Print this page

ዋሕስ  ዘየብሉ ነገር ጥፉእ፡ ማሕለኻ ዘየብሉ ጸባ ድፉእ

2019-11-21 20:18:21 Written by  ዓንደጽዮን ግርማይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1459 times
Rate this item
(0 votes)

እዛ ምስላ እዚኣ ንልቦና ወለድና እተንጸባርቕ ፍትሓዊ ብቕዓት እትገልጽ ሓረግ‘ያ።

ዳኛ ማለት ሕጊ ተኸቲሉ ኣብ መንጎ ዓማጽን ተዓማጽን ሰሚዑን መርሚሩን ግቡእ መልሲ ወይ ውሳኔ ብምሃብ ንሰላምን ፍቕርን ዘውሕስ ብህዝቢ ዝተሾመ  ኣመሓዳሪ ዓዲ‘ዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ ድማ‘ዩ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዓልታዊ ሂወቱ ብዘጋጥም ዓመጽ ዝባን ሕጊ እናበሎ ብምግዛትን፡ ተገዛቲ‘ውን ብዘይዕጻይ-ምጻጻይ ይዕበ ይንኣስ ስርሑ ገዲፉ ስርዓት እናመልአ ብሰላም ዝነብር ዝነበረ።

እቲ ዘገርም እቲ ብሕጊ እንዳተመሓደረ ብሰላም ናይ ምንባር ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ባዕዳውያን እንከሎ‘ዩ ብዘይጸገም ዝጥቀመሉ ዝነበረ። በዚ ዓይነት ኣገባብ መነባብሮ ሂወቱ ብምምራሕ፡ ርሓቕ ቅረብ ዝብል ብረት ዝዓጠቐ ይትረፍ ዓይኑ ኣፍጢጡ ዝጥምቶ ዘየብሉ፡ ብብርሃን ቀትሪ ብጸልማት ለይቲ ብሰላም ወፊሩ ብሰላም እናኣተወ ቅሳነት ዝሰፈኖ ሂወት ዘሕልፍ ዝነበረ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰላምን ቅሳነትን ዝፈጠሮ ፍቕሪ ድማ‘ዩ ኩሉ ግዜ እናተበራረዩ ንዝመጹ ባዕዳውያን መግዛእቲ ኣብቂዑ፡ ባዕሉ ሃገሩ ንክመርሕ ዝዕላምኡ ናይ ነጻነት መሰል ግቡእ መልሲ ንምርካብ ብሰላም ሓቲቱ ስለ ዘይተመለሰሉ ብረት ከልዕል ዝተገደደ።

ኣብዚ ብንጹር ክቕመጥ ዘለዎ ሓቂ እምበኣር፡ ህዝቢ ኤርትራ ምሕደራ ባዕዳውያን ጸራሪጉ፡ ሃገሩ በቲ ፍቱን ፍትሓዊ ስርዓተ-ሕጊ እናተመሓደረ ተጠቃሚ ጸጋ ሃገሩ ክኸውን እምበር፡ መደበር ውሑዳት ሸፋቱ ንምዃን ሕልሚ ኣይነበሮን። ምእንትዚዩ‘ውን ካብ ውላዱን ሂወቱን ሓለፋ ኩሉ ዝከኣሎ ምእንቲ ነጻነት ዝኸፈለን፡ ነታ ኣብ ኣእምሮኡ ቀሪጹዋ ዝነበረ ድሕሪ ነጻነት እትገሃድ  ወይ እትበርቕ ብርሃን ጸሓይ እናኣማዕደወ ክሳብ ነጻነት ዝተቓለሰ። ይኹን‘ምበር እታ ዝተጸበያ ምልእቲ ነጻነት ብሰንኪ ሓሳዳት መኣዝና ስሒታ፡ ጻማ ዝግብኦ ህዝባ ኣብ ክንዲ ዝርህዎን ዝቐስንን ኣብ ዘይውዳእ ስቓይ መከራን ሓዘንን ስደትን ምሕርቃም ኣስናንን ወዲቑ ዝርከብ ዘሎ።

እዚ ዘሎናዮ ሃለዋት ግን ንፍሉያት ወገናት ኣጸጊዕካ ጥራሕ ዝሕለፍ ከም ዘይኮነ፡ ንምስላ ኣቦታት ብምጥቃስ ከብርሆ ክፍትን እየ። ንሱ ከኣ ‘‘ተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ መቝሎኣ ከላ እፈልጣ ዝብል ብሂል ንኩሉ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ቅድሚ ዓይኑን ዝፍጸም ገበናት ንጠቕሙ ከም ዘይኮነ እናረኣዮ ንክሳቐ ዝፈቐደ ባዕሉ ህዝቢ ምዃኑ ኣሉ ዘይበሃል ሓቂ‘ዩ።

ገለ ካብቲ ክርእዮ ዝነበሮ በደላት ንምጥቃስ፡-

1 - ብዘይህዝባዊ ምርጫ ኣብ ስልጣን ምድያብ፥

2 - ብዘይሃገራዊ ቅዋም ምምራሕ፥

3 - ዝኾነ ናይ መሰል ሕቶ ብሓይሊ ምፍትሑ፥

4 - መሰረት እንታይነትና ዝኾነ ሃይማኖታዊ እምነትና ምድፋር፥ መሰረት ምዕብልና ሃገር ዝኾነ ዩኒቨርሲቲ  ምዕሳው፥

5 - ኩሉ ዓይነት ክብርን መሰልን ዜጋታት ምርጋጽን ምዕፋንን።

እዚ ኩሉ ኣብ ዘይተረጋገጸሉ ሃገር ምንባር ማለት ርእሱ ኣብ ዝተቖርጸ ሰብ ጥዕና ኣለዎ ኢልካ ካብ ምሕሳብ ዝፍለ ኣይኮነን።

እዚ 28 ዓመታት ነጻነት እምበኣር ናብዚ መገዲ‘ዚ ገጹ ይጐዓዝ ምንባሩ ዘመልክት፡ ንማንም ዘየደናግር መደብ ኣዕናዊ ፖሊሲ መንግስቲ ሳሕል እዩ። እዚ ብደም ንጹሃት ምሁራት እናተመገበ ዝዓበየ ሳጥናኤል ዓራርብ ብዝፈጸሞ ናይ 30 ዓመታት ሕቡእ ገበን፡ ኣብ ሰላም ዝሰፈና ቅስንቲ ኤርትራ ከንብሮ ከም ዘይክእል ስለ ዝተረድአ፡ ኣብ ንሱ ዝመርሓ ሃገር ፍትሒ ዝማእከሉ ስርዓተ-ምሕደራ ከፍቅድ ዘይሕሰብ‘ዩ። ስለ ዝኾነ ከኣ ኣብ ኣስመራ ኣብታ ዓዲ ፍትሕን ርትዕን ዝኾነት ርእሰ-ከተማ ሃገርና ተቐሚጡ ክመርሕ፡ ሰብኣዊ ሞራልን ሕጋዊ ብቕዓትን ዘይተዓደለ ሓሳድ ፍጡር‘ዩ።

ኢሳያስ ንቅዋም ከም መልኣከሞት ስለ ዝፈርሃ፡ ምእንቲ ክነብር ንሕጊ ክቐትላ ነቶም ኣቐዲሞም ዝፈለጥዎ ዘገርም ኣይኮነን። ኣቲ ዘገርምስ ናይቶም ቅዋም ሞይታ‘ያ እናበሎም ኣዒንቶም ዓሚቶም ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና እናዘመሩ ኣብ ዕንወት ህዝቢ ኤርትራ ዝሳተፉ ዘለዉ ደገፍቱ‘ዮም። በቲ ይኹን በዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድሕሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ሓድሽ ምዕብልናን ምምጻእ ዶክቶር ኣቢ ኣብ ስልጣንን ዝተጋህደ ንኤርትራ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ምስጢር ስለ ዝተረድአ፡ ‘‘ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ‘‘  ከም ዝበሃል ክንዮ‘ዚኸ እንታይ ክንጽበ ብማለት ይኣክል ክብል በቒዑ‘ሎ። ይኣክል ማለት ከኣ ይኣክል ንዝሓለፈ ስቓይ፡ ይኣክል ንዘይቅዋማዊ ምሕደራን ግዱድ ዕስክርናን ኢሰብኣዊ ማእሰርትን መጭወይትን፡ ይኣክል ንብርሰትን ስደትን ውርደትን ስቓይን፡ ይኣክል ንፍርሕን ስቕታን ንነብሰይ ይጥዓመንን ዘጠቓልል ዓሚቝ መልእኽቲ ዘለዎ ኃይለቃል እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ኩሉ ኣብ ፍትሓዊ ምሕደራ ረብሓ ዘለዎ ኤርትራዊ ብዘይኣፈላላይ ሃይማኖ ዓሌት ጾታ ዕድመ፡ ሓቢሩ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ምክያድ ተጸሚዱ ምህላዉ ተስፋ ዝህብ ተበግሶ‘ዩ። እዚ ተበግሶ‘ዚ ውጽኢት ዝህልዎ ግን፡ ኣቦታትና መራሕቲ ሃይማኖትን ናይ ፖለቲካ እሱራትን ይፈትሑልና፡ ቅዋም ይተግበር ኢልካ ምሕታትን ምምሕጻንን ዘይኮነስ፡ ነቲ ጸረ‘ዞም ዝሕተቱ ዘለዉ ኣምራት ዝኾነ ገፋዒ ስርዓተ-ሸፋቱ ንምእላይ ተባዕን ሓባራውን ስጉምቲ ምውሳድ‘ዩ ዝግባእ። ምንቅስቓስ ይኣክል ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብሰላማዊ ሰልፊ ዝካየድ ዝድገፍኳ እንተኾነ፡ ንኩሉ ዘማእክልን ንውሽጥን ንደገን ዘተኣሳስር ኣብ ኩሉ ዓለም ንህዝቢ ኤርትራ ወኪሉ ዝዛረብ ኣካል ክሳብ ዘየቖምና፡ ንእንደልዮ ዕላማ ንምውቃዕ ኣኻሊ ኣይኮነን።

ጕሒላ ኢሳያስ ስልጣኑ ንምንዋሕ ጫማ ዶክቶር ኣቢ ስዒሙ እገዳ‘ኳ እንተኣፍትሐ፡ ብጠቕሚ ዝዓሰቦም ከም ኣቡነ ሉቃስ ዝኣመሰሉ ኣዋፊሩ ክሰብኽ እንተፈተነ፡ ነቲ ተሓቢኡ ዝገብሮ ዝነበረ ኣብ ቃልዕ ኣውጺኡ ዘጋልጾ እምበር ንምንዋሕ ስልጣኑ ዝሕግዝ ኣይኮነን። ንቀጻልነት ስልጣኑ ዘናውሕስ ዘይጥርኑፍ ኣሰራርሓናን ቀባጽ ስጉምቲ ዘይምውሳድናን ምዃኑ ተረዲእና፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምቅባጹ ብሓደ ክንሰርሕ እዋናዊ ሕቶና ይኹን። ኣብዚ ሃገርና ኣብ ምህላውን ዘይምህላውን ትርከበሉ ዘላ እዋን፡ ከምቲ ጥዑም ሙዚቃ ሰሚዑ ዘይንቀሳቐስ ሰብ ፍጹም ተንኮለኛ  ወይ ድማ ጸማም ጥራሕ‘ዩ ክኸውን ዝኽእል ዝበሃል፡ ኣብዚ የለኹ ኣብቲ የለኹ ዝብል ኤርትራዊ ዜጋ፡ ኣካላዊ ህልውና ጥራሕ ዘለዎ ስለ ዝኾነ ምስ ምዉታት ምቝጻሩ ገበን ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ነዚ ጨቋኒ ስርዓት ንምድጋፍ ንዘይሕባእ ገበኑን ክሽፍኑ ዓለም ዝኸዓቦ ፍንፉን ኣሰራርሓ ኢሳያስ ከጸባብቑ ናይ ሓሶት ምስክር ዝህቡ ከም ኣባ ሉቃስን መሰነይትኦምን፡ ንእኦም ቃለ መሓትት ዝገበረ ናይ ጋዜጠኛ ሓላፍነት ብዝግባእ ዘይተጠቕመ ጋዜጠኛ ተወልደ ወልደገብርኤል ዝመስሎምን ዝኣመኑሉን ክዛረቡ መሰሎም እኳ እንተኾነ፡ ንከምዚ ዝኣመሰለ ዓለም ብዓለማ ዝፈለጠቶን ዝተዛረበትሉን ግሁድ ሓቂ ከም ዘየሎ ምግላጾም፡ ንሓዝነሎም እምበር ካልእ ኣይንብልን። እንተንስርዓት ህግደፍ ግን ካብ ውድቀት ከድሕንዎ ከም ዘይክእሉ ክርድኡ ንመኽሮም።

በዚ ኣጋጣሚ ንኩሉ ምንቅስቓስ ይኣክል ብሓፈሻ፡ ነቲ ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ብኣዝዮም ብዙሓት ስእሊ ብጹእ ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ ተሰኪሞም ኣፍ ልቦም ገቲሮም ንሕና ምስ ኣቦና ዝብል ብመራሕቲ ሃይማኖት ተመሪሑ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ዋሺንግቶን ድማ ብፍላይ፡ ክብርን ኣድናቖትን ከይሃብኩ ክሓልፍ ኣይደልን።

ቃልሲ ውጹዓት ክዕወት ናይ ግድን‘ዩ!

ርእሲ ዓማጽን መሰልቱን ክደንን‘ዩ!

ዓወትን ነባሪ ሰላምን ንህዝብና!

ዓንደጽዮን ግርማይ

ጀርመን 

Last modified on Thursday, 21 November 2019 21:21