Print this page

ማእከላይ መምዘኒና ራእይ ይኹን

2018-04-11 18:29:47 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2758 times
Rate this item
(0 votes)

“ሰዲህኤ ... ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ ዝዀነ፡ ኣብዝሓ ሰልፍታትን ሰላማዊ ውድድርን ዘፍቅድ፣ ንመሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ዘኽብርን ዝጣበቕን፤ ስርዓተ-መንግስቲ ብምርጫ ህዝቢ ክውሰን ከም ዘለዎ ይኣምን።” (ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ፡ ካብቲ ንራኢኡ ዘነጽር 1ይ ዓንቀጽ ዝተወስደ)

ኣብ ዝኾነ ተበግሶ ኣብቲ ንቕሎ ከምቲ ናትካ ባህጊ ዘለዎ መጻምድቲ ምምራጽ ዝተለምደ እዩ። ኣብቲ ኣገባብ ምርጫ ከከም ስፍሓትን ዕምቆትን ናይቲ ከተዕውቶ እትደሊ ተልእኮ ክፈላለ ይኽእል። ንዋፈሮ መዳያት ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ ወይ ማሕበራዊ ክኸውን እንከሎ፡ መምረጺ መለክዒና ከኣ ብኣኡ ደረጃ ክፈላለ ይኽእል። ስፍሓት ናይቲ ንዋፈረሉ መዳይ፡ ከባብያዊ ወይ ሃገራውን ህዝባውን ክኸውን እንከሎ’ውን ከምኡ ፍልልይ ይንጸባረቕ። ኣብ ኩሉ መዳያት እምበኣር መምዘኒና ኣካላዊ ወይ ደጋዊ ናይቲ ንምርጫ እንሓጽዮ ኣካል ዘይኮነ ራኢኡ ክኸውን እንከሎ እዩ ዘድምዕ።

ቅድሚ ጉዕዞኻ ምጅማር እትጐዓዘሉ ምኽንያትን መዓርፎኡን ማለት ኣንዊሑ ጠማቲ ራኢኻ ምንጻር ናይ ኩሉ ቀጺሉ ዝመጽእ ጉዕዞን ውጽኢቱን ቀንዲ መሰረት ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ኣብዚ መዳይዚ ዕዉት ምዃን ናብቲ ቀንዲ ዓወት ንምብጻሕ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። ኣብዚ ዘይምዕዋት ከኣ ነቲ ጉዕዞ ንድሕሪት ዝመልስ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዕንክሊል ዘንብር እዩ። ስለዚ ራኢኻ ኣብ ሓደ ጉዳይ ምንጻር ኣገዳሲ እዩ። ድሕሪዚ ምስ መን ኢኻ ነዚ ራእይ እዚ እተዕውቶ መላፍንቲ ክትመርጽ እንከለኻ እቲ መዕቀኒ ናይቲ እትመርጾ ኪኖ ራእይ ዘለዉ መንነታቱ ዘይኮኑ ራኢኡ እዩ ክኸውን ዝግበኦ።

እዚ ኣድላይነት ከም ኣብ ኩሉ መዳያት፡ ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ኣገዳሲ ጥንቃቐ ዘድልዮ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን፡ ብሃይማኖት፡ ብኣቀማምጣ መሬት፡ ብቋንቋ፡ ብብሄር… ወዘተ ብዙሓት ኢና። እዚ ብዙሕነትና ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ንኣሃዳውነትና ወይ ንሃገራዊነትና ዘንጸባርቑ ከኣ ኣለዉና። ልዕሊ ኩሉ ኤርትራውያን ኢና። እዚ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ብዙሓነት ከኣ በዚ ንኹላትና ሓደ ዝገብረና ኤርትራውነት እዩ ዘጽልል። እዚ ናይ ሓባር ጽላል ኤርትራውነት ኣብ ዘይሃለወሉ እቶም ናይ ሓድነትና መምዘኒ ዝኾኑ መለክዕታት ክሉ ድሕሪ ሃገር ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ሓደጋ እዮም ዝወድቑ። ስለዚ ኤርትራዊ ራእይ ክዕቀብ ናይ ግድን እዩ።

ኣብ ምዕቃብን ቀጻልነትን ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራ ዘለና ራእይ’ኳ ኣፈላላይ እንተዘየብልና፡ ኣብ ትሕቲ’ዚ ጽላል፡ ኤርትራን ህዝባን ብኸመይ ይመሓደሩ? ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ክህልዎ ዝግባእ ስፍሓት ክሳብ ክንደይ’ዩ? ሕቶ ዲሞክራሲ ብኸመይ ይምለስ? ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ግና ፍልልይ ከምዘለና ኣብ ቅድሚ ኩልና ዓይኑ ኣፍጢጡ ዘሎ ሓቂ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ባዕሉ ሕግን ስርዓትን ባዕሉ ህዝብን ሃገርን ኮይኑ ነዚ ዘንጸባርቕ ራእይ ኣምሪሑ ንሃገርናን ህዝባን ጀሆ ሒዙ ተኾዲጩ ኣሎ። ብኣንጻር’ዚ ንሕና ሓይልታት ተቓውሞ ከኣ፡ “ብቕዓቱን ተመኩሮኡን ከመይ እዩ ብዘየገድስ ክሉ ሰብ ትሕቲ ሕጊ እዩ” ዝብል ራእይ ኣለና። ህዝቢ ዝምረሓሉ ቅዋም ክውንን ነቲ ባዕሉ ዝሓንጸጾ ሕጊ ዘተግብረሉ ኣካል ኣብ ምሕራይ ልኡላዊ መሰል ኣለዎ ዝብል ራእይ ሒዝና ንቃለስ ኣለና። ኣብዚ እዩ እምበኣር እቲ ምስሕሓብን ቃልስን ኣብ መንጎ ሰባትን ባህሪኦምን ዘይኮነ ኣብ መንጎ ራኢኦም ምዃኑ ክንጸር ዝግበኦ። ንኣብነት ውልቀመላኺ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቅ ናይቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጨቋኒ ራእይ ቀንዲ ሃንዳሲ እዩ። ንሕና እንቃወሞ እምበኣር ነቲ ዲክታቶርን ደቀ መዛሙርቱን ከም ሰባት ስለ እንጸልኦም ዘይኮነ ኣንጻርቲ ራኢኦም ስለ ዝተሰለፍና ምዃኑ ፍሉጥ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ናይቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ገዛኢ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ናይቶም ኣብ መስርሕ ለውጢ ተሰሊፍና ዘለና ወገናት ኣካይዳ ኣዛራቢ ብዛዕባ ምህላዉ ፍሉጥ እዩ። እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ለውጢ ናይ ምርግጋጽ ዓቐብ ብሓደ ካብቶም ብዙሓት ሰልፍታትን ውድባትን ከምዘይዕመም ንጹር እናሃለወ፡ ብሓባር ብዝተኣማምን ቀጻልነት ክንስለፍ ኣይከኣልናን። ኣብዚ መዳይ ድኽመትና ነዊሕ ዝርዝር ከም ዝህልዎ ፍሉጥ ኮይኑ፡ ኣብ እንብህጎ ዝምድና ግቡእ ናይ መምረጺ ሚዛን ዘይምሓዝና ቀንዲ ምኽንያት ከም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ምስቶም ንናይ ሓባር ዓወት ሓቢርና ክንስጉም ዝግበኣና ኣካላት ብናይ ሰባት ባህሪ ዘይምስምማዕ ክህልወና ይኽእል። ኣብቲ ቀንዲ ራእይ ስምምዕ እናሃለወና፡ ንኹሉ ክኢልናን ተጸዋዊርናን ቅድሚት ከነምጸኦ ዝግበኣና እቲ ሓደ ዝብጸሓና ኤርትራን ህዝባን ናይ ምድሓን ራእይ እዩ። ልክዕ እዩ ካብ ዙርያ እቲ ሃገራዊ ራእይ ወጺእና ኣብ ንኡሳን ጉዳያት እንእከበሉ ሃገራዊ ዛዕባ ዘይጻባእ ማሕበራዊ ጉዳያት ኣይህልወናን ማለት ኣይኮነን። ኣብዚ “ማእከላይ መምዘኒና ራእይ ይኹን” ክንብል እንከለና ኤርትራዊ ሃገራዊ ራእይ ማለትና ኢና።

ንጉዳያትን ዝምድናታትን ኣብ ክንዲ ብሰባት ወይ ጉጅለታት ብራእይ ናይ ዘይምልካዕ ድኽመትና ካብዚ ኣብ መንጎ ውድባትና ዘሎ ዘየቕስን ናይ ሓጐጽግጽ ዝምድናታት ምርዳእ ይከኣል። ዳርጋ ኩልና ከብያል ብዝኽእል ደረጃ፡ ኣብ ብዙሓት መሰረታዊ ጉዳያት ናይ ሓባር ራእይ ኣለና። ኣብ ህግደፍን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ በደልን ዘለና ሚዛን ኣይንፈላለን። መጻኢት ኤርትራ ህዝባዊ፡ ሕገመንግስታውን፡ ኣብዘሓ ሰልፋውን ስርዓት ከምዘድልያ ኣይንፈላለን። ሎሚ ዘይኮነ ጽባሕ ክውገኑ ዝግበኦም ፍልልያት ከም ዘለዉና እውን ኣብ ቅድሚ ኩልና ብሩህ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ኣብቶም እንሰማመዓሎም ኣትኪልና ናይ ምስራሕ ዕማም ከነዕውት ኣይከኣልናን። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ማእከላይ መምዘኒና ራእይ ካብ ዘይምዃኑ ዝነቅል እዩ። ኣብ ባህልና “ኣሕዋት ምስ ዝሓብሩ ጸላኢ የባርሩ” ዝብል ምሳልያዊ ኣበሃህላ ዝውቱር እዩ። ኣብዚ እቲ ዝሓብርሉ ኣብ ዙርያ ጸላኢ ናይ ምብራር ናይ ሓባር ራእይ ማለት ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብተግባር ኤርትራውያን ኣብ ግዜ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ነዚ ሎሚ ምኽኣል ስኢናዮ ዘለና ናይ ሓባር ራእይ ናይ ምጉላሕ ኣገዳስነት፡ ናይ ናጽነት ራእይና ብምብራኽ ኣረጋጊጽናዮ ኢና።

Last modified on Wednesday, 11 April 2018 20:37