Print this page

ዜናዊ ጸብጻብ፡ ዝኽሪ ሰማእታት 20 ሰነ ፖሓኤ

2021-06-21 21:02:54 Written by  ሓይሊ ዕማም ሚድያ ፖሓኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1132 times
Rate this item
(0 votes)

ፖለቲካዎ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ኣብቲ ዕለቱ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ (ዙም) ዘኪሩ። ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ዝኽሪ፡ ኣቦ መንበር ኣወሃሃዲ ኣካል ፖሓኤ ዶ/ር መሓመድ በሽር ንተሳተፍቲ ናይ እንዃዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ኣስሚዑ ነቲ መደብ ንዘዳለዉ ኣካላት ከኣ ኣመስጊኑ። ድሕሪቲ መኽፈቲ ቃልን ንሰማእታት ዝምልከት መዝሙርን ከኣ፡ ነታ ዕለት ዝምልከት ብኣወሃሃዲ ኣካል ፖሓኤ ዝተዳለወ መግለጺ፡ ነቲ መደብ ብዝመርሕዎ ኣሕዋት መንግስተኣብ ኣስመሮምን እስማዒል ገበይታን ብትግርኛን ዓረበኛን ብንባብ ቀሪቡ።

ኣብቲ መግለጺ፡ ናይ ኤርትራውያን ስዉኣት ታሪኽ ዘይርሰዖ ጀግንነት ተጠቒሱ፡ እንተኾነ ሕድሮም ስለ ዝተጠልመ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ከምዘይረሃዎ ኣንጸባርቑ። ህዝቢ ኤርትራ ቅድም ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ደሓር ከኣ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ፡ “እምቢ ንመግዛእቲ” ስለ ዝበለ፡ ብገዛእቲ ሓይልታት ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝየታትን ቦታታትን ዘጋጠሞ ጥልመትን ግፍዕን ብኣብነታት ኣሰንዩ ኣዘኻኺሩ። ብሰንኪ በደል ገዛእቲ ብፍላይ ካብ 1967 ጀሚሩ ንዘጋጠሞ ስደትን ምምዝባልን እውን ዳህሲሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ 20 ሰነ ንስለ ምዝካር እትዝከርን እትበዓልን ዕለት ዘይኮነትስ ሕድሪ ስዉኣት ንምፍጻም ቃል ዝእተወላ ምዃና ኣዘኻኺሩ።

ኣብዚ ነታ ዕለት ብዝምልከት መዛሙርን ዝተፈላለየ ግጥምታትን ዝቐረበሉ መደብ ኣቦመንበራት ናይተን ኣብ ምውህሃድ ፖለቲካዊ ሓይልታት ተሓቚፈን ዘለዋ ፖለቲካዊ ኣካላት፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ)፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ)፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ውሓኤ)ን ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (ዲውዓቀባ)ን ቃል ኣስሚዖም። እቶም መራሕቲ ናብዚ ምውህሃድ ንምብጻሕ ዝተኻየደ መስርሕ ጠቒሶም፡ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ብመንጽርቲ ኤርትራውያን ሰማእታት ዝገድፍዎ ሕድሪ ኤርትራ ካብዚ ዘላቶ ሓደገኛ ፖለቲካዊ ኩነታት ንምውጻእ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ብደሆ ጠቒሶም። 20 ሰነ ናይ ጽንዓት፡ ክብርን ተወፋይነትን ዕለት ምዃና ከኣ ኣዘኻኺሮም። ኣብቲ ኣጋጣሚ ከኣ ፖሓኤ ኣብዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንክበጽሕ ተበግሶ ንዝወሰደ ነፍሰሄር ብርሃነ ወልደገብርኤል እውን ተዘኪሩ። ኤርትራውያን ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ካብዚ ዘለናዮ ሓደገኛ ሃለዋት ንምውጻእ፡ ኩሎም ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ኣካላት ኣብዚ ቃልሲ ንክሳተፉ ጸዊዖም። ጀግንነት ኤርትራውያን ሰማእታትን ኣብቲ ቃልሲ ኣካሎም ንዝጐደለን ዘለዎም ክብርን ናእዳን እውን ብዝተፈላለዩ መልከዓት ገሊጸምዎ።

በቲ ኣቐዲሙ ብኣዳለውቲ መደብ ዝተሰርዐ መሰረት ከኣ ንነባራት ተቓለስቲ ብምውካል ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ ቃል ኣስሚዑ። ንሱ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ዝተፈጸሙ መስተንክር ጅግንነታት ንኣብነት ዝኸውን ፍጻመታት ዘርዚሩ። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ከም ዘለዉ ብምጥቃስ ከኣ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ሃገሩን ህዝቡን ንከድሕን ጸዊዑ። ኣሓት ኣስገደት ተስፋሃንስን ሓናን መሓመድ ሳልሕን ከኣ ብስም ደቂ ኣንስትዮ ብትግርኛን ዓረበኛን ነታ ዕለት ዝምልከት ቃል ኣስሚዐን። ንሳተን ብሓፈሻ ንታሪኻዊ ጀግንነት ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ ንግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ ኤርትራ ዝምልከት ጠቒሰን። ኤርትራ ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ጸበባ ንምንጋፍ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኩሉ ክሳተፍ ኣዘኻኺረን። መንእሰያት፡ ዮሴፍ ኣስገዶምን ዓብዱልሓኪም ካሚልን ብተመሳሳሊ ብትግርኛን ዓረበኛን ነታ ዕለት ዘንጸባርቕን ግደ መንእሰይ ኤርትራ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ዝምልከት ዘዘኻኽርን ቃል ኣስሚዖም። ሓው ኣሕመድ ኣልሸሪፍ ድማ ብዓረበኛ ግጥሚ ኣቕሪቡ።

ኣብዚ ዝተፈላለያ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ማዕከናት ዜና ዝተሳትፋሉን ተለቪኝን ኤሪሳት ብመንገዲ ፌስቡክ ብቐጥታ ዘተሓላለፈቶን መደብ፡ ግጥምታት ኣሕመድ ሸሪፍን ብዓብዱልሓፊዝን ኣብ መንጎ ኣብ መንጎ መደባት ቀሪቡ።

Last modified on Monday, 21 June 2021 23:08