Print this page

ስዉኣትና ኣይቀሰኑን፡ ህልዋት’ውን ኣይጠዓመናን

2019-06-19 08:31:34 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2194 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ

20 ሰነ፡ ህግዲፍ “ስዉኣት እዝክር እየ” ዝብለላ ዕለት እያ። እዛ ዕለት ሕገመንግስቲ ኣብ ዘየብሉ ሃገር፡ ስለምንታይን ብመንን ነዚ ዓብይ ሓላፍነት በቒዓ፡ ዘዛርብ’ኳ እንተኾነ፡ እዞም በጃ ህዝቦም ዝተበጀዉ ሰማእታት ኣይኮነንዶ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ዓመት፡ ወትሩ እንተዘከርናዮም እውን እንተዘይ ውሒድዎም ኣይበዝሖምን እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ግና ከምስል “ሕድሪ ስዉኣት ኣይጠልምን እየ” እንዳበለ ኣብዛ ኣጋጣሚ ብተደጋጋሚ ጥልመት ኣንጸባሪቑ እዩ። ኣብታ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ስታድየም ኣስመራ ዘኽበረላ ብ1991 “ደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን” ዝብል ሕድሪ ስዉኣት ዝጠልም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ቅድሚ ሓደ ዓመት ብ2018 ኣብዛ ዕለት እዚኣ ከኣ፡ ህዝቢ ከተዓሻሽወሉ ዝጸንሐ ጃህራን ዓዘፍዘፍን ዓጺፉ፡ ግሉጽነት ዘየብሉ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ብናይ ደገ ሓይልታት ዝበኹዐ ሃንደበታዊ መገሻ ናብ ኢትዮጵያ ኣውጁ፡ ካልእ ስዉኣት ናይ ምጥላም ነጋሪት ደሲቑ።

ስዉኣት ሕድሮም ዝኽበርን ዝቐስኑን፡ ስሞም እናጸዋዕካ ጅግንነቶም ብምዝንታው፡ መስዋእቶም ዘጉድፍ መደረታት ብምስማዕ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ብምቑዘም ኣይኮነን። ሕድሮም ዝኽበር ወዮ ምእንታኡ ዝተሰውእሉን ኣዕጽምቶም ከስኪሶም ደሞም ዘፍሰስሉን ህዝባዊ ዕላማ ፈርዩ ህዝቦም ተጠቃሚ ክኸውን እንከሎ እዩ። ሎሚ “ወዮ ምእንታኻ ኢና ተሰዊእና” ዝበልዎ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ መሰላቱ ተጋሂሱ፡ ፍትሒ፡ ሰላምን ዕቤትን ተሓሪምዎ ኣብ ስግኣት ይነብር ኣሎ። ስለዚ ወዮ ዘይንሰምዖ ድምጺ ስዉኣት ወትሩ የእዊ ኣሎ። ብፍላይ ከኣ ኣብዛ ብስሞም እትጽዋዕ ግና ሕድሮም ዘይክበረላ ዕለት ኣውያቶም ዝያዳ ከም ዝዓርግ ፍሉጥ እዩ። ወያ ብኣዕጽምቶም ዝተሓጽረትን ብደሞም ዝጠለለትን መሬት ከኣ ከምቲ ከቢድ ዋጋ ሰማእታት ዝተኸፍለላ፡ ንህዝባ ኮይና ንካለኦት ክትከውን እናተገበኣ “ስዉኣት ሕድሩኹም ይጥለም ኣሎ” ዝብል ስምዕታ ናብ ህሉዋት እንዳቕረበት ተንቆልቁልን ትባድምን ኣላ።

ኢሳይያስን ጉጅለኡን ሒዘምዎ ዘለዉ ናይ ጥፍኣት መንገዲ፡ ክሳብ ክንደይ ኣብ ልዕሊ ህዝብና መዓትን ብርሰትን የውርድ ከምዘሎ እቶም ህሉዋት ንርእዮ ኣለና። ሰማእታት እውን ከማና’ኳ ንኢሳይያስ ብኣካል ቀሪቦም ዝምጉትሉ ዕድል እንተዘይረኸቡ ብመንፈስስ ወትሩ ሓያል ናይ “ሕድርና ይከበር” ምሕጽንታ የቕርቡ ኣለዉ። ኢሳይያስ ግና ንድሕሪት ብዘይምለስ ናይ ስዉኣት ኮነ ናይ ህሉዋት ድምጺ ከይሰምዕ ልቡ ምድረበዳ ኮይኑ’ዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እዮም ከኣ ሕድሪ ስዉኣት ምስካሙ ዝኸበዶም ኣካላት “ብኻ ከምቶም ዝተሰውኡ ምሓለፍና” ክብሉ እንሰምዖም። ስዉኣት ዓው ኢሎም ደኣ ኣይዛረቡ እምበር ነቲ ካብኦም ዝተኸወለ ዝመስሎ ጠላሚ ተግባራት ይሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይርእይዎን ይሰምዕዎን እዮም።

ካሕሳን ሞሳን ስዉኣትና ጥልመት ሓቢእካ “ስጋ ስዉኣት” ኢልካ ብምምሓል ዝኽፈል ኣይኮነን። ነቲ ብስሞም ምምሓል ዝምጥን ግብራዊ ዋጋ ምኽፋል የድሊ። እቲ ዝኽፈል ዋጋ ሕድሮም ንምኽባር ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ክንድቲ ናታቶም ክቡር ህይወት ዘይኮነ፡ ምጡን ዋጋ’ዩ ዝሓትት።  ንሳቶም ብጥሪኡ መተክእታ ዘየብሉ ክቡር ህይወት እዮም ከፊሎም። ንሕና ህሉዋት ግና ርሃጽ፡ ዘይቅዱስ ዝምድና ምስ ጉጅለ ህግደፍ ምብታኽ፡ ግዝያዊ ናይ ንዋትን ንብረትን ክሳራ ዘስዕብ ዋጋ’ኳ ክንከፈል ኣይበቓዕናን።  ዝሃነጽካዮ ገዛ ወይ ካልእ ንብረት ከይውሰደካ  ምስ ህግዲፍ ተመሳሲልካ ሕድሪ ስዉኣት ኣብ ዝጠልም ጓይላ ምስዕሳዕ ብውሱናት ኤርትራውያን ይረአ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሓንቲ ኣብነታዊት ኣደ ኣብሃገረ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ ንህግዲፍ ዘወግዝ ህዝባዊ ናይ ክተት ኣኼባ “ኣብ ኤርትራ ዝሃነጽናዮ ገዛ ከይውረሰና፡ ናይ ህግዲፍ መዳኸርቲ ኣይንኹን። ገዛ ምስ ዝጠፍኡ ዝጠፍእ ነይሩ እንተዝኸውን እዚ ክሳብ ሎሚ መልክዕን ግርማን ኣስመራ ኮይኑ ዘሎ ህንጻታት መግዛእቲ ኢጣልያ ሒዝዎ መኸደ” ዝበለኦ ቃል ኣብ ባይታ ዝወድቕ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብዚ ኣጋጣሚ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራውያን “ንሓላፋይ ረብሓ ክንብል ንዘይሓልፍ ቃል ሰማእታት ኣይነዕብር” ክንብል ይግበኣና። ከምኡ ምባል ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ሕድሮም ከይክበር ጋሪዱ ዘሎ ጸሊም ህግዲፋዊ መጋረጃ ኣብ ምግላህ ብግብሪ ግቡእና ከነበርክት ይግበኣና። ብዙሓት ወገናትና ምስ ህግዲፍ ዝደናገጹ፡ ሕድሪ ሰማእታት ንዘይምጥላም ምዃኑ ክገልጹ ንሰምዕ ኢና። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ግና ሕድሮም ምስ ዝጠልም ህግዲፍ ተሰሊፍካ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ኣይከበርን እዩ።

ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ሰማእታት እውን፡ ብፉሉይ ንህግዲፍ ዝህድዱ ምዕብልናታት ተሰንያ እያ ትዝከር ዘላ። ብኹሉ ማዕከናት ዓለም ንሕድሪ ስዉኣት ዘበርኽን ዘለምልምን፡ ጥልመት ህግዲፍ ዘቃልዕን ዝኹንን ድምጺ “ይኣክል” ኣብ ዝዓመረሉ ህሞት ኢና ንዝክራ  ዘለና። ህግዲፍ ንህዝብና ኣዳህሊሉ፡ ካብቲ ተሓቢእሉ ዝጸንሐ ጉድጓድን ተነጽሎን መውጽኢ ንክኾኖ፡ ዞባዊ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ኣጐልቢቡ ምስ ኢትዮጵያ ዝጀመሮ ወዛሕዛሕ ናህሩ ወዲኡ፡ ክስጉም ኣብ ዘይከኣለሉ ኩነታት ኢና ንርከብ ዘለና። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ወዮ ከም ቁርን ኣስሓይታን ዝፍራሕ ዝነበረ ህግዲፍን ናይ ስለያ መሓውሩን ተዳሂሎም ኣብ ዝሕብእሉ ደረጃ በጺሖም ኣለዉ። ብዙሓት ዘይኤርትራዊ ወገናት እውን ድሙቕ ናይ “ዓገብ” መጸዋዕታኦም የስምዑ ኣለዉ። ኮታ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ዘይተርፍ ምዃኑ ኣብ ዝተጋህደሉን ሕድሪ ስዉኣት ዘድምቑ ድምጽታት ኣብ ዝበረኸሉን እዋን ኢና ንርከብ ዘለና። ምስዚ ኩሉ  ንሕና ኤርትራውያን ኢድ ካልኦት ከይተጸበና፡ ሓርነትና ብቃልስና ናይ ምርጋጽ ሓላፍነትና ጌና ከቢድን ወሳንን ምህላዉ በዚ ኣጋጣሚ ክንርዳእን ሓድሽ ንቕሎ ክንእንፍትን ይግበኣና።

ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮና፡ ብዙሓት ወገናት ኣብ ከምዚ መዓልቲ ሰማእታት ዝኣመሰለ ፍሉይ ኣጋጣሚ፡ ንህግዲፍ “ሎምስ ገለ ደኾን ይብል ይኸውን” ኢሎም ክጽበይዎ ልሙድ ጸኒሑ። ሎሚ  እንተኾነ ግና ኣፉ ክኸፍት ዝጽበዮ የብሉን፡ እንተ ተጽበዮ’ውን ነቲ ዝጸንሐ ጸገም ከጋድድ እምበር፡ ራህዋ ከምዘየምጽእ ኩሉ ፈሊጥዎ እዩ። ንሕና ንብዓት ህዝብና ናይ ምሕባስን ሕድሪ ሰማእታትና ናይ ምዕቃብን ሓላፍነት ዘለናኸ፡ ሎሚ እውን ንመዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ በቲ ሕድሮም ኣብ ምኽባር ኣበርክቶ ዘየብሉ፡ ሽምዓ ኣብሪህካ ርእስኻ ምንቕናቕን ከንፈርካ ምርምጣጥን ጥራይ ዲና ክንዝክራ፡ ወይ ነቲ ሕድሮም ከይክበር ጋሪዱ ዘሎ ህግዲፋዊ ጸሊም መጋረጃ ኣብ ምቕንጣጥ ብዝሕግዝ ዕቱብ ስጉምቲ ንምውሳድ ብምውሳን ኢና ክንዝክራ። ምርጫና ምእንቲ እቶም ዘይቀሰኑ ስዉኣት ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ነቶም ዘይጠዓመና ህልዋት ዘርሁ መንገዲ ምሓዝ ክኸውን ይግበኦ።

ሕድሪ ሰማእታትና ንምኽባር ኩሉ ዋጋ ካብ ምኽፋል ድሕር ኣይንበል!

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ!

Last modified on Wednesday, 19 June 2019 10:37