Print this page

ናጽነትና መስረት መጻኢ ዓወትና’ዩ

2018-05-23 19:17:47 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2799 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ግዜ ተዋህላላይ እዩ እሞ፡ እነሆ ኣብ መበል 27 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ በጺሕና። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ንመላእ’ቲ ናጽነቱ ብመስዋእቱ ዘረጋገጸ እንተኾነ፡ ክሳብ ሕጂ ሞሳ መስዋእቱ ከስተማቕር ዘይተዓደለ ህዝቢ ኤርትራ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ “እንኳዕ ናብ መበል 27 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብጸሓካ ኣብጸሓና” ንብሎ። ናጽነት ኤርትራ ብናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተሓለለ ጽንዓትን ቃልስን ክቡር መስዋእቲ ጀጋንኡን ዝተረጋገጸ ስለ ዝኾነ፡ ዕዙዝ ክብርን ዝኽርን ከም ዝግበኦ ብሩህ እዩ። ምእንቲ እዚ መዓልቲ ናጽነት ክንዝክርን ከነኽብርን ግቡእ እዩ።

ናጽነትና ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ኩሉ’ቲ ከነውሕሶ ንቃለሰሉ መዘቫ ዘለና ራህዋ መሰረት ኮይኑ፡ ኣብቲ ሰንሰለታዊ መስርሕ ቃልሲ፡ ዋጋ ኩሎም ኤርትራውያን ጀጋኑ ካብቶም ጀመርቲ ክሳብ እቶም ፈጸምቲ ዝተረጋገጸ ስለ ዝኾነ “ናይ ኩልና ኤርትራውያን እዩ።” ድሕሪ ናጽነትና ብሰንኪ ግጉይ ኣተሓሕዛ ትዕቢተኛን ስሱዕን ህግደፍ ዘጋጠመ ዝሕተላ መዚንካ “ብኻ ናጽነት መተረፈና” ዘብል ዘይኮነ፡ በቲ ጽኑዕ መሰረት ቀጻሊ ዓወትና ጽኑዕ መሰረትነቱ ተሓቢንካ “እንኳ’ዕባ ተረጋገጸ” ክበሃል ዝግበኦ እዩ። ነቲ ድልዱል መሰረት ናጽነት ብዘተኣማምን፡ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ከነደልድሎ ዘይምብቃዕና ንዝያዳ ሓላፍነት ኣብ መጻኢ ዘተባብዓና እምበር፡ ኣብ ኣድላይነት ናጽነት ክንዋገን መንገዲ ክንቅይርን ዝድርኸና ኣይኮነን።

ክብደት ናጽነት ክሳብ ክንድዚ ምዃኑ ኣይኮነንዶ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜኡ ፡ ካብኡ ኣብ ዝሓጸረ ምዝካሩ’ውን ኣይመበዝሖን። እቲ ኣዛራቢ ዝኸውን ብኸመይ ኣገባብ ኢና ክንዝክሮ ዝግበኣና ዝብል እዩ። ብእምንቶና “ብኸመይ ኢና እንዝክሮ?” ንዝብል ሕቶ፡ “ኣብ ከመይ ኩነታት ንነብር ኣለና” እዩ ዝምልሶ። ሎሚ ኤርትርውያን ፍረ ቃልሲ ናጽነትና ዘይሓፈስናሉ፡ ኣብ ትሕቲ ኤርትራዊ ዝመበቆሉ በዓል ግዜ መግዛእቲ ኢና ንነብር ዘለና። ዝተረጋገጸ ናጽነት ኣጽኒዕካ ንቕድሚት ምስጓም ዝጸገሞም ወገናት ኣብ ናጽነት ክጠዓሱን ንናጽነትን ምእንትኡ ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋን ዘቆናጽቡን ስምዒታት ኣብ ዝቀላቐልሉ ኢና ንርከብ ዘለና። ስለዚ ኣብ መበል 27 ዓመት ናጽነት ዝኽርና ነዚ ህልዊ ምዕባለታት ዝጓሲ ክኸውን ኣይግበኦን።

ምእንቲ ናጽነትን ንዝኽሪ’ቶም ነዚ ዘውሓሱ ሰማእታት ኤርትራን፡ ናይ ሕልና ጸሎት፡ ምብራህ ሽምዓን ባህላዊ መድረኻት ምዝውታርን ሕማቕ ኣይኮነን። እንተኾነ ነዚ ጉዳያት ከም ቀንዲ መዘከሪ ወሲድካ ዓመት ዓመት ምድግጋሙ ጥራይ ግቡእ ኣዘኻኽራ መዓልቲ ናጽነት ኣይኮነን። ካብዚ ብዘይፍለ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣለና ምድህሳስ ቀንዲ ኣካል ናይቲ ዝኽሪ ክኸውን ይግበኦ። ነዚ ከኣ ብመንጽር፡ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ፡ መሰል ምንቅስቓስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ካብን ናብን ወጻኢ፡ ቁጠባዊ ኩነታት፡ ምኽባር ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት … ወዘተ ከነመሳኽሮ እዩ ዝግበኣና። እዚ ገምጋምን ምምስኻርን ከኣ መመሊስካ በቲ ዝወረደካ በደል ንምስትንታን ዘይኮነ፡ ናብ ካብዚ ሕማቕ ኩነታት እቲ መዋጸኦ እንታይ እዩ? ናብ ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ምምላስ ኣብ ዘኽእል ክኸውን ይግበኦ። ካብዚ ሓሊፉ ሕመቕና ንምሽፋን ከም መመኽነይታ ጸገማትካ ምጽብጻብ ፋይዳ የብሉን።

ዘይሩ ዘይሩ ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ከምዚ እንርከበሉ ዘለና ኩነታት ዝሓለፈ ኣበርክቶኻ ጸብጺብካ እትንየተሉን እትስዕስዓሉን ዘይኮነ “መጻኢናኸ ከመይ ንሓዞ?” ኣብ ዝብል ዙርያ ሕላፍነት እትስከመሉ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ብፍላይ እቶም ዓቕምን ድምጽን ናይቲ ዓቕሚ እንከለዎ ዝደክምን ልሳን እንከለዎ ድምጹ ዘይተሰምዐን ህዝቢ ኤርትራ ኮይንና ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምርግጋጽ ንቃለስ ዘለና ውድባትን ግዱሳት ወገናትን ከቢድ ሓልፍነት እንስከመሉ ኣጋጣሚ እዩ። ዓቕምን ጉልበትን ፈጢርና፡ ነቲ ገለን ብወድዓዊ ድኽመትና ገለን ድማ ጉጅለ ህግደፍ ጸለመ ኣዕጢቑ ኣንጻርና ብዘዋፈሮም ኣካላትን ዝጉድፍ ዘሎ ስምና ብግብሪ ከነንጽሆ ክንትንስእ እምበር ካልእ መተካእታ የብልናን።

ሎሚ ኣብ ቅድሚ ሓይልታት ለውጢ ተገቲሮም ዘለዉ ዕማማት ብዙሓት እዮም። ነቲ ብናይ ገዛእ ርእሱ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ዝተቓለዐ ስርዓት ህግደፍ ክንረግም ቀዳማይ ዕማምና ክኸውን የብሉን። እቲ ቀዳማይ ዕማምናስ “ናትና ከም ናይ ለውጢ ሓይልታት ግደን ሓላፍነትንከ ፈጺምናዶ ኣይፈጸምናን?” ዝብል እዩ። ንሕና ነቲ ስርዓት እነወግዶ ጸይቂ ተግባራቱ ብምዝርዛር ዘይኮነ ብግብሪ ኣብ ቅድሚ ህዝብና ካብኡ ዝሓሽና ኮይና ክንቀርብ እንከለና እዩ። ነዚ ክንበቅዕ ከኣ ክንሕዞ ዝግበና መንገዲ ንጹርን ብሓባር ዝዕመምን እዩ። ብዛዕባዚ ተረድኦ የብልናን ማለት’ውን ኣይኮነን። እቲ በዂሩና ዘሎ ከምቲ እትርደኦን እትምድሮን ኮይንካ ክትቀርብ ምብቃዕ ጥራይ እዩ። ነዚ ከኣ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይና ክንሓስበሉ ዝግበኣና እዩ። ሎሚ ተፈቲኑ ምኽፋት ዝኣበየ ኣፍደገታት ጠጠው ኢልና ነማዕድወሉ ዘይኮነ መተካእታ መንገዲ ክንከፍት ንበላሓተሉ እዩ።

ከምቲ “ናጽነትና ብናይ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ቃልሲ እዩ ተረጋጊጹ” ዝበልናዮ፡ እዚ ሕጂ ሒዝናዮ ዘለና ቃልሲ’ውን ዝያዳኡ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ በበቲ ዝጥዕሞ ኣገባብ ተሳትፎ ዝሓትት እዩ። ናይ ዝተወሰነ ራህዋ ዝጽበ ኤርትራዊ ኣካል ብኩራት ብኽንድኡ ደረጃ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዕንቅፋት ከም ዝኸውን ክንርዳእ ይግበኣና። ናይ ዝተወሰነ ወገን ብዝኾነ ምኽንያት ካብ ቃልሲ ምብኳር ናይ ኩልና ጐደሎ ምዃኑ ተገንዚብና ምልኣተ ተሳትፎ ንምርግጋጽ ክንጽዕት ይግበኣና። እዚ ከኣ ሓደ ዓዳማይ እቲ ካልእ ከኣ ተዓዳማይ ዝኾነሉ ዘይኮነ ክልና ከነንቅደሉ ዝግበኣና ሓላፍነት እዩ። ብፍላይ እቶም ፍርቂ ሕብረተሰብን ሰብ ውዑይ ጉልበትን ሓድሽ ኣተሓሳስባን ዝኾኑ፡ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ዘይተሳተፍዎ ቃልሲ ኣብ ዓወት ከምዘይበጽሕ ርሑቕ ከይከድና ኣብ ተመኩሮና እነረጋግጾ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ብብኩራቶም ዝፍጠር ዘሎ ሃጓፍ ንምምላእ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ቃል ኪዳኖም ከሕድሱ ንጽወዖም። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ናጽነትና መሰረት መጻኢ ዓውትና ስለ ዝኾነ ኣጽኒዕና ንዓቅቦ።

Last modified on Wednesday, 23 May 2018 21:38