Print this page

ህዝብና ብገርሁ፡ ኢሳይያስ ብጉርሑ

2019-11-20 09:48:15 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1520 times
Rate this item
(0 votes)

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንንናጽነት ዝተዓወተ፡ ፍትሓዊ ብምንባሩ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እቲ ካልእ ዘዕወቶ መሰረታዊ ረቋሒ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ሓድነቱ ኣደልዲሉ፡ “ዓወተይ ብቃልሰይ” ኢሉ ነቲ ንሰውራኡ ብምሉእ ልቡ ስለ ዝሓቖፎን ዝሓብሓቦን ምዃኑ ካልእ ዘየማትእ ሓቂ እዩ። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይዝኾነ ኣፈላላይ ሓድነቱ ኣደልዲሉ፡ ከም መርኣያ በዓል ቤታዊ ሓላፍነቱ ንሰውራኡ፡ ኣዕጢቑ፡ ቀሊቡ፥ ኣዕቊቡን ኣብ ኩሉ ዝተሓቶ ዝሑልን ውዑይን ብዘይተጉላባ ተሳቲፉ። ንተጋደልቲ ደቁ እንተላይ ነዚ ሎሚ ሕማቕ ዝፈድዮ ዘሎ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣዕንጊሉ፥ ኣገዳሲ ሓበሬታ ሂቡ፡ ኣብ ኢድ ጸላኢ ከይወድቑ በጃ ኮይኑ፡ ንብረቱ ጥራይ ዘይኮነ “ንቃልሲ የድሊ እዩ” ክበሃል እንከሎ ንደቁ እውን መሪቑ ኣሰሊፉ። እዚ ክገብር እንከሎ ኣብ ምዕዋት እቲ ሰውራ፡ ኮነ ኣብ ተጠቃምነት ናይቲ ፍረ መስዋእቲ፡ ንሱ በዓል ቤትን ቀንዲ ተጠቃምን ክኸውን ምሉእ ዕግበትን እምነትን ስለ ዝነበሮ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብዘይመሪሕ ውድብ ወሳኒ ዓወት ከምዘይምዝገብ ይርዳእ ስለ ዝነበረ እዩ ንውድባቱ ከም ብሌን ዓይኑ ዝረኣየን። ከም መርኣያቲ ንውድባቱ ዝነበሮ ፍቕርን ኣኽብሮትን ከኣ ንመራሕተን እውን ሓብሒቡን ኣተባቢዑን። በጃ እውን ሓሊፉ። ኣብዚ መዳይዚ ኣረዳድኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ቅኑዕ ነይሩ። ቅንዑነቱ ኣረዳድእኡ ከኣ ዝኸፈሎ ከቢድ ዋጋ ኣብ መዓላ ውዒሉ ብርሃን ናጽነት ብምርኣዩ ተረጋጊጹ እዩ።

ኢሳይያስን ጉጅለኡን ከምቲ ብተግባር ዝተራእየ፡ ብህዝቢ እንተዘይተሓቚፎም ክዕወቱ ከም ዘይክእሉ ይፈልጡ ነይሮም። በዚ መሰረት ኢሳይያስ እዚ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሓቛፊ ኣበርክቶ ከይበኹሮ እሞ ካብ ማይ ዝወጸ ዓሳ ከይከውን፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ሕግብግብ ኢሉ።  ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ካብ ፈቓድ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይወጽእ መሲሉ ብምቕራብ ከኣ ብዙሕ ደሓር ዝተጠልመ መብጸዓታት ኣትዩ ምቁር ጭረሖታት’ውን ጨሪሑ። እንተኾነ እቲ ሽዑ ዝኣተዎ መብጸዓታት ናይ ጉርሕን ሓሶትን እምበር ናይ ልቡ ከምዘይነበረ፡ ካብ ዝቃላዕ ከኣ እነሆ ናብ 30 ዓመታት ዝገማገም ናይ ጥልመት ተመኩሮኡ ባዕሉ ይዛረብ። ስለዚ ኣብቲ ናይ ግዜ ሰውራ ዝነበረ ዝምድና ህዝብን ኢሳይያስን፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ እምነት ካብ ቅንዕና ዝነቅል ግርህና ዝጸለዎ ምንባሩ፡ ናይ ኢሳይያስን ውሑዳት መኻይድቱን ኣካይዳ ከኣ ናብ ክድዓት ብዝማዕበለ ሰራም ጉርሒ ዝተፋሕሰ ምንባሩ እንሆ ሎሚ ከም ጸሓይ ቀትሪ ኮለል ኢሉ በሪሁ።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብግርህነቱ ኣብዚ ሕጂ ወዲቕዎ ዘሎ ከም ዝወደቐ ብግቡእ ተረዲኡ እዩ። ዲክታቶር ኢሳይያስ እውን እቲ ካብ ቀደም ጀሚሩ ህዝቢ ንምዕሻው ዝኣለሞ መፈንጠርያ ከምቲ ዝሓሰቦ ከም ዝኾነሉ ብዘይሕፍረት ነቲ ዝኣትዎ ዝነበረ መብጸዓታት ብዝጻረር፡ ዓው ኢሉ ኣብ ዝዛረበሉ ደረጃ ኮይኑ፡ ዝጠማመቱ ዘለዉ ኣካላት እዮም። ኢሳይያስ ግና እምብዛ ዘይሓፍር፡ ዓይኒ ከንቁር ድሕር ዘይብል ሓሳዊ ብምዃኑ ከምቲ “ምብላዕካ ዝለመደስ ክርእየካ እንከሎ የባሁቕ” ዝበሃል፡ ሕጂ እውን “ደጊምስ ጉርሐይን ተንኮለይን ተቓሊዑ እዩ” ኢሉ ኣይዓረፈን። ነቲ ስጋኡ ግሂጹ ዝወደኦ ህዝቢ፡ ዓጽሙ ክቑርጥሞ ከንባህቑ ይውዓል ኣሎ። ከም መርእያ ናይቲ ዘይውዳእ ምትላሉ ከኣ ክሳብዚ ቀረባ ግዜ ዘይነድፎ ሕገምንግስቲ ክነድፍ እየ፡ ንዘይሓርሶ ብሮጀክቲ ሕርሻ ክትልም እየ፡ ንዘየዕብዮ ቁጠባ ከማዕብሎ እየ፡ ….. ወዘተ ዝብሉ ናይ ሓሶት መብጸዓታት ክኣቱ ጸኒሑ። ኣብዚ መወዳእታ ግና ኩሉቲ ዝርካቡ ትንፋስን ውሕስነትን ዘይነበሮ ትካላቱ እንተላይ ነቲ ህግዲፍ  ዝብሎ ሰልፊ ድዩ ውድብ፡ ጸጸግዑ ኣትሒዙ ካብቲ ናይ ሓሶት መንዝሒ ሚድያኡ እውን ህልም ኢሉ ጠፊኡ።

እንዳወዓለ እንዳሓደረ ብፍላይ ናጽነት ኤርትራ ሒደት ዓመታት ምስ ሰጐመ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ንሳቶም ብገርሂ እቲ እኩይ ዲክታቶር ግና ብጉርሒ ይኸዱ ምንባሮም ተርዲኦም እግሮም ከሕጽሩ ጀሚሮም። ኣዝዮም ውሑዳት ግና ከምቲ “ንመን ኣለዎ መን ኣለዋ ኣላቶ” ዝበሃል፡ ጉርሑን ተንኮሉን ቀልጢፉ ዘይተሰወጦም መጣቓዕቲ ነይረምዎ። ካብ ምንኣድ ሓሊፎምስ “ወዲ ኣፎም ብርየ፡ ንሱ እንበሳ ዓሻክሩ ነብርየ” እንዳበሉ ዝደርፍሉ መራሰንቲ እውን ኣይሰኣነን። ናይዚኣቶም ጫውጫው እቲ ቅድም “ኣለኹ ግዲ እየ” ኢሉ  ዘይቅጽል ትንፋስ ከም ዝሰኹዓሉ ዝግምቱ ወገናት እውን ኣለዉ።

ኣብዚ ሎሚ እዋን እቲ ተሓቢኡ ዝነበረ ጉርሒ ዲክታቶር ተቐሊዑ፡ ኢሳይያስ በቲ ሓቀኛ ባህሪኡ ኣብ ልዕሊኡ ኣዝዩ መሪር ወጽዓ ዝወርዶ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ተገሪሁ ኣብ ስልጣን ዘምጸኦ ጉጅለ ክብደል እንከሎ ከም ዝጠዓስን “ባዕልና ብዘዕበናዮ ከልቢ’ባ ንንከስ ኣለና” ከም ዝብልን ርዱእ እዩ። እንተኾነ ከምቲ “ዝፈሰሰ ማይ ኣይሕፈስን እዩ” ዝበሃል፡ ናይ ቅድሚ ሕጂ ግርህነት ብጣዕሳ ኣይምለስን እዩ። ነቲ ዝሓለፈ ግርህነት ዳግማይ ንዘይምግራህ ከም መምሃሪ ክንወስዶ ግና ናይ ግድነት እዩ። ስለዚ ቁጠዐና ኣብቲ ዝሓለፈ ብምሕርቃም ዘይኮነ፡ ዳግማይ ብዘይምግራህ ኢና ከነረጋግጾ ዝግበኣና።

ኢሳይያስ ኣብዚ እዋንዚ ንኹሉ ዝጸልእ ጽላለቱ እውን ዘይኣምን ንጹልን ጽሉልን ባእታ እዩ። ጽልኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነተን ካብ ዘይሕገመንግስታዊ ባይታ ነቒሉ ዝመስረተን መሳርሒኡ ትካላት እውን ጠሊምወን እዩ። ነቲ ባዕሉ ኣቚሙ ባዕሉ ዘሽኮንድሮ ዝነበረ ሃገራዊ ባይቶ ረሲዕዎ እዩ። ንህግዲፍ ከም ትካልን ኣብኡ ዝሰርሑ ዝነበሩ ባእታታትን ምኽንያታት እንዳፈጠረ ኣዋሲንዎም። ወዮ ከምስል ትርጉም ንዘየብሉ ኣጀንዳ ዝእክቦ ዝነበረ ካቢነ ሚኒስተራትኳ ገዲፍዎ። ንኹሉቲ ናይ ኩሉ ሕግታት ኣቦ ሕገመንግስቲ ኣብ ዘይብሉ ባዕሉ ዝእውጆ ኣዋጃት እውን ኣየኽብሮን እዩ፡ ብኣንጻሩ ሕጂ ምስኡ ዘለዉ በሊዖም ዘብልዕዎ፡ ብጉዳይ ህዝብን ሕልነኦምን ዘይሓስቡ ሓንሳብ ኣብቲ ሰልሚ ተሸኺሎም ምውጻእ ዝሰኣኑ፡ ከብዶም ዝዘመዶም ውሑዳት ሰባት ጥራይ እዮም።

ስለዚ ሕሉፍ እንዳዘከርካ ስንኻ ምሕርቃም፡ መፍቶቲ ጌና ሕጂ እውን ኣብ ግዜኡ ዝሓለፎ ጉርሒ ዝነብር ዘሎ ዲክታቶር ምዃን ስለ ዝኾነ፡ ህዝብና ካብዚ ምሕርቃም ስንን ምርምጣጥ ከንፈርን ወጺኡ፡ ካብ ሕሉፍ ግርህነቱ ተማሂሩ ብዛዕባ መጻኢ ክሓስብን ክቃለስን ግዜ ይጠልቦ ኣሎ። ኢሳይያስ ግና ብዘይካ በዚ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ጉርሕን ተንኮልን፡ ክሳብ ወሪደ-መቓብር ምቕጻል ካልእ መተካእታ የብሉን።

Last modified on Wednesday, 20 November 2019 10:50