Print this page

ገድሊ ደቂ ኣንስትዮ

2021-03-09 09:03:44 Written by  ኣልጋነሽ ያቖብ Published in Women's Corner Read 3535 times
Rate this item
(0 votes)

ነዚ ናይ ሎሚ ኣጋጣምን ዕድልን ተጠቒመ፥ ንደቂ ኣንስትዮ ዓለም ብዝምልከት ሓሳባተይ ክገልጽ ኣፍቅዱለይ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን፤ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ክጸሓፍን ክዝረብን ክንብብን ንሰምዕን ኢና። እዚ ድማ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝግበር ሰላማዊ፥ ፍትሓዊ፥ ዲሞክራስያዊ፥ ምጣነሃብታዊ ወዘተ ቃልሲ ኣገዳስን ወሳንን ስለ ዝኾነ ኢዩ። ነዚ ፍርቂ ኣካል ዘይምጥማትን ዘይምስታፍን ምሉእ ዓወት ከምዝግብ ኣይክእልን ኢዩ። ኣብ ዓለምና፤ ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ኣባታዊ ስርዓት ዝጸንሐ ወጽዓታትን ዓመጻንትን ንምንጋፍ ኢየን ብናይ ሓባር ቃልሲ ንምዕዋት ሓቢረን ክቃለሳ ዝጽዕራ ዘለዋ። ቃልሰን እውን ከድምዕ ይረአ ኣሎ። ንኣብነት ዝኣክል፤ ለካቲት 14 ከም መዓልቲ ቃልሲ ኣንጻር ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝካየድ ግፍዒ፤ ሕዳር 25 ድማ ከም ዓለምለኻዊ መዓልቲ ጸረ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ ተባሂሉ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝኽበር ኮይኑ ኣሎ።

ክቡራት ኣንበብቲ፤

ጓል ኣንስተይቲ፥ ከም ኣደ ንደቃ፥ ንበዓልበታ፥ ነሕዋታን ኣሓታን፤ ኮታ ንምሉእ ሕብረተሰባ ብፍቕሪን ሓልዮትን ደኺመ ከይበለት እተገልግል እያ። ብዙሓት ለባማት ክምስሉ እንከለዉ፤ ኣደ፥ ብርሃን ገዛ፥ ኣደ ዓንዲ ገዛ ይብሉ። ቆልዓ ካብ እተወልደሉ ዕለት ኣትሒዙ፥ ንምሉእ መዋእሉ መሰረት ዝኾኖ እተርእዮ ናይ ፈለማ መምህሩ፥ ኣደ ኢያ። ኣደ ብፍልጠትን ትምህርትን ክብ ክትብል እንከላ፤ ብሉጻትን ንቑሓትን ለባማትን ቆልዑን ወለዶን ንሕብረተሰብ ተበርክት። እዚ ድማ፤ ምዕቡል ሕብረተሰብ ንምህናጽ፤ ጓል ኣንስተይቲ ዓቢ ግደን እጃምን ከምዘለዋ ኢዩ ዝሕብረና። እንተኾነ ግን እታ ክንድዚ ኩሉ ኣገዳስነት ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ ወይ ኣደ፥ እቲ ዝግበኣ ክብረት ይኹን ጻማ ትረክብ ኢያ ክበሃል ኣይከኣልን።

ክቡራት ኣንበብቲ፤

ኣብ ሃገርና ምልስ ኢልና ክንርኢ እንተዅይና፤ ኤሪትራ ብዙሓት ጀጋኑን ሰብ ታሪኽን ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኔረንኣን ኣለዋኣን፤ የግዳስ ታሪኸንን ቅያአንን ተጎስዩ ዝሓልፍ ምዃኑ ዘሕዝን ኢዩ ጥራይ ዘይኮነ፥ ንታሪኽናውን ምሉእ ኣይገብሮን ኢዩ። ካብቲ ብዙሕ ውሑድ ኣብነታት ታሪኽ ደቂ ኣንስትዮ ክጠቅስ፤

ታሪኽ ወ/ሮ ኢለን ኣደ ራእሲ ወልደሚኪኤል።

1837 ዓም፤ ኣይተ ሰለሙን ኣቦ ራእሲ ወልደንኪኤል፥ ብሰንኪ እርጋንን ብሕማምን ክልተ መንእሰያት ኣወዳት ገዲፎም ሞቱ። ወልደንኪኤል ወዲ 15 ዓመት፥ መርዕድ ድማ ወዲ 14 ዓመት ነበሩ። ኣይተ ሰለሙን ክሞቱ እንከለዉ፥ ውክልና ደቆም ንበዓልቲ በቶም ን ወ/ሮ ኢለን ሓጎስ ኢዮም ለበዋኦም ዝተናስሑ።

ወ/ሮ ኢለን ብዝነበረን በሊሕ ኣእምሮ፥ ተባዕ ጠባይን ክብ ናይ ምባል ድልየትን፤ ድሕሪ ሞት በዓል በተን፥ እቲ ንቦኽሪ ውላደን (ንኣይተ ወልደንኪኤል) ኢዩ ዝብጽሖ ኢለን ዝጽበይኦ ዝነበራ ስልጣን መዝነት፤ ናብ ደግያት ሃይሉ እተባህሉ ብምትሕልላፉ ዕረፍቲ ኣይረኸባን። ወ/ሮ ኢለን ድኻመን ከይጸብጸባ ናብቲ ሽዑ ጎይታ ትግራይ ዝነበረ  ውበ፤ ስልጣን ንውላደይ ኢዩ ዝግባእ ንምባል ከዳ። ኣብቲ ዓዲ ብዝጸንሐ ሕግን ልምድን ድማ፥ ን ወ/ሮ ኢለን፤ ዕድመ ወደን ንዓቕመ ምምሕዳር ክሳብ ዝበቅዕ፤ ኣብ ክንዲ ወደን ባዕለን ስልጣን ሒዘን ከመሐድራ ተፈቕደለን። እቲ ዝተዋህበን ግዝኣት ጥንታዊ ሓማሴን (ማለት ክሳብ ምኽዓው ቆላ) ኢዩ ነይሩ። ወ/ሮ ኢለን ነቲ ዝተፈቕደለን ግዝኣት ሓማሴን ንምምሕዳር፤ ሓደ እሙን መኮነንን ዓኣስርተ ሽሕ ኣቢሎም ዝግመቱ ሰራዊት ኣኸቲሉ ኣሰነየን። እዚ ውሳነ ግን ኣሉታዊ ሳዕበናት ኢዩ ኣኸቲሉ። እቲምንታይሲ፥ ብኣንጻሩ ናይ ዝጸንሐ ልምድን ባህልን ሓማሴን፤ ብሰበይቲ ምምሕዳር ዘይምቕባል ኢዩ። ጸላእተን እንዳ ሃዘጋ ኣብ ጉራዕ ኣድብዮም ጸኒሖም ኣብ ኩናት ኣእተዉወን።ተራር ሰበይቲ ብምንባረን፤ ጥቕመንን ጥቕሚ ደቀንን ንከውሕሳ፥ ብረት ምልዓልውን ኣይሰነፋን። ንኣብነት ኣብ ኲናት ዓዲዜን ባዕለን ሰራዊተን መሪሐን ኣንጻር ተቓወምተን ገጢመን ስዒረን ኢየን። ወ/ሮ ኢለን ኣብቲ ናብ ብረት ግጥምያ ከምቲ ዋዕሮ ኣንበሳ ኩርኩር ሸደን መሪሓ ናይ ሃደን ጥበብእ ተመሓላልፍ፤ ነቲ መንእሰይ ውላደን (ወልደንኪኤል) ምስአን የፍርኦ ነበራ። ንውላደን እውን ኣብ ደረጃ ራእሲ ኣብጺሐንኦ ኢየን። እንተኾነ፤ ኣብ መወዳእታ፤ ወ/ሮ ኢለን ካብ ጸላእተን ሃዲመን ኣብ በት መቕደስ ኢየን ተዓቝበን ነይረን። ኮይኑ ግን ጸላእተን፤ ናይ ዑቕባ ሰብኣውን ሕጋውን ክብርታት ጥሒሶም፥ ካብ በት መቕደስ ኣውጺኦም ንጸላእተን ኣረከብወን። ጸላእተንውን ኣሲሮም፥ ብዘስካሕክሕ ኣሳቕዮም፥ ኣረሜናዊ ብዝኾነ ኣገባብ ቀተልወን።(መረብ ምላሽ፤ ሩፌሎ ፓሪኒ)

እቲ ዝገርም ግን፤ ኣብ ሕብረተሰብና እቲ ዝዝንቶ ታሪኽ ራእሲ ወልደንኪኤል ደኣምበር ታሪኽ ወ/ሮ ኢለን ኣይኮነን። ብመሰረቱ እቲ ጅግንነት ናይ ወ/ሮ ኢለን ኢዩ ንራእሲ ወልደንኪኤል ክፍለጥ ዝገበረ። ኣብ ባህልን ነዝን ከምዝን ንምጥቃስ ዝምሰል ምስላታት ኣሎ ኢዩ። “ንርስቲ ይማጎታላ ኣንስቲ” ዝብል ኢዩ። ኩሉ ጊዜ “ድሕሪ ዕዉት ሰብኣይ፥ለባም ሰበይቲ ኣላ” እውን ይበሃል።

ታሪኽ ናይዛ ርእሰከተማና ኣስመራውን እንተኾነ፤ ታሪኽ ናይ በላሕቲ ኤሪትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኢዩ። ኣብ ከባቢ 1500 ዓም ኣቢሉ ኣርባዕተ ንኣሽቱ ቁሸታት ነይረን። ኣብቲ እዋንቲ ነንሕድሕድካ ምጥቕቓዕ ልሙድ ኢዩ ነይሩ።ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ምጥቕቓዕ ንምምካትን ንምክልኻልን፥ በተን ደቂ ኣንስትዮ ከምዚ ዝብል ሕሳብ ይቐርብ: ”ቆልዑትና ዝጭወዩ፥ ሰብኡትና ዝሕረዱ፥ ጥሪትና ዝዝመታን ካብ ሃለዋ፤ ንጸላእትና ሓቢርና ንምምካት ምእንቲ ንክንክእል ሓቢርና ሓደ ዓቢ ዓዲ ምስራሕ የድልየና”። በዚ ናይዘን ደቂ ኣንስትዮ ሓሳብ ድማ፥ ካብ ኩለን ዓድታት ተወኪሎም ናይ ሓደ መዓልቲ ዋዕላ ይግበር።

ከም ባህሊ ነቲ ዋዕላ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ኢዮም ዝሳተፍዎ። በዚ ነቲ ናይተን ደቂኣንስትዮ ሓሳብ ግን ተቐበልዎ። እዛ ናይ ሎሚ ርእሰ ከተማና ኣስመራ ተባሂላ እተሰምየትሉ ምኽንያት፥ እተን ኣንስቲ መኺረን ኣስመራ ንማለት ኢዩ። ሽም ናይታ እትህነጽ ዓባይ ዓዲ ኣስመራ ክኸውን ተወሲኑ ኣብ ግብሪ ድማ ወዓለ።

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ፤

ኣብ ሃገርና፥ ኩሉ እዃ እንተዘይበልና፤ ብዙሕ ዝዝንቶ ወይውን እተጻህፈ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ታሪኽ ኣሎ። ነዚ ናይ ምስናድ ሓላፍነት ናህና ስራሕ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ከዘኻኽር እፈቱ።

ህዝቢ ኤሪትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ንምውጻእ፥ መሪርን ሓያልን ቃልሲ ኣካይዱ ኢዩ። እተን ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮውን፥ ኣካል ናይዚ ቃልሲ ነይረን ኢየን።

ኣብ ምወዳእታ ሓምሳታት ሰላማዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤሪትራ ንሃገራዊ ናጽነት ኣብ ዝጀመረሉ፥ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣካል ናቱ ኮይነን ይቃለሳ ነይረን እየን። ካብቲ ዝፍጽምኦ ዝነበረ ገለ ኣገደስቲ ስራሓት፥ መልእኽትታት ምብጽጻሕ፥ ሓበረታታት ምምሕልላፍ፥ ብፍላይ ዃ ኣብ ሱዳን ተሰዲደን ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ፥ ዓቢ እጃም ኣካዪደን ኢየን። 1961 ዓም ብረታዊ ቃልሲ ኤሪትራ ምስ ተበገሰ፥ እቲ ቃልሲ ናይ ምሉእ ህዝቢ ኤሪትራ ኢዩ ነይሩ። ደቂ ኣንስትዮ ኤሪትራ መዓንጥአን ሸጥ ኣቢለን፥ ካብ መጀመርታ ኣትሒዘን ኢየን ኣካል ናይ ሰውርአን ዝኾና። እቲ ኣብ ኩሉ ከተማታት ብፊዳኢን ዝካየድ ዝነበረ ዓመልያታት/ስርሒታት ፤ ጀጋኑ ደቂ ኣንስትዮ ነይረንኦ ኢየን። ብዙሓት ኣብቲ ስርሒታት/ዓመልያታት ዝተሰውኣ ውን ኣለዋና ኢየን። ብተወሳኺ ንተጋደልቲ ዘድሊ ዝነበረ ነገራት ከም መልእኽትታት፥ ኣፋውስ፥ ክዳውንቲ፥ ኣጽዋር፥ ምዝርጋሕ ሕበረታ ይኹን ሓዲሽ ሓበረታታት ምእካብ ካብ ጸላኢ ተሓቢኤን ይፍጽምኦ ነይረን፤ ብዓቢኡ ድማ፥ ንሰውርአን ብገንዘብ ምሕጋዝ፥ ንተጋደልቲ ምምጋብ፥ ኣሰብኡተን ናብ መዳ ምስ ዝሳተፉ፥ ናይ ስድራበት ሓላፍነት ወሲደን ደቀን ብምዕባይ፤ ሰፍ ዘይብል ሓላፍነትን ቃልስን እካይደን ኢየን። ነዚ ዝፍጽማ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ፥ ኣብ ከተማ ኣብ ገጠር፥ ኣብ ስደት፥ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ከይተረፈ ዝነበራ ኢየን።

ደቂ ኣንስትዮ ኤሪትራ ከም ህዝበን፥ እቲ ባዕዳዊ መግእቲ ዝፍጽሞ ዝነበረ ዘስካሕክሕ ወጽዓታት፥ ግፍዕታትን ዓመጻትን ስለ ዝመረረን፤ ሃገራዊ ቃልሲ እቲ እንኮ መተካእታ ዘይብሉ ምዃኑ ኣሚነን፥ ካብ ስሳታት ጀሚረን ናብ ብረታዊ ቃልሲ ተሳቲፈን ኢየን። ብፍላይ ኣብ ሰብዓታት ድማ ብብዝሒ ተሰለፋ። እንተኾነ ኣብቲ መጀመርያ፥ ኣብ ባህልና ጠበንጃ ምሓዝ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ስራሕ ስለዝነበረ፤ ሰውራና ሓንጎፋይ ኢሉ ተቐቢልወን ክበሃል ኣይከኣልን ኢዩ። ኣብ ዘይቦትአን መጺአን ብዝብል ነጻጊ መንፈስ ይርእየን ዝነበረ ውሑድ ኣይነበረን።እቲ ብባዕዲ ዝወርድ ዝነበረ ግፍዒ ግን ወድን ጓልን ዝፈሊ ኣይነበረን። ደቂ ኣንስትዮ ኤሪትራ ንሜዳ ክስለፋ ከለዋ፥ ልክዕ ከምቶም ደቂ ተባዕትዮ ንመሰል ህዝበን ድኣምበር፥ ንስብእነት ኣይነበረን።

ተጋደልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኤሪትራ በቲ ተባዕ ጻዕረንን ጽንዓተንን መኪተን ንተቐባልነተን ኣብ ግብሪ ኣረጋገጽኦ። ናይ ስራሕ ብቕዓትን ማዕርነትን ብግብሪ ኣርእየን ኢየን። ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ተመዲበን ገድላዊ ስርሓት የካይዳ ነይረን ኢየን። ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ፥ ሕልፊ ኩሉ ዝገበራ፥ነቲ ከቢድ ቀሊል እናገበራ፥ ብፍቕሪ ብተወፋይነት፥ ንስኻ ጽናሕ ኣነ ክሓልፍ እናበላ፥ ኣዝዩ ዘገርምን ዘስደምምን ስራሓት ኣካይደን ከብቅዓ፤ ድሕሪ ናጽነት ዝተራእየ ተሞክሮ ከምዝምስክሮ፤ ነቲ ዝግብአን መሰል ጌና ኣይረኸባን።

ኣብቲ ን30 ዓመታት ዝተኻየደ ደሓርውን ናጽነት ዘረጋገጸ ቃልሲ ሰውራ ኤሪትራ፤ 30% ደቂ ኣንስትዮ ዝተሰለፋሉ ኢዩ ነይሩ። ጀጋኑ ተጋደልትና ኣብ ሕብረተሰብና መሰረታዊ ለውጢ ኣርእየንን ኣረጋጊጸንን ኢየን። ነቲ ንጓል ኣንስተይቲ ከም ለውህ፥ ፈራሕ፥ ጎደሎ፥ ጽግዕተኛ ዘርኢ ዝነበረ ኖርም፤ እቲ ጸቓጢ ኣባታዊ ስርዓት ዝፈጠሮ ብልምዲ ዝጸንሐ ድኣምበር፥ ምስኣተን ዝተፈጥረ ዘይምዃኑ ብተግባር ምሂረን።

ተጋደልቲ ደቂ ኣንስትዮ ከምቲ ተሳታፍነተን ኣብቲ መሪሕ ኣካል ነይረንዶ?

ኣይነበራን። መላኺ መንግስቲ ኢሳያስ ባህርያቱ ኣይኮነን። ሎሚ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘይኮነስ፥ ብዙሕ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሓረመሉ ስርዓተ መንግስቲ ኢዩ ዘሎ። ኩሉ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር መላኺ ስለዝኣተወ፤ እቲ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ እውን ኣካል ናይቲ ብመላኺ ኢሳያስ ዝዝወር ግንባር ንስሙ ዝቖመ ድኣምበር፥ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝጣበቕ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።

ሕልሚ ናይዘን ጀጋኑ ተጋደልቲ ነበር፤ ናጽነት ረኺበን፥ ምሉእ ሓርነት ህዝበን ክርእያ መሰላተን ክሕለወለን ኢዩ ነይሩ። ከም ወዮ “ኣይመርገም ኣይምርቓ” ዝበሃል፥ ህዝብና ሕማቕ ረኺቡ።

ድሕሪ ናጽነት እቲ ክሕደት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኢዩ ዝጀመረ።6000 ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትአን ኣብ ቅድመ ግንባር ዝነበራ 10,000 ናቕፋ ሂቡ ኣጣየሰን። መናበሪ ይኹን መዕቆቢ ዘይብለን ኣብ ጥራሕ ጎጎል ኢዩ ደርቢዩወን። ከም ህዝበንን ብዙሓት ተጋደልትን ምስቶም ፍረ ሰውራ ዝኾኑ ፍቱዋት ደቀንን፤ ኣብ ድኽነት፥ ስደት፥ ምኽዳም፥ ስእነት ስራሕን ሕማምን ተሸሚመን ይርከባ።

ድሕሪ ናጽነት መሰለን ሓቲተንዶ?  እወ፤ 1993 ዓም ተጋደልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንመሰለን ኣብ ዝሓተታሉ፥ እቲ መልሲ ናይ መላኺ ኢሳያስ፤ ጠለባት ህዝቢ ክብልሽ ዕላምኡ ስለዘይኮነ፤ ከም ኣመሉ ናይ ምሕጫጭ መልሲ ኢዩ ሂቡወን። እተን ገለ ሞያ (ትምህርቲ) ወይ ነዊሕ ተሞክሮ  ዝነበረን ተጋደልቲ ደቂ ኣንስትዮውን እንተኾና ኣብ ትሕቲ`ቶም  ሓደ ሞያን ተሞክሮን ዝነበሮም ተጋደልቲ ደቂ ተባዕትዮ ኢየን ተመዲበን። እቶም ደቂ ተባዕትዮ ተጋደልቲ ሓለፍቲ ክኾኑ እንከለዉ፤ እተን ተጋደልቲ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ጸሓፍቶም ኢየን ኮይነን።

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ፤

ናጽነት እኩብ ድምር ቃልሲ ህዝቢ ኤሪትራ ኢዩ። ደቂ ኣንስትዮ ታሪኽና ክንስንድ መድረኽ ይጽበየና ኣሎ። ነተን ብጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝጽሕፋን ኣብ ናይ ሓበሬታ ማዕከናት ዝምጉታን ቃለማሕተታት (ኢንተርቪዩው) ዝገብራን ደቂ ኣንስትዮ ከየመገንኩወን ክሓልፍ ኣይደልን። ተግባራተን ኣብ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ዓቢ እጃም ክህልዎ ምዃኑ ዘየጠራጥር ኢዩ።

ታሪኽ ኣሉታውን ኣወንታውን ሰነኻት ኣለዎ። እንታይ ጽቡቕ ጌርና እንታይ ተጋጊና ምስ እንመዝን፤ ታሪኽ ክንፈልጥን ክንርዳእን ንኽእል። ንሓዲሽ ወለዶ ድማ ንምህረሉ።

ደቂ ኣንስትዮ ኤሪትራ ከምቲ ኣብ ብረታዊ ተጋድሎ ዝገበርኦ ሎሚውን ብምሉእ ድሌት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፤ ርኡይ ግደ ከበርክታ ባዕላተን ክብገሳ ኣለወን። ከም ደቂ ኣንስትዮ ባዕልና ክንዋሳእን ንደምበ ተቓውሞ ክንዓስሎን ይግባእ። ደቂ ኣንስትዮ ኤሪትራ ኣብ ሲቪካዊ ማሕበራት፥ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ምውሳእ ከድልየና ኢዩ። ልክዕ ሲቪካውን ፖለቲካውን ቃልሲ ኢድ ን ኢድ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ ኢዩ። ውዒሉ ሓዲሩ ውድብ ዝመርሕ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ሰልፊ ስለዝኾነ፤ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ኣቲኻ፥ ነቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዘገልግል ውሳኔታት ምዕዋት ሓደ ካብ ቃልስና ክኸውን ይግባእ።ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓጋጊ ኣካል ክመጻሉ ዝኸላሉ መንገዲ፤ ኣብቲ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ምስ ዝሳተፋን ዝህልዋን ትራሕ ኢዩ። ነዚ ክብል እንከለኹ፤ ኣብ ስልጣን ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ቦትአን ባዕለንን ብድልየተንን ብኽእለተንን እምበር ከም ምጽዋት ክወሃበን ዝጽበይኦ ክኸውን ከምዘይብሉ ንምጥቃስ ኢየ።

 ዓረብ ስፕሪንግ ዝፈጠሮ!

ኣብ ቱኒዝያ ዝተረኽበ ሓዲሽ ተርእዮ፤ ኣብቲ ብቃልሲ ዝተመዝገበ ሓዲሽ ናይ ቱኒዝያ ቅዋም፤ ንፈለማ ጊዜ ንዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ ዝከላኸል ምዕራፍ ከም ዝጸድቕ ብምግባር ተዓዊቱ። እዚ ድማ ኣብ ሃገራት እዕራብ ናይ መጀመርያ ዓቢ ታሪኻዊ ስጉምቲ ኢዩ። እቲ ዘሐጉስ፥ ሎሚ ኣብ ፓርላማ ናይ ቱኒዝያ 21% ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን ኣለዋ። እተን ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ፤ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ደቂ ኣንስትዮ ንምእታው ብርቱዕ ቃልሲ ኣካይደን ኢየን።

እዚ ድማ ነዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ጽቡቕ ኣብነት ኮይኑ ይስመዓኒ። ኣብ ባህልና ኩሉ ጊዜ ስልጣን ክበሃል እንከሎ፥ ንተባዕታይ ከምዝምልከት ኮይኑ ኢዩ ጸኒሑ። ኣሓት፦ እቲ መገዲ ክጅመር ኣለዎ። እቲ መስርሕ ባዕሉ ኣይጅምርን ኢዩ። ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምምራሕ ንክመጻ ዕድል ናይ ምንቕቓሕ ክረኽባ ኣለወን። ንኣብነት ኣብ ሽወደን ነተን ኣብ ምምራሕ ክመጻ ዝድለያ፤ እቲ ሰልፈን ዝእክል ትምህርታዊ ተመክሮታት ይህበን (ትሬይኒንግ)። ኣባናውን ነዚ ዕድል`ዚ ከነተኣታትዎ ናትና ቃልሲ የድሊ።

ብዙሓት መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ናይ ፖለቲካ ተዋሳእቲ ኮይነን፥ ንሕና ዓቕሚ ኣለና ኢለን ባዕለን ኣብ ምምራሕ ክኣትዋ ክንርኢ ተስፋ እገብር።

በዚ ኣጋጣሚዚ፤ ነተን ኣብ ደንበ ተቓውሞ ናይ ፖለቲካ ተዋሳእቲ ኮይነን ኣብ ዝተፈላለያ ውድባትን ሰልፍታትን ከይተሓለላ ዝቃለሳ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፤ ከምኡውን ነተን ሓያላት ኣክቲቪስትታት ደቂ ኣንስትዮ ሞጎሰይን ኣድናቖተይን የመሓላልፍ።

ብዘይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕወት ቃልሲ የለን

ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና

ኣልጋነሽ ያቖብ

መጋቢት 8 ፡2021

ሽወደን

Last modified on Tuesday, 09 March 2021 10:09