ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝረአ ዘሎ ወጥሪ፡ ኣብ ዞባና ዝዓበየ ኣጀንዳ ኮይኑ’ሎ። ብዛዕባዚ ዞባና ኣፍልጦን ተመኩሮን ዘለዎም ፖለቲከኛታትን ትካላትን ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም እዚ ወጥሪ “ናብ ውግእ ክዓርግ ይኽእል’ዩ” ዝብል ኣስጋኢ ግምት ኣለዎም። ውሑዳት፡ “ኣፍኩም ይስዓር” እንብሎም ወገናት ግና፡ “እዞም ዝፈኻኸሩ ዘለዉ መንግስታት ካብ ዘቤታዊ ኣጀንዳኦም ክሃድሙ እምበር እቲ ምውጣጥ ናብ ውግእ ኣይከዕርግዎን’ዮም፡” ዝብል ግምት ኣለዎም። ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ ብቐጻሊ ዝለዓል “እንታይ እዩኸ ኣራኺብዎም?” ዝብል ሕቶ እዩ።
ናይቲ “እንታይ እዩ ኣራኺብዎም?” ዝብል መሰረታዊ ሕቶ መልሲ፡ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝቐርብ ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዘለዎ’ኳ እንተኾነ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብቐጻሊ ዝቐርብ ክቱር ህርፋን ኣፍ ደገ ባሕሪ ኣሎ። ብወገን ኤርትራ ግና ብዛዕባዚ ኣሻቓሊ ኮይኑ ዘሎ ኣጀንዳ፡ ብዘይካቲ ብሚኒስቴር ዜና ሓሓሊፉ ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ዝወጽእ ዝተቆራረጸ ሓሳብ፡ ስሩዕን ቀጻልን መብርሂ የለን። እዚ ማለት ግና ምምሕዳር ህግደፍ በቲ ኩነታት ይሰግእ የለን ማለት ኣይኮነን። ድሌት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋላ’ኳ ብሓደ ሓደ ወገናት ዘይምልክዑ ኣትሒዝካን ኣጸባቢቕካን ክቐርብ ዝፍተን እንተኾነ፡ መሰረታዊ ትሕዝተኡ፡ “ልኡላውነት ሃገር ደፊርካ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ምውናን ምዃኑ” ብልሳን ዝለዓሉ መራሕቲ ናይቲ መንግስቲ ተደጋጊሙ ዝበሃል ዘሎ ጋህዲ እዩ። እቲ ጠመተ ናብ ገማግም ባሕሪ ካልኦት ሃገራት ዘይኮነ፡ ናብ ኤርትራ ዝዓለመ ምዃኑ ከኣ፡ እቲ ብሓለፍትን መዲያታትን ኢትዮጵያ ክኮማሳዕ ዝውዕል ወደብ ዓሰብን፡ ነቲ ኩነታት ምስ ዝሓለፈ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንም እስሳሩ ህርድግ ምባልን እኹል መረጋገጺ እዩ።
ኢትዮጵያ ምስ ብዙሓት ኣፍደገ ባሕሪ ዘለወን ሃገራት እትዳወብ ስለ ዝኾነት፡ ሕቶኣ ከም ናብ ኤርትራ ጥራይ ዘየቕነዐ ሓፈሻዊ ጠለብ ኣምሲልካ ከተቕርቦ ምፍታን’ውን ኣሎ። እዚ ግን፡ “ወደብ ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ ኮይኑ ኣይፈልጥን” ዝብል ሓረግ ትደጋግም ኮንካ ከተብቅዕ፡ ንመዕሸዊ ዝመሃዝ፡ ካብ ክውንነት ሓቅን ዝረሓቐ ምስምስ እዩ። እዚ ድፍረት ነቲ ኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ደረጃ ልኡላውነት ንክትበጽሕ ህዝባ ዘካየዶ መሪር ቃልስን ዝረኸበቶ ዓለም ለኻዊ ተቐባልነትን ዘንጊዕካ፡ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን 44 ሃገራት ዓለም ንክትከውን ዝገበረ፡ ሸርሒ ዝተሳዕረ ኢትዮጵያዊ ምምሕዳር ከም ዝኾነ ኣምሲልካ ዝቐረብ ኣዝዩ ስስዕቲ ዝመልኦ ጠቐነ እዩ።
እቲ ካልእ ድሌት ኢትዮጵያ፡ ብንጹር ኣገልግሎት ወደብ ንምርካብ ዘይኮነ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውናን ምዃኑ ዘርኢ ግሁድ መርተዖ፡ ኣብቲ ዝሕለም ኣፍደገ ባሕሪ፡ እተስፍሮ ሓይሊ ባሕሪ ትዕልምን ተዕጥቕን ምህላዋ ደጋጊማ እትገልጾ እዩ። መራሕታ’ውን ኣብ ቀረባ ግዜ “ኣባል ማሕበረሰብ ቀይሕ ባሕሪ ክንከውን ኢና” ክብሉ ይስምዑ እዮም። ስለዚ ድሌት ኢትዮጵያ ኪኖ ኣገልግሎት ወደብ ዝምጠጥ፡ መንቀሊኡ ዘይሕጋውን ልኡላውነት ዝግህስን ስለ ዝኾነ፡ ክሳራ ከስዕብ እንተዘይኮይኑ፡ ከምዘይሰምር ርዱእ እዩ። ህርፋን ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ናብ ጅቡቲ’ውን ቀሪቡስ ኣብዚ ቀረባ ግዜ “ጅቡቲ ክሪም ኣይኮነትን” ብዝብል ዘየወላውል ምላሽ ከም ዝተነጽገ ናይ ቀረባ ፍጻመ እዩ።
ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንክትውንን እትመርኮሰሉ መርተዖ፡ ከምቲ “ወዮ ተቓሊስናስ ተዋዲቕና” ዝበሃል፡ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ገዛእቱ ስርዓታት ኢትዮጵያን ዝነበረ እሞ ብምርግጋጽ ልኡላውነት ኤርትራ ዝተዓጽወ፡ ፋይላት ንድሕሪት ተመሊስካ ምግንጻል እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ቅድሚ ኣህጉራዊ ሕግታት ኮነ ሕበረተሰብ ዓለም ቦታ ዘይወሃቦም ምኽንያታት ብምጽፍጻፍ፡ “4 ሚልዮን ዘይመልእ ህዝቢ ዘለዋ ኤርትራ 2ተ ወደባት ክህልዋ፡ ከመይ ኢላ ልዕሊ 100 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ወደብ ኣልቦ ትኸውን?” ዝብል ሕቶ ክቐርብ ምስማዕ’ውን፡ ልሙድን ዘገርምን ኮይኑ ኣሎ። ኢትዮጵያ “ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕቤት ተርኢ ዘላ ሃገር ስለ ዝኾነት፡ ብዝኾነ መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ክትውንን ናይ ግድን እዩ” ዝብል ከኣ ናይ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን “ግጉይ መውጽእ ኣፍ” ኮይኑ ዘሎ እዩ። ነቲ ኮለል ንምሕጻሩ እምበኣር፡ ሎሚ ናብ ቅድመ-ምክፍፋል ኣፍሪቃ ብኤውሮጳውያን ተመሊስካ፡ ንኣፍሪቃ ናብቲ ብልዕሊ 10 ሺሕ ምምሕዳራዊ ክልታት ተኻፋፊላትሉ ዝነበረት መዋእል ምምላሳ ሰለ ዘይከኣል፡ ነቲ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ብ1963 ዝበጸሖ ስምምዕ ኣኽቢርካ ካብ ምቕጻል ካልእ መተካእታ የለን።
“ኢትዮጵያ ብኸመይ እያ ወናኒት ኣፍደገ ባሕሪ ክትከውን ትውጥን ዘላ?” ዝብል ድማ ካልእ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ኣብዚ’ውን ነቲ ሓቀኛ ድሌት ንምሽፋን ብዙሓት ውጥም ቅልቅል ዝብሉ ብሂላት ኣለዉ። እቲ ዝያዳ በሪኹ ዝስማዕ ከኣ “እንተተኻኢሉ ብሰላማውን ብዲፕሎማሲያውን መንገዲ፡ ብኸምኡ እንተዘይሰሊጡ ከኣ ብዝኾነ ኣገባብ” ዝብል ናብ ሓይሊ ዝመጣጠር እዩ። ብላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ “ወተሃደራት ብጻዕቂ ነሰልጥንን ኣጽዋር ንሽማትን ዘለና፡ ነቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ንኡስ ዘቤታዊ ጐንጽታት ንምዕጋስ ዘይኮነ፡ ካብኡ ንዝዓበየ ተልእኮ’ዩ” ክበሃል ብተደጋጋሚ ዝተሰምዐ እዩ። እዚ ዘረደኦ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ብቐጥታ ልኡላውነት ስለ ዝግህስ፡ ብዲፕሎማሲ ናይ ምፍታሕ ዕድሉ ጸቢብ ብምዃኑ፡ ናብ ምጥቃም ሓይሊ ከም ዝወስድ ኣዝዩ ተገማቲ’ዩ። “ንኤርትራ ከም ጋዛ ክንገብራ ኢና” ዝተባህለሉ ኣጋጣሚ’ውን ዝርሳዕ ኣይኮነ። “ባህላዊ በዓል ኦሮሞ እርቻ ኣብ ዓሰብ ከነኽብሮ ኢና” ዝተባህለሉ ኣጋጣሚ ምንባሩ’ውን ሸለል ኢልካ ዝሕለፍ ከምዘይኮነ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዪ።
ኣብዚ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዝዓርግ ዘሎ ወጥሪ፡ ግደ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ከም ዝኸውን ምርኣዩ ኣገዳሲ እዩ። ብመሰረቱ ንልኡላውነቱ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ብምዃኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንፈንጠርጠር ኢትዮጵያ ብፍሉይ ትኹረት ክጥምቶ ናይ ግድን’ዩ። እንተኾነ ህግደፍ ግደ ህዝቢ ዕዙዝ ክነሱ፡ ግቡእ ግምት ስለ ዘይህቦ፡ ብታሕቲ ታሕቲ እንተዘይኮይኑ፡ ብዛዕባ’ዚ ዓብይ ጉዳይ እንታይ ይበሃልን ይግበርን ከምዘሎ፡ ንህዝቢ ዝህቦ ሓበሬታ ካብቲ ክኾኖ ዝነበሮ ንታሕቲ’ዩ። እዚ ከኣ ህግደፍ ከምቲ ልማዱ ናብ ውግእ ካብ ምጥባስ ሓሊፉ፡ ንግደ ህዝቢ ግቡእ ግምት ዘይህብ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። “ውግእ እንተተኸፊቱ፡ ህግደፍ’ውን ሓቢሩ ይወድቕ እሞ፡ ብኡንብኡ ሕቶ ለውጢ ህዝቢ ኤርትራ ይምለስ”፡ ዝብሉ የወሃት ወይ ጐረሓት ይስምዑ እዮም። ኣብዚ እቲ መሰረታዊ ለውጢ ናይ ምምጻእ ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑን ውጽኢት ለውጢ ከኣ ንባህጊ መምጽኢኡ ከም ዝመስልን ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ።
እንተ’ቲ ብዛዕባ ኣገልግሎት ወደብ ዝምልከት፡ “ኢትዮጵያን ደላይት ኤርትራ ከኣ ተዓባይት” ዝኾናሉ ዘይኮነ፡ ብኣህጉራዊ ሕግን ናይ ኣጠቓቕማ ውዕልን እናተቐለሰ፡ ብማዕረ ዘርብሐን እዩ ዝኸውን ዝግባእ። ኣብ መወዳእታ’ውን እቲ መፍትሒ ዘይሩዘይሩ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ብዘለዎ ሕጋዊ ስምምዕ እምበር፡ ብሓይሊ ዝዛዘም ከምዘይከውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።