Print this page

ንኤርትራ ኢልና ኢና እንገብሮ

2021-03-03 08:47:10 Written by  ኣሰፋው በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1554 times
Rate this item
(0 votes)

ካልኣይ ክፋል

ብመሰረቱ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ዝፍጽሞ ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ካልእ ህዝቢ ዝፍጽሞ ዘሎ ብምዃኑ እንተዘይ ሓዱሽና፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት እናፈጸሞ ዝጸንሐ ኢዩ። ንዉልቀ መላኺ ኢሰያስ ግፍዒ፡ ቅትለትን ምብስባስን መለለይታት ናይ ኣመራርሕኡ ኢየን። ኤርትራ ንስልጣኑ ጸቢባቶ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ስለ ዝወሓዶ  ህርፋን ስልጣኑ ንምርዋይ ኢዩ፡ ናይ ምስፍሕፋሕ መደባቱ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኢሉ ኢዩ ነዚ ወራርዚ ኣትይዎ። ከምቲ ገለ ኤርትራውያን  ተመጻደቕቲ ዝብልዎ እዚ ኢሰያስ ኣካይድዎ ዘሎ ወራር ምስ ጉዳይ  ኣብ ዶባት ዝርከብ መሬት ኤርትራ ምምላስ ዝተሓሓዝ ኣይኮነን።

ኢሰያስ ሕቶ ዶብ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ቃልሲ ይኹን ድሕሪ ናጽነት ከም ጉዳይ ርእይዎ ኣይፈልጥን። “ንዶብ ትርጉም ናብ ዘይብሉ ብርኪ ክንሰጋገር ኢና” ኢሉ ዝምድር ዝነበረ ሰብኣይ ኢዩ። ነዚ እምነትዚ ውን ኣይተዓጸፈሉን። መመሊሱ ድኣ የሐድሶ ኣሎ'ምበር። “ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ ኢዩ። ክልተ ህዝቢ ዝብሎ ነቲ ሓቅን ታሪኽን ዘይፈልጥ ጥራይ ኢዩ” ብማለት ደጊሙ ደጋጊሙ ብምግላጽ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎ እምነት ኣርእዩና ኢዩ።

ኢሰያስ ነዚ እምነትዚ ኣብ ባይታ ንምትርጓም ይዋሳእ ኣሎ። ነዚ መደብዚ ንምትግባር መሳርሕቱን ዓንቀፍቱን ከላሊ ግድን ስለዝኾነ ድማ ነዚ ኣነጺሩ ይጓዓዝ ኣሎ። ኣብዚ ጉዕዞዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ካልኦት  ኣሃዳዊ ስርዓት ኣብ ኢትዮጵያ ክትከል ዝደልዩ፡ ብቐንዱ ከኣ ብሔረ ኣምሓራ መቃልስቱን ፈተውቱን ኮይኖም ኣለዉ። ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዕንቅፋት ናይ መደባቱ ስለዝኾነ ከም ክድምሰስ ዘለዎ ሓይሊ ወሲድዎ ዘሎ ኢዩ። ኣብ ትግራይ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ፡ እቲ ቀዳማይ ሸነኹ፡ ብኣቢይ ዝወጸ ኢትዮጵያዊ መደብ ሒዙ ኣሎ። እቲ ካልኣይ ሸነኹ ድማ፡ ብኢሰያስ ዝወጸ ኤርትራዊ መደብ ሓቚፉ ዝኸይድ ዘሎ ኢዩ። 

ኩሉ ከምዝርድኦ፡ ኢሰያስ ብዝኽተሎ ፖሊሲ ኣመራርሓ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ክረአ ዝኽእል ምዕባለ ኣይተረኽበን። እኳ ደኣ ኢሰያስ ባዕሉ ከምዝብሎ፡ እቲ ቅድም ዝነበረ ምዕባለታት ሎሚ ከምዘየለን ከምዝፈረሰን ሃገር ንድሕሪት ከምዝተመልሰትን፡ ኣብ ቃለ ምልልሱ ነዚ ክብል ኢዩ ተሰሚዑ "ናይ ቀይሕ ባሕሪ ሉል ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ምጽዋዕ ሎሚ የላን፡ ዝነበረ ፋብሪካታት እንዳ ዓለባ፡ እንዳ ጥርሙዝን ካልኦትን ኩሉ በሪሱ ኢዩ የሎን።" ኢትዮጵያ ተሳዒራ ካብ ኤርትራ ክትውጽእ ከላ ኣብ 1991 እዚ ኣብያተ-ስራሕ ኣብ ደሓን ኩነታት ኢዩ ነይሩ። ኤርትራ ዘይምዕብልትን ዘይቅስንትን ሃገር ኮይና ክትነብር፡ ብዲክታቶር ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኮነ ኢሉ ዝተታሕዘ መደብ ኢዩ። ከምቲ ኣብ ኣርብዓታት ምዕራባውያን ገዛእቲ ኤርትራ ብነብሳ ክትነብር ዘይትኽእል ድኻ ሃገር ኢያ፡ ምስ ካልእ ተጸጊዓ ክትከይድ ኣለዋ ብማለት ንናጽነታ ዝጻብእዎ ዝነበሩ፡ ኢሰያስ ውን ኤርትራ ብዘይ ምጽጋዕ ምስ ኢትይጵያ ክትነብር ኣይትኽእልን ዘብል ኩነት እናፈጠረ ኢዩ ክመጽእ ጸኒሑ። ብዘይ ሃገር ዝምርሓሉ   ብዘይ መላእ ተሳትፎ ህዝብን ብዘይ ናይ ግዳም ምትሕግጋዝን ክረጋገጽ ዝኽእል ዕቤት ኣብ ዝኾነት ሃገር ኣይተራእየን።  ኢሰያስ ኣፈወርቂ ነዚ ሓቂ'ዚ ኪሒዱ ኢዩ ሃገር እመርሕ ኣሎኹ ዝብል ዘሎ። ህዝቢ ኩሉ ጸጋታቱ፡ ዓቕምታቱ፡ ንብረቱን ፍልጠቱን ኣውፊሩ ዝዋስኣሉ ሰርዓት ከይተፈጥረ፡ ኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና ኢሉ ዝጀሃረሉ ዝንበረ፡ ብመጽናዕቲ ዘይተሰነየ  ጃህራ  ምልካዊ ስርዓት ከንቱ ምንባሩ ኣመስኪሩ ኢዩ።

ኢሰያስ ባዕሉ ንዝደቖሳ ሃገር ምስምስ ከቕርበሉ ስለዝደለየ ግን ናይ ኩሉ ሓጥያትን ተሓታትነትን  ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣሰኪሚዎም።  ከምቲ “ብዓለም ዝተገብረልና እገዳ ስጒሚ ከኺደና ኣይከኣለን፡ ሃገርና ክንሃንጽ ኣይከኣልናን” ዝብሎ ዝነበረ፡ ሕጂ እገዳ ምስ ተላዕለሉ ድማ፡  ህወሓት ስጒሚ ከኺዱና ኣይከኣሉን ዓንቂፎምና ይብል ኣሎ። ብዓይኒ ኢሰያስ ኣብ ኤርትራ ምዕባለ ዝመጽእ ወያነ ምስ ዝጠፍኡ ጥራይ ኢዩ ዝብል ዘሎ። እቲ ሓቂ ግን ምዕባለ ናይ ኤርትራ ዝመጽእ ብዓቕሚ ህዝባን ዝወሃቦ ኣመራርሓን ኢዩ። እቲ ሓቂ እዚ ክነሱ፡ ኢሰያስ ግን ክፈልጦን ክጥቀመሉን ኣይደለየን። ወያነ፡ ማእከላይ መንግስቲ ኢዮጵያ ይመርሕሉ ኣብ  ዝነበሩ እዋን ዕንቅፋት እንተነይሮም ውን፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብዝተኻየደ ናይ ለውጢ ቃልሲ ደረቶም ሒዞም ኢዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ሽግር መፍትሒ ኢሉ ንዝኣመሞ ኢሰያስ ካብ ተቐበሎ ነዚ መስርሕዚ ምኽታል ኢዩ እቲ ዝግባእ ዝነበረ። ኢሰያስ ገጽ ናይ ወያነ ከይረኣየ ጉዳይ ክልተ ሃገራት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ክፈትሕ ዝኽእለሉ መንገዲ ኔርዎ ኢዩ። ሽግራት ክልተ ሃገራት ብቅደም ተኸተል ተሰሪዑ ክፍታሕ ኔርዎ። እቲ ቀዳማይ ዝስራዕ ሽግር ድማ እቲ ከም ምኽኒያት ንዕስራ ዓመታት ኣብ ኩነታት ኣይሰላም ኣይውግእ ዘጽንሐ ጉዳይ ዶብ ክልተ ሃገራት ክፍታሕ ይግባእ ነይሩ። ነዚ ኸኣ መንግስቲ ኤርትራን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝፈትሕዎ ኢዩ ነይሩ። እቲ ክተሓዝ ዝነበሮ መንገዲ እዚ ነይሩ ክነሱ  ክልተ መራሕቲ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ግና ንክልተ ህዝብታትን መንግስታዊ ትካላትን ግሉጽ ብዘይኮነ መንገዲ ንክልተ ሃገራት ዝምልከት ጉዳያት በይኖም ክኸድዎ ተራእዮም። እቲ ቀንዲ መጀመሪ ናይ ምዕራይ ዝምድና ክልተ ሃገራት፡ እቲ ጠንቂ ናይ ሽግራተን ዝነበረ ጉዳይ ዶብ ምፍታሕ ክኸውን'ዩ እቲ ባህርያዊ ዝነበረ። እንተኾነ ግን ክልቲኦም መራሕቲ መንግስታት ነዚ ጎስዮም ካልእ ኣጀንዳ ኢዮም ሒዞም። ኣጀንዳኦም ከኣ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዞባና ሓይሎም ዝወጽሉ መደብ ኢዩ ነይሩ። ነዚ ንምትግባር ክኽእሉ ድማ፡ ነቲ ህወሓት ዝመርሖ ኢህወድግ  ብዝኽተሎ ዓለመ-ርእይቶ ተመሪሑ ዝኸይድ ዝነበረ ስርዓት ኢትዮጵያ ከፍርስዎ ኣለዎም።  ክልቲኦም ኢሰያስን ኣቢይን ከካብ መንቀሊኦም ተበጊሶም ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ንምጥፋእ ሓደ ኮይኖም ክሰርሑ ካብ መጀመርታ ዝተራኸብሉ ግዜ ኢዮም ተበጊሶም።

ዉልቀ መላኺ መራሒ ስርዓት ኤርትራ ዝኾነ ኢሰያስ፡ ብዝተፈላለየ እሙን ናይ ሓበሬታ ምንጭታት ይስማዕ ከምዘሎ፡ ወረራኡ ኣንጻር እቶም ንዓመታት ሕነ ስዕረቱ ክፈዲ፡ ስኑ ነኺስሎም ዝጸንሑ መራሕቲ ህወሓት ጥራይ ኣይኮኑን። ቀንዲ ከም ዕላማ ዝወሰዶ ንምዕባለ ትግራይ ኣዕኒዩ ማዕረ እታ ዝመርሓ ዘሎ ኤርትራ ድቑስቲ ክልል ንምግባራ ኢዩ። ጽልኡ ምስ መራሕቲ ወያነ እንተኔሩ፡ ገበን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምቕታልን ምብስባስን ምክያድ ደኣ እንታይ ኣምጸኦ?   ህዝቢ ሰሪሑ ዝጥቀመሉ ፋብሪካታት፡ ዝግልገለሉ ሆስፒታላትን ዝነብረሉ ህንጻታትን ከዕኑ ዓቢ ገበን  ኢዩ።

ከም ኢርትራውያን፡ እዚ ብሰራዊት ኢርትራ ዝፍጸም ዘሎ ተግባራት፡ ኣብ ልዕሊ ጎረቤትና፡ ዓንጋልን ኣዕቋብን  ዝተሰደዱ ኤርትራውያን ዝኾነ ህዝቢ ዝፍጽምዎ ዘሎ ስለ ዝኾነ   ከሕመናን ክቐንዝወናን ይግባእ። ነቲ በቲ ከነልግሶ እንቃለሶ ዘሎና ጨካን ስርዓት ኢሰያስ ዝፍጸም ዘሎ ተግባራት ክንቃወሞን ክንምክቶን ይግባኣና። ቅኑዕ መርገጽ ምስ መን ይሰርዓና ብዘየገድስ፡ ብስንኩፍ ኣተሓሳስባ ከይተደናገርና ኣንጻር ገበንን ግፍዕን ጠጠው ክንብል ኣሎና። ሎሚ ወይ ልክዕ ከምቶም ሰዓብቲ ህግደፍ ምስቲ ስራሓት ዘይቅዱስ ምሕዝነት ኢሰያስን ኣቢይን ጠጠው ምባል ኢዩ። ወይ ውን ምስቶም ኣብ ዓለም ስለ ፍትሒ ዝቃለሱ ዘለዉ  ምስቲ ዝብደል ዘሎ ህዝቢ ትግራይ  ምስላፍ  ኢዩ።

እቲ ቀንዲ ንዓና ዝምልከት እምበኣር ኢሳያስ ኣብ ዘይምልከቶ ብምእታው ንዝጸንሐ ስቓይ ህዝብና የጋድዶ ስለዘሎ እዩ። ነታ ኣብ ክሳዱ  ኣጻዊድናያ ዝጸናሕና መሸንቆቓ  ዶብ ሰጊሩ ዝያዳ እትጸበሉ ጨካን ተግባራት የካይድ ኣሎ። ምስዞም ንገበነኛታት ኣቢይን ኢሰያስን ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ንምቕራብ ዝጽዕሩ ዘለዉ ሓቢርና ንቃለስ። ነዛ መቕተሊቱ ዝኾነት መሸንቆቓ ብምስሓብ፡  ኣጽቢብና ትንፋሱ ነሕልፎ። እዚ እንገብሮ ድማ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ  ሓሊና ኣይኮነን።    ምእንቲ ኤርትራን  ህዝባን  ኢልና ኢና  እንገብሮ።

ይቕጽል

                                                

Last modified on Wednesday, 03 March 2021 09:51