Print this page

ሓደ መስከረም ንዘልኣለም ትኽበር

2021-08-31 08:26:48 Written by  ፍስሃየ ሓጎስ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1224 times
Rate this item
(0 votes)

ናጻ ኤርትራ ነይሩ ድሌትና ባህግና

ብውዱብ ምንቅስቓስ ስለዝተቓወምና

ክሃድኑና ብሓይሊ ክቕንጽሉና

ብውዲት ብዓመጽ ጸኒሖም ክገዝኡና

ብሓደ መስከረም ጠበንጃ ኣልዒልና

ናይ ዕጠቕ ነጋሪት ተዅሲ ከፊትና።

ተዘከር ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ

ጋንትኡ ወዲቡ ኣብ ጎቦ ኣዳል ዝኸተተ

ብሓደ መስከረም ተዅሲ ዝኸፈተ

ንቕሎ ሰውራ ብኤርትራዊ መኸተ

 ናብ ምሉእ ሃገራዊ ናጽነት ዝኣንፈተ።

ጓሶት ሃገርና ኣሕኦም ጠንጢኖም

ሓረስቶት ማሕረሶም ገዲፎም

ሰራሕተኛታት ናውቶም ደርብዮም

ተመሃሮ ማህደሮም ኣቐሚጦም

ወዶም ጓሎም ንናጽነት ሃገር ተሰሊፎም

ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ከፊሎም።

ብዝተናውሐ ውግእ ብተወፋይነት

ተጋዲልና ንሰላሳ ዓመታት

ተኸፊሉ መስዋእቲ ብኣሽሓት

ብህዝባዊ መኸተ መንዚዕና ናጽነት

ጨቢጥና’ወ ሃገራዊ ልዑላውነት።

ንጹር መደብ ዕዮ ሓንጺጽና

ከነረጋግጽ ኵሉ ዓይነት መሰላትና

ክንነብር ብሰላም ፍትሒ ብልጽግና

መግዛእቲ ተደምሲሱ ጨቢጥና ናጽነትና

ዓገብ’ዩ ብኢሳያስ ተጠሊምና

ስርዓት ምልኪ ሳዕሪሩ መሪሩ ጭቆና።

ሕቶና ኣይረኸበን ግቡእ መልሲ

ንሕሙም ስርዓት ኣለዎ ፈውሲ

ብህዝባዊ ማዕበል ካብ ሱሩ በንቋሲ

ክትካእ’ዩ ብፍትሓዊ ደሞክራሲ

ክንበጽሖ ናይ ግድን ብቐጻሊ ቃልሲ።

ጻውዒት ሓደ መስከረም ዝተቐበሉ

ንናጽነት ሃገር ሂወቶም ዝኸፈሉ

ተወጊኦም ኣካሎም ዝሰንከሉ

ንሓርነት ህዝቢ ዝቃለሱ ከይተሓለሉ

ሞያኦም ይዘከር ተሰኒዱ ተጸንቢሉ።

ባሕርና ብሂጎም ንዝምህዝዎ ናይ ፈጠራ ክትዓት

ኤርትራ ከም ኵለን ግዙኣት ሃገራት

ንጹር ዶባታ ስኑድ ኣብ ኣህጉራዊ ትካላት

ናጽነታ ብመስዋእቲ ደቃ ዘረጋገጸት

ህያው’ዩ ቲ’ቀያድን መወዳእታን ኣህጉራዊ ምስክርነት

ዋጋ-ዕዳጋ ዘይኣቱ ስጡም ልዑላውነት።

ሓድነትን ማዕርነትን ህዝብና ብብዙሕነት

ወከልቲ ህዝቢ ብደሞክራስዊ ምርጫታት

ይቑም ህዝባዊ ባይቶታት ኣብ ኩለን ዓድታት

ኣብ ኵሉ ከተማታት ወረዳታት ኣውራጃታት

ሃገራዊ ሓጋግን ፈጻምን ፈራድን ብቕዋማዊ ስርዓት

ዝምረጽ ካቢነ ሚኒስትራት ብሞያዊ ብቕዓት

እዚ’ዩ ነይሩ ናይ ሓደ መስከረም ዕላማታት።

ምስጢር ዓወትና፣ ሓሳብና ይስመር

ሓድነትና ከም ሓጺን ይትረር

ብህጹጽ ብዘይ ውዓል ሕደር

ስርዓት ምልክን መሓውራቱን ንስበር

ብሰላምን ፍትሕን ብልጽግናን ኣብ ሃገርና ክንነብር !!

 

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና

ሓደ መስከረም ንዘልኣለም ትኽበር።