Print this page

“ራእይ ብዕዮ!” ኣየናይ ራእይ?

2018-05-27 20:12:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2750 times
Rate this item
(0 votes)

“ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ) ከም ማእከላዊ መቆሚያኡ ቅዋማዊትን ዲሞክራሲያዊትን ኤርትራ ንምህናጽ ዝቃለስ ሰልፊ ኢዩ። ናጽነት ሃይማኖትን እምነትን፣ ናጽነት ምሕሳብን ሓሳብካ ምግላጽን፣ ህላወ ናጻ ጋዜጣታት፣ ናጽነት ሰላማዊ ምትአኽኻብን ምውዳብን፣ ናይ ምንቅስቓስ ናጽነትን ክህሉ ይኣምን።” (ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ አዲህኤ፡ ራእይ ካብ ዝብል ንኡስ ክፍሊ ዝተወስደ)

ኩልና ከም ዘይንስሕቶ ኩሉ ተግባራት ህግደፍ መስደመም እዩ። ካብቲ መስደመምነቱ ዝግለጸሉ ኣገባብ ከኣ እቲ ዝጭረሖን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅን ዘይሰማምዑ ምዃኖም እዩ። ከም ናይዚ ነጸብራቕ ከኣ ኣብዚ ዝሓለፈ ዝኽሪ መበል 27 ዓመት ናጽነት ኤርትራ መሪሕ ጭረሖኡ “ራእይ ብዕዮ” ዝብል ምንባሩ ኣዘራራብን ብዙሓት ሕቶታት ዘልዕልን ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ንራእይ ብዕዮ ናይ ምግላጹ ኣገዳስነት ኣየባእስን እዩ። ቅድሚ ብዛዕባ ኣተገባብራኡ ወይ ኣተዓይያኡ ምዝራብ እቲ ዝያዳ ኣዛራቢ ክኸውን ዝግበኦ መሰረታዊ ትሕዝቶ ናይቲ ራእይ እዩ። ራእይ ከተተግብሮ ዝሓዝካዮ ነዊሕ ዝጠመተ ዕማም እዩ። ዕዮ ከኣ ናይ ኣተገባብራኡ መስርሕ እዩ። እቲ ራእይ ዘይጥዑይ እንተኾይኑ ኣብ ኣተገባብራኡ ዝተሓዝ መስርሕ ዝኾነ እንተኾነ ንመሰረታዊ ትሕዝቶ ናይቲ ራእይ ክቕይሮ ኣይክእልን እዩ። ራእይ እንታይ ዓይነት ናይ ኣተገባብራ ኣተሓሳስባ ከም እተመንጩ ናቱ ግደ ኣለዎ። ህግደፍ ራእይ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ትሕዝቶ ራእይኡ ግና ብመሰረቱ ኣንጻር ህዝብን ሃገርን እዩ። ክሳብ ኣብ ባህርን ትሕዝቶን ናይዚ ራእይኡ ለውጢ ዘየምጸአ ከኣ ብዛዕባ ዕዮን ኣተገባብራኡን ዝኾነ ጭረሖ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ እንተቃልሐ ዘምጸኦ ሓድሽ ነገር ኣይህሉን እዩ። ናትና ቃልሲ ከኣ ብመሰረቱ ኣንጻር’ቲ ህግደፍ ህዝብና ዝውጸዓሉ ዘሎ ሳራምን ድሑርን ኣተሓሳስባ እዩ።

ራእይ ህግደፍ ብጥቕልሉ፡ ኮነ ኢልካ ህዝብን ሃገርን ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕ ዝተሃንደሰ ጸይቂ እዩ። ገለ ካብ ዝርዝር ትሕዝቶኡ እንጥቀስ እንተኢልና ከኣ፡ ራእይ ህግደፍ፡ ጸረ ዲሞክራሲ እዩ። ኩሉ መሰላት ህዝቢ ዝዕፍን እዩ። ንመሰል ህዝቢ ደቚሱ ዝና ውልቀሰባት ዘግንን እዩ። ህዝቢ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ሰሪሑ ከይነብር ዕድል ዝኸልእ እዩ፡ ኮታ ራእይ ህግደፍ ከም’ዚ ኩልና እንዕዘቦ ዘለና ሃገር ኣብ ቀራና መንገዲ ሸሚሙ ዘሎ እዩ። ስለዚ ህግደፍ ነዚ ዝተበከለ ራእይ ሒዙ ህዝቢ ብዕዮ ከሰንዮ ከም መሪሕ ጭረሖ ከቕርብ እንከሎ ጸረ-ህዝቢ ባህርያቱ ደኣ ዳግማይ ኣቃለዐ እምበር ሓድሽ ኣየመጸአን።

ኣብ ከም መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ዝኣመሰለ ረዚን ታሪኻዊ ዕለት እቲ ናብዚ ዘብጸሐ ዝሓለፈ መስርሕ ቃልሲ ኣይዝከርን ማለት’ኳ እንተዘይኮነ፡ እቲ ቀንዲ ቆላሕታኡ ክኸውን ዝግበኦ ግና ህልዊ ገምጊምካ ኣብ መጻኢ ዘለካ መደባት መተንብሂ እዩ። ህግደፍ ግና ኣብዚ ናይ ሎሚ ዘመን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዝሓለፉ ተመሳሳሊ ኣጋጣምታት እውን እቲ ዝኽእሎ ኣብ ንዝሓለፈ ታሪኽን ስርሒታትን ዘንጸባርቕ ተቐሪጹ ዝተቐመጠ መደባት እዩ። ናይዚ ዓመትዚ መደባቱ’ውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይነበረን። እቲ ጉጅለ ነዚ ንድሕሪት እምበር ንቕድሚት ዘየመዓዱ ኣገባብ ዝመረጸሉ ምኽንያት ክሓባበኦ’ኳ ዝፍትን እንተኾነ ንቕድሚት ዘማዕዱ ራእይ ዘየብሉ ስለ ዝኾነ እዩ። ስለዚ “ራእይ ብዕዮ” ክብል እንከሎ ወይ ነቲ ጨቋኒ ሓሳቡ ንምዕማቝ ወይ ድማ ኣብ ዘየለ ራእይ ብዛዕባ ራእይ ይዛረብ ከምዘሎ ኢና እንርዳእ። ትማሊ ናብ ጽባሕ ዘየማዕዱ እንተኮይኑ ከኣ ጐናይ እዩ ዝኸውን።

ሓደ ግዜ “ኣብ ኤርትራ መሬት ናይ መንግስቲ እዩ” ዝብል ኣበሃህላ ኣብ እንዳ ህግዲፍ ልሙድ ነይሩ። እዚ ኣበሃህላ ብብዙሓት ወገናት “እቲ መሬትስ ናይ መንግስቲ፡ እቲ መንግስቲኸ ናይመን?” ዝብል ሕቶ የልዕል ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። እነሆ ከኣ ሎሚ’ውን “እቲ ራእይ ብዕዮስ ሕራይ ይጨራሕ፡ እቲ ራእይከ ናይመን?” ዝብል ሕቶ ከልዕል ናይ ግድን እዩ። ስለዚ ናይዚ ጉጅለ ኣበሃህላ ነቲ ኣብ ባይታ ዘየለ ሓቂ ብቓላት ኮሓሒልካ ከተጸባብቖ ምፍታን ካብ ምዃን ዝሓልፍ ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ ከምኡ ምባሉ ዝሕደሰካ’ኳ እንተኾነ እምብዛ ኣዛራቢ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እዚ ሽፋጢ ኣበሃህላኡ ልሙድ ስለ ዝኾነ። እቲ ኣዛራራቢ ዝኸውን እቶም በዚ ሸፋጢ ኣካይዳ መዓንጣና ዝሓርርን ካልእ መዋጸኦ ዝኸውን መንገዲ ክርከብ ከም ዝግበኦ እንኣምን ኤርትራዊ ወገናትከ እንታይ ንገብር ኣለና? ዝብል እዩ።
ህግዲፍ ካብዚ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ርሙስ ራእይ ዝተፈልየ ጥራይ ዘይኮነ፡ ፊትንፊት ኣንጻሩ ዝኾነ ህዝቢ ዝማእከሉ ራእይ ክሕዝ ነጊርናዮን ጸሚዕናዮን ኢና። መልሱ ከኣ “እምቢ ቀጣን” ካብ ዝኸውን ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ ሕጂ እታ ኩዕሶ ኣብ ሜዳና ኣብ ሜዳ ህዝብን ደላይ ለውጢ ውዳበታትን ካብ ትኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ እቲ ጉጅለ ጸረ-ህዝብን ኩሉ መሰላቱን ዝገፍፍን ምዃን ብብደዐ ነጊሩና እዩ። ምሒር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዘለዎ ንዕቀት ከኣ ነቲ ኣይኮነንዶ ንዓና ንኤርትራውያንን ንኹሎም ደለይቲ ራህዋን ፍትሖን ወገናት ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኮይኑ ዘሎ ክንሱ፡ ንሃለዋት ኤርትራን ህዝባን “ጽቡቕ ኣለዉ” ብዝብል ናይ ትዕቢት ድዩ ናይ ትምክሕቲ መንፈስዩ ዝገልጾ ዘሎ። ስለዚ ነቲ ርኡይ ዘይህዝባዊ ራእይ ህግደፍ ብምንቃፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ራእይኡ ዝብድህ ህዝባዊ ራእይ ሒዝና ክንቃለስ ንጥለብ ከምዘለና ኣይንዘንግዕ።

Last modified on Sunday, 27 May 2018 22:17