Print this page

ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ: "ህወሓት ውህደት ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለፂ: ውድባዊ ኣሰራርሓ ዝጠሓሰ እዩ"

2019-10-18 19:29:20 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1861 times
Rate this item
(0 votes)

 

ኣርማ ኢህወዴግ

ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ኣማስዩ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ: ህወሓት ብዛዕባ ውህደት ኣመልኪቱ ደጋጊሙ ዘውፅኦ ዘሎ መግለፂ: ውድባዊ ኣሰራርሓን ስነምግባርን ዝጣሓሰ: ከምኡ'ውን እዋኑ ዝሓለወ ስለዘይኮነ ክእረም ከምዘለዎ ይገልፅ።

ህወሓት ኣብ መግለፂኡ ብኢህወዴግ ዝሕሰብ ዘሎ ውህደት "ኣሃዳዊ መንግስቲ ንምፍጣር ዝዓለመ'ዩ" ምባሉ፡ ኮነ ኢልካ ንምድንጋር ተሓሲቡ ዝቐረበ መግለፂ እዩ ክብል'ውን ነቒፉ።

ኢህወዴግ ናብ ሓደ ሃገራዊ ውሁድ ውድብ ንምስግጋር ካብ 1996 ዓ.ም ኣብ መበል 5ይ ውድባዊ ጉባኤ ጀሚሩ ክለዓል ዝፀነሐ ምንባሩ ዘዘኻኸረ እቲ መግለፂ: ነቲ ውህደት ዝመርሕ ዝነበረ ህወሓት ኣብዚ እዋን እዚ ኣሉታዊ ትሕዝቶ ዘለዎም መግለፅታት ደጋጊሙ የውፅእ'ሎ ኢሉ።

እቲ መግለፂ: ብዛዕባ ውህደት ኢህወዴግ ኣብ መፅናዕቲ ዝርከብን ዕልባት ዘይረኸበን ዛዕባ እዩ ክብል ሓቢሩ።

መወዳእትኡ ድማ ብመስርሕ ገና ንቕድሚት ዝረአ ከምዝኸውን ኣፍሊጡ።

ቅዋም ኩሎም ኣባላት ውድባት ኢህወዴግ ኣብ ዘይተገለፀሉ ኩነት: ህወሓት ኣቐዲሙን ንበይኑን መግለፂታት እሞ ድማ ደጋጊሙ ከውፅእ ምኽኣሉ: ኣሰራርሓን ስነ ምግባርን ኢህወዴግ ዝጠሓሰ እዩ ብምባል ነቒፉ።

ኣብ መወዳእታ: ኢህወዴግ :ብዛዕባ ሕብረ ብሄራዊ ውህደት ኣመልኪቱ ዝሓልፉ ውሳነታት: ብመሰረት ውድባዊ ኣሰራርሓን ስነ ምግባርን: ንኹሎም ውድባዊ ደረጃታትን ህዝብን ግልፂ እናገበርና ክንከይድ ኢና ክብለ ኣፍሊጡ።

ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝሓለፈ ሰሙን ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ መቐለ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ: ብዛዕባ ውህደት ኢህወዴግ እናሰረሐ ከምዝመፅአ ብምግላፅ: ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፍልልይ ኣተሓሳስባ ውድባት ኢህወዴግ: "ሓውን ሓሰርን ክወሃሃዱ ኣይኽእሉን" ምባሉ ይዝከር።