Print this page

        ኣገዳሲ ሓበሬታ

2020-01-14 18:06:16 Written by  ምምሕዳር ማሕበር Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1856 times
Rate this item
(0 votes)

ሰብ ሕልናን ገበርቲ  ቅዱስ ተግባርን ዝኾኑ ተቐማጦ ኣብ ከተማ ሉዛን ሃገረ ስዊዘርላንድ፡ ሎሚውን ከምቲ ወርትግ ዝውፍይዎ ብርኩትን ተደጋጋሚ ሰናይ ኣስተዋጽኦም  ንጀጋኑ ውጉኣት ሓርነት ኤርትራ መደበር ከሰላ ሃገረ ሱዳን ከም ዝሰደዱ በዚ ኣጋጣሚ  ብፍሉዩነት ኣመስጊና ንኣመስገንቲ ክንገልጸሎም ንፈቱ።

ገበርቲ ሰናይ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ብርኩት ወፈያ እንሆ ድማ ሎሚ 2.200.00 ( ክልተ ሽሕን ክልተ ሚእቲን ዶላር ኣመሪካ) ተስዲዱ ኣብ ኢድ መደበር ከሰላ ከም ዝበጽሔ ነበስረኩም።

 እዞም ብርሑቕ ዝኣመኑ ምሉእ ዕግበትን ርሕራሔን ዘለዎም ደቂ ሰባት ብዘይ ምቁራጽ ዘወፍዩ ዘለዉ ገበርቲ ሰናይ ንሕና ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ብስምናን፡ ብስምቶም ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመታት ብጽሓይን ደሮናን ምስ ኩሉ ዝተፈላለየ ዓይነት ሕማምን ዝሳቐዩ ዘለዉ ብጾትን ኣሕዋትን ኮይና፡ ነቲ ከይሰልክዩ  ብምድግጋም ዘወፍዝዎ ዘለዉ ሓገዝ ብፍሉይነት ክብ ዝበለ ምስጋናና ነቕርበሎም።

   ምምሕዳር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ

      ሃገረ ፈረንሳ

Last modified on Tuesday, 14 January 2020 19:20