ድርብ ሂብካ ናይ ምቕባል ወፈራ

2014-12-16 03:49:27 Written by  EPDP Editorial Board Published in EPDP Editorial Read 3565 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ብመንጽር ኤርትራዊ  ፖለቲካዊ ሃለዋት ኣዝዩ ኣጸጋምን፡ ካብዚ ጸገም ንምውጻኣ ናትና ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ካለኦት ደለይቲ ጽቡቕና ኢድ እውን እንጽበየሉ መድርኽ እዩ። ምጽባይ ክበሃል እንከሎ  ናትካ ከይገበርካ ኢድካ ኣጣሚርካ ናይ ካልኦት ደገፍ እተቋምተሉ ዘይኮነስ፡ ነቲ ናትና ብጽሒት እንዳፈጸምና ናይ ካለኦት መራጐዲ ኣስተዋጸኦ እንሓተሉ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ወሳኒ ናትናን ናይ ህዝብናን ዝተወሃሃደ ድፍኢት ስለ ዝኾነ። እዞም ክልተ ተግባራት፡ ኣብ ኢድካ ብዘሎ ወሳኒ ዓቕሚ ምጥቃምን፡ ናይ ካለኦት ኣካላት ተደራቢ ዓቕሚ ክትረክብ ምምሕጻንን፡ ዝተነጻጸሉን እቲ ሓደ ምስ ተተግበረ እቲ ሓደ ዝስዕብን ዘይኮኑስ ኣብ ሓደ መስርሕ እንዳተመላልኡ ኣብ ዓወት ዝበጽሑ እዮም።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ብምርዳእ ከምቲ ልሙድ ብፍላይ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ብጻዕቂ ይስርሓሉ ኣሎ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት መዓልልታት’ኳ፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣብ ዞባ ኤውሮጳ፡ ኣብ ኣወስትራሊያን ኢትዮጵያን ዘካየዶም ዝያዳ ናብ ሰልፋዊ ጉዳያት ዘድሃቡ ናይ ኣባላት ኣኼባታት ናይዚ ኣብነት እዮም። ብዘይካዚ ኣቦመንበር ሰልፊ ኣብ 23 ሕዳር 2014 ዘካየዶ ናይ ኩሎም ኣባላት ሰፊሕ ኣብ ህልዊ ኩነታት ሃገርን ሰልፍን ዘድሃበ ኣኼባ ካልእ ናይቲ እዋናዊ ወፍሪ ኣካል እዩ። ኣቦመንበር ሰልፊ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ ዓባይ ብሪታንያ ዘሰላስሎ ዑደትን ምስ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዘሎም ግና ድማ ኤርትራዊ ተገዳስነቶምን ሻቕለቶምን ሓደ ዝገብሮም ኤርትራውያን ዘካየዶ ኣኼባ ከዓ ነብሱ ዝኸኣለ ርኢቶኻ ናይ ምስራጽ ስራሕ እዩ። እዚ ሓደ መርኣያ ናይቲ ጉዳይ ኤርትራ ብቐዳምነት ንኤርትራውያን ዝምልከቶም ምዃኑ እዩ። ኣብ ከምዚ ውስጠ-ሰልፋውን ህዝባውን ኣኼባታት ቆላሕታ ዝወሃቦም ዛዕባታት፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣሻቓሊ ኩነታት ንኹሉ ንጹር’ኳ እንተኾነ ከም መእተዊ ምስ ዳህሲስካ፡ ናይቲ ሰልፊ ርኢቶ ብዛዕባ ኣወዳድቓ ዲክታተርያዊ ጉጅለ ህግደፍን ወሳኒ ግደ ህዝቢ ኤርትራን፡ ኩነታት ደንበ ተቓውሞን ናብ ሓደ ናይ ቃልሲ መኣዲ ኣመጻጽእኡን፡ ዝምድናታት ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓውሞ ምስ ሕብረተሰብ ዓለምን ጐረባብትን እቶም ቀንድታት ከም ዝኾኑ ፍሉጥ እዩ።

ኣብ ከምዚ መድረኽ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከዓ ኣብቲ ህዝባዊ ኣኼባታት፡ ዕላማ ናይቲ ርክባት ሒዝካዮ ዝቐረብካ ርኢቶ ተሳተፍቲ ከም ዝቕበሉልካ ምግባር ጥራይ ኣይኮነን። ማዕረማዕረ እዚ ካብ ተሳተፍቲ ዝወሃብ ኣውንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ርኢቶ ንምቕባል እውን እዩ። መጻኢ ፖለቲካዊ መደባትካ ብምሉኡ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ዝበዘሓ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝቕበሎ ክትገብሮ እትኽእል ከዓ ካብ ከምዚ ዓይነት ኣጋጣምታት ብዝእከብ ሃናጺ ሓሳባት ክህብትም እንከሎ እዩ። ከምቲ “ክቕየር እንከለኹ ዝቕየር፡ ርእሰይ እንቕንቕ እንከለኹ ርእሱ ዝንቕንቕ ዓርኪ ኣይደልን እየ፡ ምኽንያቱ ነዝስ ጽላለተይ እውን ብዝሓሸ መንገዲ ክፍጽመለይ ስለ ዝኽእል” ዝበሃል ናይ ነኣድትኻ ጥራይ ዘይኮነስ ዝያዳ እትመሃረሉ ናይ ነቐፍትኻ ሓሳብ እውን ካብዚ እዩ ዝርከብ። እዚ መስርሓ ኣብ ሰባት ናይ  ኣተሓሳስባ ለውጢ ናይ ምስራጽ ጉዳይ ስለ ዝኾነ፡ ነዊሕ ግዜን ከቢድ ድኻምን ዝሓትት እምበር፡ ኣብ ሓደ ክልተ ኣኼባታ ጻማ ድኻምካ ትሓፍሰሉ ኣይኮነን። ስንኻ ነኺስካ እንተቐጺልካዮ ግና ከምቲ ብቐጻሊ እትነጥብ ማይ ከውሒ እትሰብር፡ ጻዕርኻ ከም ዘድምዕ ትስፉው ኮይንካ ምቕጻሉ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ። ሰደህኤ፡ ኣብ ዝመረጾ ኣገባብ ቃልስን ሕቶ ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ተቓውሞን  ርኢቶኡ ኣብ ግደ ሲቪካዊ ማሕበራትን ኣብ ለውጥን፡ ዘተባብዕ ግንዛበ ይምዝገብ ምህላዉ ከዓ ሓደ ተስፋ ካብ ዝህቡ ምዕባለታት እዩ።  ምእንቲ እዚ እዩ ከዓ ሰደህኤ ዓቕሙ ክሳብ ዘይገደቦ ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ኣካላት ዝገብሮ ርክብ ከም ቀንዲ ዓማሙ ዝሕዞ።

ኣይኮነንዶ ኣብዚ ዘመነ ዓለም ለኻውነት ቀደም እንተኾነ እውን ከምዚ ናትና ሃገርን ህዝብን ናይ ምድሓን ቃልሲ ምስ ካለኦት ሓይይልታት እንዳተደጋገፍካን ኢድ ከይተኣታተኻን እምበር ገዛኻ ዓጺኻ በይንኻ ዝዕመም ከም ዘይኮነ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ይኣምን’ዩ። ግጉይነት ናይ ዕጹው ገዛ ፖሊሲ ዝምድና ከዓ፡ ናብ ርሑቕ ከይከድና ካብ ተመኩሮ ጉጅለ ህግደፍ እንመሃሮ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዩ ድማ ሰደህኤ ኣብ ብዙሕ ዓለም ለኻዊውን ዞባውን መድረኻት ከከም ኩነታቱ ብኣካልን ብኻልእ መንገድን ዝሳተፍን ናይ ህዝብና ሕሰም ገሊጹ ምድግጋፍት ዝሓትትን። ኣብቲ ዝገብሮ ተሳትፎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ከከምቲ ዝተሰለፍሉ ዕላማታት፡ ኣብ መዳይ ደሞክራሲ፡ ሰብእዊ መሰልን ጉዳይ ስደተኛታትን እጃሞም ከበርክቱ’ዩ ዝምሕጸን። ዝሓለፈ ጻዕርታት ናይዚ ሰልፊ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝተኻየደ 15 ሃገራት ናይ ዝውክል ደቡብ ኣፍሪቃዊ ናይ ዕቤት ኮሙኒቲ ዝተባህለ ሲቪላዊ ማሕበር ኣብ ዘዳልዎ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ኣካል ኤርትራዊ ልኡኽ ኮይኑ ዝገበሮ ተሳትፎ ፍሉይ ግምት ዝወሃቦ እዩ።

እዚ ተሳትፎ ፍሉይ ዝኾነሉ ምኽንያት ብክልተ መንጽር ምርኣዩ ይከኣል። በቲ ሓደ ወገን ደንበ ተቓውሞና፡ ኣፍሪቃዊ ክንሱ ተፈላጥነቱ ኣብ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ድሩት ኮይኑ ድሕሪ ምጽንሑ በዚ ሰፊሕ ኣፍሪቃዊ ጽልዋ ዘለዎ ማሕበር ክፍለጥን ክዕደምን ምኽኣሉ እዩ። ከምቲ ዘይንስሕቶ ካብ ዕማማት ሕብረት ኣፍሪቃ ሓደ ናይዛ ኣህጉር ሰላምን ቅሳነትን ምርግጋጽ እዩ። ናይ ኤርትራ ጉዳይ ዘይሓወሰ ኣፍሪቃዊ ናይ ሰላም ኣጀንዳ ምሉእ ከም ዘይከውን እትገልጸሉ መድረኽ ምርካብ እምበኣር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ካልእ ፍሉይነቱ ኣብዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ እሂንምሂንን ንኤርትራዊ ረብሓ ሓቢርካ ምውፋር ዝጠፈኣሉን ናይ ምምንጫት ህሞት፡ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ውድባት፡ ማሕበራትን ንጡፋት ውልቀ ሰባትን ነናይ ትካሎም ዝለዓለ  እምነት 2ይ ደርጃ ኣትሒዞም፡ ብደረጃ ኤርትራዊ ልኡኽ  ምእንቲ ለውጢ፡ ሰላምን ሰብኣዊ መሰልን ኤርትራውያን ብሓደ ቃል ክዛረቡ ምኽኣሎም ኣዝዩ ዘሕጉስን መጻኢ ብሩህ ተስፋ ዘመልክትን ምዃኑ እዩ።

እቲ ኣብ ኣፍሪቃዊ መድረኽ በዂሩ ዝጸንሐ ደንበ ተቓውሞ ብኣፍሪቃዊ ማሕበራትን ውድባትን ዘይፍለጥ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ኤርትራውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሌላ ዘይምግባሩ እውን ካልእ ጸገም እዩ ነይሩ። እዚ ካብ ኣወሃሃዲ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ኣንበሳድር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ካብ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር፡  ካብ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ኣቶ ኩሉብርሃን ኣብርሃም፣ ከምኡ’ው ወይዘሮ ሳልዋ ኑር ኤርትራዊ ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዝቖመ ልኡኽ፡ ምስ ኤርትራውያን ነባሮ ፕሪቶርያን ደርባንን ኣኼባ ምክያዱ ካልእ መግለጺ ዓወት ናይቲ መገሻ እዩ ነይሩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ኣብዚ ከባቢ መንገዲ ተኸፊቱ እምበር እቲ ዝድለ ሸቶ ተመዝጊቡ ማለት ኣይኮነን። ኣብቲ ዝድለ ንምብጻሑስ እቲ ዝኸበደ እቲ ተሪፉ ዘሎ እዩ። እዚ ተበግሶ እዚ ካብ ተመኩሮ ብሩሰልስ ተማሂርካ፡ ብዓይኒ ሓልዮት እንተተራእዩ መኽሰቡ ንኹሉ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዘሎ ደላይ ለውጢ ምዃኑ ጌርካ ክውሰድ ዝግበኦ እዩ። ሓቢርካ ምውፋር ክሳብ ክንደይ ከም ዘዕውት ድማ ከም ኣብነት ክውሰድ ይግበኦ። “እሞ ኣብ ደነበ ተቓውሞና ከምዚ ዓይነት ረዚን ልቦና ኣሎዶ?” ንዝብል ሕቶ ግና ኣፍካ መሊእካ ናይ “ኣወ” መልሲ ክትህቦ ኣጸጋሚ እዩ። እንተኾነ እዚ ጸገም ኣይኮነን ሎሚ እንተዘየለ ጽባሕ ብቓልሲ ክፍጠር ናይ ግድን ስለ ዝኾነ።  እዚ  ልኡኽ ኣብቲ ዝተሳተፈሉ መድረኽ ብዘቕረቦ “1፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ፖለቲካዊ ዑቝባን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሰላም ክነብሩን ኣብ ማሕበረ-ቍጠባዊ ምዕባለ ናይ'ታ ሃገር ክሳተፉ ዘኽእሎም ዘድሊ ሕጋዊ ሰነዳትን ክህቦም፤ 2፡ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ሲቪላውያን ማሕበራት ንቃልስታት ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ዲሞክራሲ፡ ሰብኣዊ ክብርን ፍትሕን ዝገብርዎ ደገፍ ክብ ከብሉ፤ 3፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ብመሰረት ቅዋሙ ናይ ኣሳላጢነት እጃሙ ክጻወት፤ 4፡ ጐረባብቲ ኤርትራን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ብመሰረት ኣህጕራዊ ውዕላትን ንመሰላትን ድሕነትን ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከሕልዋን ንጽውዕ።” ዝብል መልእኽቲ ዕላማ ተሳትፈኡ ክሳብ ክንደይ ጸቢብ ውድባዊ ወይ ማሕበራዊ ዘይኮነስ ኤርትራዊ ምንባሩ ኣነጺሩ እዩ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ መንገዲ ዓወት በይንኻ ዝግበር ወፍሪ ዘይኮነስ ኣብ ንጹር መጽናዕትን ፍልልያት  ብግቡእ ኣብ ዝተመሓደረሉ ባይታን ሓቢርካ ብምስራሕ ምዃኑ ካብ ቀድሙ ስለ ዝርዳእ፡ ንመጻኢ ኣውን ንጹር ቅሩብነትን ትብዓትን ምስ ዘለዎም ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ኣካላት ንምስራሕ ኣፍደግኡ ክፉት ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ የረጋግጽ።

15 ታሕሳስ 2014

Last modified on Tuesday, 16 December 2014 04:58