Print this page

ተጋዳላይ: ዓንዲ ማእከል ኤርትራዊ ሃገራውነት

2018-05-27 15:28:11 Written by  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2464 times
Rate this item
(0 votes)

ብዛዕባ ኣመጻጽኣን ምዕባለን ኤርትራን ኤርትራዊ ሃገራውነትን ብዙሕ እዩ ዝበሃል። እቲ ክሳብ ሕጂ ን ኢትዮጵያናውነት ዘመላኽዕን ዝጣበቅን ትረኻ: ንሃገርነት ኤርትራ ብፍጹም ነጻጊ ካብ ሙዃኑ ዝተበገሰ ምኽንያት: እቲ ፍጻሜ ዘይፍትሓዊ እዩ ንዝብል መትከሎም ብ "ቅድሚ ጣልያን እኮ ኤርትራ ትበሃል ሃገር ኣይነበረትን" ዝብል ምጉት ብምልዓል ከም ሓንቲ ክፋል ኢትዮጵያ ዝነበረት እሞ: ጣልያን ቆንጪሉ ዝወሰዳ ጉዚ ክጠቅስዋ ህርድግ ክብሉ ይረኣዩ እዮም። ብርግጽ እዛ ናይ ሎሚ ዶባዊ ቅርጺ ዘለዋ ኤርትራ ቅድሚ መግዛእቲ ጥልያን ኣይነበረትን። ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነት ግን: ብመሰረቱ ሃገራት ኣፍሪቃ ቅድሚ መግዛእታዊ ውሳኔን ምሕንጻጽን ዶባተን: በዚ ሎሚ እንፈልጠን ክውንነት ኣይነበራን።

ብዙሓት ተመራመርቲ ታሪኽን ፓለቲካን: ምጅማር ሃገርነትን ሃገራውነትን ኣብ ዓለም ኣብዚ ዝሓለፈ 400 ዓመታት ዝጀመረ ተርእዮ ሙኻኑ ይድምድሙ እዮም። እተን ናይ መጀመርያ ከም ሃገር ርእሰን ዝፈለጣ ሃገራት ኣውሮጳ ክኾና ከለዋ: ዝተኸተላኦ ናይ መግዛእቲ ጎደና: ን ገዚፍ ክፋል ኣመሪካ ኣስያ ዓረባዊ ዓለምን ኣፍሪቃን ድሒረን ናብዚ ኣምር ክመጻ ደሪኹ። ውሩይ ተመራማሪ ታሪኽ ኤርትራዊ ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣብታ "ኤርትራ: ካብ ፈደረሽን ናብ ጎበጣን ሰውራን 1956–1962" ዘረእስታ መጽሓፉ ኣምር ሃገራዉነት ውጽኢት ምርምር በነዲክ ኣንደርሰን ዝተባህለ ተማራማሪ ብምጥቃስ: ሃገራውነት ናይ ቀረባ እዋን ዘመናዊ ተርእዮ ክነሱ ኩሎም ሃገራውያን ናን ናይ ጥንቲ ኣመጻጽኣ ማሕበረ ኮሞም ከምዝመልስዎ ይገልጽ። ኤርትራዊ ፉኣድ መኪ ነዚ ብ ኣደርሰን ዝተገልጸ ንምሩጓድ: ኤርትራዊ ሃገራዉነትን ሃገርነትን: ቅድሚ ምምጻእ መግዛእቲ ኢጣልያ ከም ሃገር ስለዘይነበረት: ንሶም ዳህሲሶም ክረኽብዋ ትጽበ ከምዝነበረት ጌርካ ምውሳዳ ጌጋ እዩ ይብል። ስለዚ ታሪኽ ኤርትራዊ ሃገራውነት ክጸሓፍ ተኾይኑ: ከም ናይ ጥንቲ ካብ ምርኣዩ: ከም ሓደ መስርሕ ናይ ማሕበራዊ: ፓለቲካውን ታሪኻውን ህንጸት ምርድኡ ዝበለጸ እዩ ይብል። ነዚ ታሪኻዊ ህንጽት ንምርድኡን ገዛእ ታሪኽናን ሃገራውነትናን ንምምዕባል ክሕግዙና ዝኽእሉን ናይ ዝሓለፉ 500 ዓመታት ተርእዮ ምስ እንድህስስ: ምምስራት ባሕሪ ነጋሽ: መግዛእቲ ጥልያን: ምምሕዳር እንግሊዝ: ታሪኽ ስናዕ(artificial) ፈደረሽን: ጎበጣ ኢትዮጵያን ብዓቢኡ ከኣ ሰውራዊ ጉዕዞን ኣኺሎም ዝተርፉ ኣብነታት እዮም። ከምቲ ታሪኽ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ሓደ እዋን ምስ ነቲ መድረኽ ዘደንፍዐ ተርእዮ ምብጋሱ: መስመር ታሪኽ ኣመሰራርታ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ካብዚ መስመር ዝወጽእ ኣይኮነን። እዚ ነቲ ኣብ ምዝዛም መግዛእቲ ኣውሮጳውያን ኣብ ኣፍሪቃ: ከም ሃገር ክቀውም መሰል ኣለኒ ዝበለ ሕብረተሰብ ኤርትራ እኹል ድሕረባይታ እዩ።

ሃጸያዊን ፋሽሽታውን መግዛእታዊ ዘመን ኣውሮጳውያን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘብቀዓሉ ዓመታት ብፍላይ ኣብ 50ታት እምበኣር: ኤርትራ ከም ካልኦት ኩለን ናጽነተን ዝረኸባ ሃገራት ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ክትከውን ኔሩዋ። እዚ ንረብሓ ሓያላን ምዕራባውያን ሃገራት ኣካታዒ ምንባሩን: ብቀንዱ ውን ተቀባልነት ስለዘይረኸበን: ድምጽን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ብምርጋጽን ጸማም እዝኒ ብምሃብን ብ1952 ንታሪኽ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ በሰላ ዝፈጠረ ውሳኔ ብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዋሂቡ። ነቲ ብጉልባብ ፈደረሽን ዘተኸወለ: ግን ከኣ ፓለቲካዊ:ማሕበራዊን ቁጠባውን መዳዩ ኣብ ፍጹም ምምሕዳርን ምልኪን ንግስነት ኢትዮጵያ ዝሸመመ ጉዕዞን ሃለዋትን ሃገር እምብይታ ብምስማዕ: ኣብቲ መጀመርያ ብሰለማዊ ቀልሲ: ድሒሩ ከኣ ናብቲ ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ዝተወስደ ብረታዊ ቃልሲ ክሰጋገር ኔርዎ። እቲ ኣብ ክሊ ዶባት ናይ ሎሚ ኤርትራ ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ ዝዓገበሉ ዝዓበየን ቀንድን ክምለስ ዝነበሮ ሕቶ: ሕቶ ሃገርነት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር: ን ሃገርነት ክበቅዕ ዝነበሮ ህዝቢ መሰሉ ምስዝሕደጎ ዝወስዶ ስጉምቲ ብምውሳድ: ነታ ከም ህዝቢ ዝተነፍጋ መሰል ርእሰውሳኔ ከተግብር: ቃልሲ ንሃገርነት መጀመርያ 40ታት ኣብ ከተማ ጀሚሩ። ኣብ 1993 ኤርትራ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ክትረክብ ከላ: ደበስ ናይቲ 50 ዓመት ዝወሰደ መሪር ናይ ከተማን በረኻን: ሰለማውን ብራታውን ሰወራ ዝተኸፍለ ዋጋን መስዋእትን እዩ።

ዝበዝሑ ሰውራታት ዓለምና: መግዛእቲ ንምውጋድ: ፍትሒ ንምንጋስ: ስርዓት ንምቅያር ዝዓለሙ እዮም። ኣበዚ ገስጋሰ ዝረአን ንመብዛሕትኦም ሰውራታት ዘመሳስሎም ሓደ ነጥቢ ኣሎ። ንኣብነት እቲ ከም ኣቦ ስውራታት ዓለም ዝርአን: ኣብ ታሪኽ ዓለም ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዘሰጋገረ መድረኽ ዝረአ ሰውራ ፈረነሳ እዮ። ዕላማ ሰውራ ፈረንሳ: ዝነበረ መስፍናዊ ስርዓት ብምውጋድ: ኣብ ዘመነ ንቕሓት ይጉሰገሰሎም ንዝነበረ ክብርታትን ሓሳባትን: ኣውራ እኳ ደኣ ነመሰል ደቂ ሰባት ዘኽብር ስርዓት ንምትእትታው ኔሩ። እዚ ዕላማ ሒዙ ከብቅዕ: ብዙሓት ተሳተፍቱ ንከዐውትዎ ህርድግ ይብሉሉ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ: መራሒ ናይቲ ሰውራ ዝነበረ ቦነፓርት ናፖልዮን ነቲ ዝነበረ ንግስነት ኣልዩ ከብቅዕ ተመሊሱ መስፍናዊ ስርዓት ምትእትታዉ እዩ። እዚ ምስ ሰውራ ኤርትራ ዘመሳስሎ ነገር እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ክለዓል እምበኣር ግድን ይኸውን። ኣብ ሰውራ ዘጋጥም እቲ ዝዓበየን ቀንድን ሽግር: ከልተ ዓይነት ሰባት ነቲ ሰውራ ስለዝጽነብርዎ እዩ። እቲ ሓደ ክፋል: ዕላማ ሰውራ ንምዕዋት ነቶም ኣቀዲምና ዝዘርዘርናዮም መስዋእትታት እንዳከፈለ ክጉዓዝ ከሎ: እቲ ካልኣይ ዓይነት ሰብ ከኣ: ውልቃዊን ክበጽሖ ዝደለየን ኣዕናዊ ዕላማ ብምኽታል: ንሰውራን ውጽኢቱን ይጨዊ። እቲ ድሕሪ ምዝዛም ሰውራ ዝፍጠር ኩነታት ውጽኢት ናይቲ መጭወይቲ ክኸውን ንርእዮ። ኤርትራ ሃገርና ውን ካብዚ ዝተጠቅሰ ሓደጋ ኣየምለጠትን። ድሕሪ ምዝዛም ሰውራ ኤርትራ: ኣብ ኢድ ጨወይቲ ስለዝወደቀት ኣበዚ ሎሚ ዘላቶ ኩነታት ወዲቃ ትርከብ። ኤርትራ ሎሚ ከመይ ኣላ ዝብል ሕቶ ምምላሽ ዘየድልዮ: ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንዕዘቦ ዘለና እዩ።

ህልው ኩነታት ኤርትራ: ነቲ ሃገር ንምትካል ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ዝኸፈለ ተጋዳላይ ሓላፍነት ምስካም ፍትሓዊ ድዩ ዝብል ሕቶ መልሲ ዘድልዮ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ኣገዳሲ ኣርእስቲ እዩ። እዚ ሎሚ ክብሩን ኣብርክትኡን ክዋርድ ጀሚሩ ዘሎ: ኤርትራዊ ሃገራውነት ዝወለዶ ኣካል ናይ ሰውራ ዝኾነ ተምሃራይ: ሸቃላይ: ነጋዳይ: ሓረስታይ: ወላዲ: ወላዲት: ኮታ ብግብሪ ብምግዳል: ተጋዳላይ ክስየም ዝበቕዐ ከፋል ሕበረተሰብና ተርኡ እንታይ ኔሩ: እንታይ ኣበርኪቱን ኢልና ክንሓትት እምበኣር ግቡእ ይኸውን። ከምዚ ሎሚ: ንኹሉ ኣብ ሓደ ቁራዕ ብምሕዋስ ሽም ተጋዳላይ ዝራኸስ ዘሎ ዘይኮነስ: ተጋዳላይ ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ እንተላይ እታ ዘይትትካእ ሂወቱ ክህብ: ካብ ማሙቕ ቁሪን ንፋስን: ካብ ለማጽ ጎልጎል ጎቦታትን ስንጭሮን: ካብ ጽጋብ ጥሜትን ጽምእን: ኮታ ኩሉ እቲ ንሂወት ወዲ ሰብ ተጻባኢ ዝኾነ ሃለዋት ክነብሮ ዝመረጸ ፍጡር እዩ። ተጋዳላይ: ዝጥወሩ ስድራቤት: ብጽሕቲ ወርሒ ሰበይቲ: እግሪ ተኽሊ ውሉድ: መርዓት ሕጽኖት: ማኪናን ርሻንን: ትምህርትን ምርምርን: ምቹእ ናብራ ምዕራባዊ ዓላም: ዓርከ መሓዛን ንድሕሪ ገዲፉ ባንዴራ ንምድላይ በረኻ ዝወጸ እዩ። ተጋዳላይ እቲ ኳ ኣብ ኢድ ጸላኢ ምውዳቁ ምስፈለጠ: ዕላምኡን ብጾቱን ከድሕን ብከሚና: ብገዛእ ሽጉጡን ቡምባኡን ነብሱ ዘሕለፈ: ምስጢር ከየውጽእ ክእሰር: ክግረፍ: ብኣስካሕካሒ ኣገባብ ዝተገፍዐን ክርሸን ዝመረጸን ዶ ኣይኮነን? ተጋዳላይ: ሰውራ ብምክያድ ኣብ ታሪኽና ወሳንን መሰረታውን ዝኾነ ምዕራፍ ሓሊፉ እዮ። እታ ብ ምዕራባውያን ሓያላት: ገዛእቲን ሰብ ረብሓ ደቂ ሃገርን ንኸይትህሉ ዝተጻዕረላ ኤርትራ: ሳላ ተጋዳላይ ነቲ ካብ መጀመርያ ናይዚ ጽሑፍ ዝተዘርዘረ መስመር ታሪኽ ንምምላስ ሓደ ኣገዳሲ ምዕራፍ ሰጊሩ እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ብድምጻዊ ዓንዲት ዑቅባይ ዝተዘየመት "ዕንቋዕ ተጋደለ" ትብል ደርፊ : ኣበርክቶ ተጋዳላይ እትገልጽን ኣፍልጦ ትህብን ኣገዳሲስ ስራሕ ብሙኻና: ኣነ ውን በተን ኣብ ኣርእስቲ ናይታ ደርፊ ዘለዋ ቃላት ንጅግና ተጋዳላይ/ተጋዳሊት "እንቋዕ ተጋደልኩም" ኢለ ክመጉሶም ይደሊ: ምኽንያቱ ተጋዳላይ ተዘይወፍር: ዕጫ ኤርትራ እንታይ ምኾነ ዝብል ሕቶ መልሱ ንምግማት ኣሸጋሪ ስለዘይኮነ።

ኣብ መወዳእታ: ህዝብናን ሃገርናን ዘለውዎ ኩነታት: ተጋዳላይ ዝስከሞ ሓላፍነት ዘይኮነ: ካብታ ኤርትራ ከም ሃገር ዝቆመትላ መዓልቲ ጀሚራ: ልዕልና ሕጊ ዝሰፈና ፍትሓዊትን ዴሞክራስያዊትን ንምገባራ: ተራ ናይ ኩሉ ኣባል ሕበረተሰብ ኤርትራ ሙኻኑ ከስምረሉ ይደሊ። ሎሚ ኤርትራውያን: ካብ ቃልሲ ሃዲምናን እንታይ ገደሸኒ ዝብል መንፈስ ሳዕሪሩናን ኣሎ። ወላ እቲ ጉዳይ ኤርትራ ተረዲእኒ እዩ እሞ ፍታሕ ከምጻሉ እየ ኢሉ ዝነጥፍ ዘሎ ወገን ዝረአ ዘሎ ምክፍፋልን ትሕተ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ: ባይቶይ ባይቶኻ ውድበይ ውድብካ: ቡኽረት ሓባራዊ ጉዕዞ ንሓደ ዕላማን ብዓብኡ ከኣ: ህዝቢ ኤርትራ ዝተኣማመነሉን ዝድግፎን አሰማራጺ ክኾኖ ዝኽእል ደነበ ብዘይ ምህላዉ: እኩብ ድምር ናይዚ ኩሉ ነዚ ሎሚ ኣብ ኣሻቃሊ ኩነታት ክንርከብ ተቀሲብና ኣለና። ሕምቀትና: ኣብክንዲ ነቶም ዕማሞም ዝዛዘሙ ተጋደልቲ ምስካም: ተራይን ኣበርክቶይን እንታይ ይኹን ኢልና ነብስና ብምሕካኽ: ክብርታት ኤርትራውነትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእተና: ንሃገርናን ህዝብናን ዘተኣማምንን ራህዋ ናብ ዘምጽእ ጎደና መብጽዓ ምምራሽ እዩ እንኮ መፍትሒ።
እንቋዕ ናብ መበል 27 ዓመት ፍረ ገድሊ ዝኾነት ምብቃዕ ሃገርነት ኣብጸሓና!

ዘልኣለማዊ ክብሪ: ዝኽርን ዕረፍትን ንሰማእታት ኤርትራ!

ወደብ ቴድሮስ
23.05.2018

Last modified on Sunday, 27 May 2018 17:30