Print this page

ኤርትራዊ ጉዳይና ዝያዳ ቆላሕታ ይረክብ ኣሎ

2019-06-16 08:17:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2521 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብቲ ኤርትራዊ ጉዳይና ቀንዲ ሰብ ጉዳይ ንሕና ኤርትራውያን ምዃና ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዝወርድ ኣይኮነን። እንተኾነ ከኣ ነቲ ዕማም ካብ ሕብረተሰብ ዓለም ተነጺልና በይንና እንዓሞ ከምዘይኮነ ንኹላትና ብሩህ ኣዩ። ኣብ ኤርትራ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ፡ ወጽዓ፡ ምልኪ፡ ትዕቢት፡ ዘመናዊ ባርነት፡ ግህሰት መሰረታዊ ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰላት፡  ሎሚ እውን ኣብ ክንዲ ዝንኪ መመሊሱ እናገደደ መለለይኣ ኮይኑ፡ እቲ “ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ” ዝብል ሳጓኣ ብግብሪ ይገሃድ ኣሎ። ምናልባት ኣጉል ኒሕ ሓዲርዎም ነዚ ሕማቕ ምስሊ ኤርትራ ክሓብኡ ዝፍትኑ ኤርትራውያን እንተ ልዮም ሎሚ ባዕሉ እምብዛ ዓው ኢሉ ኣብ ዝዛረበሉ ደረጃ በጺሑ ስለ ዘሎ ተቓሊስካ ክትቅይሮ እምበር ክትሓብኦ ከምዘይከኣል ክርድኡ ይግበኦም። ከምቲ ክቡራት ወለድና “ኣደስ ትሓብእ እሞ ሓበላ ዓይኒ ኣይትሓብእን” ዝበሃል ግዕዘይ ተግባራት ህግዲፍ ምኽንያታት ሰናኒዕካ ክትሓብኦ ኣብ ዘይከኣል ጸሓይ ዝወቐዖ ሓቂ ኮይኑ እዩ።

ጉዳይና ካባና ሓሊፉ ኣብ ዓለም ለኻዊ ቅርዓት ካብ ዝወጽእ ነዊሕ ኮይኑ። እንተኾነ ነቲ እናሰምዐ ዝጸመመ ጉጅለ  ህግዲፍ  ነብሱ ንክሓክኽ ግዜ ንምሃቡ ግዲ ኮይኑ፡ ብዘይቃለ-ዓለም፡ ክምዕዱ ከጠንቅቑ፡ ክግስጹ ኣብ መወዳእታ ከኣ ክቐጽዑ ዝግበኦም ኣካላት ርእዮም ከምዘይረኣዩ ብምዃን ከሻድንዎ ከም ዝጸንሑ ክንዕዘብ ጸኒሕና። ንሕና ኤርትራውያን በሃግቲ ኩለመ-ዳያዊ ናይ ሓርነትን  ለውጥን ሓይልታት ወትሩ ናይ ለውጢ ኢና። ክፉእ ምስልን ተግባርን ናይቲ ኣብ ኤርትራ ክዕንድር ዝጸንሐ፡ ሎሚ ግና ናይ ሓሶት ሕሩጩ ወዲኡ ሰንከልከል ምባል ጀሚሩ ዘሎ  ውጹእ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ቅድሜና ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም’ውን ተነጺሩ ኣዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ብዝተፈላለዩ መዕቀንታት፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ንኡዳትን ፍሉጣትን ዝኾኑ ልዕሊ 100 ኣፍሪቃውያን እቲ ዝርዝሩን ዕምቆቱን ገዲፍና ነቲ ኤርትራውያን “ይኣክል” ንብሎ  ዘለና ዘራጉድ ናይ “ዓገብ”  መልእኽቲ ናብቲ ህድኣት ርሒቕዎ ዘዕለብጥ ዘሎ ሰብኣይ ሰዲዶም ኣለዉ። ንሳቶም ኣብቲ መልእኽቶም፡ ነቲ  ኣብ ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎን ቅትለትን ምስዋርን፡ ብኩራት ልዕልና ፍትሕን ሐገመንግስታዊ ምምሕዳርን፡ ምንፋግ ሓሳብካ ምግላጽን ብዙሕነታዊ ውደባን ጠቒሶም፡ ዝሰምዕ እዚኒ ዘለዎ ያኢ መሲልዎም ካብዚ ደልሃመት ንምጻእ ክምዕዱን ክመኽሩን ቅሩባት ምዃኖም’ውን ኣስፊሮም።

ካብዚ ሓሊፉ ብዙሓት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ፣ ዝነጥፉ ዓለም ለኻውን ኣህጉራውን ትካላት ዓው ኢሎም ኣብ ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ግህሰት ሰብኣውን ፖለቲካውን መሰላት ከብቅዕ ብቐጥታ እቲ ጉዳይ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መልእኽቲ ሰዲዶም ኣለዉ። እቲ ናይ ልዕሊ100 ብዝተፈላለዩ መለክዕታት ፍሩያት ኣፍሪቃውያንን ካለኦት ግዱሳት ማሕበራትን መልእኽቲ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ እውን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ህልዊ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበርዎ ሓጺር ርክብ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፡ ብኣዝዩ ውሕሉል ኣገባብን ምሳልያዊ ኣቀራርባን፡ ነቲ ኢሳይያስ ንቅድሚት ምሱጓምን መጻኢ ምእማትን ስኢኑ ኣብ ኣብ ሕሉፍ ምኹዳድ ጥራይ ዝመርጾ ናይ ህልኽን ቅርሕንትን መንገዲ ዘቃልዕ ትሕዝቶ ነይርዎ። ዝምድና ናይ እንዳዓበየ ዝኸይድ ኣካላት ወዲ ሰብን ሓንሳብ ምስ ተሰፍየ ዘይዓቢ ክዳንን ሳእንን ከኣ ከም ኣብነት ጠቒሶም። ወረ ካብ ናይ ህዝቢ ሕቶ ሓንቲ ምስ መለስካ፡ ደሓር ካልእ ሕቶ ካብቲ ህዝቢ እንተመጸ “እቲ ቀደም ዝመለስኩልካ ይኣኽለካ ደጊም ኣይትሕተት” ምባል ዘምጸኦ ጸገም ብዝምልከት እውን መብርሂ ሂቦም። ዲክታቶር ኢሳይያስ ብወገኑ ኣብቲ ኣብ መበል 28 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ዘስመዖ መደረ፡  ካብተን ናይ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣዋሳ፡ ጅማን ጐንደርን ናይ ሸንዳሕዳሕ ቃላቱ ሓንቲ’ኳ ከይጠቐሰ ምሕላፉ፡ ኣብ ብዙሓት ወገናት “ወያ ናብ ካልእ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ለውጢ ክትመርሕ ተስፋ ተነቢሩላ ዝነበረ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ እውን ግዲ እንድዕላ  እያ” ዝብል ጨንጭንታ ኣሕዲሩ ኣሎ።

ጉጅለ ህግደፍ ወዮ ካብ ቀደሙ “ዓገብ” ክበሃል እንከሎ ዘንጸርጽር፡ ነቲ ናይ ፍሉጣት ኣፍሪቃውያን ውሕሉልን ሓላፍነታው መልእኽቲ መሊስሉ። እቲ ቀልጢፉ ምምላሱ ናይ ምስንባዱ ምልክት ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ከምኡ እንተዘይከውን ካብቲ ናይ ምጽቃጥ ባህሪኡ ኣይመተበራበረን። ኣብቲ ዝሃቦ መልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ንምርግጋጽ ዝኸፈሎ ዋጋ ብኣሃዛት ኣሰንዩ ዘርዚሩ ኣሎ። “እሞ ክንድዚ ዋጋ ስለ ዝኸፈለ፡ ናይ መስዋእቱ ጸጋ ኣብ ክንዲ ዝሓፍስ፡ ካብ ናይቲ ብቓልሱ ዝሰዓሮ መግዛእታዊ ምምሕዳር ኣብ ዘይፍለ ወጽዓ ምእታዉ ደኣ እንታይ ኣምጸኦ? ዝብል ሕቶ ዝምልስ ግና ኣይኮነ። ብሓጺሩ እቲ መልሲ ዓቕሊ ጽበት ዝወለዶ ብዓብይኡ ድማ መጻኢ ዘይእምት ቀደም ኣብ ዝተሰርሐ ከኹድድ ዝፍትን፡ ብ”ኣበይ ዝነበሩ እዮም” ዝተቓነየ ካብ ህልዊ ዝረአ ኩነታት ዝሃድም እዩ ነይሩ። ንርከበሉ ዘለና መድረኽ ግና “ከምዚ ነይሩኒ” ኢልካ ትጸባጸበሉ ዘይኮነ “ከምዚ ኣለኒ” ኢልካ እትዋሰኣሉ ግዜ ዘይህብ እዋን’ዩ።

ናብቲ ቀንዲ ንዓና ዝምልከት ክንምለስ። እንተ ካብ ህግዲፍ ክትኮበልና እንጽበዮ ጽቡቕ ነገር የለን። እቲ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ኣግሂዶም ምጽሓፎምን ምዝራቦምን ቃልስና ኣንጻር ወጽዓ ከምቲ ህግዲፍ ዝምነዮ ዘይናቱ ስም እናተዋህቦ ተሸጒጡ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኽ’ውን ይዕምር ከም ዘሎ ዘርኢ ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። ንጉዳይ ኤርትራ ዝወሃብ ኣቓልቦ ኣብ ከምዚ ደረጃ ምብራኹ እምበኣር ነቲ ባዕልና እነካይዶ ቃልሲ ዝያዳ ዘጐልብት እምበር ንናይ ህዝብናን ናትናን ዘይሕለል ቃልሲ ዝትክእ ኣይኮነን። ስለዚ ነዚ ንጉጅለ ህግዲፍ ዝህውጾ ዘሎ ድፍኢታት፡ መሰረታዊ ተደላይነት ዓቕምኻ ምውዳብ ከይሰሓትና፡ ከም መሕየሊ ናይቲ “ይኣክል” ዝብል ህዝባዊ ምልዕዓል ክንጥቀመሉ ይግበኣና።  ከምኡ እንተዘይኮይኑ ግና፡ ኤርትራዊ ጉዳይና ዝያዳ ቆላሕታ ይረክብ ምህላዉ ጥራይ በይኑ ዓወት ኣይከኸውንን’ዩ።

Last modified on Sunday, 16 June 2019 10:45