Print this page

ኣብ ክንዲ ንደጋግም፡ ንቕድሚት ንሰጉም

2020-01-15 10:27:11 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2693 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ

ኩነታት ደንበ ተቓውሞና ብመንጽርቲ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት፡ ሎሚ ምጽልላምን ምንጽጻግን ሃዲኡ ኣብ ሕድሕድና ከም እንደላለ ኣብ እነንጸባርቐሉ ተስፋ ዝህብ ደሓን ኩነታት ኣለና። ዳርጋ ብኹልና ክበሃል ብዘኽእል ደረጃ፡ “ናይ ዝሓለፈ ቂም እሱራት ኣይንኹን፡ ንክእኣል፡ ንጸዋወር፡ ፍልልያትና ኣመሓዲርና ኣብቲ ንሰማመዓሉ ንስራሕ፡ ህልውናን ድሕነትን ህዝብን ሃገርን ቅድሚት ይሰራዕ፡” ዝብል ድምጽታት ይብርኽ ኣሎ። ድሕሪዚ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ወሳኒ ዕማም ነቲ ትስፉው መግለጽታትን ኣዋጃትን ምድግጋም ዘይኮነ፡ ኣብኡ ተመስሪትካ ናብ ግብራዊ መጻኢ ዕማም ምስጓም እዩ። ኣብዚ እንዳተደላለና ዘይምኽኑይ ግዜን ጉልበትን ካብ  ምብኻን ክንዕቀብ ይግበኣና።

ናብዚ ሕጂ ዘለናዮ ህዱእ ናይ ምድምማጽ ደረጃ ንምብጻሕ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ኣህላኺ መስርሕ ከም ዝሓለፍና ኩልና እንርደኦ እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ናይ ምድልላይ ደረጃ ምብጻሕና ተስፋ ዝህብ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ፡ ነቲ ኮኩርባኡ ሒዙ ዘሎ ቅርቡነትን ብሓባር ናይ ምስራሕ ህርፋንን፡ ብሓንሳብ ጸሚድካን ትካላዊ መልክዕ ኣትሒዝካን ውጽኢት ከተመዝግብ ምብቃዕ እውን ቀሊል ቃልሲ ዝሓትት ኣይኮነን። እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕማም ቀሊል ዘይኮነሉ ምኽንያት ናትና ናይ ዓቕሚ ውሱንነትን ናይ ኣቀማምጣ ዘይምችኡነትን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ በቲ ሓቢርና ኣንጻሩ ክንሰርሕ ብምብቃዕና ዕድሜኡ ዝሓጽር ጉጅለ ብዘለዎ ዓቕሚ ስለ ዝጻብኣና እዩ። እዚ ጉጅለ ናይቶም ንረብሓኦም ክብሉ ዝመሓዘውዎ ዓቕሚ ወሲኹ’ውን ኣንጻርና ካብ ምስላፍ ንድሕሪት ከም ዘይብል ምልክታት ንርኢ ኣለና። ከምቲ “ንዓኻ ዝመስሉ ግና ከማኻ ዘይኮኑ” ዝበሃል፡ ኣብ ውሽጥና ኣትዩ ክዘርገና ካብ ምሕላን’ውን ዓዲ ስለ ዘይውዕል ጉዕዞና ረቂቕ፡ ጥንቃቐ ዘድልዮን ንሓሳባት ሃንደፍ ኢልካ ዘይምውሓጥን እውን ከድልየና እዩ።

እቲ ክንሰግሮ ዝግበና ጸገም እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ምስቲ ናይቲ ለውጢ ኮነ መተካእታ ናይ ምድላው ቀንዲ ቀላሲ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ብቐሊሉ ክንራኸብ ዘይምብቃዕና ካልእ ንቃልስና ዘኽብዶ እዩ። ህዝብና ልቡ ምሳና እናሃለወ ምሳና ክራኸብ ጥራይ ኣይኮነን ጸገሙ። ኣብቲ ዘለዎ ኮይኑ በቲ ሓደ ወገን በቲ ሎሚ ዕድሚኡ ኣኺሉ እንዳዘለቐ ዝኸይድ ዘሎ  ጸጥታዊ መጻወድያ ናይቲ ጉጅለ ዝተሻበበን መንእሰያቱ ገዲፈምዎ ዝኸዱን ምዃኑ እቲ ቀንዲ ጸገሙ እዩ። ከምኡ እንተዘይከውን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምቲ ኣብ ጐረቤቱ ዝርከብ ህዝቢ ሱዳን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብሓጺር ግዜን ዉሑድ ዋጋን ካብ ኢሳያስ/ህግዲፍ ዘይድሕር ዲክታተር ኣወጊዱ፡ ኣብ ዝምድናዊ ህዱእ ናይ ምስግጋር መድረኽ ኣትይዎ ዘሎ ክገብር ኣይመሰነፈን። ኣብዚ ሓደ ክዝንጋዕ ዘየብሉ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንህዝቡን ሃገሩን ናብ ጎደና ሰላምን ምርግጋእን ከብጽሖ ሓላፍነት ከም ዘለዎ፡ ግደ ሰራዊት ሱዳን ኣብቲ መስርሕ ለውጢ ክሳብ ክንደይ ህዝባውን ወሳንን ምንባሩ ትምህርቲ ክቐስመሉ ዝግበኦ እዩ ።

ጉጅለ ህግዲፍ ካብ መሰረቱ ዝተዘርገን ማእዝኑ ዘጥፈአን ብምዃኑ፡ እንተነፊዕና እቲ “ንረብሓይ” ኢሉ ዝኸዶ መንገዲ እውን ኣዝዩ ተመዝማዝን ተገልቢጡ ንዓኡ ዘላትሞን ምዃኑ ንከታተሎ ኣለና። ኣብዚ ዝሓለፈ ዳርጋ 2ተ ዓመታት ህልውናኡ ንምዕቃብን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ኢሉ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይግሉጽን ኢደ-ወነናውን ዝምድና ምስ ፈጠረ፡ ኩሉ ዝገብሮን ዝዛረቦን ዕድመኡ ዘንውሕ ዘይኮነ ዕድመኡ ዝሕጽርን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዘነጽሎን ዘቃለዖን ምንባሩ ተዓዚብናዮ ኣለና። ንሱ እውን ደጊም ጠቕሊሉ  መታለሊ ስብከት ስለ ዝተወደኦ ካብ ኤርትራ ክወጽእ እንከሎ ብዛዕባኡ ክዝረብ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንኤርትራዊ ዛዕባ ዝምልከት ድምጹ ሃጢሙ፡ ኣብታ ጉብጥሹ ምሕባእ ኣብ ዝመረጸሉ ሃላዋት እዩ ዘሎ።

እምበኣር ነዚ ዝተጠቕሰ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእቲና፡ ናብቲ በሊሕ ናይ ተግባር ስጉምቲ ንምስጋር ከም ናይ ሚኒሶታ ተበግሶን ማዕበል ይኣክልን ዝኣመሰሉ ንቕሎታት መመሊስና ከነሕይሎም ይግበኣና። ኣብ መንጎ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ጽላላት ኮነ ማሕበራትን ዝግበር ናይ ሓቢርና ንስራሕ ዘተታት ኮነ ስምምምዓት ነዚ ዝተጀመረ ንቕሎታት ኣብ ግምት ዘእቱን መሊሱ ዘራጉድን እምበር፡ ነቲ ሓደ ኣፍሪስካ ነቲ ካልእ ብምውጣን ኣብ ስርሕ ብትን ክንነብር ኣይግበኣናን። እንበጽሖም ሓቢርካ ናይ ምቅላስ ስምምዓት፡ ንኹልና ብዘይኣፋላላይ  ዘሳትፉ ሰፋሕቲ ጽላላት ከኾኑን ካብ “ኣብ ንሕና ዝበልናኩም እተዉ” ዝሕመረቱ ወጺእና ንዝቐርብ ቅኑዕ  ሓሳብ ርዒምና ክንክተል ጻዕርታትናን ናይ ምቕባል ቅርቡነትናን ክነሕይል ይግበኦ። እንበጽሖም ስምምዓት ነቶም ኩነታቶም ወጊኖም ዝስዕቡና ዘብህግን ዝዕድምን   “ኣብ ንሕና ዝበልናኩም እተዉ” ዝሕመረቱ  ዘይኮነ፡ ናታቶም ቅኑዕ ዝበልዎ ሓሳብ ሒዞም ዝቐርቡሉ ተረድኦ ኣብ ግምት ብዘእተወ ክስራዕ ይግበኦ። ነዚ ክንበቅዕ ከኣ ቀጻሊ ዘተታት ካብ ምግባር ክንስልኪ ኣይግበናን። ኣብዚ ግና ሕጂ’ውን ብዘይብቑዕ ምኽንያት ግዜ ዘይምብላዕ ኣይንዘንግዕ።

ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ኩልና ዓደምቲ ክንከውን ኣይንኽእል ኢና። ሓደ ኣካል ተበግሶ ምስ ወሰደ ኣብ ርእሲ እቲ ናቱ ተበግሶ መበረኺ ጡብ ናይ ምንባር ተመላላኢ ባህሊ ከነጥሪ ይግበኣና። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከነስምዕ ጥራይ ዘይኮነ ክንሰምዕ እውን ድሉዋት ንኹን። ብሓጺሩ ክንቅበል ኮነ ክንነጽግ እንከለና ኣብ ርትዓዊ ምኽንያት ክንምስረት ይግበኣና። መዋጸኦ ኢልና ኣብ ዘቕረብናዮ ሓሳብ ካብቲ ብዕሙት ዝድግፈና ኣብ ተግባር ግና ዘይተግህ፡ ብዝድህሰስ ምኽንያት ንዘይቅበለና ክብሪ ክንህቦን ነቲ ናቱ ዝሓሸ መተካእታ ከም ናትና ክንወስዶን ይግበኣና።

ብዛዕባ ናይቲ ንጽዕተሉ ዘለና፡ ብሓባር እንተ ተቓሊስካ ዝርከብ ጸጋን ዓወትን ሓደ ዛንታ ክንጠቅስ፡ ቁጽሪ 9 ንቁጽሪ 8 ይውቕዖ’ሞ፡ ስለምንታይ ከም ዝወቐዖ እንተሓተቶ “ካባኻ ስለ ዝዓቢ እየ ወቒዐካ” ኢሉ ይምልሰሉ። ቁጽሪ 8 ከኣ ነቲ ናይ ቁጽሪ 9 ግጉይ ምኽንያት ከም ቅኑዕ ወሲዱ፡ ነቲ ካብኡ ዝንእስ ቁጽሪ 7 ይወቕዖ። ከምኡ እንዳበለ እቲ ምውቕቓዕ ክሳብቲ ዝነኣሰ ቁጽሪ 1 ይወርድ። ቁጽሪ ሓደ ነቲ ትሕቲኡ ዘሎ 0 (ባዶ) ቅድሚ ምውቅዑ ይሓስብ እሞ፡ “ካብ ዝወቕዖ መስርዕና ሓሊና ተቐራሪብና ግዳ ዘይንዓቢ ዘይብሎ” ኢሉ ይውስን። ከምቲ ውሳንኡ ን0 (ባዶ) ይውከሶ እሞ 0 ነቲ ናይ ምቅርራብ ሓሳብ ብጸጋ ይቕበሎ። ተሰማሚዖም ምስተቐራረቡ ከኣ 10 (ዓሰርተ) ኮይኖም ካብ ኩሎም ዝዓበዩ ኮኑ ይበሃል። ስለዚ ብሓሳብ ካብ ተረዳዳእና፡ ብግብሪ ተቐራሪብና  ብሓባር ንቕድሚት ንሰጉም።

Last modified on Wednesday, 15 January 2020 11:31