ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ፡ ዕምሩ-ምሉእ ኣብ ገድልን ስደትን ዘሕለፈ ኤርትራዊ

2021-05-30 20:31:56 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1595 times

30 ጉንቦት 2021, 09:07 EAT

ታሪኽ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ

ታሪኽ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ፡ ንታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ.) ካብ መጀመርታኡ ክሳብ መወዳእታኡ ብዕምቖት ከምዝፈልጦን፡ እዚ ታሪኽ ድማ ዓቢ ክፋል ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ምፍላጥ'ዩ ዝቝጸር።

ሓደ ካብ'ቶም ዓበይቲ ኣበርክቶታት ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ ንዛንታ ተ.ሓ.ኤ. ኣዕሚቑ ብምትንታን ብመልክዕ መጽሓፍ ንኣበብቲ ብምቕራቡ'ዩ።

"ኣነ ምስክርነተይ ከቕርብ ከሎኹ" ይብል ኢብራሂም፡ "ነቶም ዝሓለፍኩዎን ዝተሳተፍኩዎን ተረኽቦታት ሓቀኛ መብርሂ ክህበሎም፣ ብተወሳኺ፡ ዘሎውን መጻእን ወለዶታት ንኽፈልጥዎን ክመሃርዎን፡ ባዕላቶም ድማ ክግምግምዎን መሰሎም ምዃኑ ብምእማን'የ ኣቕሪበዮ።"

ኢብራሂም ብ1964 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት (ተ.ሓ.ኤ) ተሰሊፉ፡ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ግንባር ተመዲቡ ድማ ዳርጋ ኣብ ኵሎም ንተ.ሓ.ኤ. ዝጸልዉኡ ኣኼባታትን ዉሳኔታትን ተራ ዝነበሮ ነባር ተጋዳላይ'ዩ።

ኢብራሂም ድሕሪ'ቲ ነዊሕ ጕዕዞ'ቲ ኣብ ፖርት ሱዳን ኰይኑ ንኤርትራ ገጹ የማዕዱ ከም ዘሎ ብጾቱ ይነግርሉ። "ሎሚ ብዕድመ ደፊኡ፡ ብሕማም ተጠቒዑ ክነሱ ካብ ኤርትራ ርሒቑ ክነብር ንምንታይ መረጸ?" ንዚብል ሕቶ ክንምልስ ክንፍትን ኢና።

ፖርት ሱዳን ካብ ኤርትራ ርሑቕ ኣይኰነን። እንተ ኢብራሂም ግን፡ ከም'ቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ነበር፡ ንምንታይ ኣብ ምጽዳቕ ጸሓዩ ጌና ኣብ ዓዲ ስደት ይነብር ከም ዘሎ ንምፍላጥ ኣዘራሪብናዮ ኣሎና።

ዕላል ምስ ኢብራሂም

ነዚ ዝነውሐ ዓመታት ህይወቱ ኣብ ቃልሲ ዜሕለፈ ተቓላሳይ ብጓሉ ፋጥና ኣቢልና ብስልኪ ምስ ረኸብናዮ፡ ተገዲሱ ካብ ዓራቱ ተንሲኡ ንሕቶታትና ክምልስ ክምልስ ክኢሉ።

እቲ ዝርርብ ኣዝዩ መሳጢ፡ ብርክት ዝበሉ ሓያላት ሕቶታት'ውን ዜለዓዕል ነበረ። እንተ ንሱ ግን በቲ ዝላሕተተን ድኹም ዝዓቐኑን ድምጹ እናዕረፈ ሃዲኡ ክዛረብ ምስምዑ ንሕልና ጐርጓሪ ተመኵሮ ነበረ። ኵነታቱ ርኢና ድማ ንኣቀራርባና ገደብ ክንገብረሉ ኸኣ መረጽና።

"ንምንታይ ኣብ ሰማንያ ዕድሜኻ፡ እሞ ኸኣ ኣዚኻ ብሕማም ተጠቒዕካ ክነስኻ ካብ ኤርትራ ርሒቕካ ትነብር ኣሎኻ?" ንዚብል ሕቶ፡ "ኣነ ካብ ናይ ቃልሲ ብጾተይ ዝፍለየሉ ምኽንያት የብለይን፣ ንናጽነት ኤርትራ ብሓባር ተጋዲልና፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ብጾትና ኸኣ ቀቢርና። ብጾተይ ዝሓሸ ኵነታት ኣብ ኤርትራ ንክፍጠር ጌና ህርድግ ይብሉ ኣሎዉ። ብዕድመ ስለ ዝደፋእኩን ብሕማም ከኣ ስለ ዝተጠቃዕኩን ንቃልሲ ብጾተይ ኣብዚ ህሞት'ዚ ብኣካል'ኳ እንተዘይተሳተፍኩዎ ብሓሳበይን መርገጽየይን ጌና ምስኦም'የ፣ ነዚ እምነት'ዚ ጥሒሰ ንዓዲ ዘእቱ ምኽንያት ከቶ የብለይን" ይብል ኢብራሂም።

ብሓሳቡ ንድሕሪት ንኽንመልሶ፡ "መዓስ ኢኻ መሬት ኤርትራ ንመጠረስታ እዋን ረጊጽካ?" ንዚብል ሕቶ ኸኣ ብከምዚ ኣገባብ ይምልሶ ...

"ካብ ኤርትራ ብመጠረስታ 1981 ብእዋን ዉግእ ሓድሕድ ምስ ወጻእኩ'የ፣ 40 ዓመት ምዃኑ'ዩ" ይብል። ወሲኹ ድማ "ኣነ ጥራይ ኣይኰንኩን፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ከማይ ኣብ ምሉእ ዓለም ካብ ኤርትራ ርሒቖም ይነብሩ ኣሎዉ። ንምንታይ እንተ በልና ነዛ ንርእያ ዘሎና ኤርትራ ኢልና ኣይኰናን ዝተጋደልናን ንእስነትና ዝወፈናን። ኣብ ግዳም ምንባር ምርጫና ዘይኰነስ ዝሓሸ ኣማራጺ ስለ ዘይተፈጥረ'ዩ። ኵነታት ዝመሓየሸሉ እዋን ክመጽእ ከኣ ብጾተይ ብዓቕሞም ጌና ይሰርሑ ኣሎዉ" እናበለ ይዛረብ።

ኢብራሂም ዋላ'ኳ ብሕማም ምኽንያት ካብ ንጥፈታቱ ይገለል፡ ምዕባሌታት ካብ ምክትታል ኣየቋረጸን። ብጾቱ ኸኣ በብተራ እንዳደወሉ ኣመቱ ይገብሩ'ዮም። ስለዚ ብመንፈሱ ካብ'ቲ ቃልሲ ጨሪሱ ከም ዘይተገለለ ገይሩ'ዩ ዝገልጽ።

ሓጺር ድሕረ-ባይታ ኢብራሂም

ርግጽ'ዩ ኢብራሂም፡ ከም ሰቡ፡ ብዛዕባ ዝተወልደሉ ዓዲ፡ ኣተዓባብይኡ፡ ስድርኡ እናዘከረ ይዛረብ'ዩ። ይዅን'ምበር ብዛዕባ ብጾቱን እቲ ዝሓለፈ መሪር ቃልሲ ክዛረብ'ምበር ብዛዕብኡ ክዛረብ ኣይመርጽን።

"ኣደይ ብንእሽተይ ስለ ዝሞተት ኣይዝክራን'የ" ይብል። ኣቦኡ ድማ ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት፡ ኢብራሂም ኣብ ገድሊ ዝነበረሉ እዋን ምዃኑ'ዩ፡ ከም ዝሞቱ የዘንቱ።

"እንተ ብንእሽተይ ከሎኹ ዝነበሩኒ ናይ ሓንጎል ኣሳእል-ዓደይ ግን እናሃሰሱ ይኸዱ ምህላዎም ይፍለጠኒ። ዝበላዕኩዎን ዝሰተኽዎን ክንደይ ከይዝክረልካ ግናኸ ዝዓንደርኩሎም ሜዳታት ይዅኑ ዝሓኾርኩዎም እምባታት ዓደይ ጌና ይጽበዩኒ ምህላዎም ኣይስሕቶን፣ መታዓብይተይን ጎረባብተይን ብህይወቶም ይሃልዉ ኣይሃልዉ ክምስክር ኣይኽእልን። ንሕብረተሰባት ኤርትራ ዜጓነፈ መከራ ቀሊል ኣይኰነን። እንተ እቲ ናፍቖት ዓደይ ግን ካብ ልበይን ቀልበይን ርሒቑ ኣይፈልጥን" ይብል ኢብራሂም።

ኢብራሂም ብ1942 ኣብ ሰሜናዊ ሳሕል'ዩ ተወሊዱ፣ ኣብቲ ዝተወልደሉ ገጠር ከም ተራ ሰብ፡ ብተራ ናብራ ከም ዝሓለፈ ይዛረብ። "ሃገራዊ ጻውዒት ምስ ኣርከበኒ ኸኣ ከም ሰበይ ተሰሊፈ" ኢሉ ብሓጺር ይምልሶ።

"ብኸመይ ኣገባብ ኣብ ሜዳ ተሰሊፍካ?" ንዚብል ሕቶ፡ ድምጹ እናጠለሞ፡ ከምዚ ይብል፡ "ብጎበዘይ ኣብ ሱዳን ሰጊረሉ ዝነበርኩ እዋን ሓደ ኣባል ሰውራዊ መሪሕነት ክረኽበና ምስ መጸ መግለጺ ብዛዕባ ሃገራዊ ሓርነት ክህበና ይዝከረኒ። ኣነ ሽዑ ብዘይ ገለ ጥርጥር ነቲ ዘካፈለና ኣስተምህሮ ኣብ ልበይ ገይረ ንድሕሪት ቁሊሕ ከይበልኩ ንናጽነት ኤርትራ ክሰርሕ ጀመርኩ። እቲ ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ኸኣ ኣብ መጽሓፈይ ከም ዘስፈርኩዎ'ዩ" ብምባል ሓጺር መልሲ ሃበሉ።

"ኣብ ህይወትካ ዀነ ናይ ቃልሲ ጕዕዞኻ ዜሐብነካን ዜጣዕሰካን ነገራት'ዶ ምገለጽካልና?" ንዚብል ሕቶ ኸኣ ሰጋኣ ከይበለ "ንኤርትራ ስለ ዝተጋደልኩ ዜጣዕሰኒ ነገር ከቶ የለን፣ ብኣንጻሩ'ኳ ድኣ ሜዳ ኤርትራ ዘይርስዑ ብጾት ሂቡኒ ኢለ ክገልጾ እፈቱ። ሓቢርና ንሃገራዊ ናጽነት ተጋዲልና፣ ንኤርትራ ደምና ኣፍሲስና፡ ንዝተወግኡ ካብ ሓዊ ኣውጺእና፡ ንዝተሰውኡ ብጾትና ድማ ሓቢርና ቀቢርና። እቲ ብጻይነት'ቲ ዓቢ ጸጋ'ዩ፣ ዘይርሳዕ ጸጋ" ኢሉ ይገልጾ።

ብዛዕባ እዚ መበል 30 ዓመት ጽንብል ናጽነት ብምዝካር ኣብ ሓሳቡ ዝመጹ ጦብላሕታታት ከካፍለና ምስ ሓተትናዮ፡ "ዕላማ ቃልስና ሃገርና ናጻ ንምውጻእ ጥራይ ዘይኰነስ ንኹላህና ዝሓቍፍ መንግስትን ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ንምትካል፡ ናትናን ብኣናን ዝተነድፈ ቅዋም ሒዝና ድማ ንቕድሚት ክንግስግስ'ዩ ነይሩ፣ ምሉእ ናጽነት ክመጽእ ኣሎዎ እብል፡ ውዒሉ ሓዲሩ ኸኣ ከም ዝመጽኣ ኣይጠራጠርን። ንህዝቢ ኤርትራ ጽቡቕ ክምነየሉ'የ ዝደሊ ... ነቲ ዘሎን ዝሓለፈን " ክብል ንሕቶና መለሶ።

ኢብራሂም ብዓይኒ ብጾቱ

"ኢብራሂም ኣብ ፖለቲካ ዝወስዶም መርገጺታት ንጹር፣ ኣብ ኣመራርሕኡ ፍትሓዊ፣ ኣብ ተጋደልትን ስድራ-ተጋደልትን ዝነበሮ ርሕራሔ ድማ ኣዝዩ ልዑል ነበረ" ይብል ምስኡ ንሰላሳ ዓመታት ዝሰርሐ ብጻዩ ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ።

"ነቲ ቅኑዕ'ዩ ኢሉ ዝኣምነሉ መስመር ከኣ ዋጋ ይኸፍለሉ ከም ዝነበረ እዝከረኒ" ክብል ወሰኸሉ። ደጊጋ ንኢብራሂም መሓመድ ዓሊ ብቀረባ ስለ ዝፈልጦ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣስኒቑና'ዩ። ደጊጋ ኣብዚ እዋን ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ'ዩ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ.)።

መንግስትኣብ ኣስመሮም'ውን ብሸነኹ ንባህርያት ኢብራሂም ብልዑል ኣድናቖት'ዩ ዝምስክረሉ። ንምዃኑ መንግስትኣብ ኣቦ መንበር ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ኰይኑ ዘገልገለ ነባር ተጋዳላይ ተ.ሓ.ኤ'ዩ። "ሓው ኢብራሂም፡ ከምዚ ሎሚ ሕማም ከየጥቅዖ፡ እሙን፡ መትከላዊ፡ ምቕሉል፡ ተባዕ መራሒ'ነይሩ። ከምኡ'ውን ናይ ካልኦት ርእይቶ ብትዕግስቲ ተገዲሱ ዝሰምዕ ባህርይ ነይሩዎ" ኢሉ ይገልጾ።

ወልደየሱስ ዓማር ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ኢብራሂም ዘሎዎ ኣኽብሮት ዕዙዝ'ዩ። ወልደሱስ ካብ ፈለማ ስሳታት ጀሚሩ ንነዊሕ እዋን ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ልዑል ተራ ዝነበሮ፡ ንሰውራዊት ባይቶ ኣብ ምህናጽ ከኣ ዓቢ ግደ ዝነበሮ ካድርን መራሕን'ዩ። "ኢብራሂም እቲ እሙንን መትከላውን ሰብኣይ" ኢሎም ተጋደልቲ ይጽውዕዎ ከም ዝነበሩ ይዝክር።

"ንሕና ኣብቲ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ ዘመሓድሮ ምምሕዳራት ቤት ጽሕፈቱ ስለ ዘገልገልና" ይብሉ እቶም ንመጽሓፉ ካብ ዓረብኛ ናብ ትግርኛ ዝተርጐሙ ሰለስተ ነባራት ተጋደልቲ፡ "ናቱ ናይ ምምራሕን ምምሕዳርን ብቕዓት፡ ሰውራዊ ስነ-ምግባሩ፡ መስተውዓልን ኣርሒቑ ዝሓስብን ተጋዳላይ ምንባሩ ኣርጊጽና እንፈልጦ ሓቂ'ዩ" ኢሎም ይምስክሩሉ። ንሳቶም ከኣ ድራር ማንታይ፡ ንጉሰ ጸጋይ፡ ፍስሃየ ሓጎስ ኢዮም።

ገለ-ገለ ኣበርክቶ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ

ኢብራሂም ዝተሳተፎም ዓውድታት ምሕደራ ተ.ሓ.ኤ. ብዙሓት'ዮም። ንሰነዳት ተ.ሓ.ኤ. ገናጺሉ ንዜንብብ ሰብ ንስም ኢብራሂም ኣብ ኵሉ ገጻት'ዩ ዝረኽቦ። ኣብ ዓንኔላት ካድራት ከኣ ኣዝዩ ዉሩይን ጽቡቕ ስም ስለ ዝነበሮ ብዙሓት ከም ህርኩት ክልሰ-ሓሳበኛ ገይሮም ይርእይዎን የኽብርዎን ነበሩ።

ብዛዕባ ሓቀኛ ታሪኽ ተ.ሓ.ኤ. ዝፈልጡ ሰባት ብዙሓት ክነሶም ብዛዕባ'ቲ ዛንታ'ቲ ዝጸሓፉ ግን በጻብዕቲ ዝቝጸሩ'ዮም። "መብዝሕትኡ ዛንታ ተ.ሓ.ኤ ክሳብ ሕጂ ብዝንቡል ኣገባብ፡ ብህዝባዊ ግንባር'ዩ ክዝንቶ ጸኒሑ" ይብል ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ። "ኢብራሂም ግን ብተራ ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ሜዳ ኤርትራ ሓደ ጽፉፍ ዛንታ ከቕርብ ብምኽኣሉ ክምስገን ይግባእ" ኢሉ ወሰኸሉ።

ንተስፋይ ደጊጋ ብኣበርክቶ ኢብራሂም ንክሕብረና ምስ ተወከስናዮ፡ ሰጋኣ ከይበለ ሰለስተ ነገራት ክረቍሕ ከኣለ። "እቲ ቀዳማይ ኣበርክቶኡ" ይብል ደጊጋ፡ "ኣብ ተ.ሓ.ኤ ዝተኸሰቱ ሓቅታት - ምዕባሌታትን ጻዕርታትን ድኻማትን - ከም ዝነበርዎ ኣቐሚጡ ንህልውን መጻእን ወለዶ ብመልክዕ መጽሓፍ ኣገዳሲ ዉርሻ ከበርክት ብምኽኣሉ እቲ ዝበለጸ ኣበርክቶኡ'ዩ እብል።"

"እቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝሰርዖ ኣበርክቶኡ ድማ" ይብል ደጊጋ፡ "ኢብራሂም፡ ብ1975 ዝተኻየደ ጠቕላል ካልኣይ ጉባኤ ከም ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ሕብረተሰብኣዊ ጕዳያት ኰይኑ ስለ ዝተመርጸ፡ ንጽጉማት ተጋደልትን ስድራ-ቤቶምን፡ ብኵናት ዝጠፈሹ ሓረስቶትን ገባራትን ንምእላይን ሓገዝ ብውድብ መልክዕ ንክወሃብን ኣበርቲዑ ብምስርሑ ዘንት-እለት ቅጅል ከም ዝብለኒ ክምስክረሉ እደሊ፣ ሓላፍነት ሕብረተሰባዊ ጕድያት እንቋዕ ንኢብራሂም ተዋህቦ ዝበልኩሉ እዋን ነይሩ'ዩ። ርሕርሑን ሓላይን ባህርያት ስለ ዝነበሮ ነቲ ሓገዝ ንክሰራጮ ተጊሁ ዝሰርሐ ተጋዳላይ ምዃኑ ከቶ ክርሳዕ የብሉ" ኢሉ ይገልጽ።

"ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝሰርዖ ኣበርክቶኡ ድማ ድሕሪ ናጽነት ወድባት ኣብ ምሕባር፡ ንኪዳን እግሪ ንክተክል ዝጸዓረ፡ ብ2006 ንውድብና ካብ ግንባር ናብ ሰልፊ ንክልወጥ ዘበርከቶ ጻዕሪ፡ ኣብ መጠረስትኡ ድማ ንሰ.ዲ.ህ.ኤ. (ሕብረት ሰለስተ ውድባት) ኣብ ምምስራት ዓቢ ግደ ነይሩዎ'ዩ" ይብል ደጊጋ። "እዚ ክብል ከሎኹ ግን ሓጺር ጸብጻብ ድኣ'የ ዘቕርብ ዘሎኹ'ምበር ኢብራሂም ኣብ ብዙሓት ሸነኻት ሰውራ ኤርትራ ዝተጻወቶ ተራ በዚኦም ጥራይ ክግለጽ ፍትሓዊ ኣይኰነን" ኢሉ ወሰኸሉ።

መጽሓፍ ኢብራሂም

ምንጪ ስእሊ,D.M

ሓጺር ገምጋም መጽሓፉ

ኢብራሂም ነታ "ጕዕዞ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ" ዘርእስታ፡ ብ ነሓሰ 2009 ብቋንቋ ዓረብኛ ዘቕረባ፡ ብሓምለ 2019 ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመት መጽሓፉ፡ ንኹሉ ሕልኽልኻት ሰውራ ኤርትራ እትገልጽ መጽሓፍ'ያ።

ንኣጀማምራ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ብመሪሕነት መሓመድ ስዒድ ናውድ)፡ ስዒቡ ኸኣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ብመሪሕነት ኢድሪስ መሓመድ ኣደም) ንምርዳእ፣ ብዛዕባ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ብከመይን ብመንን ከም እተመስረተ፣ ኣሉታዊ ዉጽኢት ስርዓት ወተሃደራዊ ክፍልታት፣ ብዛዕባ ጉባኤ ኣዶብሓን ዉጽኢቱን፣ ዉግእ ሓድሕድ፣ ንዕርቂ ዉድባት ዝተኻየዱ ጻዕርታት ... ወዘተ. ብተርታ ኣቕሪቡዎም ኣሎ።

እቲ ሓተታ ቀጺሉ እቶም ዝሰዓቡ ምፍንጫላት፡ ዉጽኢታት 1ይን 2ይን ሃገራዊ ውድባት፣ ዉሽጣዊ ኵነታት ተ.ሓ.ኤ.፣ ብ1974 ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ መፈንቅለ መንግስትን ሳዕቤናቱን፣ ኣብ ኤርትራ ብደርጊ ዝተኻየዱ ወራራት፣ ውግእ ሓድሕድ መሊሱ ክባራዕ፡ ኣብ መጠረስታኡ ድማ ብ1980-1981 ምስ ሻዕብያ ዝተኻየደ ግጥም፣ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ሱዳን ምእታውን እቶም ስዒቦም ዝመጹ ዕልዋታትን ምንባብ ዜሕዝኑ ፍጻሜታት ከም ዝነበሩ ንኣባቢ ይገሃድሉ።

ኢብራሂም ዘቐረቦ መጽሓፍ ንተመራመርቲ ታሪኽ ኤርትራ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣብርክቶ'ዩ። ንኤርትራ ዝተኸፍለ ዋጋ፡ ዝተሰግሩ ዕንቅፋታት፡ ኣብ ሓድሕድ ዉግኣት ዜብጽሑ ጠንቅታት፡ ንቃልሲ ዘዳኸሙ ዉዲታት፡ ጌና ዘይሓወዩ በሰላታት ምንባብ እቶም ዜሕዝኑ ሸናኻት ታሪኽ ኤርትራ ምዃኖም ኣርእዩና ኣሎ።

Source=ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ፡ ዕምሩ-ምሉእ ኣብ ገድልን ስደትን ዘሕለፈ ኤርትራዊ - BBC News ትግርኛ

Last modified on Sunday, 30 May 2021 22:40