Print this page

ናይ ህግደፍ ኣተሓሳስባ ዝገዝእ መን’ዩ?

2021-12-05 17:13:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1035 times
Rate this item
(0 votes)

ጸረ-ህዝባውነት ጉጅለ ህግደፍ  ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ጸሓይ ዝወቐዖ ሓቂ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ኣብ ቅድሚ ሕረብተ-ሰብ ዓለም እውን ብፍላይ ውግእ ኢትዮጵያ እናገደደ ይኸደሉ ኣብ ዘለወሉ፡ ብኽንድቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራኳ እንተዘይኮነ፡ ብዝያዳ ዝንጸር ዘሎ  እዩ።  ሕብረተ-ሰብ ዓለም ንምኽኒያት መረረን ሻቕሎትን ህዝቢ ኤርትራ ብዘራጉድ መልክዑ ብፍላይ ኣብ ግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል፡ ብተግባር ብዘይተሰነየ ስምዕታ ”ዓገብ” ካብ ዝብል ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ንኹሉቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ በደላት፡ ምስ ካለኦት ኣካላት ዘለዎ ኣዝዩ ሻሕካር ዝምድናን ግጉይ ምምሕዳሩን ዝተዓዘቡ ኣካላት ንኤርትራ “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ”  ዝብል ሳጓ ካብ ዝህብዋ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ብዙሓት  ወገናት ከኣ እቲ ሳጓ ብምጽግጋዕ ዝተዋህበ ክኸውን ይኽእል እምበር፡“ናይ ህግደፍሲ ካብ ምምሕዳር ሰሜን ኮርያ ዝኸፈአ እዩ”  ዝብል ሚዛን እዩ ዘለዎም።

ምምሕዳር ህግደፍ ክሳብ ክንድዚ ካብ ኤርትራ ሓሊፉ ኣብ ቅድሚ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ዝተወገዘሉ ምኽንያት ሚስጢር ኣይኮነን። ናይ ዜጋታት ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ምውዳብን መሰል ዝነጽግ፡ ብዘጽደቕዎ ሕግን ብዝመረጽዎ ኣካልን ናይ ምምሕዳር መሰል ዝኸልእ፡ ቁጠባ ሃገር ንህዝቢ ኣግሊሉ ባዕሉ ዝግብት፡ ካብቲ ብቐጥታ ዝምልከቶ ዘቤታዊ ጉዳዩ ሃዲሙ ዕድመ ስልጣኑ ንምድልዳል፡ ምስ ናይ ርሑቕን ቀረባን ወገናት ኣካላውን ሓሳባውን ውግእ ዝኸፍት፡ ብመሰረቱ ከኣ “ኤርትራ ናይ ህዝባ ዘይኮነትስ፡ ናተይ ጉጅላዊ ንብረት እያ”  ካብ ምባል ድሕር  ስለ ዘይብል እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ “ምስ ናይ ዝኮነት ሃገርን ህዝብን ተመኩሮ ይመሳሰልዩ”  ዘይበሃል ፍሉይ ኣርዑት ወጽዓ እዩ ዝነብር ዘሎ።  ንከምዚ ዝኣመሰለ ብደረጃ ዓለም ከይተረፈ ዝተወገዘ  ናይ ህግደፍ መግዛእታዊ ኣተሓሳስባ፡ ውሑዳት ደኣ ይኹኑ እምበር፡ ዓደግቲ ኣለዉዎ ክበሃል እንከሎ ዘየስደምም ኣይኮነን። እዞም ኣብዚ እዋንዚ ናይ ህግደፍ ኣተሓሳስባ ዝገዝኡ መን እዮም? ዝብል ሕቶ ወርትግ ዝቐርብ እዩ። ናይዚ ገበነኛን መናቖትን ኣተሓሳስባ ገዛእቲ ኤርትራውያን፡ ጸቢብ ረብሓኦም ምስ ህልውና ናይዚ  ጉጅለ ዝተቖራነየ፡ ቅድሚ ድሕነትን ህልውናን ህዝቢ ኤርትራ ጠቕሞም ዝሰርዑ እዮም። ሰኣን ኣፍልጦ ተገሪዞም ዝተወስዱ እውን ኣይሰኣኑን። እቶም ኣብዚ እዋንዚ ናቶም ርኢቶ ዘየብሎም፡ ናይ ኢትዮጵያውያን ጥርዓን ከራጉዱ ባንዴራ ኤርትራ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ኣመዓራርዮም ዲኖ ለቢሶም ኲናት ጨቢጦም፡ ኣብ ፈቐዶ ኣደባባያት ዓለም ሆ! ክብሉን ክድብሉን ዝውዕሉ ዘለዉ ነውራማት፡ መስመሮም ስሒቶም ነቲ ጽሉል ኣተሓሳስባ ናይ ዝገዝኡ ኤርትራውያን ኣብነት ጌርካ ዝውሰዱ እዮም።

ኣብዚ ወሳኒ ጽልዋኡ  ኣብ ኤርትራ እውን እናኸበደ ዝኸይድ ዘሎ  ውግእ ኢትዮጵያ፡ መጻኢ ዕድል ናይታ ሃገር ክትግምቶ ናብ ዘጸግምን ዝተሓላለኸን ደረጃ ይበጽሕ ከም ዘሎ ኣብ ግንዛበ ኩልና ዘሎ እዩ። ኤርትራ ኣብ ትሕቲዚ ስሱዕ ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክትገብሮ ኣብ ዘይነበራ ኣዝዩ ብዝኸፈአ ደረጃ፡ ኣካልዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሕቆን ዘሎ ናይ ሓድሕድ ውግእ ኮይና ኣላ። ሒዛቶ ዘላ ምስሊ ከኣ ናይ ሻራነት፡ ዝምታን ምስዋርን እዩ። ብሰንኪዚ   ጉጅለ ህግደፍ ኮነ ኢሉ ዝፈሓሶ ውዲት፡ ኤርትራዊ ንብረትን ግዜን ኣብ ዘይግበኦ ይባኽን ኣሎ። ዝያዳ ኩሉ ከኣ ኤርትራውያን መንእሰያት ግዳይ ይኾኑ ኣለዉ። ዋላኳ ክሳብ ሕጂ ነቲ ዶብ ሰጊርካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ሓደጋ ብዝምጥን ልዑል ድምጺ “ስለምንታይ?” ኢሉ ዝሓትት ኤርትራዊ ህዝባዊ ድምጺ ኣብ ውሽጢ ሃገር እንተዘይተሰምዐ፡ ኣብ ዘይቦትኡን ዘይምልከቶን ዝፈስስ ዘሎ ደምን ዝኽስከስ ዘሎ ኣዕጽምትን  መንእሰያት ኤርትራ ዓው ኢሉ ዝቃወምን “ንኣተሓሳስባ ህግደፍ ኣይግዝኦን እየ” ዝብል ድምጺ ብዓውታ ዝቃለሓሉን ግዜ ርሑቕ ከምዘይከውን ናይ ብዙሓት ግምት እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ምስ ኣተሓሳስባኡ ንምውጋድ እንቃለስ ዘለና ወገናት ከኣ ነዚ ድምጺ ውጹዓት ተጸናጺና ከነሰስኖን ከነጉለሖን ይግበኣና።  ስልጣኑ ቅድሚት ሰሪዑ ኣብ ክንዲ ዘተ ንውግእ ዝመረጸ መራሒ ኢትዮጵያን ብልጽግና ዝበሃል ሰልፉን ንናይ ኢስያስ ናይ ጥፍኣት ኣተሓሳስባ ኣብ ዝዓመረ ዕዳጋ ብዝለዐለ ክብሪ ዋጋ ዝገዝኡ ናይ ግዳም ሓይሊታት ኮይኖም  ተመዝጊቦም ኣለዉ።

ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ ኣተሓሳስባ ህግደፍ ንመሸጣ ዝወርደሉ ዕዳጋ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከም ዝዕጸው ዘጠራጥር ኣይኮነን። መሰረታዊ ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ንሱ እዩ። “ክሳብ ዝሓልፍ የሕልፍ” ንከይከውን ግና ምቅልጣፉ ናይ ግድን’ዩ። እዛ ሎሚ ዝለዓለት ሸማቲት  ኣተሓሳስባ ህግድፍ  ኮይና ዘላ ኢትዮጵያ’ውን ግዝያዊት ዓሚል እያ። ምኽንያቱ ዜጋታታ ካብቲ ጉጅለ ዝግዛእ ኣተሓሳስባ ከምዘየዋጸኦም ተረዲኦም ድሮ የጉረምርሙ ስለ ዘለዉ። ናይቲ ምእንቲ ንህልውናኡ ኤርትራውያን ወተሃደራት ዶብ ሰጊሮም ህይወት ዝኸፍልሉ ዘለዉ ሰልፊ ብልጽግና ደገፍትን ተኸፈልቲ ምዃኖም ኣብ ኣደባባይ ዝንገረሎምን፡ ከም በዓል ተራራ ኔትዎርክ፡ ታምራት ነገራ ዝኣመሰሉ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዳኸርትን ፈከርትን “ናይ ኢሳያስን ኣብይን ዝምድና ቀይሕ ባሕሪ ዘየወንነና እንተኮይኑ ትርጉም የብሉን” ክብሉ ንሰምዖም ኣለና!። ዋንኡ ዘቕለሎ ንብረት ጓና ስለ ዘየኽብሮ፣ ኢሳያስ ብዝኸፈተሎም ዕድል፡ ዘስምዕዎ ካልእ ብደዐ እውን ኣሎ። ድሕሪ ኣብ ትግራይ ምዕዋትና ናብ ኤርትራ እንዳተኮስና ዘይኮነ፡ ስንና እንዳመወጽና ኢና ንኣቱ” ዝብልዎ ንዕቀት፡ “ክላእ ኣበይ ከይበጽሑ” ኢልካዮ ጥራይ ዝሕለፍ ዘይኮነ፡ ኣርሑቑ ዝጥምት ናይ መኸተ ቅሩብነት ዝሓትት’ዩ። ንኸምዚ ዓይነት ደረቱ ዝሓለፈ ድፍረትን ምቁንጻብ ልኡላውነት ኤርትራን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ይኹን መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ጥሉል ኣራሚ መልሲ ዘይምሃቦም ድማ  ሳዕቤኑ ዘሰክፍ እዩ።

ኤርትራውያን ቅድም ልኡላውነት ሃገርና ንምዕቃብ፡ ቀጺሉ ከኣ ምእንቲ ሰላማ፡ ልምዓታን ዲሞክራሲኣን ንቃለስ ኣለና። እቲ እንገዝኦ ኣተሓሳስባ  ከኣ ነዚ ዘሐይልን ዘደንፍዕን ጥራይ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። እዚ ኣቕጣጫ ናይ መብዛሕትና ኤርትራውያን ምርጫ ኮይኑ፡ ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ፡ ብኣፍልጦ ኮነ ብግርህና ናይ ህግደፍ ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባ ዝሽየጠሉ ዕዳጋ ከዐምሩ ዝፈትኑ ውሑዳት ወገናት ከም ዘለዉ እውን ዘይከሓድ እዩ። ስለዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መሰረታዊ ሃገርን ህዝብን ናይ ምድሓን ቃልሲ መዳያቱ ብዙሕ ኮይኑ፡ ዓንዲ ማእከሉ ዘይህዝባዊ ኣተሓሳስባ ህግደፍ ዝሽየጠሉ ዕዳጋታት ንሓዋሩ ምዕጻው ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።

Last modified on Sunday, 05 December 2021 18:28