Print this page

“እስኪ ጸሓይ ይብረቕ ማይ ይዛሪ ….”

2020-09-23 18:42:19 Written by  ደበሳይ በየነ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1628 times
Rate this item
(0 votes)

“እስኪ ጸሓይ ይብረቕ ማይ ይዛሪ፡ ፈታውን ጸላእን ከነለሊ” ዝብል ኣበሃህላ፡ ኣብ ኤርትራዊ ባህልና ነባርን መሳጥን እዩ። እዚ ኣበሃህላ ዓሚቕ ትርጉም ዘለዎ እዩ። በቲ ግሉጽ ትርጉሙ፡ ናይ ክረምቲ ሓያልን ዘፍርሕን  ዝናብ፡ በረድ፡ ውሕጅ፡ በርቂ፡ ነጐዳን ህቦብላን ግዜ ይሕለፍ እሞ ደሓር ኣብ ግዜ ራህዋን ብርሃንን ብሰላም የራኽበና ዝብል መልእኽቲ የመሓላልፍ። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ንምዝራብ፡ ንምምዛንን ንምውሳንን ዘኽእል ጥጡሕ ግዜን ኩነታትን ምጽባይ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘመልክት መንፈስ ዘለዎ ኣርሒቑ ዝጥምት እዩ።

ኣብ ኤርትራ  ክረምቲ፡ ቀውዒ፡ ሓጋይን ጽድያን እንብሎም ክፋላት ዓመት ኣለዉና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዞም ክፋላት ዓመት እነንጸባርቖም ማእቶታውን ባህላውን ትግባራት ከኣ ኣለዉና። ሕጂ ናብቲ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ካብ ዝዝውተር ባህላዊ ትሕዝቶ ኢና ከነተኩር።  እዞም ዝዝውተሩ ባህላዊ ፍጻመታት በቲ ሃገርና እትውንኖ ናይ ባህሊ፡ ሃይማኖት፡ መሬታዊ ኣቀማምጣን ካልእ  ብዙሕነትን ዝጽለዉ ምዃኖም ርዱእ እዩ። ስለዚ እዚ ነቕርቦ ዘለና ንኤርትራ ብዝምልከት ምሉእነት ዘለዎ ዘይኮነ፡ ንዝተወሰነ ከባቢ ዝውክል ምዃኑ ኣብ ግምት ክኣትዉ ነዘኻኽር። ነዚ ኣብ ዝምልከት በብኹርናዑ ዝመጽእ ባህላዊ ዳህሳሳት ተደሚሩ ኤርትራዊ ምሉእነት ክህልዎ ከም ዝኽእል ርዱእ’ዩ።

ምስዚ ኩሉ ናብ ባህላዊ ነጸብራቕ ሎሚ ቅነ ኣባ ኣብርሃም፡ ቅዱስ ዮሃንስን መስቀልን ነድህብ። ኣብ ሓያሎ ከባብታት ኤርትራ ሸግ ኣዳሊኻ ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ “ሆየሆየ” ይበሃል። እቲ ሆየሆየ ዝበሃለሉ 1ይ  ኣባ ኣብርሃም፡ እቲ 2ይ ቅዱስ ዮሃንስ እቲ 3ይን መወዳእታን ድማ መስቀል እዩ። እዞም ሰለስተ  ባህላዊ  ኣጋጣምታት ነብሲ ወከፎም ዝንጸባረቕሎምን ዝደምቅሎምን ባህላዊ ግጥምታትን ዜማታትን ኣለዉዎም። ካብቶም ዝውቱራት ግጥምታት ሓደሓደ ንኣብነት  ክንጠቅስ እንከለና ነዞም ግጥምታት ብዜማ ኣመቂርካ ኣብ ምቕራብ፡ ኩሎም መንእሰይያትኳ ግደ እንተለዎም፡ ግደ ኣሓትና ደቂ ኣንስትዮ ግና ኣዝዩ ዕዙዝ ምዃኑ ግንዛበ ክረክብ ዝግበኦ እዩ። እቲ ካልእ እዚ ባህላዊ ቅነ ምርዑዋት ይኹና ዘይተመርዓዋ ደቂ ኣንስትዮ ወቂበን ካብ ገዛ ወጺአን ምስ ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ ናይ ምጽዋት ካብ ወለደን ፈቓድ ዝረኽባሉ ግዜ ምዃኑ እዩ።

ኣብ ድሮ ኣባ  ኣብርሃም ማለት ምሸት  2 መስከረም፡ መንእሰያት መምስ ዕድመኦም ዝመጣጠን ሽግ ሒዞም፡ ብሓባር ኣብ ማእከላይ ቅርዓት ዓዶም ተራኺቦም ናብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት እንዳዘሩ ብስራት ዘስምዕሉን ምልክት ብርሃን ዘርእይሉን እዩ። ነበርቲ ሓንቲ ዓዲ ከኣ ብርሃን ከይረኣዩ ንዘይምድቃስ እቶም ሽግ ዝሓዙ ብኸባብኦም ክሳብ ዝሓልፉ ይጽበይዎም። ኣደታት ኣብ ዘዝበጽሕዎ ብዕልልታን ሓጐሰን ይቕበለኦም። እቶም ሰብ ሽግ መንእሰያት ኣብዚ ዑደቶም፡ “ኣባ ኣብርሃም ጢጡ ክጐዪ ጠሪጡ፡ ኣባ ኣብርሃም ዓጓ ክጐዪ ተጐጓ፡ ኣጆኽን ኣንስቲ ጸዕዳ ጣፍ ለወስቲ፡ ኣጀኹም ጓሶተ ባልደንጓ ሸወተ፡ ኣጆኹም ቆልዑ ባልደንጓ ጨልቂዑ” ዝብሉ ግጥምታት ብዝተመርጸ ከራሪ እንዳተምርሑ ይቕበሉ። እቶም ንኹሉ ናይ ክረምቲ ዝናብን ቁርን ክኢሎም ሽጎም ኣብሪሆም ዝዞሩ መንእሰያት ነቶም ኣብዚ ኣጋጣሚ ዘይተሳተፉ መንእሰያት መሳትኦም “ሆየ ዘይበለ ካብና ይፈለ፡ ሆየ ዘይበሉ ዓመት ይማህለሉ፡ ውሰን ወሰን እገለየ ነዲኡ ዘላውሰን፡ እቶን እቶን እገለየ ነዲኡ ዘጋዕተን” እናበሉ ይነቕፉዎም። ንገዛእ ርእሶም ከኣ “ሆየ ዝበልና ዓመት ይዕቆረና” እናበሉ ይመጓጐሱ። ምስቶም ኣብ ጐደብኦም ዓዲ ዘለዉ መንእሰያት ንምውድዳር ከኣ፡ “ኣንታ በልዓ ማዕዶ እሞ ነዓያንዶ- ብሽመል ጠጠዓሎ ክንተዓላሎ፡ እታ በዓል ታህሰስ-እሞ ነዓያንዶ ክንኰላሰስ” እንዳበሉ የላኻ ይብልዎም።

ደቂ ኣንስትዮ ነቶም ዑደቶም ወዲኦም፡ ናብቲ ጓይላ ዝሕደሮ  ቅርዓት ክመጹ ክጽበየኦም ዝጸንሓ ኣሕዋተን ንምንኣድን ምትብባዕን፡  በቲ መሳኹቲ ሰማይ ዝኸፍት መሳጢ ዜማአን፡ “ዝለል ኮታ ዝለል ኮታ-ፍልሖ ኣለዎ ባይታ፡ ሰስኑ ሰስኑ  ሽሕን ዋልታን ኩኑ-ወያ ዛዓድና ከይኣትዋ ጓና” ይብላኦም። እዚ ሽግ ኣብሪህካ  እናዞርካ ዝግበር ብስራት ምስ ተፈጸመ፡ ካብኡ ንደሓር በቲ ዝተረፈ ሽግ ሓዊ ተኣጒዱ ኣብ ዙርያቲ መጋርያ ብመሪሕነት ብመንእሰያት ኣፍልጦ ዝተዋህቦን ሳዕሳዒትን ምውቃዕ ከበሮን ብማዕረ ዘባጽሕን ኣባጓይላ እንዳተመርሓ ብባህላዊ ናይ ሙዚቃ መሳርሒን ጣቓዒትን ዝደመቐ ጓይላ ሂር ክብል ይሓድር።

ኣብ ቅዱስ ዮሃንስ ድሮ 11 መስከረም፡ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብቲ ልሙድ ቅርዓት ይእከቡ። እቶም ነቲ ጉዳይ ዘወሃህዱ ኣባጽሕ እኹል መንእሰይ መምስ ሽጉ ተኣኪቡ ኣብ ዝበልሉ ሸጋት ኣብሪሆም ከምቲ ናይ ኣባ ኣብርሃም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓዶም ሽግ ዘለዎን ዘየብሉን ንእሽቶን ዓብይን ተዛኒቖም ርሕቀቱ ብዝተመጠነ መስርዕ  ምንቅስቓስ ይጅምሩ። ኣብቲ ጉዕዘኦም እቲ ልሙድ “ሆየሆየ” ምባል ኮይኑ “ቅዱስ ዮሃንሰ ደሓን ተመለሰ፡ ሆየ ዝበልና ዓመት ይዕቈረና” ዝብል ግጥምታት መሪሕ ቦታ ይሕዝ። ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ቅድም ነቶም መንእሰያት ናብ ዑደት ከፋንወኦም እንከለዋን ደሓር ከኣ ዑደቶም ወዲኦም ናብቲ ልሙድ ማእከላይ ቅርዓት ክቕበለኦም እነከለዋን “ዮሃንሰይ መስቀለይ ጥቓጥቓ ሃበኒ ሽቶለይ ክዕጠቓ፡ ዮሃንሰይ ቅዱሰይ ምሓርዋ ንነብሰይ፡ ሕዮባ መሲለየ ሕዮባ ከምስላና፡ ቅዱስ ዮሃንሰይ ወለባ ሰኲዐ ኣብ ርእሰይ” ዝብሉ መሰጥቲ ዜማታት የዚማ። ድሕሪዚ  ጓይላ ምስ ሓደረ፡ ወጋሕታ ኩሎም መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ናብ ሩባ ወሪዶም  በበይኖም ናይ ምሕረትን ንጽህናን ምዃኑ ዝእመነሉ ማይ ይሕጸቡ። ክኢላታት ደቂ ተባዕትዮ ከኣ ይሕንብሱ። ኣብዚ ወጋሕታ ዘይተሓጽበ ሰብ ዋላ ቀትሪ ኣብዛ ዕለት ክሕጸብ ናይ ግድን እዩ።

መስቀል ኣብ ድሮ 27 መስከረም ከምቲ ናይ ኣባ ኣብርሃምን ቅዱስ ዮሃንስን መንእሰያት ሽጋቶም ሒዞም ኣብቲ መራኸቢ ቅርዓት ይእከቡ። እቲ ቁጽሪ እንተውሒዱ እሞ እቶም ዝደንጐዩ ምእንቲ ክመጽዎም፡ ብዝተፈላለየ ባህላዊ ግጥምታት ይጽውዕዎም። ግዜ ምስ ኣኸለ ከኣ እቲ ልሙድ ሽግ ኣብሪህካ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ቁሸትካ ናይ መስቀል ብራቕ መበሰሪ ዑደት ይቕጽል። ዑደቶም ወዲኦም ናብቲ ልሙድ ቅርዓት ክበጽሑ እንከለዉ ዝቕበለኦምን ኣብቲ ጓይላ ሓቢረን ዝሓድራን ደቂ ኣንስትዮ ከኣ፡ “ ንመስቀለይ ንመስቀለይ ድርብ ከበሮ ሓዛለይ፡ መስቀለይ ከይዳከይዳ ሕዛለይ ብኽሳዳ፡ ኣይኮነንዶ ንመስቀል ንወለሎ ንሰብኳ ዝዕለሎ” ይብላ። እቶም ደቂ ተባዕትዮ ከኣ ብናይ ሓባር ናይ ኢድን እግርን ህርመት “ዓመት ናብ ዓመቴ ይዕቆረና” እንዳበሉ የድምቑለን። ድሕሪ እዚ መንእሰያት ጓይላ ምስ ሓደሩ፡ ንግሆ ነናብ ገዝኦም ተመሊሶም፡ ኣቐዲሙ ነቲ ጉዳይ ዝተዳለወ ሽግ ኣብሪሆም ኣብ ጐረባብቶም ገዛገዛ እናኣተዉ “ዓኾዃይ ዓኾዃይ፡ ብርሃን ገዳይ መስቀል ገዳይ፡ ቁራዕ ሓምሊ ይውጻእ ቁራዕ ጥጥቖ ዕፉን ይእቶ፡ ትዃን ይውጻእ ቁንጪ ይእቶ” እናበሉ ክረምቲ ዛርዩ ጸሓይ ከም ዝወጸን ፍርያት ሓረስታይ ከምዘርከበን የበስሩ። ኣብ መንእሰያት መን ቀዲሙ ዓኾዃይ በለ ውድድር ኣሎ። ሰባት ከኣ ነቲ ንዓዀዃይ ዝበርሀ ሽግ ደሓር ኣብ መሬት ምስተጋደመ፡ ሰለስተ ግዜ እንዳተሳገሩ “ዓመት ናብ ዓመት ይዕቆረና፡ ንዓመታ ከምዚ እዋን  ብሕቡርናን ብስሙርናን የጽነሓና” ብዝብል ሰናይ ትምኒቶም ይገልጹ። ድሕሪዚ ናይ ዝተፈላለየ ዘራእቲ ሸዊት ምብላዕ ከም ዝከኣል ብዓበይቲ ይብሰር። እዚ ካብ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ ዝጠቐስናዮ ግጥምታት ናይ ኣባ ኣብርሃም፡ ቅዱስ ዮሃንስን መስቀልን ተባሂሉ ዝሕዛእ ዘይኮነ ዝወራረስን ኣብ ኩሉ ክዝውተር ዝከኣልን እዩ።

ኣብዚ ከይተጠቐሰ ዘይሕለፍ፡ ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚ ዮሃንሰን መስቀለን ኣብ ግዜ በዓላት ማርያ፡ ድሕሪ 22 ነሃሰ ዘሎ ሰሙን “ኣሽንዳ” ዝብላሉ ባህላዊ ኣጋጣሚ ምህላዉ እዩ። እቲ ናይ ኣሽንዳ ስርዓት፡ ኣተገባብራኡን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ምድላዋትን ምስዚ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይን ምስ ትግራይ ኣብ ዘራኽብ ከባብታት ኣምሓራን ዝዝውተር ዝመሳሰል እዩ። ኣብዚ ናይ ኣሽንዳጋ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ “ኣሽንዳ ወዲዓደይ-ብበራውዶ ክሳብራ ዛኢደይ፡ ኣሽንዳብየ ኣይጉልንድየ ክጻወት እየ” ዝብሉ ዜማታት የዘውትራ። ኣሽንዳ ኣብዚ እዋንዚ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ኣዝዩ ማዕቢሉ ናይ በጻሕቲ ሃገር ሓያል መስሓቢ ኮይኑ፡ ኣብ ዩኒስኮ (ኣብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ባህልን ትምህርትን) ክምዝገብ ኣብ ዝቀራረበሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ግና ባህላዊ ትሕዝቶኡ ከይሰሓተ ዘበራብሮ  ስኢኑ ከም ዘይነበረ ሃሲሱ ክተርፍ እንከሎ  ዘሕዝን እዩ።

Last modified on Wednesday, 23 September 2020 20:44