Print this page

 ካብ ተላባዒ ሕማም ኮቪድ-19 ንምድሓን ክንገብሮ ዘሎና ጥንቃቐ

2021-08-24 08:24:28 Written by  ማሕበራዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሰ.ደ.ህ.ኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1201 times
Rate this item
(0 votes)

EPDP Amended Logo for Posting

ብዛዕባ ኮቪድ-19 ንኻልኣይ ጊዜ መግለጺ ከነውጽእ ቀንዲ ምኽንያት ዝዀነ፡ ሓደ ሓው ኣብ መርዓ ኤርትራውያን ኣምስዩ ንገዝኡ ምስተመልሰ ብኮቪድ-19 ከምዝተለኽፈ ፈሊጡ ን20 መዓልታት ተውሺቡ ጸኒሑ ምስሓሾ: “ካባይ ተመሃሩ” ዝብል ዘዋሪ መልእኽቲ ጌሩ ዘጋጠሞ ሓቢሩ። ካብቶም ኣብቲ መርዓ ዝተሳተፉ 15 ሰባት ዝተለኽፉ፣ እቶም 3 ካብ ሓደ ስድራቤት እዮም። ክሳብ ሕጂ ሞት ኣየጋጠመን ስለዘሎ፣ ኵሎም ሓውዮም ናብ ንቡር ጥዑይ ሂወቶም ክምለሱ ንምነየሎም።

ኣብ 14 መጋቢት 2020 ኣብ ሕታምና ቁጽሪ 1፡ ካብ ተላባዒ ሕማም ኮሮናቫይሩስ (ኮቪድ-19)፣ ማለት ነዚ ብዘይርአን ዘይስማዕን ደረት-ዶብ ዘይክልክሎ ዝለክፍ ድቀ-ፍጥረት (ቫይሩስ) እንተዘይ ተኸላኺልካዮ ንህዝቢ ዓለም ከጥፍእ ተኽእሎ ከምዘለዎ ዝፍራሕ ስለዝዀነ፡ ኣህጉራዊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፣ ተላባዒ ሕማም “ኣህጉራዊ ፓንደሚክ” ሰምዩ፣ ንምክልኻሉ ዘድሊ ሓበሬታን መምርሒታትን ሂቡ ከምዝነበረ ሓቢርና ኔርና። ካብ ዝሃቦ ህጹጽ መምርሒታት፡ ህዝባዊ ኣኼባታት፣ ኣብያተ ትምህርትን ናይ መዘናግዒ ንግዳዊ ከባብታትን ተዓጽዩ መገሻ ብህዝባዊ መጐዓዝያታት (ብነፋሪት፣ መርከብ፣ ኣውቶቡሳትን ወዘተ) ብኣዋጅ ዝኽልከል ነይሩ። እዚ ንማሕበረ-ቁጠባዊ ሂወት ህዝብን ሃገርን ብኸቢድ ዝጐድእ ምዃኑ ርዱእ እኳ እንተዀነ። ቁጠባዊ ዕብየት ድሕሪ ጥዕና ማሕበረ-ሰብ ስለዝስራዕ፣ ድሕነትን ጥዕናን ህዝቢ ምስተረጋገጸ፣ ቁጠባ ናብ ቦትኡ ዝምለስ ምዃኑ’ውን ኣብሪሁ ነይሩ።

መራሕቲ፣ ሓለፍትን ኣካየድትን ትካላት ናይ ብዙሓት ሃገራት፣ ንምምሕዳራዊ ዕማማቶም ኣወንዚፎም፣ ብቐዳምነት ድሕነት ህዝቢ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ሓበሬታ፣ ምንቕቓሕን መምርሕታትን ምሃብ ኣትኵሮም ብምንጣፍ፣ ኮቪድ-19 ንምጥፋእ፣ መድሃኒት ክታበት (ቫክሲን) ምምሃዝ ወሳኒ ምዃኑ ብምንጻር፣ ዓቕምን ተኽእሎን ዘለወን ሃገራት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ብዘካየድዎ ንጡፍ ድህሰሳን ምርምርን መድሃኒት ክታበት ቫክሲን ብ11 ታሕሳስ 2021 ተዳልዩ። ዳርጋ ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ መብዝሕትአን ሃገራት ተኸቲቦም ነቲ ብናህሪ ዝለክፍን ዝቐዝፍን ዝነበረ ቫይሩስ ብምቁጽጻር፡ ኣብያተ ዕዮ፣ መገሻታትን ኣብያተ ትምህርትን ስሩዕ ስርሑ ከካይድ ይርከብ። እንተዀነ ግን ዴልታ ቫርያንት ዝተባህለ ካብቲ ናይ ቅድም ዝተፈልየን ዝሓየለን ቫይሩስ ክለክፍን ክቐዝፍን ምስተራእየ፤ ዝያዳ ጥንቃቐ ምግባር ከምዘድልን ንዕኡ ንምክልኻል ድማ ተወሳኺ ክታበት ብቡስተር ዝፍለጥ ከምዘድሊ ተፈሊጡ፡ ብ23 ነሓሰ 2021 ተዳልዩ ብሓለፍቲ ትካላት ጥዕና ኣብ ግብሪ ክውዕል ተፈቒዱ፡ ንካብ 17 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኦም ክወሃብ ክጅመር ምዃኑ፡ ካብ 12 ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ድማ ድሕሪኦም ክቕጽል ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ። ነቶም ቅድሚ ሎሚ ዝተኸትቡ ሰባት ተወሳኺ ቡስተር ክታበት ዘድልየሉ ምኽንያት፣ ሓይሊ ዓቕሚ ምክልኻል ናይቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ መድሃኒት እንዳጐደለ ስለዝኽይድ እዩ።

ምንጪ ሓበሬታ መግለጺና ካብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ዝተረኽበ እዩ። ሓደ ካብ ዘገርም ኣብ ኣመሪካ ክታበት ዝቃወሙ ኣለዉ። ትካል ጥዕና ዘቕረቦ መጽናዕቲ እቶም ብዴልታ ቫርያንት ዝልከፉ ዘለዉ 90% ዘይተኸትቡ እዮም፡ ገለ ካብ ዝተኸትቡ እሞ ዝተለኽፉ 7 ካብ 100,000 እዮም፡ ተጽዕኖ ኮቪድ-19 ኣብ ዝተኸትቡ ከቢድ ከምዘይኰነ’ውን ኣፍሊጦም።

ብማሕበራዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ናይ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንድሕነት ኣባላቱን ህዝብን በቲ ዝርድኦ ቋንቋ በብእዋኑ ንዝምዕብል ሓበሬታን መምርሕን ክህብ ተበግሶ ምውሳዱን ምቕጻሉን እንዳሓበርና፣ ኣብዚ ዕማም’ዚ ብፍላይ እቶም ናይ ሕክምና ኣፍልጦን ሞያን ዘለኩም ሰባት ክትሳተፉ ንዕድም። 

እዚ ዝስዕብ እዋናዊ ሓበሬታ ነስፍር፡

  • ብኮሮናቫይሩስ ዝተለኽፈ ዘርእዮ ምልክታት፡ ምስዓል፣ ረስኒ፣ ሕጽረት ትንፋስ፣ ሕማም ርእስን ኣካላዊ ድኻምን ወዘተ ይኸውን። እቲ ሕማም ኮቪድ-19 እንተዀይኑ ብመርመራ ክፍለጥ ዘለዎን ናይ ምድሓንን ንኻልኦት ንኸይልክም ምክልኻልን ዘድሊ ስጉምታት ብዝምልከቶም ናይ ሕክምና ሰበ ስልጣን ዝውሰድ እዩ፡ 
  • ዝተጠቕሰ ምልክታት ናይ ካልእ ዓይነት ሕማም ክኸውን ስለዝኽእል ብመርመራ ምስተፈልጠ ንዕኡ ዝግባእ ክንክን ይግበረሉ። 
  • ብኮቪድ-19 ዝተለኽፈ ሰብ ብዝግበረሉ ግቡእ ሕክምናዊ ምእላይ ክድሕን ዕድል ስለዘለዎ፣ ክስንብድ የብሉን

ኮቪድ-19 ብኸመይ ይለክፍ፡ 

  • ኮሮናቫይሩስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ እዩ ዝመሓላለፍ። ዝተለኽፈ ሰብ ጥቓ ዘይተለኽፈ እንተቐሪቡ/ቀሪባ 
  • ኣብ ባህልና ድሕሪ ገለ እዋን ዝተራኸቡ ሰባት ሓቝፍካ ኣብ ምዕጕርቲ ምስዓም ዝውቱር’ዩ፡ ምስ ዝተለኽፈ ሰብ ከምኡ ምቕጻል ክትልከፍ ምዃንካ/ኪ ምርዳእ ስለ ዘድሊ ብናይ ማዕዶ ሰላም ክትካእ ኣለዎ
  • ምስዝተለኽፈ ሰብ ናይ ኢድ ምጭብባጥ ሰላምታ ድሕሪ ምግባር፣ እታ ዝተለኽፈት ኢድ ንኣፍ፣ ኣፍንጫ ወይ ዓይኒ እንተ ተንኪፋ፣ ኮሮናቫይሩስ ናብ ስርዓተ ምስትንፋስ ኣትዩ ናብ ደም ብምሕዋስ መጥቃዕቱ ይቕጽል
  • ብኮሮናቫይሩስ ዝሓመመ ሰብ፣ ብኢዱ ዝተንከፎ ንቑጽ ገጽ ጣውላ፣ ማዕጾ፣ ኩርሲ ከምኡ’ውን ካብ ኣፉ ይኹን ኣፍንጭኡ ዝወጽእ ፈሳሲ ዝሓደጎ፣ ብገርሂ ዝተንከፈ ሰብ እሞ ከይተሓጽበ ገጹ እንተደሪዙ ይልከፍ።

ከይንልከፍ ክንገብሮ ዘሎና ጥንቃቐን ምክልኻልን፡ 

  • እቲ ቫይሩስ ብቖርበት ኣይኣቱን እዩ። ብኣፍ፣ ዓይኒ ወይ ኣፍንጫ እዩ ናብ ሳንቡእ ዝኣቱ።
  • ቅድሚ ገጽና፣ ኣፍንጫና፣ ኣፍናን ዓይንናን ምትንካፍ ኣእዳውና ብሳምና ምሕጻብ፤
  • ናይ ኢድ ሳኒታይዘር ንባክተርያ ስለ ዝቐትልን ብኣኦም ንዝተሓላለፍ ሕማም ስለዝከላኸልን ምጥቃም
  • ነብስናን ከባቢናን ካብዚ ሕማም’ዚ ናጻ ክኸውን፡ መከላኸሊ ማስክ ዘይምፍላይ፣ 6 ጫማ ካብ ካልእ ሰብ ምርሓቕ
  • ብናይ ወጻኢ ቋንቋታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝውሃብ ሓበሬታ ክርድኡ ዘይክእሉ ቖልዑን ነቶም ብዘይካ ናይ ኣደ-ቋንቋኦም ካልእ ዘይርድኡ ኤርትራውያንን፣ ክርድኡን ምእንቲ ነብሶምን ስድራቤቶምን ክከላኸሉን ናይ ምሕባሮም ሕልናዊ ሓላፍነት ክንወስድ የድሊ
  • ብኮሮናቫይሩስ ዝተለኽፈ ኣባል ስድራ ወይ መሳርሕቲ ንኻልኦት ንኸይልክም ኣብ በይኑ ገዛ ንዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልታት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ከም ኣድላይነቱ ክውሸብ ኣለዎ/ዋ።
  • ቡስተር ቫክሲን ክወስዱ ተርትኦም ዝበጽሐ ብዘይምውልዋል ክወስዱዎ ይምረጽ።

Last modified on Tuesday, 24 August 2021 10:34