Print this page

ጸገም ምጽብጻብ፡ መፍትሒ ኣይኮነን

2020-02-22 09:17:34 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1797 times
Rate this item
(0 votes)

ንሕና ኤርትራውያን ብብዙሕ መልከዓት ዝግለጽ፡ ጭቆና ዝወለዶ ጸገማት ከም ዝጸንሓናን ከም ዘለናን ተገንዚብና ካብ እንዛረበሉን እንጽሕፈሉን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እቲ ናይ ቅድም ገዲፍና፡ ናይ ድሕሪ ናጽነት ግዜናኳ እንተዳህሰስና ሓጺር ግዜ ኣይኮነን። ናይቲ ወጽዓ ስንብራት ኣብ ኩሉ ህይወት ህዝብናን ምስሊ ሃገርናን ኣዝዩ ዓሚቕ እዩ። ንሕና ነቲ ጸገም ካብ ምርዳእ ሓሊፍና ምእንቲ እቲ ጸገም ተፈቲሑ ክርህወና፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ተዛሪብና፡ ሓቲትና፡ ተማሕጺንና፡ ጠሪዕና፡ ተሰሊፍና ኮታ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ንጭቆና ተቓዊምና ፍታሕ ጠሊብና ኢና። ኣብዚ መዳይዚ ዘካየድናዮ ጻዕርን ቃልስን መሪርን ከቢድን ክነሱ፡ ክሳብ ክንደይ ኣድሚዑ ግና ናይ ካልእ መብርሂ ዘይንሓተሉ ባዕልና ንርእዮ ዘለና እዩ። ብጥርኑፍ ኣገላልጻ ከኣ ፍረ ቃልስና ጌና ንባህግና ዝምጥን ኣይኮነን።

ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ንኣብነት ኣብ ጽባሕ ናጽነት፡ ኣብ ኤርትራ ብሰንክቲ ዝመርሕ ዝነብረን ዘሎን ጉሒላ ጉጅለ “ዝተሃንደሰ ጸገም ኣሎ” ኢልካ ምዝራብ ነውሪ ነይሩ። ከምኡ ኢልካ ምንቃፍ ዳርጋ ከም ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ክሕደት ምፍጻም ዝውሰደሉ እውን ነይሩ። ብዙሓት ኤርትራውያን ብተፈጥሮ ጭቆና ዝጸውር እንግደዓ ተዓዲልዎም ዘይኮነ፡ ንለውጢ ድምጽኻ ኣጥፊእካ ናይ ምጽባይ ዘይርትዓዊ ምርጫ ስለ ዝወሰዱ ክነቕፉ ቅሩባት ኣይነበሩን። ሎሚ ግና ንናይቶም ካብ ንግሆኡ ጀሚሮም ዝተቓወሙ ኣካላት ጻዕሪ፡ ናይ ጉጅለ ህግዲፍ ምዕልባጥን ኣከባብያዊ ምዕባለታትን ተወሲኽዎ፡ ኩሉ ኤርትራዊ “ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ጸገም’ዮም ዘለዉ” ብዝብል ሓሳብ ኣብ ዝሰማምዓሉ ደረጃ በጺሕና ኣለና። እዚ ናይ ሓባር ድምጺ ካብ ጉጅለ ህግዲፍ ርሒቕካ ኣብ ውሑስ ዓዲ ጓና ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ሃገርና እሞ ድማ ብኹሉ ክፋላት ሕብረተሰብ “ሕማቕ ሕማም ካብ ሞቱ ነይሓልፍ” ከም ዝበሃል፡ ዓው ኢልካ ዝቃላሕ ዘሎ ድፍረት ኣብ ልዕሊ ህግዲፍ እዩ። ህግዲፍ እውን እቲ ንዓኡ ንክነቅፍ ብጩቕ ዘዝበለ ናይ ምእሳርን ምስዋርን ጉልበቱ ተዳኺሙ፡ ኣብ እዝኑ “ንስኻ ኣይናትናን፡ ንሕና እውን ኣይናትካን” እናተባህሎ ኣብ ዘጽቅተሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።

ምስዚ ኩሉ፡ ብሓባር ንህግዲፍ እቲ ክንገሮ ዝግበኦ እንዳነገርናዮ ግና፡ ኣብቲ ጭቆና ተወጊዱ ክንድይቦ እንብህጎ በሪኽ ቦታ ኣይደየብናን። ምኽንያቱ ነቲ ጸገም ምድግጋሙን ምጽብጻቡን ጥራይ መፍትሒ ስለ ዘይኮነ። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ መዋጸኦ ብዛዕባቲ ጸገም ደጋጊምካ ምዝራብ ዘይኮነ ምውጋዱ ስለ ዝኾነ። ስለዚ ቃልስና ካብ ጸገማት ምጽብጻብ ናብ ግብራዊ ጸገማት ምውጋድ ካብ ምብራኹ ካልእ መተካእታ የብልናን። እዚ ከም ዝከኣል ከኣ ካብ ናይ ቀረባ ይኹን ናይ ርሑቕ ብከምናትና ኩነታት ናይ ዝሓለፉ ተመኩሮ ምርድኡ ዝከኣል እዩ። ስለዚ ነቲ ዝከኣል ከምዘይከኣልናዮ ክንዝንግዕ የብልናን። ነዚ ዝከኣል ክነሱ ክሳብ ሕጂ ዘይከልናዮ ክንክእል ዘይስገር ወሳኒ ተግባር ወይ መፍትሕ ብሓባር ተሰሊፍካ ምቅላስ እዩ። እዚ እውን ከምቲ ኣብ ጸገም ምህላውና ናይ ሓባር ተረደኦና ኮይኑ ኣሎ ዝበልናዮ፡ ኣብ ወሳንነት ብሓባር ምቅላስ እውን፡ ካብ ክለሰ-ሓሳብ ናብ ግብሪ ኣብ ምስግጋሩ ደኣ ዓቐብ ኮይኑና ኣሎ እምበር፡ ከም ተረደኦስ ኩልና ኣብ ዘዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ከነኮማስዖ እንውዕል ዘለና እዩ።

ኣብ ድልዱል፡ ቀጻልን ትካላውን ሓቢርካ ናይ ምቅላስ መንገዲ ክትጽመድ ዋጋ ምኽፋል የድሊ እዩ። እቲ ዋጋ ግና ኣብ ኢድና ዘሎን ክንከፍሎ እንኽእልን እምበር፡ ልዕሊ ዓቕምና ኣይኮነን። ኣብ ናይ ሓባር ራኢ ምጽናዕ፡ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ምቕዳም፡ ምጽውዋር፡ ናይ ሕሉፍ እሱር ዘይምዃን፡ ኣብ መትከል ብዙሕነታዊ ሓድነት ምጽናዕ፡ ኣብ ዝብሉ ሓሳባት ብልቢ እንተርዒምና ንሱ እዩ እቲ ምእንቲ ብሓባር ተቓሊስና ህዝብን ሃገርን ከነድሕ ክንከፍሎ ዝጽበየና ዋጋ። እዚ ከኣ ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፍና ዘሎ እምበር፡ ካብ ዝኾነ ዘይኤርትራዊ ሓያል ወይ ሃብታም እንምጽወቶ ኣይኮናን።

ኣብዚ እዋንዚ ገለ ከም በዓል ኢትዮጵያ፡ ስዑድ ዓረብን ሕቡራት ዓረብ ኤምረትን ዝኣመሳላ ሃገራት ንዲክታቶር ኢሳያስ ክቋለብሉ እንከለዉ ተዕዚብና፡ “ነዚ ሰብኣይ እንታይ ርእየምሉ እዮም? ንሕና ኣብ ኤርትራ ብሰንኩ ጸገም ኣሎ እንዳበልና፡ ንሳተን ከሰራስረኦ ከለዋ፡ ንሕና ዲና ወይስ ንሳተን እየን ተጋግየን?” ዝብል ሕቶ ነልዕል ኤርትራውያን ኣለና። ሓቂ እዩ ወዮ እንፈልጦ ሰይጣን መልኣኽ መሲሉ ክቐርብን መዳልያ ክስለምን እንከሎ ሕቶ ዘየልዕል ኣይኮነን። እቲ ምኽንያት ከኣ ንዲክታቶር ኢሳያስን ጉጅለኡን ከካብ ናትና ኩርናዕ ስለ እንርእዮም ዝፈጠሮ ፍልልይ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን ቀንዲ መምዘኒና እቲ ብሰንኪ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ሃገርናን ክብርን መሰልን ህዝብናን ዝወርድ ዘሎ ዓመጽን በደልን እዩ። በመንጽርዚ ንዓናን ምእንቲ ፍትሕን ሓቅን ንዝሕለቑ ወገናትን፡ ኢሳያስ ተወዳዳሪ ዘየብሉ ጭው ዝበል ዲክታተርን ጨቋንን እዩ። እዘን ዝጠቐናየን ሃገራት ብኣንጻሩ፡ ጉዳይ ህዝብና ቀዳምነተን ስለ ዘይኮነ፡ መምዘኒአን ኢሳያስ ኣብ ዞባዊ ረብሓአን ክሳብ ክንደይ ንኤርትራዊ እስትራተጅካዊ ጸጋታት መዝሚዙ የገልግለን እዩ። ስለዚ እቲ ፍልልይ ኢሳያስ ብሓደ ጐኑ መልእኽ በቲ ካልእ ጐኑ ከኣ ሰይጣን ስለ ዝኾነ ዘይኮነ፡ ናይቶም ንኢሳያስ እንመዝን ኣካላት ናይ ረብሓን ሸቶን ፍልልይ ዝወለዶ እዩ። ኢሳያስ ብወገኑ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ስለ ዝቖረጸ፡ ንናይ ግዳም ሓይልታት (ብናቱ ቃል) ከዲሙ ጥራይ ኣብ ስልጣን ከም ዝቕጽል ተረዲኡ ይሰርሕ ምህላዉ፡ ነቲ ጉዳይ ናተይ ኢሉ፡ ቀሪቡ ኣድቂቑ ክርደኦ ንዘይክእል ኣካል ከደናግሮ ዝኽእል እዩ።

ስለዚ እቶም ቃንዛ ህዝብና ዘይቃንዛኦም፡ ናይዘን ዝጠቐስናየን ሃገራት መራሕቲ፡ ኣበይ ከም ዘብጸሖም እንድዒ ንኢሳያስ ከም ፈረስ ጽዒኖም የጋልብዎን የለፋልፍዎን ኣለዉ። ንሕና እቶም ቃንዛ ህዝብና ቃንዛና፡ ድፍረት ኤርትራዊ ልኢላውነትና ድፍረትና ዝኾነ ሓቀኛ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ከኣ፡ ንጸገማትና ብምድግጋሞምን ብምቑዛምን ዘይኮነ፡ ብምውጋዶም ኣብ ዓወት ንምብጻሕ፡ ነቲ ሒዝናዮ ዘለና ጉዕዞ ናብ ሓቢርካ ምቅላስ፡ ኣጽኒዕና ዘይምኽኑይ ግዜ ከይበላዕና ከተግብሮ ንንቀል።

Last modified on Saturday, 22 February 2020 10:20