Print this page

በዚ ሒዝናዮ ዘለና መንገዲ ብቕልጣፈ ንቕድሚት!

2020-05-27 14:02:54 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1525 times
Rate this item
(0 votes)

ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ከቢድ ዕማምን ሓላፍነትን ንፈልጦ ኢና። ምኽንያቱ ሃገርና ብሰንኪቲ ንሕስያ ዘየብሉ ጭቆና፡ ዘላትሉ ሕሱም ኩነታት ብሩህ ስለ ዝኾነ። ብኽንድኡ ደረጃ ከኣ ነዚ ኩነታት ናይ ቀይርካ ናይ ራህዋ ምዕራፍ ምኽፋት ሓላፍነትና ንጹርን ከቢድን እዩ። ዕማምና ነቲ ንህዝብና እንዳጨቆነ ብኣኡ ዝሕጭጭ ዘሎ ሕሱም ጉጅለ ምውጋድ እዩ። ናይዚ ንርከበሉ ዘለና መድረኽዚ ዕማምና ለውጢ ምርጋጽ ኮይኑ፡ ቅድሚት ደኣ ኣይንሰርዖን እምበር ዘይንዝግዖ ናይ ጽባሕ ድሕሪ ውድቀት ጉጅለ ኢሳያስ ዕማም እውን ኣለና። እቲ ናይ ጽባሕ ዕማምና ልዕልና ህዝቢ ኤርትራ ብዘረጋግጽ ስርዓት ኣብ ውሑስ ባይታ ምትካል እዩ። ናይ ጽባሕ ዕማሙ ዘይፈልጥ ሎሚ እንተተዓወተ እውን ናብቲ ዝነበሮ ዕንክሊል ስለ ዝምለስ ብዛዕባ ንጽባሕ ዝጽበየና ክንሓስብን ከሎ ጋና መንገዲ ክንጸርግን ግድን እዩ።

በቲ ድሕሪ ምውጋድ ህግዲፍ ዝፍጠር ራህዋ፡  ብዘይካ እቶም ውሑዳት ሎሚ ምስቲ ጉጅለ ኮይኖም ህዝቦም ዝጠለሙ፡ እንጥቀምን እንርባሕን፡ ኩልና ኤርትራውያን ኢና። “ሰላምን ራህዋን ኤርትራ ሰላምና እዩ” ዝብሉ ዘይኤርትራዊ ወገናትውን ከምኡ ተጠቀምቲ እዮም። እቲ “ኩልና” ዝብል ሓሳብ ኣብ ናይ ጽባሕ ተጠቃምነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ኣብቲ ናብ ለውጢ ዘብጽሕ ቃልሲ ምብርካት እውን ህያው እዩ። እቶም ኩሎም ከበርክቱ ይግበኦም ንብሎም ዘለና ኣካላት ለውጢ፡ ኣበርክተኦም ብሃቦ ተረከቦን ዘይተጸንዐን ዝኽየድ ሕዝግድፍ ዘይኮነ፡ ብግቡእ ዝተወሃሃደን ቀጻልን፡ ናይ ሎምን ናይ ጽባሕን ዕላምኡ ዘነጸረን ነቶም ዕማማት ከከም ቀዳምነቶም ኣብ ምትግባር ዘኽእሎ ንጹር ራኢ ዘለዎን ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ብምንቃል ኢና ድማ ወትሩ “ብሓባር ከቃልሰና ዝኽል መድረኽ ምፍጠር መተካእታ ስለ ዘየብሉ ኣብኡ ነትክል” እንብልን ንምዕዋቱ ቅድሚት ሰሪዕና እንቃለስን። እዚ ብሓባር ምቅላስ ክንድቲ ኣገዳስነቱ መተካእታ ዘየብሉ፡ ከም ኤርትራዊ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ብቕዓትና፡ ሓላፍነትናን ድልውነትናን ዝፍተነሉን ምዃኑ ብግብሪ ንርእዮ ዘለና እዩ።

እዚ ምጥጣሕ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ፈታኒ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ጉዳያት ከምቲ እትደልዮ ዘይኮነስ፡ ከምቲ ክኾኖ ዝኽእል ከም ዝኸውን ኣሚንካ ምሓዝ ከም ዝግባእ ክንርዳእ ዘይምጽናሕና እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ህጹጽን ናይ ሎምን ዕማም፡ ካብቲ ግዜ ዝህብን ጽባሕ ክዕመም ዝግበኦን ፈሊና ኣብ ክንዲ ንሕዝ፡ ንክልቲኡ ደዋዊስካ ክትከይድ ናይ ምድላይ ስምዒት እውን ካብቶም ክዕንቅጹና ዝጸንሑ ምኽንያታት እዩ። ብዘይካዚ ከም ውድብ፡ ሰልፊ፡ ማሕበርን ህዝባዊ ምንቅስቓስን እንታይ እየ ክገብር ዘለኒ? ኢልካ ዘይምንጻር በቲ ሓደ ወገን፡ ናይ ሎሚ ናይዚ ዝተወደበ ኣካላት ሓላፍነት እንታይ እዩ? ሎሚ ዘይውዳእ ጽባሕ ህዝቢ ብሕገመንግስታዊ ውሳነ ናይ መወዳእታ መልክዕ ከትሕዞም ዝግደፉኸ ዛዕባታትከ ኣየኖት እዮም? ኣብ ዝብል ንጹር ግንዛበ ዘይምሓዝ እውን ኣብቲ ጸገማትና ዝጽብጸብ ሎሚ ግና ኣቓልቦ ዝረክብ ዘሎ ዝመስ ዘሎ ሕጽረት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብ መስርሕ ናይ ሓሳባት እንካን ሃባን ዘለና ትዕግስቲ፡ ምጽውዋርን ምክእኣልን ካብ ቅድም ጀሚሩ ከምቲ ክኸውን ዝግበኦ ዘይምጽንሑ  ክሳብ ክንደይ ከጸግመና ከም ዝጸንሐ ርዱእ እዩ። ንተበግሶታት ኣብ ክንዲ ብትሕዝተኦም ብመንጽርቲ ዘበገሶም ኣካል ምምዛን እውን ሓጋዚ ከምዘይጸንሐ ንፈልጦ ኢና።

ኣብዚ ዳሕረዋይ ግዜ ብፍላይ ዲክታተር ኢሳያስ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ፡ ኣይኮነንዶ ንዓና፡ ንዘይኤርትራውያን  ተዓዘብቲ እውን ኣዝዩ ብዘደንጹ ኣገባብ “ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈልየን የብለንን” ብዘስምዕ ቃና ተጠሊዖ እሞ ከኣ ናይ ሗጐስ ኣፍልቡ እንዳወቐዐ፡ ከም ዝመደረ ዘይንዝገዖ እዩ። እዚ መርዛም ተግባሩ ነቲ  ብመስዋእቲ ኣሸሓት ደቃ ኣብ ዝተመድመደ ጽኑዕ ባይታ ስለ ዝተድኮነት ዝንቕንቓ የለን ኢልና ዘይንስከፈሉ “ልኡላውነት ኤርትራ” ዘራኽስን ዝዋገን ካብ ምስ ቀልቡ ዘሎ ሰብ ዘይትጽበዮ፡ ዕዉር ድፍረት እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ካብ ቅድም እውን ኣብ ሕልና ኩልና ዝጸንሐ፡ ንተጸዋዊርካ ብሓባር ምቅላስ ካልእ መተካእታ ከምዘየብሉ ናይ ምርዓም ዓቕምናን ልቦናናን ዝያዳ ከም ዝዛየዶ ክንዕዘብ ክኢላን ኢና።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንዕዘቦ ዘለና ናይ መብዛሕተአን ኤርትራዊ ጽላላት፡ ግንባራትን ውድባትን ኣብ ተስፋ ዝህብ ዘተ ምህላወን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዝኽሪ መበል 29 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ወሲኽካ ኣብ ብዙሓት ንኤርትራን ህዝባን ዘገድሱ እዋናዊ ዛዕባታት ናይ ሓባር መግለጽታትን መዘክራትን የውጸኣ ምህላወን ናብቲ ንቡር ሓቢርካ ናይ ምቅላስ መንገዲ ይመጻ ምህላወን ዘመልክት እዩ። እቲ “ሓቢርካ ምቅላስ” ዝብል ኣምር ደረጃታት ዘለዎን ክሳብ ምጽንባር ውድባት በጺሕካ ዘይተደላይ ምርባሕ ውድባት ናይ ምውጋድ ተልእኮን እውን ስለ ዘለዎ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ መንጎ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ህዲምሓኤ)ን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን ድሕሪ ተኸታታሊ መስርሕ ዝተ፡ ተሓናፊጾም ሓደ ሰልፊ ክኾኑ ምስምምዖም ብኣውንታዊ ኣብነት ዝጥቀሰን ኩልና ውድባትን ሰልፍታትን ክንስዕቦ ዝግበአናን እዩ። በቲ ኮነ በዚ፡ ነዚ ተተሓሒዝናዮ ዘሎና  ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ምፍጣርን ፍጹም ምጽንባራት ናይ ፍልልይ ዘየብሎም ኣካላትን ክድፈኣሉ ዝግበኣና እዩ።

ኣብዚ ናብ ብሓባር ዘቃልሰና መድረኽ ንገብሮ ዘለና ጉዕዞ፡ ክልተ መሰረታዊ ጉዳያት ብግቡእ ከነተዓርቕ ይግበኣና። እቲ ሓደ ሓድነትን ልኡላውነትን ኤርትራን ህዝባን እዩ።  እቲ ካልእ ከኣ ነፍሲ ወከፍና ብውዱብ ይኹን ብውልቂ እንውንኖም ናይ ኣተሓሳስባን ካልእ መንነትን ፍሉይነት እዮም። እቲ  መንነት ንብሎ ዘለና፡ ብዘይካቲ ኣብ ክሊ ኤርትራውነት ዝሕቆፍ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት፡ ንባህላዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ቋንቋውን ካልእ ብዙሕነትናን ኣብ ግምት ዘእትው እዩ። ኣብዚ ዕዉታትን ሓድነትና ስጡምን ክንከውን ከኣ፡ ንኤርትራዊ ሓድነት ነዚ መግለጺ ብዙሕነትና ብዘሕቅቕ ዘይኮነ፡ ዝያዳ ብዘሕይልን ዘሰስንን ኣረዳድኣ ክንግንዘቦ ክንበቅዕ ይግበኣና። በቲ ኮነ በዚ ከምቲ ወለድና “ብልቢ እንተሓዚንካ ንብዓት ኣይኣብን’ዩ” ዝብልዎ፡ ንጉዳይ ህዝብን ሃገርን ውልቃውን ጉጅላውን ስምዒትና ኣመሓዲርና፡  ብቅንዕናን ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ቅድሚት ተሰሪዕና ብሓባር ዘቃልሰና መድረኽ ካብ ምፍጣር ዝዕንቅፈና ጉዳይ የለን። ግዜ ናይ ገዛእ ርእሱ ዋጋ ስለ ዘኽፍል ከኣ፡ ሕጂ እውን በዛ ሒዝናያ ዘለና መንገዲ ብቕልጡፍ ናህሪ ንቕድሚት ክንስጉም ይግበኣና።

Last modified on Wednesday, 27 May 2020 16:04