንተትኸውን፥ ዓለም ኣይመኻዓበታን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮና፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብቅዋም ዝጸደቐ ናይ ግዜ ገደብ ዝህልዎ ዜጋታት ኣብ ውትህድርና ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዘዝመረጽዎ ዓይነት ሞያ ኣገልግሎት ዝህቡሉ ትካል ክኸውን ከምዝግባእ ይኣምን።” ብዝብል ዝሰፈረ ዓንቀጽ ኣለና።

ህዝቢ ኤርትራ ንመደባት ሳዋ ካብቲ ዝተበገሰሉ ጀሚሩ “ይኹን” ኢሉ ብዘይስኽፍታ ኣይተቐበሎን። ውጽኢት መስርሕ ፕሮጀክት ሳዋ ምስተራእየ እውን ክትቃወሞ እምበር፡ ክትድግፎ ዘተባብዕን ዘብህግን ኣይነበረን። ምዃን እኳ ኣብ ግዜ ህግዲፍ ዝንጸግ እምበር ተቐባልነት ዝረክብ ፍጻመ የለን።  ብፍላይ ኣብዚ ህዝብና ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ መተካእታ ኣብ ዘየብሉ ተዓጽዩ፡ ኣደዳ ጥምየትን ጽምእን ዝኾነሉ ዘሎ እዋን፡ መንእሰያት ኣገዲድካ ናብ ሳዋ ምውሳድ ምስቲ እዋናውነቱ “ሳዋ፡ መዓስ እዩኸ ክርህዋ?” ንዝብል ሕቶ  ጽባሕ ዘይኮነ “ሎሚ” ዝብል መልሲ ክረክብ ዝግበኦ’ዩ።

Last modified on Friday, 11 September 2020 10:28