Print this page

እንቋዕ ካብ ን ናብ አብቀዓና

2015-01-01 04:53:23 Written by  ሰሎሙን ገብረእየሱስ Published in Youth Corner Read 10492 times
Rate this item
(0 votes)

             ካብ ን ናብ ምስ ረአኹም ቁሩብ ድንግር ኢልኩም ትኾኑ፡ የግዳስ ካብ ረቡዕ ናብ ሓሙስ ከብ ታሕሳስ ናብ ጥሪ ካብ 2014 ናብ 2015 አብቀዓና ማለተይ እየ። አብታ ሰዓት አብታ ደቒቕ አብታ ናይ ቋሕ ሰም ካሊኢት ዘመን ተቐይሩ ክንብል ኢና። ደሓን ይእተው እዞም ምዕራባውያን ነቲ ሰዓት፡ መዓልቲ፡ ወርሕን ዓመተ ምህረትን ዝገበሩልና እምበር ንሕናስ ስጋብ ሎሚ ዘመነ ደርቡሽ፡ ዘመነ አንበጣ፡ ዘመነ አካሒዳ፡ ዘመነ ዓደየ ዓደየ ንብል ምስ ሃለና:: ነዚ ዘለናዮ ዘመን ከአ ርግጸኛ እየ ዘመነ ጣልማይ ምስ ተበህለ ኔሩ። እወ ዘመነ ህዝብና ብደቁ ዝተጠልመሉ፡ ስውእ ብህሉው ዝተጠልመሉ፡ ወዲ መሬት ብንሕና ንሱ ዝተጠለምሉ፡ ደላይ ፍትሒ ብንሕናን ንስኹምን ዝተጠልመሉ፡ ምእመናን ብመራሕቲ ሃይማኖቶም ዝተጠልምሉ፡ ኮታስ ሓው ብሓው ዝተጠልመሉ መወዳእታ ዘይብሉ ጥልመት ዝረአናሉ ዘመን።

           ስለዝኾነ እየ ድማ ካብ ን ናብ ኢለ ከቐምጦ ዝመረጽኩ። እታ ካልኢት ብ ካልኢት፡ ደቒቕ ብ ደቒቕ፡ ሰዓት ብ ሰዓት መዓልቲ ብመዓልቲ፡ ወርሒ ብ ወርሒ ዓመተ ብ ዓመት እዩ ክቕየር እምበር እንታይ እዩ ክፍይድ እንተብልካስ እንድዒ እዩ እቲ መልሲ። እቲ ተንኮል፡ ሓሶት፡ ክፍአት፡ ጸለመ፡ ቅንኢ ኮታስ ገግናዩ ምቕጻሉ አይተርፎን እዩ። ህዝብና ትርጉም ናይ ጊዜ ካብ ዝሓኮ ንባዕሉ ነዊሕ ጊዜ ኮይኑ ንረኽቦ። ሰዓት ክልተ ዝቖጸርካዮ ሙሁር ዶክቶር ማዕርግ ዘለዎ ሰዓት ሰለስተ መጺኡ፡ ንሓደ ሰዓት አጸብዩካ ክንሱ ይቕረታ ከማን አይብለካን እንታይ ደአ ቀልቲፍካ ትመጽእ አይመሰልንን ኢሉ ነቲ ጥፍአቱ ተመሊሱ ቀልጢፍካ ክትመጽእ አይነበረካን ብዝዓይነቱ ንዓኻ የሰክመካ። ወይ ጊዜ ትብል ተገሪምካ። እወ ሕማቕ ጊዜ ዘመነ ጣልማይ ወዲ ገዛውትኻ፡ ወዲ ትምህርትኻ እቲ ብህይወትካ ከማን እትብጀወሉ መተዓቢትኻስ ንስኻ ኢኻ እምበር ዘይቀበጽካዮ ንሱ ደአ አብ ገዛውትኹም ዘይነበረ፡ አብ ቤት ትምህርትኹም ዘይትፈልጥዎ መሻርኽቲ መማኽርቲ ገይሩ እዩ። ወይ ሰብ ደቀይ ለካስ እምበአር ከምዚ ኸአ አሎ እዩ ትብል ከይፈተኻ።

            አብ ከምዚ ዝበለ ዶራን ዘመን እምበአር ኮይኑ ሓደ ንፍትሒ ከናድያ ድርብ ቃልሲ ክገብር ይግደድ። ነዞም ድርብ ቃልሲ ዘካይዱ እምበአር ህግደፍ ብአልማማ ተቓወምቲ ይብሎም። እቶም ህዝቢ ኤርትራ 4-5 ሚሊዮን ምዃኑ ዝረስዑ ካልአይ ገጽ ናይቲ ሰልዲ ድማ ናይ ተቓወምቲ ተቓወምቲ፡ ጸገንቲ  ክብሉ ይስምዑ። አብ ርብሒት አሉታ ምስ አሉታ ተራቢሑ አወንታ ውጽኢት ከም ዝህብ ድማ ንኽልተ ተቓወምቲ ቃላት አራጺምካ ደላይቲ ፍትሒ ዝብል ስም ክትህቦም ትግደድ። ኤርትራ ጽባሕ ንኽትህሉን፡ ስርዓተ ሕጊ ንኽህልዋን እዞም ደለይቲ ፍትሒ አዝዮም አገደስቲ እዮም። እዞም ደለይቲ ፍትሒ መን እዮም? ደቂ ምንታይ ብሄር፡ አውራጃ ወይ ሃይማኖት እዮም እንተተባሂሉ መልሱ ደቂ ኩሉ ብሄር ደቂ ኩሉ አውራጃ ደቂ ኩሉ ሃይማኖት ኮይኖም ንስለ ሓንቲ ፍትሒ ደው ዝብሉ እዮም። እንተ እቶም አብ ኢዶም ዘላ ፍትሒ ጓዕጺጾም ካብ ኣፍ ህግደፍ ፍትሒ ክምንዝዑ ዝህቅኑ፡ ቅድሚ ህዝባዊ አኼባ ብሚስጥራዊ ምትአኽኻብ ህዝባዊ ምርጫ ወዲኦም ዝመጹ ጸያቒቶታት፡ አብ ክፋእን ጽልእን ዝስስኑ አብ ቁም ነገር ዝስወሩ አምሰሉታት ብምንም መለክዒ ደለይቲ ፍትሒ ክኾኑ አይክእሉን እዮም።

             ሓንቲ ሃይማኖት፡ ብሄር ኮነ አውራጃ ዓብላሊ ቁጽሪ ዘይነቕሑ መጣቓዕቲ ወይ ፍትሒ ዘይርድኦም ተቓወምቲ ክህልዋ ይኽእል። እንተዘየልቦ ንሕና ዝበዛሕና ደለይቲ ፍትሒ አለውና ኢሉ ክንየት ዝኽእል ማንም ሃይማኖት፡ ብሄር ኮነ አውራጃ የልቦን። ደላይ ፍትሒ ካብ ብሱል ጥረ ምስ ልቦንኡ ዘሎ ሃገራዊ ምዃኑ አይንረስዕ። እንተዘየልቦ አብ ከባቢኻ ወይ አውራጃኻ መሰል ደቂ ሰባት (Human Rights) ዝምህራ ዩኒቨርሲቲታት ወይ ኮሌጃት ዘለዋኻ ይመስል አነ እየ ልዕሊ ሰበይ ንመሰለይ ዝቃለስ ዘለኹ ኢልካ እንታይነት መሰል፡ ፍትሕን ዲሞራስን ዘይፈልጡ ዓሳክር ብሓይሊ ሕሹኽሹኽ ምእካብ ጊዜያዊ ጓንጓ ሕሳባት፡ ጠጃኢ ውዲት መስመር ጥፍአት ሩዋንዳን ሶማሊያን ምዃኑ ዘይምርሳዕ።

         ንሓደ ዓርከይ እንታይ ኮይኖም እዮም እዞም ንሕና ንሱ ነዚ አረመኔ ኢሰያስ ዝድግፉ፡ ሃገር እዳጠፍኤት ቁሩብ አይሓስቡን ዲዮም ምስ በልክዎ ዝሃበኒ መልሲ አግሪሙለይ። መዓስ ይድግፉ ኮይኖም በለኒ፡ እንታይ ደአ ምስ በልክዎ ነታ ናይ ቀዳሞት ምስላ “ካብ ዘይትፈልጦ መልአኽሲ፡ ትፈልጦ ሰይጣን” ⷅይር አቢሉ “ካብ ዘይትፈልጦ ሰይጣንሲ፡ ትፈልጦ ሰይጣን” ኢዩ ነገሩ በለኒ። ቁሩብ ዝን ድሕሪ ምባል እንታይ ይብለኒ ምህላው ተረድአኒ። ሓቁ እዩ እቶም አብ ናይ ህግደፍ ዳንኬራ ከይዶም እስክትሽም ዝብሉ ከማን ስርዓት ኢሰያስ ክልወጥ ይደልዩ እዮም። እንታይ ደአ ነቲ ደቂሶም ፈቲኖሞ ዘይሰለጦም ሕልሚ ሕጂ ደቂሰ ክቕጽሎ እየ ዝብል አብ ርእሲ ሕልሞም ተደሪቡ ይሓልም ንዘሎ ሓድሽ ሓላሚ ይትረፍካ እዮም ዝብሉዎ ዘለው፡ ከምዝመስለኒ ነገራቱ አብ ርእሲ ዋጣ ዘውጠጢ ነየውጠጢ ብዝዓይነቱ።

           እዚ ኩሉ ስጊንጢር እኮ ፍትሒ ንምድላይ እዩ እምበር ከምቶም ረጎድቲ ቆርበት እንተንኽውንሲ ኤርትራ በቲ ኢልካ በቲ ፍትሒ ከውርደላ እዩ ኢልካ ትርንኪሉ ለጥ ምባል ይከአል ኔሩ። የግዳስ ሕልና ዝብልዎ ዘየደቅስ ኩርኳሕ አሎ። ስለዛ መሬት ስለ ህዝባ ቀትሪ ብጸሃይ ለይቲ ብወርሒ ንክትሓስብ ዝገብረካ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቃልስና አብዛ ዝሓለፈት ዓመት ከመይ ኔሩ እንድሕር ኢልና ዳርጋ ጭርጭር ዓበደ ተቐይሩ እዩ ጸኒሑ። ሰባት ብስም ፍትሒ የዋጽአና’ዩ አብ ዝበልዎ ድፋዓት ክሕብኡ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ነታ ሚስጥራዊት መሕቢኢት ድፋዕ እንታይነታ ንህዝቢ ኤርትራ ክሕብሩ ድሮ ዓመት ኮይኑ። እዚ ኩሉ ሃልኪ እኮ ነታ ለውጢ ንምግባትን ስልጣን ህዝቢ ንምጭባጥን ዝግበር ከንቱ ሃቐነ’ዩ እምበር ቅንዕና እንተዝህሉ እዚ ኩሉ ፋሕ ብትን አይምሃለወን።  

           ከምቲ ካብ ዘመነ ሉቃስ ናብ ዘመነ ማርቆስ ዝብሎ መጽሓፍ ቅዱስ ንሕና ድማ ካብ ዘመነ ሓሶትን ምስሉይነትን ናብ ዘመነ ሓቀኛ ቃልሲ እንሰጋገረሉ እዋን ይግበረልና እዩ ዘብል። አብ ዝሓለፈ ዓመት ክንደይ አእዛንና ዝሓርከኸ ጽውጽዋያት ኢና ሰሚዕና። አብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ንኢሰያስን፡ ክልተ የማነ ማለት ማንኪን ቻርሊን ንፊሊጶስ ሓዊሱ አብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ዘቃብጽ ሓይሊ ተፈጢሩ ሽታትኡ አጥፊኡ። ንኢሰያስ ዝቐተለ ሓሙሽተ ሚልዮና ንበዓል ማንኪ ቻርሊ ድማ ከክልተ ሚእትን ሓምሳን ሽሕ ተገሚቶም ኔሮም አብቲ ዝወጸ ጨረታ። እታ ዝዓበየት ሽልማት ግና ንኢሰያስ ዝቐተለ አብ ባጤራ ኤርትራ ስእሉ ንዘንተ እለት ክነብር እዩ ትብል ነበረት። መቸም ዘይንሰምዖ የብልናን፡ ገና ነቲ ናይ መጻኢ ባጤራ ዘመሓድሩ ናይ ገንዘብ ሚኒስተር ድሮ ተሽይሞም አለው ማለት ዲዩ?

            እዚ ጥራይ አይነበረን ህውተታ ሎሚ ዓመት። አብ አስመራ ክንደይ ሚስጥራውያን ጋዜጣታት ክዝርግሓ ምጅማረን ሰሚዕና። ምናልባት አይተ ኢሰያስ ነጻ ፕረስ አዚዞም ከይኮኑ ትብል እሞ፡ ንምንታይ ደአ አዳለውቲ ጋዜጣታት መታን እተን ዝተሃገራ ናይ ቀደም ጋዜጣታት ክዝከራ ምእንታን ነዘን ናይ ሕጂ ሰቲት፡ ቀስተ ደመና፡ አድማስ፡ መቓልሕ ዘይብሉወን ትብል። ልዕሊ ኩሉ እዘን ጋዜጣትታ ብኸመይ ይዝርግሓ አዝዩ ይጨንቀካ። ግና ጥርጣረታት አሎ ነዘን ጋዜጣትታ እትሸይጥ ህዝቢ ዝርእያ ካብ ህግደፍ ስውርቲ ሽሑር (Magic) ዘለዋ አንዳ መጻሕፍቲ ወይ ኪዮስኪ አብ ከባቢ ማርካቶ ወይ ባር ሮያል ተኸፊታ ከይትኸውን፡፡ ልክዕ ከም ብከኒና ምሕዋይ አቢዩዎ መርፍእ እንዶ አዙዙለይ ዝበለ ሕሙም፡ ነቶም ጋዜጣ አይጠቕመናን ዝበሉ’ውን መጽሔት ተዳልያትሎም አላ። አየ እወ ህውተታ ቃልሲ ናተይ እዩ አብ ኩሉ አለኹ ንምባል። እንድሕር ህዝብና ራድዮ ክሰምዕ ዝኽእል ኮይኑ እሞ ራድዮ ኤረና፡ መድረኽ፡ አሰና: EYSCን ስምረትን ዝአመሰላ በብሰዓቱ በብመዓልቱ ካብ ሓደጋ ወጻኢ ዝስምዓ ካብ ሃለዋ ንምንታይ ንህዝቢ ናብ ሓደጋ ዘእትው ምዝርጋሕ ጋዜጣታት ተደልየ ? 

            እንታይከ ዘየስመዓትና 2014 ዓ.ም። ሰበር ዜና አብ ሕምብርቲ ህግደፍ አብ ውሽጢ ኤርትራ ኮማንዶ አለውና ዝብል’ውን ሰሚዕና። አብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ርዒዱን ሕልንኡን ዓሪቡዎ እዩ፡ ስለዝኾነ ለውጢ ከምጽእ አይክእል እዩ፡ ኮይኑ ተሪፉ ለውጢ ካብ ደገ ሰራዊት ፈጢርካ ብሓገዝ ጎረባብቲ እዩ ዝከአል ኢልካ ክልተ ዓመት ድሕሪ ምግዓር እዞም ኮማንዶ ደአ ካበይ ቦቖሉ ትብል? ዶስ እተን ቆረብትን ሰገድትን በዓል ዓባየይ አባ ሓጎይን እዮም ኮማንዶ ተቐይሮም? እቲ ዘገርም እቲ ሰበር ዜናስ ሓደ ምስቀተልና ዘይምኾነልና። አብዛ ብናይ እዝኒ ኩትሻ አዕለቕሊቓ ዘላ ሃገር ካን ሓደ ንመወዓውዒ ቃልስና ዝኸውን ዝቕንጸል ሃሱስ ሲኢኖም? ይፍታሓላ ኢልና ክንሓልፎ። ሓደ እዋን አብ ተሰነይ ፓንፍለት ተዘርጊሑ ዝሰምዓ ወዲ ተሰነይ፡ ናብ ገዝኡ ደዊሉ ገለ ዶ ናይ ፖለቲካ ጹሑፋት ተዘርጊሑ ክብል ንንእሽቶይ ሓፍቱ ምስ ሓተታ፡ መዓስ ክትብል ቁልቁል ዝአፉ ንሕትኡ ብ ሕቶ መለሰትሉ። ወዲ አግሪሙሉ ዝብሎ ምስ ጠፍኦ እዚ ፓንፍሌት ንግሆ ተደርቢዩ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ሽዑኡ እቶም ብንግህኡ ካብ ተሰነይ ናብ ከሰላ ስግረ ዶብ ዝጠፍኡ ዝነበሩ አልዒሎሞ ንከሰልኦም ተመርቂፎም ክኾኑ ይኽእሉ ድሕሪ ምባል፡ ሓሻካ ፓንፍሌት ካብ ስደት አትዩ ብዘይ ዕረፍቲ ናብ ስደት ተመሊሱ ብምባል ንነብሱ አጸናኒዕዋ ንብለኩም።

            ጸሓፋይ ንኹውንነት ሃገርን ህዝብን እዩ ከምቲ ዘለዎ ከንጸባርቕ ዝግብኦ። ጸሓፍቲ ህግደፍ ንኽውንነትና ገዲፎም ንዘየሎ ነገር ክውርቑ ዓመታት ዘይኮነስ ዳርጋ ርብዒ ዘመን ኮይኑ። ንሕና እውን ንኽውንነትና ከምቲ ዝድለ ከነንጸባርቕ አይጸናሕናን። እዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ጉልባቡ ዝቐልዔ ፈተነ ዕልዋ አብ ሓቅነትን ቅንዕናን ተቃለስቲ ንሓርነትን ተጣበቕቲ ሰብአዊ መሰላትን ድማ ውጽኢት ናይዚ ጥውጥዋይ መንገዲ እዩ። እስኪ ደሓን ይመሓየሽ ይኸውን ክበሃል እቲ መንሽሮ ሕብረተሰብ ቢኢስዎ እምበር ክፍወስ አይረአናን። ካብ ከምዚ ዝዓይነቱ ንቃልስና ዘየርብሕ ንመጻኢና ከጸልምት ዝኽእል ዉዲት ዕበጦ ዕበጦ ንወጻሉ መቐይሮ ዘመን ይግበረልና። መንገዲ ሓቂ እንዳፈለጥና ብውልቃዊ ዝና ወይ ምሕዝነት ተደሪኽና ሓቂ ምስ እንረግጻ ተመሊሳ ከምዛ ናይ ህግደፍ ጌራ ጽባሕ ከምእትረግጸና አይንረስዕ። እቲ ትማሊ ትማሊ ንህግደፍ ብሓደ እግሩ ጠልጠል ክብል ዝገበርናዮ እኮ ስንቅና ሓቀኛ ቃልሲ ስለዝነበርዩ። በንጻሩ ሕጂ ኮር ተገልበጥ ኮይኑ ህግደፍ ሕጂ ትንፋስ ክመልስ ንርእዮ አለና። እቲ ዶረና ትኪ ነቲ ከባቢ ዋላ እንተዓብዓቦ እታ ናብ ሰማይ እትዓርግ እታ ሮኬት እምበር እቲ ዶሮና ወይ ትኪ አይኮነን። እምበአርከስ ኩነታትና ገምጊምና እዛ ትመጽእ ዓመት ህዝቢ ኤርትራ ንኹሉ መስገደላት ብትብዓት ሰጊሩ ናይ ሰላምን ራህዋን አየር ዘስተንፍሰላ ዓመት መታን ክትከውን ወዓል ሕደር ዘይበሃሎ ሓቀኛ ቃልሲ ጥራይ እዩ እቲ እንኮ ፍታሕ። ሓቀኛ ቃልሲ ምስ እነካይድ፡ ቃልሲ ናይ ህዝቢ ምዃኑ ፈሊጥና ካብ ንግበታ ንምክብባር፡ ካብ ንስልጣን ንስርዓተ ሕጊ፡ ካብ ንዱሑር ምትእኽኻብ ንሃገራዊ ጽላል እንድሕር ተማእዚዝና ክንዕወት ኢና። እንተዘየልቦ ዓመት መጸ ንሕና ክንትስፎ፡ ቁጽሪ ብ ቁጽሪ ክቀያየር ኢሰያስ ድማ ብአብርሃም ክትካእ እዩ።

ሩሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና።

ሰሎሙን ገብረእየሱስ

ኦክላንድ - ካሊፎርንያ