ኤርትራ ናጻ ወጺኣ እምበር፡ ኣይተገንጸለትን

2020-06-14 09:45:22 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2296 times

ኤርትራ ሃገርና ብዘይካቲ ህዝባ ዘይደገፎ፡ ምስ ኢትዮጵያ ብኣስገዳድ ምጽንባራ፡ ንልዕሊ395 ዓመታት ዝኣክል ግዜ ሓደ ድሕሪቲ ሓደ ብተኸታታሊ  ብባዕዳዊ ገዛእቲ ተገዚኣ። እዚ ክዝርዘር ከሎ፡ ንግስነት ቱርካውያን  ኦቶማን  ካብ 1557 ጅሚሩ ክሳብ 1865: ድሒሩ ድማ ካዲፍ (ግብጻውያን)  ክሳብ 1882: ቀጺሉ ፋሽስቲ ጣልያን ክሳብ 1941: ኢጣልያ ብመንግስቲ ዓባይ ብርጣንያ (እንግሊዝ) ምስተሳዕረ ከኣ፥ እንግሊዝ ክሳብ 1952  እዩ። ድሕሪኡ ውዲታት ሓያላን መንግስታት ምስ ስርዓት ንግስነት ሃይለስላሴ ብምሽራውን፥ ብሸፈጥ ናይ ጽጥታን ርግኣትን ኣመኽንዮም ብዓንቀጽ (390) A/V  ብዘይ ፍታውን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ጓዕጺጾም ንኤርትራና ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ከምትቚረን ገበሩ።

ቅድሚ ናብቲ ናይ ድሕሪ ፈደረሽን ግዜ ምእታውና፡ እቲ ዝተገልጸ፡ ማለት መሬት ኤርትራ እዚ ሎሚ ዘሎ  ዲዩ ወይ ኣይኮነን ኢልካ ክትድምድሞ ኣይከኣልን ኢዩ። ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ገዛኢ ነናቱ ዘካይዶ ስምምዓትን ዉዕላትን ወይ ናተይ ኢሉ ዝሕዞ መሬት ካብ ሓደ መግዛእቲ ናብቲ ካልእ ንመግዛእቲ ስለዝፈላለ። ንኣብነት እዛ ሎሚ ኢትዮጵያ እትበሃል ዘላ ቅድሚ 3000 ዓመት ከምዚ ነይራ ኢሎም ዝዛረቡላ ሃገር፡ ኣብዚ ሎሚ ዘላቶ መሬት ኣይነበረትን። እንታይ ደኣ ክሳብ ስናር  ኣስፋሕፊሓ ተባሂሉ ዝዝንተወላ ታሪኽ ኣሎ። ሎሚ ግን ስናር ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ኣይኮነን ዘሎ። ስለዚ እቲ ዳግማዊ መነሊክ ምስ ጣልያን ዝተሰማምዑሉ ውዑል ንኤርትራ ካብ ትግራይ ዘይኮኑ ፈልዮማ፡ ነቶም ናብ ኤርትራ ዝኣትዉ ዓሌታት ኢዮም ፍልዮም ክበሃል ይከኣል። ብዝኾነ እዚ ንናይ ታሪኽ ተመራመርቲ ገዲፍና፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዘውዳዊ ስርዓት በስገዳድ  ናይ ሕቡራት ሃገራት ውሳነ ብምጥሓስ ተጸንቢራ ካብ 1962-ክሳብ 1991፡ ን29 ዓመታት ዝኣክል ተገዚኣ። እዚ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ መግዛእትታት ክድመር ከሎ ዳርጋ 424 ዓመታት  ኤርትራን ህዝባን ብመግዛእቲ ተሳቒዮም።

ኢትዮጵያ ንኤርትራ ካብዞም ዝተጠቕሱ ገዛእቲ ብዘይካ ሓንሳብ ምስ ቱርካውያንን ምስ ግብጻውያንን ገዛእቲ ኣብ ጉንደት፡ ጉራዕን ድባርዋን ዝገበርዎ ውግእ፡  ንኤርትራን ህዝባን ንምድሓን ይትረፍ ነታ ዓሰብ ናትና ኢያ ዝብልዋ ክከላኸሉ  ኢሎም ዘካየድዎ ውግእ ፈጺሙ የለን። እተን  ንገለ ጠቕሚ ወይ እውን ብእንግሊዛውያን ንናይ ዑስማን ድግና ንምውጋእ ክተሓባበሩ  ዘካየድወን ውግኣት  እምበር ንኤርትራ እውን ከም በዓል  ውቤ ፡ ራእሲ ኣሉላ ይኹን ካልኦት ከምታ ክሳብ ስናር ንገዝእ ነርና ዝብልዋ ግብሪ ክኸፍሉ እንተዘይኮይኑ ኣናሕስዮም ኣይፈልጡን። ግብጻውያን ተዳኺሞም ንመሬት ኤርትራ ክለቁ ከለዉ መሬት ንምውራስን  ምስ ጣልያን ዝገበርዎ ውግእ እውን ጣልያን ከስፋሕፍሕ ምስ ጀመረ ናይ ዓድዋ ውግእ ገጢሞም እምበር፡ ንጣልያን ካብ መሬት ኤርትራ ከውጽእዎ ፈጺሞም ኣይሓለምዎን። እዚ ዘመልክቶ እንተልዩ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ከምዘይነበረትን ንገዛእ ርእሱ እቲ ን394 ዓመታት ዝኣክል ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበረቶ ክከላኸሉላን ከናግፍዋን ዘይምድላዮምን ዓቢ ምስክር እዩ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ይኹን ምሁራት፡ ነተን ብፈደረሽን፡ ከምኡ እውን ሃይለስላሴ ነቲ ውዑል ፈደረሽን ፍሒቚ ብሓይሉ ንኤርትራ ከይፈተወት መበል 14  ጠቕላይ ግዝኣት ዝገበራ እምበር፡ ናይ ኢትዮጵያ ኢያ ኢሎም ከቕርብዎ  ዝኽእሉ መርትዖ ኣይነበረን።  ኤርትራውያን ብፍላይ እቶም ንምሉእ ናጽነት ኤርትራ ኢሎም ዝተወዳደቡ ዝበዝሑ እስላም፡ ኣብ ራቢጣ ኣልእስላምያ ዝወሓዱ ድማ ኣብተን ካልኦት ማሕበራት ከም ኤርትራ ንኤርትራውያን፥ ደሓር ቀጽሪ ናጽነት (blok independence)  ነበሩ። እቲ ን30 ዓመታት ዝተኻየደ መሪር ደማዊ ቃልሲ ብዓወት ህዝቢ ኤርትራ ተደምዲሙ። ከምቲ "ዘበን ውቤ ዝጸመምስ ውቤ ወቤ ክብል ይነብር" ዝብል ምስላ ኣበው፡ ዝበዝሐ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተማህረን ዘይተማህረን ብዘይካ “ኣፈደገ ባሕሪ ሲኢና” ምባል፡ ንህዝቢ ኤርትራ ወጺዒናዮ፡ ኣከላቢትናዮን ሃሲናዮን ኢሉ ዝዛረብ ኣይትሰምዕን ኢኻ። እቲ ኣዝዩ ዘስደምም ድማ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ነዚ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ምስኣን ጠንቂ ገይሮም ይስልበጥዋ። ወያኔ በቲ ቅኑዕ ኣፈታትሕ ናይ መሰል-ርእሰ ውሳኔ መሰረት ማዕልቦ ክግበረሉ ኣለዎ ካብ ዝብል ነቒሎም  ነቲ ዘይተርፍ ናጽነት ኤርትራ ብዕሊ ተቐቢሎሞ ኢዮም። ከምኡ እንተዘይገብሩ ነይርም ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክሳብ ሎሚ ኣብ ውግእ መነበረ።

ኢዮጵያውያን ምሁራት ቅኑዕ ፍርዲ ኣብ ክንዲ  ምሃብ ካብ ስምዒትን ኣንነትን ነቒሎም፡ ግና  ነቲ ድኻ ህዝቢ ኢዮም ዘረሳስኑ። ካብቲ ኣዝዩ ዘገርም ድማ ምነሊክ ንኤርትራ ሸይጥዋ ክብሉ ከለዉ ሕፍረት ክስመዖም ይግባእ። ምነሊክ ወዮ ደኣ ሕሱም ውልቀመላኺ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ሒዝዎ እምበር፡ ሰላምን ርግኣትን ሰፊንዋ ነይሩ እንተዝኸውን ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ኩዕታ ታሪኽ ወዲሰብ ተመራመርቲ (archeologist) እንተዝካየድ ምናልባት መሬት ኤርትራ ብመነሊክ ዝተወስደ ምሃለወ ነይሩ። ሎሚ ኤርትራ ካብቲ ሕሱም መግዛእቲ  ኢምብራጦርያን ኢትዮጵያን ብሓይሊ ዝሓዝዋ ናጻ ወጺኣ ደኣ እምበር ከምቲ ዝብልዎ  ኣይተገንጸለትን። 

ብዛዕባኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ምስኣና እንተኮይኑ ቅድም ውን መኣስ ኣፍደገ ባሕሪ ነይርዋ? ደሓር ድማ ኣብ ዓለም ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ኢትዮጵያ ጥራይ ኣይኮነትን። ይኹን እምበር እተን ካለኦት ከኣምእ ዝኣመሰላ ኣፍደገ ባሕሪ ስኢና ኢለን  ክሳብ ብሓይሊ ክጉዕጽጻን ክወራን ኣይተራእያን። ኣብ ዓለምና ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለወንን ዘይብለንን ዝዳወባ ሃገራት ዳርጋ 49 ዝኾና ኣለዋ። ገለ ካብአን ንናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝመሳሰል ናይ ሕብረት ሞንተነግሮን ሰርብያን ኢዩ። ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ሃገር እትዳወብ ኢያ። ንኣብነት  ሞንተነግሮ ነቲ ሕብረት ሞንተነግሮን ሰርብያን  ምስ ገደፈቶ ሰርብያ ሕጂ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ናጻ ኮይና ዘላ ሃገር።  ብሓደ ነርና ኢና እሞ  ኣፍደገ ባሕሪ ይግበኣኒ ወይ ናተይ እዩ ኢላ ክሳብ  ኣብ  ደም ምፍሳስ ኣይከደትን። እንታይ ደኣ  ብናይ ኣህጉራዊ ዉዑላትን ሕግን መሰረት ወደብ ናይ ሞንተግሮ ትጥቀም ኣላ።  ስለዚ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ስኢነ ኢላ ኣብ ክንዲ ብሸርሕን ዓመጽን፡ በቲ ናይ ኣህጉራዊ ሕጊ ክትጥም ምኸኣለት። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ካብ መን ከማና ስለዘይወጸት  ገለ ምሁራታ ካብቲ ዓምጣሪ ባህሪ ከምዘይወጸት ከመልክቱ ንዕዘቦም ኣለና።  ብዝኾነ ግን ኢትዮጵያ  ንኤርትራ ኣብ ክንዲ  ተገንጺላ እናበለት ንህዝባ ምዕሻው፥  ኤርትራ ናጻ ሃገር ምዃና ክትሕብርን ከም  ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት  ኣብ ንግዳዊ፥ ጸጥታውን ዲፕሎማሲያውን ምትሕግጋዝ  ዝካየደሉ ስምምዓት ምግባር ጥራይ ኢዩ ጸዋጽኣ።

Last modified on Sunday, 14 June 2020 11:52