Print this page

ግደ ደቂ ኣንስትዮ ሎሚ’ውን ህያው’ዩ

2015-03-07 05:09:12 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in Youth Corner Read 12660 times
Rate this item
(1 Vote)

ኣርዓዶም በርሀ

ብዛዕባ ናይ ኤርትራ ነጻነትን ንምርግጋጹ ዝተኻየደ ነዊሕን መሪርን ቃልስን ክዝረብ እንከሎ ከይተጠቕሱ ካብ ዘይሕለፉ ዓበይቲ ጉዳያት ሓደ ቅያ ኤትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ መስርሕ ቃልሲ እዩ። ወሳኒ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣዕዚዝካ ንምቕራብ ኣብቲ መዋእል ቃልሲ “ብዘይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕወት ሰውራ የለን” ዝብል ጭረሖ ይቃላሕ ነይሩ። “ደቂ ኣንስትዮ ተንሰኣ ተሎ ዝረኽብናዮሎ ካብ ተመኩሮ” ዝብል ዜማ እውን ተዘሚሩ  እዩ። ሎሚ እውን ክብደት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ህያው ኮይኑ እቲ ጭረሖ “ብዘይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝረጋገጽ ለውጢ የለን” ናብ ዝብል ማዕቢሉ ኣሎ። እዚ ጭረሖ እዚ “ኣብቲ ናይ ቃልሲ ባይታ ከመይ ኣሎ?” ዝብል ግና ሓደ ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

ጾታዊ ወጽዓ ደቂ ቅንስትዮ ኣዝዩ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ኮይኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ ወጽዓ መሪርወን ነዚ ወጽዓ ንምውጋድ ብወግዒ ተወዲበን ድምጸን ኣስሚዐን ቃልሲ ዝጀመራ ቅድሚ 107 ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ኣሜሪካ ብዝተላዕለ መሰረታዊ ናይ መሰል ሕቶ ምዃኑ ታሪኽ ተጋድሎ ደቀኣንስትዮ ዓለም ይሕብር። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ናብዚ ሕጂ ዘለዎ  ደረጃ ዓለም ለኻዊ ዝኽሪ 8 መጋቢት ንምብጻሕ ኣብ ምውሳን ዝኽበረሉ ዕለት ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ “ሕቶ ደቂ ኣንስትዮ እንታይ እዩ?” ዝብል ንምውሳን እውን ብኣዝዩ ብዙሕ ደረጃታትን ዝተሓላለኸ መስርሕን ክሓልፍ ጸኒሑ እዩ።

ደቂ ኣንስትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብምዃነን ዘጋጥመን ናይ ሓባር ጾታዊ ወጽዓ ክህልወን እንከሎ፡ ከከምቲ ናይቲ ዝነብራሉ ሃገር ቁጠባዊ ምዕባለ፡ ዝመሓደረሉ ስርዓትን ባህላዊ ተጽዕኖን ኣብ ገሊኡ ዝያዳ ዝመረረ ከም ዝኸውን ዝሰሓት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብዚ እዋንዚ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ብቑጠባዊ ምዕባለን ብደሞክራሲያዊ ዕቤትን ኣብ ዝሓሸ ዝርከብ ዓለም፡ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ብቑጠባ ኮነ ብስርዓተ-ምሕደራ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ናይ ዝርከባ ሃገራት ደቂ ኣንስትዮ ወጽዓ ዝያዳ ከም ዝኸፍእ ምጥቃስ ይከኣል። ደቂ ኣንስትዮ ድርብ ወጽዓ እዩ ዘለወን። በቲ ሓደ ወገን ጾታዊ ወጽዓ በቲ ካልእ ወገን ደማ ከም ኩሉ ዜጋ ዘጋጥመን ኩለመዳያዊ ወጽዓ። ደቂ ኣንስትዮ ቃልሰን እውን ከምኡ ድርብ እዩ።  ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ናይቲ ዝተረፈ ሓፋሽ ህዝቢ ኩለመዳይዊ ወጽዓ ኣብ ዘይተፈትሓሉ በይኑ ፍታሕ ዝረክብ ኣይኮነን። ደሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ቁጠባዊ ዕቤትን ኣብ ዝበኾረሉ ኩነታት ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ በይኑ ተነጺሉ ክፍታሕ ዘይሕሰብ እዩ። ደሞክራሲያዊ ስርዓትን ቁጠባዊ ዕቤትን ውሑስ ሱር ኣብ ዝሰደደሉ ስርዓት  ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምውጋዱ ዕድል ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ። እዚ ማለት ደቂ ኣንስትዮ ወጽዓአን መሰረታዊ ፍታሕ ክረክብ ከም ዝግበኦ ዝተረደአ ሕብረተሰብ ኣብ ዘይተፈጥረሉ መፍትሒ ዝረክብ ኣይኮነን። ደቂ ኣንስትዮ ወጽዓአን ዝፍታሕ ነቲ ዝውጸዐን ተጻራሪ ጾታ ከም ጸላኢ ብምውሳድን ብምትህልላኽን  ዘይኮነስ ናይቲ ወጽዓ ክብደት ተረዲኡ ናይቲ ፍታሕ ኣካል ከም ዝኸውን ብምግባር ክኸውን ይግበኦ።

ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ህብረተሰብነተን ብተግባር ዘርኣያሉ ብዙሕ ተመኩሮታት ምግላጽ ዝከኣል ኮይኑ፡ ኣብዚ መዳይ ተመኩሮ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚት ከም ዝስራዕ ንሕና ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮና፡ ዓለምና እውን እተሰማማዓትሉ ሚዛን እዩ። እዚ ተመኩሮ እዚ ኣብ ኩሉ መስርሕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተንጸባረቐ ኮይኑ ብፍላይ ድማ ኣብቲ መሪር ናይ 30 ዓመታት ብረታዎ ቃልስና ንናጽነት ኤርትራ በሪኹ ተራእዩ’ዩ። ኣብዚ መሪር ቃልሲ ኣሓትና ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ጾታዊ ፍልዩነተን ተጽዕኖ ከይፈጠረለን፡ ምናልባት “ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ” እንተተባህለ ምግናን ከይከውን፡ ማዕረ ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብቲ ዝኸበደ ብልሒ ናይቲ ቃልሲ ወተሃድራዊ ጊድራታት እውን ከይተረፈ መስተንክር ሰሪሐን እየ። ንናይ ካለኦት ውጹዓት ደቂ ኣንስትዮ’ውን ግዜ ዘይስዕሮ ኣብነት ኣውሪሰን እየን።

ኣብ ብረታዊ ቃልስና ተመሊስና ጉዳያት ዘኪርና፡ ናብዚ ሎሚ ህዝብናን ሃገርናን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሃለዋት ክንመጽእ እንከለና፡ ኣብ ቅድሜና ካብ ዝመጹ ዘሕዝኑ ግና ብተግባር ዝረኣዩ ዘለዉ ትርኽቦታት ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጸጋታት ናይቲ ብደሙ ዘምጸኦ ነጻነት ብጉጅለ ህግደፍ ዝተጠልመ ምዃኑ እዩ። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝተጠልመሉ ደቂ ኣንስትዮ እውን ከም ዝጥለማ  ፍሉጥ እዩ። እነሆ ከዓ ጥልመት ኢልካ ምግላጹ ኣብ ዘይኣኽሎ ደረጃ ይርከባ ኣለዋ። ኮንደኾን ኣብቲ ዕለቱ እንተተባህለስ ዝያዳ እዝንን ቀልብን ይረክብ ብዝብል ንደግሞ ኣለና እምበር ህልዊ ኩነታት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ   ክሳብ ክንደይ ኣብ ሕማቕ ደረጃ ከም ዝርከብስ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይዚ ዝግደሱ ዓለም ለኻዊ ትካላት እውን ከይተረፉ ኣፎም ደም ክሳብ ዝወጽእ ዘልዕልዎ ዘለዉ ጉዳይ እዩ።

ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ከምቲ ምእንቲ ነጻነት ዝኸፈለኦ ዋጋ ኣብዚ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ እሞ ኣብ ውሽጡ ከም ቀንዲ ዕማም ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓቖፈ፡ ዝተሓላለኸ  ናይ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ቃልሲ እውን እጃመን ካብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ እንተዘይኮይኑ ንታሕቲ ከም ዘይኮነ ክርደኣ ጥራይ ዘይኮነ ነዚ ተረድኦ ዝምጥን ተሳተፎአን ከም ዝጽበየን ኣብ ቦታኡ ዘሎ እዩ።  ተሳትፎአን ኣብ ዝበኾረሉ ወይ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ኣዝዩ ኣብ ዝዛሕተለሉ ወጽዓአን  ክፍታሕ ከምዘይክእል ከዓ ክርደኣ ይግበአን። ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ እውን ብኩራት ደቂ ኣንስትዮ መሰረታዊ ጸገም ናይቲ ቃልሲ ገይሮም ክርድእዎ’ሞ ናይ ግድን ህጹጽ ፍታሕ ክረኽብሉ ይግበኦም።

ደቂ ኣንስትዮ ካብዚ ቃልሲ ዝርሕቃሉ ዘለዋ ምኽንያት፡ ምናልባት ናይቲ ዝሓለፈ ቃልሰን ጻማ እንታይ ከም ዝኾነ ስለ ዝረኣያ’ሞ ብኣኡ ስለ ሰከሓ ክኸውን ይኽእል ዝብል ግምት ኣለኒ። ናይዚ መንቀሊኡ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ጥልመት እንድዩ፡ ኣብኣተን ዝተደረት ዘይኮነስ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣረኻኺብሉ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ክርሰዓኦ ኣይግበአንን። እቲ ፍታሕ ከዓ ቃልሲ እምበር ስቕታን ካብ ቃልሲ ምርሓቕን ከም ዘይኮነ ክርደኣኦ ኣብዚ ኣጋጣሚ አዘኻኽረን። እንተ’ቲ ምረት ናይቲ ዘሕልፈኦ ዘለዋ መከራ ዘርዚርካ ዝውዳእ ስለ ዘይኮነ ብድብድቡ “ኣስካሕካሒ” ኢለዮ ክሓልፍ እመርጽ። ነዚ ንምግላጽ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ 8 መጋቢት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 2013 ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ብዙሓት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ሎሚ፡ ኣብ መደበራት ሊም ኣብ ድፋዓት ናይ ውግእ ተጸሚደን፤ ኣይስራሕ፡ኣይትምህርቲ፡ ኣይሓዳር ኰይነን ግዜአን ብኸንቱ የሕልፋ ኣለዋ። ጥራይ’ውን ኣይኰነን፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ትሕቲ ዝብል ምስምስ፡ ናይ ሰበ-ስልጣን ጀራዲን ክዅስኵሳ፡ ምድሪ ቤቶም ክጸርጋ፡ ቆልቶም ከጻውታን ክናብያን፣ እቲ ዝኸፍኤ ድማ፡ ሰበ-ስልጣን’ቲ ስርዓትን መጋበርያታቶምን ከም መርወይ ስጋዊ  ድሌታቶም ክጥቀሙለን ይርኣዩ ዮም። መነባብሮ ከቢድወን፡ ኣብ በረኻን ስንጭሮን ምንባር ነዊሕወን፡ መጻኢ ድለን ፍጹም መዋጽኦ ዘይርከቦ ጸልማት ኰይንወን ናብ ስደት ዘምርሓ ደቂ-ኣንስትዮ’ውን ውሑዳት ኣይኰናን። ኣብዚ ሓደገኛ ዕዞ’ዚ፡ ኣብ ምደረ-በዳታት ብጽምኢ ዝሃለቓ፡ኣብ ባሕሪ ጥሒለን ድራር ዓሳ ዝዀና፡ ንዝተፈላለየ ዓመጽን ግፍን ተቓልዓን ገገዝን ይቝጸረን ዘብል ዩ።ዝበሎ ንኣብነት ምጥቃሱ እኹል እዩ።

ሰደህኤ ብመሰረቱ ውን ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ከም ሰልፊ ኮነ ከም ሃገር ኣዝዩ ፍሉ ቆላሕታ ዘድልዮ ምዃኑ ስለ ዝርዳእ ኣብቲ ፖለቲካዊ  መደብ ዕዮኡ “ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ኤርትራ ብምዃነን መሰለን ተሓልዩ ኣብ ኩሉ ህይወት  ሕብረተሰብናን ሃግርናን ብማዕረ ክሳተፋ ከም ዘለወን ይኣምን። ነዚ ንምርግጋጽ ከዓ እቲ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ኩሉ ማሕበራውን ውልቃውን ህይወትን ከግልለን ዝጸንሐ ባህላውን ፖለቲካውን ቀይድታት ብሕጊ ንምውጋድ ኣድላዪ ቃልሲ ከካይዳ እዩ።” ብዝብል ኣስፊሩ ይርከብ። ካብዚ ሓሊፉ እውን እዚ ሰልፊ ንግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ቃልሲ ንምዕዛዝ ካብ ዘለዎ ድልውነት ብምንቃል ካብቲ 9 ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚኡ ሓደ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝከታተል እዩ። እዚ ሰልፋዊ ቅርቡነት ኣብ ፍረ ክበጽሕ ግና ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ወሳኒ ክነሱ ክሳብ ሕጂ በቲ ዝተሓተ ደረጃኡ እውን ኣዕጋቢ ዘይምዃኑ ናብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ዕዙዝ እዩ።

ስለዚ ከምቲ ወለድና “ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ” ዝብልዎ፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ 8 መጋቢት ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንዝከረሉ ዘለና ኣጋጣሚ፡ ብሓፈሻ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ድማ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓርበኛታት ኣደታተን መስዋእቲ ዝኸፈላሉ፡ ግና ድማ ኣብቲ ዝድለ ምዕራፉ ዘይበጸሐ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምምላእ ክሳተፋ መጸዋዕታና ነቕርበለን።

7 መጋቢት 2015

Last modified on Saturday, 07 March 2015 06:21