ተኸታታሊ ዘይሕለል፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

2020-08-16 08:17:12 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1549 times

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ንግሆኡ ንናይ ርሑቕ ባዕዳውያን ወረርቲ ኮነ፡ ቅድሚኡ ንዝነበሩ መስፍናውያን ዓመጽቲ ሓንጐፋይ ኢሉ ኣይፈልጥን እዩ። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ኣንጻሮም ተቓሊሱ። ኣብቲ እዋንቲ ዓቕሙ ውሱን ብምንባሩ፡ ቃልሱ ኣንጻር ወጻዕቱን ወረርቱን በሪኽ ስለ ዘይንበረ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንወረርትን ወጻዕትን ኣሜን ኢሉ ከም ዝተቐበሎም ገይሮም ዝወስዱ ግሩሃት ሓሓሊፎም ይስምዑ እዮም። ካብዚ ስንኩፍ መደምዳምታኦም ነቒሎም ኣንጻር ልኡላውነት ሃገርና ክሽፍጡ ዝደልዩ’ውን ኣይተሳእኑን። ሕሉፍ ሓሊፎም ህዝቢ ኤርትራ ብገዛእቱ ዝተሰንዐ እምበር ናቱ ኤርትራዊ ባህልን መንነትን ኣይነበሮን ዝብሉ እውን ኣለዉ። ፕሮፈሶር መድሃኔ ታደሰ፡ “ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ናይቲ ጐንጺ መበገስን መወዳእትኡን” ብዝብል ብ2000 ብኣምሓርኛ ኣብ ዘሕተምዎ መጽሓፍ “ ኤርትራዊ ብሄርተኝነትን፡ ምስኡ ዝተሓሓዝ መንነትን፡ ስርዓት ደርጊ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ ውግእ ምምካት ንከኽእል ኢልካ፡ ደሓር ዝተፈጥረ ተረኽቦ እዩ።” ብዝብል ዘስፈርዎ ኤርትራዊ ሃገርነትን መንነትን  ንምቁንጻብ ናይ ዝግበር ፈተነ ኣብነት እዩ።

እቲ መግዛእታዊ ግዜ እንዳነወሐ፡ እቲ ወጽዓ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንነቱን እንዳመረረ ምስ ከደ፡ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ብኣኡ ደረጃ እንድጐለሐ ከም ዝኸደ ርዱእ እዩ። ብፍላይ ድሕሪ ስዕረት ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ከም ሃገር ልኡላውነታ ዓቂባ ናይ ምቕጻል መሰላ ከም ዝተገፈ ምስተጋህደ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ናይ ርሑቕን ቀረባን ወጻዕቱን ጓዕጸጽቱን ዘካየዶ ቃልሲ ዝያዳ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ መድረኻት በሪኹ ተራእዩ። ብፍላይ እቲ ካብ ኣጀማምራኡ፡ ንድሌትን ድምጽን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘየእተወ፡ ብናይ ቀረባን ርሑቕን ውዲታት ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ቆሪንካ ንናጽነት ኤርትራን መሰል ህዝባን ንሓዋሩ ንምቕባሩ ዝተወጠነ ረፈረንዱም ምፍራሱ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ-ውሳነ ሰማይ ዓሪጉ።

እቲ ሽዑ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረ ክብደት ቃልሲ፡ ኣብ መዳያት ዲፕሎማስን ፖለቲካን ክረጋገጽ ከምዘይክእል ተነጺሩ፡ ብረታዊ ቃልሲ ከም ናይ ግድን ምርጫ ተወሲዱ ምስተበሰረ  ከኣ፡ እቲ በብመድረኹ ክካየድ ዝጸንሐ ተኸታታሊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝበለሐ ጥርዙ ሒዙ። እዚ መድረኽ  ብረታዊ ቃልሲ ምስ ኩሉቲ ኣብ ኣጀማምራኡ ዝነበሮ ወድዓውን በዓልቤታውን ሕጽረታት፡ ብዝሰፍሐ ደረጃ ንመላእ ኤርትራ ኣሳቲፉ። እቲ ጸላእቲ ብዙሕነቱ መዝሚዞም፡ ጸቢብ ዝንባለታት እንዳጻሕተሩ ከዳኽምዎ ተስፋ ኣሕዲረምሉ ዝነበሩ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ድማ መሊሱ ኣብ ዙርያ ተረድኦ ፍልልያዊ ሓድነት ተሪሩ። እቲ ንኤርትራ ገሊኡ ኣካላን ህዝባን ናብ ምዕራብ ዝተረፈ ድማ ናብ ደቡብ ገማሚዕካ ህልውነኣ ከም ሃገር ንምጥፋእ ዝነበረ ሃቐነ ኣበርዒኑ። ንብምልእታ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንምቑራና ዝተኻየደ ሸርሒ እውን ኣይተዓወተን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኢትዮጵያ ቅድም ኣብ ቀጻሊ ሕማም ርእሲ ዘውደቓ፡ ደሓር ከኣ ናይ ስዕረታ ተመኩሮ ኮይኑ ሓንሳብን ንሓዋሩን ተሰኒዱ።

ውጽኢት’ቲ ተኸታታሊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ በብእዋኑ ናብቶም ወረርቱ ኮነ ናብ ሕብረተሰብ ዓለም መልእኽታት ከመሓላልፍ ጸኒሑ እዩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ንድሕሪት ብዘይምለስ ብግብርን ብሕግን ናብ ምርግጋጽ ናጽን ልኡላዊትን ኤርትራ ዓሪጉ። ምስዚ ኩሉ ግና ሎሚ እውን ህዝቢ ኤርትራ ናብቲ ካብ በኹሪ ቃልሱ ጀሚሩ  ከረጋግጾ ዝተንሰኣሉ ሸቶ ኣይበጸሐን። ክሳብቲ ናብቲ ቅድም ዝኣመቶ  ሸቶኡ ዝበጽሕ፡ ተኸታታሊ ናይ ወለዶታት ቃልሱ ኮይኑ ክቕጽል ባህርያዊ ስለ ዝኾነ፡ እነሆ ሎሚ እውን እቲ መስርሕ ተኸታታሊ ናይ ለውጢ ቃልሲ ቀጺሉ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ስልጣን ዝሓዘ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነዚ ተኻታታሊ ቃልሲ ህዝብና ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነት ሃገር፡ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ቃልሲ ምእንቲ ህንጸት ሓዳስ ሃገርን ዕቤታን ከሰጋግሮ ሕድሪ ህዝብን ሰማእታትን ነይርዎ። እንተኾነ እዚ ጉጅለ እውን ካብቶም ተኻታተልቲ ህዝቢ ኤርትራ ክስዕሮም ዝጸንሐ ናይ ግዳም ገዛእትን ጨቆንትን ዝተፈልየ ድሌትን ባህርን ስለ ዘየርኣየ፡ እቲ ተኸታታሊ ቃልሲ በቲ ዝሓዞ ኣቕጣጫ ይቕጽል ኣሎ። ኣቶ ነጋሲ ጸጋይ ተኽለ ካብ ኔዘርላንድ ብ2010፡ ናብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ዝጸሓፎ ናይ “ኣይትተሃመሉ” መዘኻኸሪ፡ ዲክታቶር ኢሳይስ ኣፈወርቂ ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝኣተወሉ ቃሉ ክዓጽፍ እንከሎ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “እንታይ ማለት ኢዩ ደሞክራስያዊ  ምርጫ እናበልካ ዝግበር ናይ ምቑጽልጻል ዘረባ? እንታይ እዩ ቑንቑኛኡ? ንምንታይ ኣብ ሱዑድ ዓረብ፡ ሰሜ፡ ኮርያን ኩባን ምርጫ ዘይተኻየደ ኢሎምዶ ሓቲቶም ይፈልጡ ? ቅዋም ማለት እኮ ከም ዝኾነ ጽሑፍ ዝጸሓፍ ኢዩ።……..ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ  ቅጫ ኢዩ ዘድልዮ ዘሎ ደሞክራሲዶ ምርጫ መግቢ ክኾኖ ኣይክእልን ኢዩ።” ከም ዝበለ ኣስፊሩ። እዚ ከኣ እቲ ቅድም ኣንጻር ባዕዳውያን ኮነ፡ ሎሚ ኣንጻርቲ ዲክታቶርን ጉጅለኡን ዝካየድ ቃልሲ ከም ዝመሳሰል ዘርኢ እዩ።

ነዚ ተዓዚብካ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ንቃልሱ ዝምጥን ጻማ ዘይረኸበ ኣንጻር በብዋኑ ትሕዝቶኦም ዘይኮነ መልክዖም ዝቐያይሩ ገዛእትን ወጻዕትን ሓይልታት ኣብ ተኸታታሊ ቃልሲ ተጸሚዱ ከም ዝጸንሐን ከም ዘሎን ምርዳእ ይከኣል። ከምዚ ዝኣመሰለ ትንፋስ ዘይህብ ሰንሰለታዊ ቃልሲ ከም ዘድክምን ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ተጽዕኖ ከም ዘሕድርን ፍሉጥ እዩ። ቀንዲ ድሌት ወጻዕቲ ከኣ ንህዝቢ ኣዳኺምካ፡ ኣረብሪብካን ተስፋ ኣቑሪጽካን ድላይካ ምግባር እዩ፡ ብግብሪ እውን ኣብ ህግዲፋዊ ባይታ ዝረአ ዘሎ ከምኡ እዩ። እንተኾነ እቲ ዘሕብን እቲ ተጽዕኖ ኮነ ናይ ምድኻሙ ውዲት ንህዝቢ ኤርትራ ናብ “ኣላሽ በህልነት” ዘይኮነ፡ መመሊሱ ናብ “ሕራነን ተጻዋርነትን” ዝወስዶ ዘሎ ምዃኑ እዩ። ሕጂ እውን እቲ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ፡ መስርሕ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዘኽኣል ኤርትራዊ ኒሕን ሓቦን፡ ነዚ ዘለናሉ መድረኽ ብዝምጥን ኣገባብ ኣብ ቦታኡ ዘሎ እዩ። ኣብ ድሮ ምሕፋስ ዓወት ናይቲ ተኸታታሊ ቃልሱ ከም ዘሎ ከኣ ምልክታት ባዕሉ ይዛረብ ኣሎ።

Last modified on Sunday, 16 August 2020 10:21