ኣብ መንጎ ኣቢይ ኣሕመድን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዝነበረ፡ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ዝምድና፡ ድሕሪ ምኽታም ውዑል ፕሪቶርያ በርዒኑ። ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ዝብል ኣዛራቢ ኣጀንዳ’ውን ኣኸቲሉ። እቲ ኩነታት ዘሻቐሎ ሓይሊ ዕማም፡ ኤርትራውያን ምሁራት ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ “ልኡላውነት ኤርትራን ሕቶ ተጠቃምነት ባሕሪ ኢትዮጵያን” ብዝብል ኣብ ዘዳለዉዎ መጽናዕታዊ ሰነድ፡ ነቲ ብ1982 ብብዙሓት ሃገራት ተኸቲሙ ብ1994 ድማ ክትግበር ዝጀመረ ኣህጉራዊ ሕጊ ባሕሪ ብዝምልከት ኣገዳሲ ነጥቢ ምስፋሩ፡ ኣዝዩ ዕዙዝ ይገብሮ።
ዓለምለኻዊ ሕጊ ባሕሪ፡ ሰፊሕ ዝርዝርን ኣማኢት ዓንቀጻትን ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ዝያዳ ምስ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዛመድ፡ ካብ 124 ክሳብ 132 ዓንቀጻት ሰፊሩ ዘሎ እዩ። ካብኡ ብዝያዳ ድማ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ኮና፡ መተሓላለፍቲ ከፍቅዳ ዝሕተታ ወነንቲ ባሕሪ ሃገራት ብዝምልከት ኣብ ዓንቀጽ 125 ሕጊ ባሕሪ ብንጹር ሰፊሩ ይርከብ።
ቅድሚ ዓንቀጽ 125፡ ኣብ ዓንቀጽ 124 ክልተ ኣገደስቲ ነገራት ነጺረን ይርከባ። ንሳተን ድማ “ንተጠቃምነት ምትሕልላፍ እትሓትት ሃገር” ማለት፡ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰለት፡ ካብታ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት ዋና ባሕሪ መተሓላለፊ ክትረክብ እትሕተት እያ። ኣፍደገ ባሕሪ እትውንን ሃገር ድማ፡ ኣብ ማእከል ኮይና፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንዘየብላ ሃገርን ምስ ኣገልግሎት ባሕርን እተራኽብ ድንድል ምዃና ምንጻር ኣገዳሲ እዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ “ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ እትድልዮ ዘላ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ድዩ ወይ መተሓላለፊ መስመር?”፡ ዝብል ሕቶ፡ ካብ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓሊፉ ኣብ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ዘዛርብ ኮይኑ ዘሎ ዛዕባ እዩ። መልሲ ኢትዮጵያ ነዚ ሕቶ’ዚ ንዝተወሰነ ግዜ’ኳ ኣታውን ወጻእን ዝመስል እንተነበረ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና፡ እናሰማዕካ ከምዘይሰማዕካ መሲልካ ናይ ምቕራብ ድሌት እንተዘይሃልዩ፡ “ድሌትና ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ እዩ” ብዝብል ዓይኑ ኣፍጢጡ ተነጺሩ’ሎ።
ሕቶ ኢትዮጵያ ብታሕቲ ታሕቲ ዘይኮነ፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መድረኻት ከይተረፈ ብላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን መንግስታዊ ማዕከናት ዜናን ኢትዮጵያ ዝጋማዳሕ ዘሎ እዩ። ኣብዚ ሓደ ዘየዳድን ብዙሓት ዝረዳድእሉን፡ ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ስለ ዝኾነት፡ እቲ ብኢትዮጵያ ዝሕተት ዘሎ“ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ”፡ ሕጋዊ ኮነ ርትዓዊ ተቐባልነት ስለ ዘየብሉ ዝተዓጽወ መዝገብ እዩ።
ይኹን እምበር፡“ተጠቅማነት ኣፍደገ ባሕሪ ንመተሓላለፊ፡ ምልዓሉ ግቡእ ምዃኑ ዝእመነሉን፡ ብመንጽር ዓለምለኻዊ ሕጊ ባሕሪ ምርኣዩን ኣድላይ ይኸውን። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ’ኳ እንተዘየብላ፡ ንኤርትራ ወሲኽካ፡ ምስ 4 ኣፍደገ ባሕሪ ዘለወን ሃገራት እትዳወብ ስለ ዝኾነት፡ ሰፊሕ ምርጫታት ኣለዋ። ናብ ኩለን እተቕርቦ ሕቶ ተጠቃምነት ኣፍድገ ባሕሪ ከኣ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ክብደት ዘለዎ እዩ።
ዓንቀጽ 125 ናይቲ ሕጊ ባሕሪ እምበኣር፡ ሰለስተ ነናተን ረዚን መልእኽቲ ዘለወን ኣገደስቲ ንኡሳን ዓንቀጻት ኣለወኣ። በዚ መሰረት፡
ንኡስ ዓንቀጽ 1፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት፡ ብመንጽ’ቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ሕጊ ባሕሪ ሰፊሩ ዘሎ፡ መተሓላለፊ ንምርካብ ናይ ምሕታት መሰል ኣለወን። በዚ ድማ ኣብ መስርሕ ምትሕልላፍ ሰብ ኮነ ንብረት ብዝኾነ ዓይነት መጐዓዝያ ብመሬት ናይታ መተሓላለፊ እትፈቅድ ሃገር ክጥቀማ ይኽእላ።
ንኡስ ዓንቀጽ 2: መስርሕ ኣተገባብራ መሰል ምትሕላልፍ፡ ኣብ መንጎ ወናኒት ባሕርን ሓታቲት መተሓላለፊ ኣፍደገን፡ ብመንጽር ንኡስ ዞባውን ዞባውን ሕጊ ባሕሪ፡ ብመንፈስ ክልተኣዊ ተጠቃምነት ብልዝብን ብስምምዕ ጥራይ እዩ ዝትግበር።
ንኡስ ዓንቀጽ 3፡ መተሓላለፊት (ወናኒት ኣፍደገ ባሕሪ) ዝኾነት ሃገር፡ ምሉእ ግዝኣታዊ ልኡላውነታ ዓቂባ፡ ኣብ መስርሕ እቲ ንምትሕልላፍ ዝብጻሕ ስምምዕ፡ ዝኾነ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ምሉእ መሰል ኣለዋ። ኣብዚ እታ መተሓላለፊ እትሓትት (ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ) ሃገር፡ ብዝኾነ ኣገባብ ከተዕንቅፍ እትኽእለሉ መንገዲ የብላን።” ይብል።
ኣብ ኣተገባብራ ሰለስቲኡ ንኡሳን ዓንቀጻት ዓንቀጽ 125፡ ብሓንሳብ ዝትግበር እምበር፡ ሓደ ንበይኑ ቆንጪልካ ዝውሰዱ ኣይኮኑን። ሓደ ንኡስ ዓንቀጽ ቆንጪልካ ምውሳድ ሸፈጥ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ናብ ግጉይ መደምደምታ ዝወስድ እዩ። ገለገለ ኢትዮጵያውያን ንንኡስ ዓንቀጽ 1 ጥራይ ንበይና ነጺሎም ብምውሳድ፡ “ብኸመይ?፡ ኣበይ”፡ መዓስ?” ዝብሉ መሰረታዊ ሕቶታት ከይመለሱ፡ “ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰል ኣለወን።” እትበል ሓረግ ጥራሕ ብምቅላሕ፡ ግጉይ ተረድኦ ከም ዝዝርግሑ ንዕዘብ ኣለና። ካብ ንኡስ ዓንቀጽ 2፡ “ብመንፈስ ክልተኣዊ ተጠቃምነት ብልዝብን ብስምምዕን ጥራይ እዩ ዝትግበር” ትብልን፡ ኣብ ንኡስ ዓክቀጽ 3 ሰፊራ ዘላ፡ “ኣብ መስርሕ እቲ ንምትሕልላፍ ዝብጻሕ ስምምዕ፡ “ወናኒት ባሕሪ ዝኾነ ሃገር ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ምሉእ መሰል ኣለዋ።” ንዝብላ ግና ከም ቁርን ኣስሓይታን ስለ ዝፈርሕወን ክጠቕስወን ኣይደፍሩን።
እቲ ብልዝብ ዝብጻሕ ናይ ኣጠቓቕማ ስምምዕ፡ መሰረተ-ሓሳቡ ብዓለም-ለኻዊ ሕጊ ባሕሪ ዝግዛእ ኮይኑ፡ ከከም ኩነታትን ድሌትን ናይቶም ዝሰማምዑ መንግስታት ከፈላለ ይኽእል። ንኣብነት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግበር ስምምዕ፡ ካብቲ ኢትዮጵያ ምስ ጅቡቲ፡ ሶማሊያ፡ ኬንያን ሱዳንን ክትገብሮ እትኽእል ክፍለ ይኽእል። ናይ ግዜ ገደብ’ኳ ከም ኣብነት እተወሰድና፡ ገሊአን ሃገራት ናይ 10 ዓመታት ስምምዕ ክኽትማ እንከለዋ፡ ካለኦት ከኣ ነቲ ስምምዕ ናይ ዕስራ-ሰላሳ ዓመታት ክገብረኦ ይኽእላ።
ገሊኡ ስምምዕ መተሓለፊ ባሕሪ እትሓትት ሃገር፡ ካብቲ ዘራኽበን ዶብ ናብ ወደብ ከምዘይትጽጋዕ ክገብረኦ ይኽእላ። ናይ ገሊአን ድማ ክሳብ ናብ ወደብ ኣቲኻ ምጽዓንን ምርጋፍን ዘኽእል ስምምዕ ክኸውን ይኽእል። ክልቲአን ተወዓዓልቲ ሃገራት ተሰማሚዐን፡ ኣብቲ ወደብን ከባቢኡን ናይ ሓባር ወፍሪ ከካይዳ ይኽእላ፡ ኣብ ገሊኡ ስምምዕ ከኣ እዚ ተቐባልነት ዘይክህልዎ ይኽእል። እታ መተሓላለፊት ሃገር ነታ ተጠቃሚት ኣብቲ ወደብ ከም መስርሒ ማኻዚኖታት ዝኣመሰለ መሬት ክትፈቕደላ ትኽእል ወይ ኣይትፈቅድን። ጉዳይ ምቑጻር ሰራሕተኛታት ኣብቲ ወደብ ከኣ ካልእ ኣብቲ ዝርዝር ስምምዕ ዘዛርብ’ዩ።
ከም’ቲ ብዙሓት ዝምስክርዎ፡ ናይ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኩለ-መዳያዊ ዝምድና፡ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕቤትን ዝኣመሰሉን፡ ከም መፈራርሒ ንምውናን ኣፍደገ ባሕርን ንምድኳን መደበር ሓይሊ ባሕርን ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዝግበር ልዝብ ጽልዋ ከም ዘሕድሩ ምግባሮም ይከኣል። እቲ መስርሕን ዝብጻሕ ስምምዕን ኣድማዒ ንክኸውን ከኣ፡ ልዕሊ ኩሉ ኣብ መንጎኦም ምትእምማን ኣገዳሲ’ዩ።