Print this page

ቃል ምስጋና !!

2020-02-21 23:41:15 Written by  Mr. Negash Osman Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2113 times
Rate this item
(0 votes)

ብስመይን ብስም በዓልቲ ቤተይን ደቀይን፣ ከምኡ’ውን ብስም’ቶም ኣብ ኤርትራን ኣብ ስዑዲ ዓረብን ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ኣብ ሽወደንን ዝረከቡ ኣሕዋተይን መቕርበይን፣ ብምኽንያት ዕርፍቲ ክብርቲ ወላዲትና ሓጅያ ሳዕድያ ሻፊ ሓጂ ሙሳ ልባዊ ምጽንናዕን ናይ ሓዘን ተኻፋልነትን ዝገልጽኩሙልና ኣሕዋትን ኣሓትን ክብ ዝበለ ምስጋና ብምቕራብ፣ ሕሰም ኣይተረክቦ ንብለኩም። ክብርቲ ወላዲትና ብሰሉስ ዕለት 18/02/2020 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊያትን፣ ኣብ ኣስመራ መቓብር ሸኽ ኣልኣሚን ሓመድ ኣዳም ለቢሳ።

ንኽብርቲ ወላዲትና ረበል ዓለሚን ኣብ ሰፊሕ ገነቱ ይቀበላ። ነቶም ኣብ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ብኣካል ዝተሳተፍኩም ይኹን ነቶም ኣብ ገዛና ብምምልላስ ዘጻናናዕኩምናን፣ ካብ ዝተፈላለይ ኩርናዓት ዓለም ብስልኪ ይኹን ብዝተፈላለየ ማሕበራዊ መረኸቢታት ኣተባባዕን ኣጸናናዕን ቃላትን መልእኽታትን ጽሑፋትን ዝለኣክሙልና፣ ካብ መዓሙቚ ልብና ዕዙዝ ሕውነታዊ ምስጋናና ከነቕርብ ደስ ይብለና። ዘርኣኹሞ ሕውነታውን ሰብኣውን መርገጽ፣ ነቲ ዝወረደና ከቢድ ናይ ወላዲት ምፍላይ ሓዘን ኣብ ምፍዃስ ዓቢ ተራ ከም ዝነበሮ ብምግላጽ፣ ዝገደፈልና ስምዒት ንምግላጽ ቃላት ይሓጽረና።

ዲጊመ ብስም ኩሎም ኣሕዋተይን በዓልቲ ቤተይን ደቀይን መቕርበይን ልባዊ ምስጋናይ ብምቕራብ፣ ሕሰም ኣይትርከቡ ይብለኩም። ንኽብርቲ ወላዲትና ሳዕድያ ሻፊ ድማ ኣብ ሰፊሕ ጀንኡ ረቢ ይቀበላ።

ብስም ስድራ ቤት

ነጋሽ ዑስማን ኢብራሂም

21/02/2020

Last modified on Saturday, 22 February 2020 00:42