EPDP News

ብጻይ  ኣረፋይነ  እስጢፋኖስ   ካብ ኣቡኡ  ኣቶ እስጢፋኖስ  ምራጭ  ካብ ኣዴኡ ወይዘሮ ኣራደሽ አረጋይ ብዕለት 04/09 /1956   ተውሊዱ። ብዕለት 16/03/2024  ኣብ 68 ዓመቱ ኣብ ሕክምና  ከተማ ዮንሾፒንግ ሃገረ ሽወደን ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ብዘይ ተጸቤናዮ ሃንደበት ካብ ዚ ዓለም ብመስዋእቲ  ሓሊፉ።

 ብጻይ ኣረፋይነ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ኣብ  ኣስመራ  ዓቢዩ ኣስመራ 12  ክፍሊ ትምሃርቱ ወዲኡ ናይ ማትሪክ ስለ  ዝተዓወተ ኣብ  ኣዲስ ኣባባ ናይ 2ይ ዓመት ዩኒቨርሲቲ  እንዳ  ተማህረ  ኮሎ እዩ ሃገራዊ ስሚዒት ኣብ ጥርዙ ስለዝበጽሔ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ስሚዒቱ ገዲድዎ እብ 1975  ኣብ  ተ.ሓ.ኤ. ተሰለፈ ። ንሳሕል ድማ ወረደ። ኣብኡ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ትምህርቱ ድሕሪ ምውዳእ ቀዳማይ ረዲኤት ሕክምና ወሲዱ ኣብ ሓይልታት ተመደበ ።  ኣብ ሳሕል ድሕሪ በጦለኒ 961 ምቃማ  ድማ ኣባል ሓይሊ 151 ኮይኑ ተመዲቡ።

ንደንከል ብባሕሪ ምስ ሓይሉ ተጋዕዘ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝተፋላለየ መደባት ምስ ኩሉ ሕልኽላኻት  ድሕሪ ምጽናሕ 1977   ሓንቲ ሓይሊ  ናይ ከቢድ ብረት ስለ ዝቖመት ከም ሓኪም ሓይሊ  ናታ ተመደቡ  ኣብኡ ድማ  ናይ ከቢድ  ሓይሊ ሓኪም  ኮይኑ  ምስ ብጻይ ስዉእ ሽፋ ኣብ ጎውረይቶ  ዝተባህለ ከባቢ በይሉል  ድማ ዓስከሩ። ኣብዚ እዋን ኩነታት መስዋእቲ ናይ ብጾት ዓብደልቃደር መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ድራር ዑመር እልፍ ሃለቃ  ዓብደልቃደር  ሙሉገታ ሞንጁስ ዝተሰውእሉ ኣብ ከባቢ ስለ ዝነበረ  ኣብቲ  ቦታ ከቢድ ቅልውላው ተቀልቀለ። ነዚ ንምእላይ ካብቶም ብዝለዓለ ግደን   ልዙብ  መንገዲ ስላምን ሕግን  ዝተበገሱ  ስዉእ ኣረፋይነን ስዉእ  ሽፋን ነይሮም።  ብዘይ ምግርጫው ስለ ዝተፈጸመ ድማ ዓቢ ታሪኽ  ፈጺሞም ።ብድሕሪኡ ኣብ ዝተፍላለየ መደባት ድሕሪ  ምጽናሕ  1979 ብርጌዳት ምቋም ስለ ዝጀመራ፣ ብርጌድ 64 ኣብ ዝቖመትሉ ንሱ ከም ኮሚሽነር  ሓይሊ ኮይኑ  ተመደበ።

ጸኒሑ ኩነታት ደንከል እና ጸንከረ ምስ ከደ   ብጻይ ኣረፋይነ ድማ ምክትል መራሕ ሓይሊ ናይ  ወድ ኬፉ ኮይኑ  ኣብ ደቡብ ደንካሊያ ከም ምክትል ኣገልገለ። ቃልሲ ኣብ ደንከልያ ምስቲ ሓያልን ጽንኩርን ሃኪክ ኣየሩ ዉግእ ብመሬትን ብባሕርን ምስ መዳፍዕን ደብዳብ ኣየርን ብጽንዓት በዲሆም ታሪኽ ዝሰርሑ ሓደ ካብቶም ጀጋኑ ክሳብ 1981 ኣብ ሃኪክ ጎላጉል ደንካልያ ዝዓንደረን ታሪኽ ዝሰርሔን ምኻኑ  ዝምስክሩ ብጾቱ ኣብ ናይ ቀብሪ ስነስርዓቱ ምርካቦም ድማ ምስክርነት ታሪኻዊ ቃልስታቱ እዮም። ቀጺሉ ዝተጋነፎም ኩሉ ናይ ደቡብ ዳንካልያ ምስ ሓለፈ ድማ  ንጅቡቲ ኣተዉ ።  ኣብ ጅቡቲ ናይ ጥዕና ጸገም ስለ ዘጉነፎ  ብሕቡራት መንግስታት ናብ  ኣይቨሪኮስት ሰደድዎ   ካብኡ  እውን  ኣይሓወየን  ብግሪኽ ኣቢሉ ንሽወደን ብ1989 ኣተወ።  ኣብ ሽወደን ውን  ምስ ሓዳሩ  ሓፍትና  ኣልጋነሽ  ካሕሽን ናብራኡ እንዳገበረ   ብናይ ኮምፒተር ተክኒክ  ትምህርቱ ፈጸመ ። ብትምህርቱ ድማ ናብ ስራሕ ተመዲቡ ክሳብ ዕለተ ሕልፈቱ ሰራሓሉ።

ብጻይ ኣረፋይነ ኣብ ቃልሲ ውን ካብታ ሜዳ ዝሓደገላ  ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ኣባል ሰውራዊ ባይቶ  ድሓር ድማ  ቀጺሉ  ንጡፍ ኣባል ሰልፊ  EPP ጸኒሑ ኣባል EPDP  ሰ ዲ ህ ኤ ብመድረኻት እንዳተሰጋገረ ኣብ ዝተፈላልለየ  ሓላፍነታት  ክቃለስ ጸነሐ ።

 ኣብ  መጨረሽታ  ናይዚ 10 ዓመታት ከኣ  ናይ ገንዘብ ጉዳያት ሓላፊ ጨንፈር ቅጽሪ 2  ሰ ዲ ህ ኤ ሃገረ ሽወደን ኮይኑ  እናኣገልገለ ብመስዋእቲ ተፈልየ።

ብጻይ ኣረፋይነ ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ  ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ኮነ ሓደስቲ ስደተኛታት ዝነበሮ ምትእስሳር ዓቢ እጃም ነይሩዎ ብጠቅላላ ሓፈሻዊ ምስጉን  መዘና የብሉን። ብጻይ ኣረፋይነ  ምስ በዓልቲ ቤቱ  ወ/ሮ  ኣልጋነሽ  ካሕሽን  ኣቦ  2ተ ውሉዳትን  ባናን ንያትን ዝበሃላ ኣቦ ሕጎ 2ተ እውን እዩ።

ብጻይ ኣረፋይነ ሕድሪ ስወኣቱ ከይጠለመ ማሕበራዊ  ጉዳያቱ ከየቁኣረጸ ቃልሱን ናብ ከሰላ ዝርከቡ ኣካለ ጽጉማን ብጾቱ እንዳ ሓገዘ ከየቃረጸ ክሳብ ሕጂ ዕለተ መስዋእቱ ቀጸለ። ብጻይ ኣረፋይነ ኣብ ርእይትኡ ዘይማታእ ሓያል  ተባዕ  ንቁሕ ኣላይን መትከላዊን ለዋህን ብጾቱ ምኻኑ  ኩሉ  ምስኡ ዝተጋዕዘን ዝተቅለሰን  ዝምስክረሉ እዩ ።

ንቤተሰቡን ብጾቱን ጽንዓት  ይሃቦም መንግስተስማይ የዋርሶ!!!

ነባሪ ክብርን ዝኽርን  ንስዉኣትና !!!

ሓርበኛ ኣረፋይነ ብሰላም  ዕረፍ !!!!
ንቃልስኻ ክንቅጽሎ  ኢና  ቅሰን !!!!

 

እቲ ወዲ 12 ዓመት ግዳይ ኣማን መሓመድ ዑስማ

ወዲ 12 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ኣማን መሓመድ ዑስማን ብ4 ማዝያ 2024 ኣብ ዞባ ሰሜን ጐንደር ወረዳ ዳባት ከም ዝተጨውየ ቢቢሲ ንስድራቤት እቲ ግዳይ ብምጥቃስ ሓቢራ። ኣማን ዝተጨውየ ካብ ቤት ትምህርቲ ወጺኡ ናብ ገዝኡ እናተመልሰ ምዃኑ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ እቶም መንነቶም ዘይተፈልጡ ጭወይቲ ካብ ምዕባዩ ሓዉ ፈልዮም ገጹ ሸፊኖም ብባጃጅ ከም ዝወሰድዎ ተሓቢሩ።

እቶም ጨወይቲ ድሕሪ ዝትወሰነ ግዜ፡ “800 ሺሕ ብር እንተኸፊልኩም ወድኹም ክንህበኩም ኢና። እንተደንጒኹም ድማ እቲ ዓቐን ገንዘብ ክውስኽ እዩ” ከም ዝበልዎም ቢቢሲ ኣዲኡ ወይዘሮ ራሕማ ንዝሃበቶ ቃል ብምጥቃስ ኣፍሊጣ። ኣደ እቲ ግዳይ ቋንቋ ኣምሓርኛ ስለ ዘይትኽእል ምስቶም ዓመጸኛታት ንምርድዳእ እናበኸየ ዝትርጉመላ እቲ ግዳይ ዝኾነ ወዳ ምዃኑ ከኣ ተፈሊጡ።

ወይዘሮ ራሕማን ስድረኣን ካብ ኤርትራ ቅድሚ 10 ዓመታት ወጺኦም፡ ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ  ዝርከብ መደበር ስደተኛታት ዓዲ ሓርሽ 8 ዓመታት ጸኒሖም። ጸጥታዊ ምኽያት ኣብኡ ምቕጻል ምስ ጸገሞም ኣብ መወዳእታ 2022 ናብዚ ሎሚ ዘለዉዎ መደበር ኣለምዋጭ ከባቢ ዳባት ዝሰገሩ እዮም።

ኣብቲ ምጭዋይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓፈሻዊ ጸጥታኡ እውን ውሑስ ዘይኮነ መደበር ስደተኛ እትነብር ወላዲት እቲ ዝተጨውየ፡ ዝተሓተተቶ ገንዘብ ከፊላ ወዳ ከተድሕን ዓቕሚ ስለ ዘየብላ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝለዓለ ጨንቂ ከም ዘላ እውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ክልል ትግራይ ሰባት ጨዊኻ ኣዝዩ ዝለዓለ ዓቐን  ገንዘብ ምሕታት ልሙድ ኮይኑ ዘሎ ገበን ኮይኑ ኤርትራውያን ከኣ ነዚ ገበን ዝተቓልዑ እዮም።

ብ12 ማዝያ 2024 ኣብ ማእከል ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ሚልየንዩም ኣድራሽን ህንጻታት ሳንሻይንን ኣብ ዝበሃል ከባቢ ክፍለ ከተማ ቦሌ፡ ኣብ መንጎ ፖሊስን ኣባላት መሪሕነት ፋኖ ዝተባህሉን ኣብ ዝተኻየደ ተኹሲ ሞትን መቑሰልትን ከም ዘጋጠመ መግለጺ ፖሊስ ኮሚሽን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምጥቃስ ምክትል ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ ዝተባህለ ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ፖሊስ  ኣዲስ ኣበባ  ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ፖሊስ ነቶም ኣባላት ፋኖ ንምሓዝ  ዘካየዶ ጻዕሪ ኢዶም ክህቡ ተሓቲቶም ፈቓደኛታት ምዃን ስለ ዝኣበዩ  ብዝተኻየደ  ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ፡ ካብቶም ብመኪና ክሃድሙ ዝፈተኑ  ኣባላት ፋኖ ክልተ ሞይቶም ሓደ ብዘይጉድኣት ከም ዝተታሕዘን ክልተ ኣባላት ፖሊስ  ከም ዝቖሰሉን እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

እቶም ካብ ፋኖ ዝተቐትሉ፡ ናሁሰናይ እንዳርጌ ታሪኩን ኣቤነዘር ጋሻው ኣባተን ክኾኑ እንከለዉ፡ ሃብታሙ አንዳርጌ ተሰማ ዝተባህለ  ድማ ብዘይጉድኣት ብፖሊስ ተታሒዙ። ናይቲ ጉጅለ መራሒ ናሁሰናይ ኣብ ናይ ጎንደር ፋኖ ሓደ ካብ መራሕቲ ከም ዝነበረ ድማ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝቖሰሉ ከኣ፡ ሳጅን አራርሳ ተሾመን  ኮንስታብል ማቲያስ ጴጥሮስን ዝተባህሉ ምዃኖም እቲ መገለጺ ጠቒሱ። እንዳርጋቸው ጌትነት ዝተባህለ ሰብ ድማ “ኣይተሓባበርካናን” ብዝብል በቶም ኣባላት ፋኖ ከም ዝተቐትለን ብዘይካቶም ኣባላት ፖሊስ ክልተ ካለኦት ከም ዝቖሰሉን እውን ኣብቲ ፖሊስ ዘውጸኦ መግለጺ ተጠቒሱ።

ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ ኮነ ድሕሪኡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ከጋጥም ንመጀምርያ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብ ኤርትራ ከተማ ባረቱ ተኣሲሮም ዝጸንሑ 48 ጋሩ ብ12 ማዝያ 2024 ተፈቲሖም ናብ ትግራይ ከም ዝተፋነዉ ማሕበራዊ መራኸብታት ትግራይ ኣፍሊጠን። እዞም ካብኣቶም ናይ 37 ዝርዝር ኣስማት ዝጠቕሰ ተጋሩ ኣብ ግንባር ዓዲ ጸጸር ናብ ዝርከብ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ረከቡ ናብ ከተማ ሸራሮ ከም ዝተወስዱ እውን እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ብይካዚ ምስቶም እሱራት ብሓይልታት ኤርትራ ተወሲደን ዝነበራ 29 ከብቲ ናብ ትግራይ ከም ዝተመለሳ እተን ምንጭታት ኣፍሊጠን።

እቶም ምንጭታት እዞም ዝተፈትሑ ግዳያት ምስ ስድራቤቶም ዝራኸብሉ መንገዲ ይስራዕ ከምዘሎ፡ ተወሰኽቲ እሱራት ክፍትሑ ተስፋ ከም ዘሎ ድማ ጠቒሶም።

ኣብዛ ብብዙሓት ወገናት “ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ዝተቐየረት ሃገር” እትበሃል ዘላ ኤርትራ፡ ኣይኮነንዶ ክፍትሑስ ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ክቐርቡን ዝተኣስርሉ ቦታኳ ዘይፍለጥን ዝኾነ ኣካል ረኪቡ ደሃዮም ክፈልጥ ዘይክእልን ኣማኢት ኣሸሓት ኤርትራውያን ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ዝፍለጥ እዩ።

ኬንያ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ብዛዕባ መደበር ሓይሊ ባሕርን ኣገልግሎት ወደብን ብዝምልከት ክሰማምዓ ይፍትና ኣብ ዘለዋሉ እዋን፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ህድእ  መፍትሒ ምቕራብ ዘኽእል  ርኢቶ ኣለኒ ምባላ ሮይተርስ/REUTERS ኣፍሊጡ።

ዋና ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኬንያ ኮሪር ሲንጎይ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ርኢቶ  ከይጠቐሰ፡ እቲ መፍትሒ ኣብ ኣገልግሎት ወደብ ዘትክል ኮይኑ፡ ጅቡትን ኢጋድን ብሓባር ክነድፈኦ ከም ዝኽእላ ኣመልኪቱ።  ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ እቲ ኬንያዊ በዓል መዚ፡ ኢጋድ ከም ዞባዊ ትካል፡ ኣብ ጉዳይ ውዕል ኣገልግሎት ኣፍደገ ባሕሪ ንዞባና  ከቀራርብ ዘኽእል እማመ ከቕርብ ከም ዝኽእል’ውን ኣሚቱ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ፕረሲደንት ሶማሊያ ኣብ ናይሮቢ ምስ መራሒ ፕረሲደንት ሶማሊያ ዊልያም ሮቶ ዘካየድዎ ርክብ ነቲ ብኬንያ ዝቐርብን ነዚ ዞባ ከህድእ ትጽቢት ዝግበረሉን ርኢቶ ኣብ ምዕዋት ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ኣመልኪቱ። እንተደኣ እዚ ናይ ኬንያ ርኢቶ ተዓዊቱ፡ በቲ ሓደ ወገን  ኢትዮጵያ ብዘተኣማምንን ብቐጻልን ኣገልግሎት ኣፍደገ ባሕሪ ክትረብ ክትእል እያ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ሓድነትን ልኡላውነትን ሶማሊያ ምዕቀብ ከም ዘኽእል ጠቒሱ።

እቲ ኬንያዊ ዲፕሎማት፡ ኣብዚ እዋንዚ ነቲ ኣብ ዞባና ዝፍጠር  ዘሎ ቅልውላው፡ ጉጅለ ኣልሸባብ ክጥቀመሉ ስለ ዝኽእል፡ መዋጸኦ ንምርካብ ግዜ ምውሳድ ከምዘየድሊ ኣጠንቂቑ። በዚ መሰረት መራሕቲ ኢትዮጵያን ኬንያን ብኣካል ተራኺቦም ኣብቲ ጉዳይ ክመያየጡ ብኬንያ ተዓዲሞም ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ።

ከም ዝፍለጥ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ ዞባና እውን ተጽዕኖ ዝፈጥር ዘሎ ጸገም ዝተፈጥረ፡ ኢትዮጵያ ብ1 ጥሪ 2024 ምስ ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ መሰማምዒ ሰነድ፡ ሶማሊያ ድማ ናጽነተይን ልኡላውነተይን ዝግህስ እዩ ብዝብል  ተሪር  ተቓውሞ ተስምዓሉ ዘላ  እዩ። እዚ ዘይምስማዕ ኣብ ኢትዮጵያ ኬንያ ከይተወሰነ ሓዲሽ ዞባዊ ኣሰላልፋ ናብ ምፍጣር ገጹ ዝምዕብል ዘሎ እዩ።

ካብቶም ኣብ ኤርትራ ብገበን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝሕተቱ ባእታታት ብኸፊል

ኤርትራ ምናልባት ኣብታ ሃገር ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ምቅላል እንተ ሓገዘ ብዝብል፡ ሓንቲ ካብተን 42 ኣባላት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ከምእትኸውን እኳ እንተተገብረ፡ ዝኾነ ይኹን ውጽኢት ከምዘይተረኽቦ ናይቲ ባይቶ ጸብጻብ 2024 ኣቃሊዑ።

እቲ ጸብጻብ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰል  ምምሕያሽ ከም ዘየለ ጠቒሱ፡ እኳ ደኣ ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ ኣብተን ኤርትራዊ ዝዕቊበለን ዝነበረ ከም ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ሃገራት ይፍጠር ብዘሎ ውግእን ዘይምርግጋእን፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝገደደ ምክልባትን መጭወይትን ከም ዝርከቡ እቲ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። እዚ ድማ ዕድመ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ብምልኡ ኤርትራዊ ኣብ ስቓይን መከራን ዝጸንሓሉ   ዘርኢ ምዃኑ እቲ ባይቶ ኣብቲ ጸብጻቡ ኣስፊርዎ።

ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ በብግዜኡ ንከተመሓይሾ ዝቐርባ ምሕጽታ ዘይትቕበል ኣብ ርእሲ ምዃና፡ ምስ ኮሚሽናት ሰብእዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ክትተሓባበር ቅርብቲ ከም ዘይኮነ እውን ጠቒሱ።

እቲ ጸብጻብ ከም መዕቀኒ ናይ ሚዛኑ ካብ ዝወሰዶም ነጥብታት፡ ብዘይሕገመንግስታዊ መሰረት ዝተኣወጀ ግዱድ ውትህድርናን ኣተገባብራኡን፡ ናይ ዜጋታት ናይ እምነት ነጻነት፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ምስዋርን ዜጋታትን ኣገዲድካ ምምላስ ስደተኛታት ካብቲ ዝተዓቖብዎ ሃገራትን ከም ዝርከብዎም እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

 ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናይ 2024 በዓል ዒድ ኣል-ፈጥር ምኽንያት ብምግባር፡ ንኣመንቲ ምስልምና ብፍላይ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሓፈሻ፡ እንቋዕ ኣብጸሓኩም ኣብጽሓና እናበለ ሰናይ ምንዮቱ ይገልጽ።

ዒድ ኣልፈጥር፡ ነቲ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ጸገማትን ምክልባትን ስዒሩ ራህዋ ከምጽእ፡ ነቲ ኩሉ ውግኣትን ስደትን ዛዚሙ ሰላም ክፈጥር፡ ነቲ ጭቆና ዘስዓቦ ሕሰም ይኣክል ብምባል፡ ቅሳነት ዘውርደልና ክኸውን ንምነ።

ጾም ሮሞዳን ብሓያል እምነትን ጽንዓትን ድሕሪ ምዝዛም፡ ናብ ምኽባር ዒድ ኣል-ፈጥር  ብምጻሕና ደጊምና እንቋዕ ኣብቅዓና ብምባል ብስም መላእ ኣባላት ሰዲህኤ  መልእኽቲ ዒድ ሙባረክ ነመሓላልፍ።

ገረዝግሄር ተወልደ

ኣቦ መንበር፡ ሰዲህኤ

ኣባላት ጉይጅለ ምቑጽጻር ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ናይቲ ከባቢ ኣመሓደርቲ

ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ተልእኮ ምቁጽጻርን ምንጻርን ውዕል ፕሪቶርያ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ፡ ወረዳ ጉሎ-መኸዳን ከተማ ዛላንበሳ ከም ዝበጸሐ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። እዚ ምብጻሕ ድሕሪ ምኽታም ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ን2ይ ግዜ ዝተኻየደ እዩ።

ኣብዚ ብ4 ማዝያ 2024 ዝተየደ ምብጻሕ፡ እቲ ጉጅለ ተቖጻጻሪ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ምስ ኣመሓደርቲ እተን ዝሰፈሐ ክፋለን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ኤርትራ ከም ዝርከባ ዝግለጻ፡ ወረዳ ጉሎመኸዳን ከተማ ዛላንበሳን ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዱ። እቲ ምምይይጥ ኣብ ግብሪ ኣወዓዕላ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያን ኩነታት ሃለዋት ህዝቢ እቲ ከባብን ዘድሃበ ከም ዝነበረ፡ ነቲ ጉጅለ መብርሂ ዝሃቡ ኣቶ በሪሁ በርሀ ከንቲባ ዛላንበሳ  ኣፍሊጦም።

እቲ ምይይጥ ናይቲ ከባቢ ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ከባቢያዊ ኣመሓደርትን ከም ዝተሳተፍዎን፡ ብዛዕባ ህላወ ናይ ወጻኢ ሰራዊት ኣብ ከተማ ዘላንበሳን 6 ቀበለታት ወረዳ ጉሎመኸዳን ከምኡ እውን እስትራተጅካዊ ኣሰፋፍራ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኣፍደገ ከተማ ዘላንበሳ  ብዝምልከት ሰፊሕ ሓበሬታ ከም ዝተዋህበ እታ መርበብ ሓበሬታ ሓቢራ።

ካብተን ካብ ወረዳ ጉሎመኸዳ ብወገን ሰሜን ምስ ኤርትራ ዝዳወባ ከባብታት፡ ዛላንበሳ፡ ፋጽን ሰበያን ምዃነን ከኣ ኣብቲ ዜና ተጠቒሰን። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ኣብ 75% ከተማ ዛላንበሳ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ 25% ድማ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሰፊሮም ከም ዘለዉ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ኣብዚ እዋንዚ ምውጻእን ዘይምውጻእን ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራን ካብ ክልል ትግራይ ንውዕል ፕሪቶርያ ኣብ መንቀራቕሮ ኣእትየምዎ ካብ ዘለዉ ዛዕባታት ምዃኖም ይፍለጥ።

ማእሰርቲ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቀጻሊ ከም ዘሎ፡ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ገሊጾም። እቶም ዝእሰሩ መብዛሕትኦም መንእሰያት ክኾኑ እንከለዉ፡ እቲ ዝያዳ ዝእሰርሉ ሰዓታት ኣብ ምሸት ኮይኑ ዝያዳ፡ ሃያ ሁለት፡ መብራት ሃይልን 24ን ዝተባህሉ ኤርትራውያን ብጻዕቂ ዝርከብሉ ከባብታት ከም ዝኽዕነ እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።

እቲ ዝተሓዝሉ መብዛሕትኡ መዘናግዒ ቦታታት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ከም ጠንቂ ዝጥቀስ “ሕጋዊ መንበሪ ወይ መንቀሳቐሲ ወረቐት ዘየብሎም” ዝበሃል’ኳ እንተኾነ፡ ሕጋዊ ሰነድ ዘለዎም እውን ተለኪሞም ከም ዝእሰሩን ጉዳዮም ተጻርዩ  ካብ መደበራት ፖሊስን ቤት ማእሰርቲ ቃልቲን ንክወጹ ነቶም ዝሓዝዎም ኣባላት ፖሊስ ዘይሕጋዊ  ገንዘብ ክኸፍሉ ከም ዝግደዱ’ውን ተፈሊጡ።

እቲ ናይ ማእሰርቲ ምኽንያት፡ ሕጋዊ ሰነድ ዘይምሓዝ ጥራይ ከምዘይኮነ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ ኮይኑ፡ ኤርትራውያን ብተግባራት ፖሊስ  ምምራር ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕጋዊ ንምዃን ከማልእዎ ዝግበኦም ሰነዳት ናይ ምምላእንን] ዝንቀሳቐሰሉ ግዜን ቦታን ናይ ምግንዛብን ግደታ ከም ዘለዎም ኣብቲ ጉዳይ ዓሚቕ ኣፍልጦ ዘለዎም ኣካላት የተሓሳስቡ ኣለዉ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ብዘይካ ገዝኡ ዓጽዩ ወረ ምጭንጫንን ዘይሕጋዊ ንግዲ ምክያድን፡ ነቶም ግዳያት ንክሓተሎም ቅሩብ ከም ዘይኮነ፡ ቤተሰብ እቶም ግዳያት በብግዜኡ ክገልጽዎ ዝጸንሑ  እዩ።

ኤርትራውያን ንከምዚ ዓይነት በደል ዝቃልዑ ዘለዉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምብጻሕ ካብ ዶብ ትግራይ ጀሚሮም ብዙሓት ዕንቅፋታት ሓሊፎምን ንኣሰጋገርቲ ገንዘብ ከፊሎም ምዃኖም ዝፍለጥ እዩ።

እቶም ምንጭታት ከም ዝጠቕስዎ፡ እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ክሳብ ሎሚ ኣስታት 300 ኤርትራውያን ብዘይ ድሌቶም ተገዲዶም፡ ናይ ስደተኛ መንነት ዘለዎም ከይተረፉ፡ ናብ ኤርትራ ከም ዝተመልሱን ብዛዕባ ሃለዋት ናይዞም ግዳያት ድሕሪ ምምላሶም፡ ብምምሕዳር ህግደፍ  ዝተዋህበ ሓበሬታ ከምዘየለን ይፍለጥ።

ሚኒስተር ባህልን ዜናን ሱዳን ግራሃም ዓብደል ቃድር

ሰብ መዚ ሱዳን ምንቅስቓስ ሰለስተ ማዕከናት ዜና ዓረብ ከም ዘንጠልተሉ ናይታ ሃገር ሚኒስትሪ ባህልን ዜናን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እተን ምቅስቓሰን ዝተንጠልጠለ ማዕከናት፡ ስካይ ኒውስ ዓረቢያ/ Sky News Arabia፡ ኣል ዓረቢያ/Al Arabiyaን ኣል ሓዳስ/Al Hadathን ምዃነን ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።

ሚኒስተር ባህልን ዜናን ሱዳን ግርሃም ዓብደል ቃደር፡ ነቲ መግለጺ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ፡ እታ ብኢማራት እትምወል ስካይ ነውስ ዓረቢያ ዝተንጠልጠለት፡ ጐዳእቲ ጸብጻባት ስለ እተውጽእ ምዃና ጠቒሱ። እተን ክልተ ብስዑድ ዓረቢያ ዝምወላ ዝተንጠልጠላሉ ምኽንያት ድማ ፈቓደን ብዘይምሕዳሰን ምዃኑ ኣረዲኡ።

ብፍላይ ነታ ናይ ኢማራት መድያ ስካይ ኒውስ  ብዝምልከት ኣብቲ መግለጺ ዝተጠቕሰ፡ ብዛዕባ ሱዳን ዜናዊ ጸብጻብ ከተቕርብ እንከላ፡ ኤሮ ኒወስ፡ ብዛዕባ ምንቅስቓስ ኣልሸባብ ኣብ ሶማሊያ ንዘውጸኣቶ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ምጥቃማ ከሲስዋ። ኣብ ርእሲዚ ምንጭታት ስካይ ነውስ ዓረቢያ፡ ኣብ ናይቲ ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን ጽልዋ ኣብ ዘለዋ ጋዜጣ ከም ዝምርኮስ ጠቒሱ። እዚ ክሲ ምስቲ መንግስቲ ሱዳን ብ26 መጋቢት 2024 ዘውጸኦ ንኤመራት ምስቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ብምትሕብባር ዝኸሰሰሉ መግለጺ ዝዛመድ እዩ።

ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ብወገኑ፡ ነቲ ናይ ምንጥልጣል ውሳነ ኮኒኑ፡ “ ምጥሓስ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ እዩ” ኢልዎ። ኣስዒቡ ከኣ ምዕጻው መድያታት፡ ሞያዊ ጋዜጠኝነት ኣዳኺሙ ግጉይ ሓበሬታን ናይ ጽልኢ መደረታትን ዘነግስ እዩ ኢልዎ።