Print this page

ደገፍቲ'ዶ ተቓወምቲ ይበዝሑ?

2019-12-07 10:03:30 Written by  ሓደ ኣባል ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1537 times
Rate this item
(0 votes)

ነዛ ከም ኣርእስቲ ኣስፊረያ ዘለኹ ሕቶ ቆሊቦም፡ ቅልጡፍ መልሲ ዝህቡ ብዙሓት ከምዝኾኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቶም ንኹሉ መለክዕታት መዚኖም ግምታቶም ዘቕርቡ ልክዕ ክኾኑ ኢዮም።  እቶም ብስምዒታት ዝምልሱ ግን ክጋገዩ ኢዮም።

መንግስቲ ኤርትር ኣሽንካይዶ ኣብ ቁጽሮም ንዝምልከት፡ ብዛዕባ ምብዛሕን ምውሓድን ተቓወምቲ ክዛረብ ንህላወኦም’ውን ዝእመን ኣይኮነን። ተቓውምቲ ድማ፡ ንዓቕሚ መንግስቲ ኤርትራ ብምግምጋም ኣብ ደንደስ ውድቀቱ ከምዘሎ ኢዮም ዝመዝኑ። እቲ ሓቂ ግን ኣየናዩ ኢዩ?

ኣብ ኤርትራ ስርዓተ ምርጫ ወይ ስርዓተ መገመቲ ድምጺ (Polling) ስለዘየለ፡ ደጋፊ መንግስቲ'ዶ ተቓዋሚ ይበዝሕ ብቁጽሪ ክፍለጥ ዝከኣለሉ ኩነታት የለን። እቲ ክዝረብ ዝከኣል ብዛዕባ ሚዛን ሓይልታት ስለዝኾነ ግን፡ ሚዛን ሓይሊ መንግስትን ተቓወምትን ከመይ ከምዘሎ ንምፍላጡ ዘጽግም ኣይኮነን።

ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ን29 ዓመታት ኣብ ምምራሕ ምጽንሑ ከም መዐቀኒ ናይ ዘለዎ ህዝባዊ ደገፉ ጌሮም ዝርእዩ ኣለዉ። እቲ ሓቂ ግን፡ ብኣንጻሩ ዉልቀ-መላኺ ኢሰያስ ዝሓለፈ 29 ዓመታት ካብ ህዝቢ ከም ዝፈርሕን ዝሃድምን ኢዩ ከመስክር ጸኒሑ። ህዝባዊ ደገፍ ዘለዎ ዲሞክራሲ ኣይፈርሕን ኢዩ። ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣይጸልእን ኢዩ። ኢስያስ ግን፡ ካልእ ይትረፍ ነቲ ባዕሉ ዝደኮኖ ማእከላይ ባይቶ ህግደፍ፡ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ወዘተ እ ውን ክፈርሖም ኢዩ ጸኒሑ።

ህዝባዊ ግምባር ኣብ 1993 ንረፈረንደም ክሰማማዕ እንከሎ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ሙሉእ ምትእምማን ስለዝነበሮ ኢዩ። ብህዝበ-ውሳነ ኣቢልካ ናጽነት ኤርትራ ምዝዛም ዝሓሸ መንገዲ ከምዝኾነ ስለዝኣመነ ኢዩ ኣትይዎ። ኣብ ህዝቢ እምነት ዘለዎ፡ ህዝቢ ንምስታፍ ኣይፈርሕን ኢዩ። ወለንታዊ ህዝባዊ ደገፍ ዘለዎ፡ ናብ ምልኪ ኣይሰግርን ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ ኢሰያስ ካብ ህዝቢ ዘለዎ ደገፍ፡ ወለንታዊ ደገፍ ኣይኮነን። ህዝቢ ተገዲዱ ዝህቦ  ደገፍ ኢዩ ኢስያስ ዘለዎ። ንህዝቢ ድማ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ደጊፍዎ ከምዝነብር ክገብሮ ብዙሕ ጽዒሩ። እቶም ሆይ ሆይ እናበሉ ዝድግፍዎ፡ በብግዜኡ’ውን እናገደፍዎ ዝኸዱ ዘለዉ፡ ብዙሓት ኢዮም። እቶም ብጥቕሞም ወይ ብድሑር ስምዒታት ተገዚኦም ዝድግፍዎ ክሳብ ናብ መቓብር ምስኡ ዝወርዱ ድማ ቁንጣሮ ኢዮም።

ኢስያስ ካብቲ ህዝባዊ ደገፍ ኣለኒ ንመበሊ ዝጥቀመሉ ሜላታት፡ ምድላው በዓላት፡ ፈስቲቫላትን ሰላማዊ ሰልፍታትን ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚታት ተጸዊዕም ዘይመጹ ከም ጸረ-ሃገር ተቖጺሮም፡ ዝወሃቦም ዝነበረ ኩፖን ናይ ኣስቤዛ ቀበሌ ስለዝኽልከሎም ናብ ሰልፊ ድዩ ኣኺባ ክመጹ ግዱዳት ኢዮም። በዚ ምፍርራሓት'ዚ ኣቢሉ ንዝተኣከበ ህዝቢ፡ እንሆለ! እዚ ኩሉ ህዝቢዚ ኢዩ ዝስዕበኒ ምባል ምትላል ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝነብር ኤርትራዊ’ውን ካብዚ ብዘይፍለ፡ ናብ ኣውያት ዘስምዓሉ ሰላማዊ ሰልፊ እንተዘይመጺኦም፡ ኣብ ዓዲ ዘጥረይዎ ንብረት ኣብ ሓደጋ ከምዝኣቱ እናፈራርሑ፡ ቤተ-ሰቦም ኣትዮም ክርእዩ ከምዘይክእሉ እናኣሰምዑ ኢዮም ነቲ ህዝቢ ዝእክብዎ። ስለዚ ብወለንታ ዘይኮነስ ብኣስገዳድ ብዝተኣኻኽብ ብዝሒ ጌሮም ኢዮም ንዓለም ዘታልሉ።

ሎሚ ግን እቲ ኣታሊልካን ኣፈራሪሕካን ምእካብ ተወዲእዎም ኢዩ። ተግባራትን ጠባያትን ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኢስያስ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ተቓሊዑ ኢዩ። ብሕልናኡ ነዚ ስርዓት’ዚ ዘይቃወም ኤርትራዊ ስድራ-ቤት የለን። እዚ ስርዓት'ዚ ክቕየረሉ ዘይደሊ፡ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዘሎ ድዩ፡ ኣብ ሰራዊት ዘሎ ብዓል ስልጣን የለን፡፡ ሃገር ጠንጢኖም ዝወጹ ዘለዉ ኤርትራውያን እቶም ተራ ዜጋታት ጥራይ ኣይኮኑን። ደቂ ሚኒስተራትን ደቂ ጀነራላትን ውን (እቶም ብወለዶም ተመዓራርዩሎም ዝወጹ ገዲፍና) ሃዲሞም ክወጹ ንርኢ ኣሎና።

እዚ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት ኣብ ደንደስ ውድቀቱ ኢዩ ዘሎ እንተተባህለ ሓቂ ኢዩ። ናይ ተቓውሞ ድምበ እናሰፍሐ ምኻድ’ውን ክንዕዘቦ ዝከኣል ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ ተቓዉሞ ደምበ በዚ ዘለዎ ሃለዋት፡ ነዚ ኣብ ደንደስ ውድቀት ዘሎ ስርዓት ከውድቖ ስለዝይክእል ሕጽረታቱ ከወግድ ክኽእል ኣለዎ።

ደምበ ተቓዉሞ ክቑጸሩ ዝኽእሉ ብዙሓት ሕጽረታት ኣለዉዎ። ቀንዲ ካብኡ ድማ፡ ንዉልቀ መላኺ ስርዓት ከግጥምን ክስዕርን ዝኽእል ኣወዳድባ ክሳብ ሎሚ ክሕዝ ዘይምኽኣሉ ኢዩ። ብሓባር ንሓደ ዕላማ ክሰርሕ ዘይከኣለ ደምበ ተቓውሞ ከድምዕ ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ቀንዲ ነዚ ዝቦኽቦኸ ስርዓት ዕምሩ ኣናዊሕሉ ዘሎ’ውን፡ እዚ ዘይውሁድ ሃለዋት ኢዩ። ውህደትን ብቑዕ ውደባን እንተዘየልዩ፡ ውደባ ድማ፡ ሓደ ካብቶም ንሚዛን ሓይሊ ተቖራቖስቲ ሓይልታት ዝውስኑ ረቓሒታት ስለዝኾነ፡ ሚዛን ሓይሊ ናብ ጠቕሚ ተቓዋማይ ኣሎ ንምባል ዘድፍር ኣይኮነን። እቲ ስፍሓት፡ እቲ ብዝሒ ካልእ ኢዩ። እቲ ኣድማዕነትን ኣስልጦን (effectivness) ድማ ካልእ ኢዩ። ተቓውሞ ደምበ ክንዲ ዝበዝሐ ይብዛሕ ክንዲ ዝሰፍሐ ይስፋሕ ተግባራዊ የለን። ኣድማዒ የልን። ደገፍቲ ህግደፍ ክንዲ ዝጸበበ ይጽበቡ፡ ክንዲ ዝወሓደ ይውሓዱ፡ ውደባኦም ይሰርሕ ኣሎ። ከፈራርሕዎ ንዝደልዩ የፈራርሕዎ ኣለዉ። ከጥቅዕዎ ንዝደልዩ የጥቅዕዎ ኣለዉ። እዚ ኣብዚ ዝሓልፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ናይ ፍትሒ ተቓልሳይ ኣማኑኤል ኢያሱ ኣሰና ዝፈነዉዎ መጥቃዕቲ ዝሰርሕ ግና ኣዕናዊ ውደባ ከምዘለዎም ዘመልክት ኢዩ። ዋላ ውን ከምኡ እንተኾነ ግን፡ ብብሩህ  ፖለቲካዊ ጥፈሻኦም ዘመስክር ኢዩ። ናይ ዓቕሊ ጽበትን ናይ ስዑራትን ስጉምቲ ኢዩ ነይሩ። ናይ ውደባኦምን ተግባራውነቶምን ጉዳይ ግን ክንዓቕ ዘይብሉ ኢዩ።

እቲ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ደለይቲ ፍትሒ ዘሎ ሕቶ፡ ከመይ ጊርና ነዚ በብእዋኑ እናሰፍሐ ዝመጽእ ዘሎ፡ ደምበ ፍትሒ ንውድቦን ነንቀሳቕሶን ኢዩ። ነዚ ምስእንበቅዕ ጥራይ ኢና ንሚዛን ሓይሊ ኣብ ጠቕሚ ደለይቲ ፍትሒ ቀይርና ዓወት ክመጽእ ዝኽእል

Last modified on Saturday, 07 December 2019 11:06