Print this page

ስደት መፍትሒ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ምርጫ ዋንኡ’ዩ፡

2020-02-15 08:22:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2424 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ

“6.3 ንሕሰም ህዝብና ተረዲኦምን ካብ ሰብኣዊ ርህራሄ ተበጊሶምን ዓቕሞም ብዘፍቅዶ መጠን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝቕበሉን ዝናብዩን ዘለዉ ህዝብታትን መንግስታትን ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ብዝገበርዎ ኣቐባብላ ኣድናቖቱ ይገልጽ። ነተን ብዙሕ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝተቐበላ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ድማ ፍሉይ ምስጋናኡ የቕርብ። እዚ ሎሚ እዘን ክልተ ክልላት ንህዝብና ኣብ ግዜ ጸገሙ ዘርእይኦ ዘለዋ ሕውነታዊ ኣተሓሕዛ፡ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ምስዘን ጐጎረባብታ ንዝህልዋ ጽቡቕ ዝምድና መሰረት ዘንብር ስለዝኾነ፡ ክተባባዕ ዝግብኦ ሰብኣዊ ውርሻ ምዃኑ ጉባኤ ኣረጋጊጹ።” (ካብ ውሳነታት 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤ ዝተወስደ)

ስደት ንኤርትራውያን ነዊሕ ታሪኽን ውረድ ደይብን ዘለዎ ምዃኑ ኣብ ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍና ዘሎ እዩ። ስደት ንኤርትራውያን ካልእ መፍትሒ ምስተዓጽወ ዝውሰድ ህይወት ናይ ምድሓን ስጉምቲ እምበር ናይ ባህታ ጉዕዞ ኣይኮነን። ንኤርትራ በብተራ ዝገዝእዋ ሓይልታት፡ “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን” ዝብል ጭረሖ ኣምሪሖም፡ ህዝባ ንብራስን ንምብስባስን ዝመረጽዎ ኣጽናቲ ስልቲ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ነይሩ ሕጂ ኣብ ግዝኣት ህግዲፍ እውን ኣሎ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢ 1967 ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝተወስደ ናይ ብርሰትን ምጽናትን ሓደገኛ ስጉምቲ ቀንዲ ጠንቂ ስደት ምንባሩ ብመጽናዕትታት ዝተሰነደ ዘይርሳዕ ተዘክሮ እዩ። ኤርትራውያን ስደት ንክመርጹ ዘገደዶም ኣስካሕካሒ ስጉምቲ ዝተወስዶም፡ ነቲ ንናጽነት ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ፡ የዕጥቑ፡ የዕንግሉን ይሕብሩን እዮም ብዝብል፡፡ እቶም ተቓለስቲ ካብ ህዝቦም ነጺልካ ከም ካብ ባሕሪ ዝወጸ ዓሳ ንምስዓሮም ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

ኤርትራውያን ግና ብደረጃ ስደተኛ ኣብ ዓዲ ጓና ምንባሮም ከይዓገቶም ነቲ ኣብ ዓዶም ኮይኖም ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዘካይድዎ ዝነበሩ ቃልሲ ንኹሉ ናይ ስደት መረረት ተጻዊሮም ቀጺለምዎ እዮም። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ድሕሪቲ ዋጋ ዝኸፈልሉ ናጽነት ኤርትራ ናብ ዓዶም ብኽብሪ ተመሊሶም ጻማ ቃልሶም ኣይረኸቡን። ሕሉፍ ሓሊፎም ናይ ድሕሪ ናጽነት ሓደስቲ ኣጋይሽ ስደተኛታት ክቕበሉ እውን ተገዲዶም።

ስደት ኤርትራውያን ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ክንዲ እንዳነከየ ዝኸይድ እንዳገደደ ምኻዱ ካብ ናይ ካለኦት ሃገራት ስደት ፍሉይ ዝገብሮ እዩ። ናይ ድሕሪ ናጽነት ስደት ኤርትራውያን ከምቲ ናይ ቅድም ናብ ሓደ ኣቕጣጫ ዘይኮነ፡ ናብ ብዙሕ ኩርነዓት እዩ። እቲ ቀንዲ ኣቕጣጫታት ከኣ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ኮይኑ ጸኒሑ። ስደት ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 እዩ ብወግዒ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ረኺቡ። ብቕደም ተኸተል ከኣ፡ ፍቸ፡ ብላቴ፡ ደደሳ፡ ሽመልባ፡ ማይ ዓይኒ፡ ዓዲ ሓርሽ፡ ሕንጻጽ፡ ኣሳይታን በራሕለን ኣብ ዝተባህሉ ከባብታት ኢትዮጵያ መደበራት ተኸፊቶም ብዙሓት ኤርትራውያን ኣዕቊቦም ኣለዉ።

ናይ ድሕሪ ናጽነት ስደት ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ ዘይሕገ-መንግስታውን ዘይዲሞክራስያውን ምምሕዳር ጉጅለ ህግዲፍ ዝተፈጥረ እዩ። እቲ ጉጅለ ነቲ ዋሕዚ ንምዕጋቱ ዝመረጾ መንገዲ፡ ኣብ ኣመራርሓኡ ዘሎ ሕጽረታት ገበናትን ብምትዕርራይን ጠንቂ ስደት ብምውጋድን ዘይኮነ፡ ብሓይሊ ኣብ ዶባት እዩ ክዓግቶ ፈቲኑ። ሕሉፍ ሓሊፉ ከኣ፡ ናይ “ተኲስካ ቅተል” መምርሒ ከተግብር ስለ ዝመረጸ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ናይዚ ጸይቂ ፖሊሲኡ ግዳይ ከም ዝኾኑ ኩልና እንፈልጦ እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ሸዊት ያቆብ ዝተወስደ ጭካነ ከኣ፡ ናይዚ ግፍዓዊ ተግባር ኣብነት እዩ።

ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን እቲ ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ዝፍጽሞ ዘሎ፡ ምግሃስ መሰላት፡ መጀመርታኡ እምበር መወዳእታኡ ዘይፍለጥ መጻኢ ዕድል ኤርትራዊ መንእሰይ ዘጸልመተ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ብኣኡ ኣጐልቢብካ ዝካየድ ካብ ባርነት ፈሊኻ ዘይርአ ናይ ጉልበት ምዝመዛን ዝርከብዎም ብዙሓት ገበናት እዮም። ከም መራሒ ህግዲፍ ሃገር እናባደመት ብታሕጓስ ኣፍልቡ ዝወቅዕ ዘይኮነ፡ ዋሕዚ ናብ ስደት ክዓግት ንዝደሊ ምምሕዳር እቲ መፍትሒ ጠንቂ ስደት ካብ መሰረቱ ምድራቕ እዩ። ህግዲፍ ግና ብፖሊሲ “ኪድን ኣይትበሎ፡ ከም ዝኸይድን ግበሮ” ስለ ዝምራሕ፡ ከምስል ከጉባዕብዕ እምበር፡ ኣብቲ ጠንቂ ስደት ዋኒነይ ኢሉ ክሰርሕ ባህሪኡ ኣይፈቕደሉን እዩ። እዚ ጉጅለ ቂምን ምፍዳይ ሕነን ቀንዲ መለለይኡ ስለ ዝኾነ፡ ነቶም መሰረታዊ መፍትሒ ኮይኑ ዘይኮነስ፡ ከም ግዝያዊ መዕገሲ ስደት ዝመረጹ ኤርትራውያን ደድሕሪኦም እንዳሰዓበ ካብ ምስቓዮም ድሕር ኣይበለን። እቲ በብግዜኡ ኣብ ሱዳን ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ገሊኡ ብኢድ ኣዙር ገሊኡ ከኣ ብቐጥታ፡ ከካይዶ ዝጸንሐ ቅትለትን ጭውያን ከኣ ናይቲ ጽዩፍ ተግባሩ ኣብነት እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ከኣ በቲ ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ፡ ኢደ-ወነናውን ጻሕታሪ ህውከትን ዘይቅዱስ ዝምድናኡ ኣቢሉ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ናይ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣፍልጦ ዘለዎም ከይተረፈ ተጽዕኖታት ክፈጥር ትንዕምንዕ ይብል ኣሎ። ንስደተኛታት ዝምልከት ዓለምና እትሰርሓሉ ዘላ ኣህጉራዊ ሕጊ ብምጥሓስ፡ ነቲ ባዕሉ ክስደድ ዝድርኾ ዘሎ ኤርትራዊ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘእትዉ ኣፍደገታት ራማ፡ ሑመራን ዛላንበሳን፡ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብዝተመደቡ ኢትዮጵያውያን ናይ ምምዝጋብ ሰራሕተኛታት ኣቢሉ፡ ኣብ ልዕሊ እዞም ኩነታት ኣገዲድዎም ክስደዱ ዝወሰኑ ኤርትራውያን ዝወስድ ዘሎ ንኢሳያስ ናይ ምሕጓስ ዘይሓላፍነታዊ ወስታታት ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። እዚ ወስታ ኣብ መጻኢ፡ ክሳብ ሕጂ ብደረጃ ስደተኛታት ዝተመዝገቡ ሕጋውያን ኤርትራውያን ኣሕሊፍካ ናብ ምሃብ ክምዕብል ከም ዝኽእል ከኣ ኣቓልቦ ዘድልዮ እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ ስደት መሰረታዊ መፍትሒ ከምዘይኮነ ጠፊእዎም ዘይኮነስ፡ ኣብ ሃገሮም ዘጋጠሞም ጸገም ንምዕጋስ ከም ግዝያዊ መፍትሒ ብምውሳድ ናብ ኢትዮጵያ ንዝኣትዉ ኤርትራውያን ኣብዚ ዛዕባዚ ዝተዋፈሩ ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት፡ ክሓስብሉ ይግበኦም። ብዓብይኡ ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነዚ ኩሉ ዓቕሙ ጸንቂቑ ኣብ ድሮ ዘይተርፍ ውድቀቱ ዝርከብ ዘሎ ዲክታቶር ንከሕጉስ ምስቲ ዘይሓልፍ ህዝቢ ኤርትራ ዘቀያይሞ መንገዲ ከይክተልን ንዓለም ለኻዊ መሰል ስደተኛ ከኽብርን ንጽወዖ። ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ከኣ ከምቲ “ንውላዱ ፈትዩ፡ ንወዲ ጐረቤት ዝጸልእ፡ ነቲ ውላዱ’ውን ኣይፈትዎን’ዩ” ዝበሃል፡ ነቲ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘርእይዎ ሓልዮት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ክነፍግዎ ኣይግበኦምን።

Last modified on Saturday, 15 February 2020 09:28