Print this page

መልእኽቲ ናብ መንእሰይ ኤርትራ

2018-06-06 17:54:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3279 times
Rate this item
(0 votes)

“ሰዲህኤ፡ ከም መቐጸልታ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጻዕርታቱ፡ መስርሕ ምርግጋጽ ኣድማዒ ተሳትፎ ኤርትራዊ መንእሰይን፡ ምቅልጣፍ ምስግጋር መሪሕነታዊ ተራ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ናብ ክዉንነትን ምቕያር ዘኽእል መሳለጥያታትን ኣገባባትን ምፍጣር ሓደ ካብ ናይ’ዚ እዋን ቀዳምነታት ምዃኑ የረጋግጽ። ብግብሪ ክሰርሓሉ ድልዊ ምዃኑ ከኣ የረጋገጽ።” (ካብ ፖለቲካዊ ውሳነታት 2ይ ጉባአ ሰዲህኤ ዝተወስደ)

ብዛዕባ መንእሰይ ብሓፈሻ፡ ብዛዕባ ኤርትራዊ መንእሰይ ከኣ ብፍላይ ብቐጻሊ እዩ ዝዝረብን ዝጸሓፍን። ከምኡ ዝኾነሉ ምኽንያት ርዱእ እዩ። መንእሰይ ናይ ወለዶታት ምትኽኻእ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ዘለዎ ሞተር ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነ። መንእሰይ ከም ኩሉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ከካብቲ ዝነበረሉ መዋእል ፈሊኻ ዝረኣ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሎምን ናይ 70ታትን መንእሰይ ብሓደ ዓይኒ ክትርእዮ የጸገም እዩ። ዘይሩዘይሩ ግና እቲ ወለዶታት ናይ ምትኽኻእ ኣርዑት ኩሉ ግዜ ካብ እንግደዓ መንእሰይ ዝወርድ ኣይኮነን።

መንእሰይ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ሃገራት ክበሃል ብዝኽእል፡ ካብቲ ሓፈሻዊ ብዝሒ ህዝቢ ዓብላሊ ግደ ዝሕዝ እዩ። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ እቲ ዝረአ ዘሎ ስደትን ምብትታንን ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ካብቲ ህዝቢ ካብ 70% ዘይውሕድ ቁጽሪ ከም ዝሕዝ ብዙሓት ናይዚ ዓውዲ ክኢላታት ዝገልጽዎ እዩ። መንእሰይ ኣብ ልዕሊ ዝለዓለ ብዝሒ ዝሕዝ ምዃኑ፡ ንኡስ ዕድመን ሓያል ጉልበትን ዝውንን ምዃኑ ካብ ብልጫታቱ ሓደ እዩ። እቲ ቀንዲ ንመንእስይ መንእሰይ ከብሎ ዝኽእል ግና ዘለዎ ምዕቡልን ናብ ድሕሪት ምጽብጻብ ዘይኮነስ ናብ ቅድሚት ምምዕዳው ዘቐድም ራእይ ክውንን እንከሎ እዩ። መንእሰይ ብዕድመ ንኡስን ናብ ህልዊ ምዕባለ ዝቐረበን ክነሱ፡ ኣብ ንሓባር ዘየሰጉም ድሑር ዝንባለታት ክእለኽ እንከሎ ግና ዘምሕረሉ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ ተፈጥሮኣዊ ዕቤቱ ርኢኻ ጥራይ መንእሰይ ክትብሎ ኣጸጋሚ እዩ። ውድባትን ካልእ ፖለቲካዊ ትካላትን ኣማዕድየን ዝርእያን ሎሚ ኣብ ኢደን ዘሎ ዓላማ ዘቐጽለለን ሓይሊ ክረኽባ ሰለ ዘገድሰን ናይ መንእሰያት ተሳትፎ ይምሕጸና እየን። ምምሕጻንን ጥጡሕ ባይቶ ምፍጣርን ግና ይፈላለ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራስያዊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ሓደ ኣብ ቀጻሊ ዕቤት ዘተኰረ ዕላማ ዘለዎም ውዳበ ምእንቲ ቀጻልነት ቃልስን ዓወትን ናይ መንእሰይ ተሳትፎ ከመዓዱ ግድን ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ጉዳይ ንዝከታተል ኣካሉ ናብ ደረጃ ፈጻሚ ሽማግለ ኣበሪኹ ዝቃለሰሉ ዘሎ እዩ

መንእሰይ ናይ ቃልሲ መቐጸሊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቀንዲ ናይ ለውጢ ሓይሊ እዩ። መንእሰይ ነዚ ሓያልነቱ ዘዕዝዞ ብዘይካቲ በይኑ ተወዲቡ ዘካይዶ ቃልሲ፡ ኣብ ዝኾነ መንግስታዊ ኣካላት ዝርከብ ምዃኑ እዩ’ውን። ኣብ ሓደ መንግስቲ ብዝለዓለ ደረጃ ተወዲቡን ተጽዕኖ ዝፈጥር መሳርሒ ወኒኑን ናይ ሃገር ልኡላውነትን ናይ ህዝቢ ሰላምን ክብርን ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ዘለዎ ወተሃደራዊ ክፍሊ ብመንእሰያት ዝተነድቀ እዩ። እዚ ከኣ ንዕማም መንእሰይ ካብ ዘኽብዱ ሓደ እዩ።

እዚ መጸዋዕታ ከም መቐጸልታ ናይ ቅድሚ ሕጂ ምሕጽንታና ናብ መንእሰይ ከነቕርብ እንከለና ናብ ኩሉ ኤርትራዊ መንእሰይ እዩ። ዕላማኡ ከኣ እቲ ኣብ መስርዕ ቃልሲ ምርግጋጽ ለውጢ ተሰሊፉ ዘሎ ወገን መንእሰይ ቃልሱ ምስቲ ብኹሉ ኩርነዓት ዝገሃድ ዘሎ ምዕባለታት ኣበርክቶኡ ንከበርክት እዩ። እቲ መንእሰይ ክንሱ ኣሪጉ ነቀይነቀይ ዝብል ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ክሕሉ ክብል ምስቲ ምእንቲ ህዝቢ ዝቃለስ ዘሎ መንእሰይ ዝጋጮ ዘሎ ከኣ፡ ኣብ ዘይቦታኡ ተሰሪዑ ከምዘሎ ንምዝኽኻሩን “ኣይፋልካን ናብ ልብኻ ደኣ ተመለስ” ንምባሉ እዩ። መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ሓደ ኮይኑ ምእንቲ ኩሉ መሰላትን ፍትሕን ዝብጆ ደጋፊ ህግደፍን ደጋፊ ናይ ለውጢ ሓይልን እንዳተበሃሃለ ክከፋፈልን ኣብ ጐንጺ ክበጽሕን፡ ብዓብይኡ ንዓኡ ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቖ ኮይኑ፡ ንኩልና ከም ኤርትራውያን’ውን መዓንጣ ከብድኻ ዘሕርር እዩ። ስርዓት ህግደፍ ብማዕረ ኣብ ባርነት ዘውደቖም መንእሰያት ገለን ኣገልገልቱ ገለን ድማ ተቓወምቱ ኮይኖም ከምዚ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ እስራኤል ዝተራእየ ምውጣጥ ምግጣሙ “ከፋፊልካ ምግዛእ ፖሊሲ ህግዲፍ ይሰርሕ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ። ስለዚ ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒምና ኤርትራዊ መንእሰይ ንንእስነቱ ዝምጥን ራእይ ኣምሪሑ ብሓባር ኣንጻር ህግደፍ ክስለፍ ንጽውዖ። መንእሰይ ኣንጻር ህግደፍ ምስላፍ ዘድልየሉ መሰረታዊ ምኽንያት ህግደፍ ኣንጻር መሰላት ህዝቢ ስለ ዝኾነ እዩ። መንእሰይ ኣንጻርዚ ጸረ-ህዝቢ ራእይ ክስለፍ ዝጽዋዕ ዘሎ ከኣ ንገዛእ ርእሱ ናይቲ ኣንጻር ህግደፍ ተቓሊስካ ዝረጋገጽ ዓወት ተጠቃሚ ስለ ዝኾነ እምበር፡ ናይ ካለኦት ረብሓ ንምርግጋጽ ኣይኮነን።

ንሓደ ኣካል ኣይኮነንዶ ናብዚ ንካይዶ ዘለና መሪር ቃልሲ፡ ናብ ካልእ ዕማም እውን ንክሳተፍ ክትጽወዖ እንከለኻ ዝጽበዮ ብደሆታት ከም ዝህሉ ፍሉጥ እዩ። እቲ ብደሆታት ካብ ህግደፍ ዝኣመሰለ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ካብቲ መቓልስተይ እትብሎ ኣካል’ውን ከም ዘጋጥም ከም ርዱእ ክወሰድ እዩ ዝግባእ። ምኽንያቱ ናብ ቃልሲ ምስታፍ ማለት ንብደሆታት ቅሩብ ምዃን ማለት ስለ ዝኾነ። ስለዚ እቲ መስርሕ ቃልሲ ንዝሰዓር እናሰዓርካ፡ ንዝዕረ ድማ እንዳዕረኻ እትኸዶ እምበር ኣበር ዘየብሉ ልሙጽ ጐደና ኣይኮነን።

ስለዚ መንእሰይ ናብዚ ትውልዳዊ ሓላፍነት ክበቅዕ ቅድምቀዳድም ክራኸብን ክውደብን ይግበኦ። ብንጹር ካብ ናብ ስርዓት ግደፍ ናብቲ ግዳይ ኩሉ ኣበሳታት ዝኾነ ህግደፍ ህዝቢ ወጊኑ ምእንቲ ገዛእ ርእሱን ምእንቲ ህዝቡን ብሓደ እምኒ ክልተ ኣዕዋፍ ኣብ ዝወቕዓሉ ቃልሲ ክስለፍ ሕጂ’ውን ግዜኡ እዩ።

Last modified on Wednesday, 06 June 2018 19:59