Print this page
Wednesday, 26 November 2014 06:09

ኣብ ሓደ ዓመት ቍጽሪ ዑቕባ ዝሓቱ ኤርትራውያን ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ

Written by ብማርክ ኣንደርሶን
Rate this item
(0 votes)

ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ፡ ኣብ'ታ 30 ኤርትራውያን ዝነብሩላ ኣይንዚደልን ኣበይ፡ ስዊዘላንድ፡ ጽርበት እናሰርሐ ከሎ ዘርኢ ስእሊ (ስኣላይ ፋብሪስ ኮፍሪኒ/ ኣጃንስ ፍራን ፕረስ/

ብማርክ ኣንደርሶን

21 ሕዳር 2014

ብሰንኪ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ እናዛየደ ዝመጸ ዋጋታት መግብን ስእነተ-ስራሕን ኤርትራውያን መንእሰያት ንስደት ክውሕዙ ይግደዱ ኣለዉ ይብል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)

ብሰንኪ ደረት ኣልቦ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ እናዛየደ ዝመጸ ዋጋታት መግብን ስእነት ስራሕን ቍጽሪ ናይ'ቶም ኣብ ኣውሮጳ ዑቕባ ዝሓቱ ኤርትራውያን ብሰለስተ ዕጽፊ ኢዩ ወሲኹ። 

ብመሰረት ካብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ'ዚ ዓመት'ዚ ኣብ ገማግም ሃገራት ኣውሮጳ ካብ ዝበጽሑ፡ ብጀላቡ ኣቢሎም ናብ ጣልያን ዝኣተዉ ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራውያን 22% ኰይኖም፡ ድሕሪ ሱርያውያን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኢዮም ዝስርዑ። 

ኣብ'ዞም ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ዳርጋ 37,000 ዝዀኑ ኤርትራውያን ኣብ 38 ሃገራት ኣውሮጳ ዑቕባ ሓቲቶም ኣለዉ። እዚ ምስ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ውሽጢ 10 ኣዋርሕ ዝተራእየ ናይ 13,000 ሓተቲ ዑቕባ ክነጻጸር እንከሎ ብሰለስተ ዕጽፊ ኢዩ ወሲኹ። ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት፡ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሽወደን፡ ጀርመን፡ ስዊዘርላንድን ሆላንድን ኢዮም ዑቝባ ሓቲቶም። ካብ 80% ክሳብ 90% ዝዀኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ተቐባልነት ረኺቦም ክብል ናይ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ቃል ውሃቢ ገሊጹ።

ኣብ ሽወደን ዝመደበራ፡ መሮን እስጢፋኖስ እተባህለት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት፡ ናህሪ ዋጋታት መግብን ስእነት ናይ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ኢዩ ጠንቂ ናይ ስደት ኰይኑ ዘሎ ኢላ። "መነባብሮ ዘይጽወር ኰይኑ፡ ህዝቢ ይጠሚ ኣሎ፡ ንጹህ ማይ ምርካብ ኣጸጋሚ ኰይኑ ኣል፡ መብራህቲ የለን፡ ስለ'ዚ መነባብሮ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናጸንከረ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ ኢላ።

"ቀደም ኤርትራውያን ናበይ ይኸዱ ይፈልጡ ነይሮም። ኣብ ሱዳን ወይ ኣብ ሊብያ ኰይኖም፡ ናይ መወዳእታ ክበጽሕው ዝደልዩ ሃገር ይፈልጡ ነይሮም። ሕጂ ግን ኣበይ ይኣትዉ ኣይግድሶምን ኢዩ። ኣብ ነፍስወከፍ ሃገር ኣውሮጳ ብዝሒ ናይ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ እናዛየደ ኢዩ መጺኡ።"

ዕድመ ናይ'ቶም 90% ካብ'ቶም ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መንጐ 18 ክሳብ 24 ዓመት ኢዩ። መብዛሕትኦም ስደተኛታት ካብ'ቲ ሓድሽ ናይ ምዕስካር መደባት ንምምላጥን ኣብ ግዳም ናይ ትምህርትን ስራሕን ዕድል ክረኽቡን ኢሎም ከምዝሃደሙ ኢዮም ዝገልጹ።

ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ መጀመርያ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ጥራሕ 1,200 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም'። 

"ጽንኩር ቍጠባዊ ሃለዋት፡ ሓደ ካብ'ቶም ንኤርትራውያን ንኽስደዱ ዘገድዶም ዘሎ ምኽንያት ኢዩ። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ዝግበር ምስግዳድን ግፋን ውን ተወሳኺ ጠንቅታት ኢዩ። እቶም ዘዛረብናዮም፡ ዋላ እቶም ቅድሚ ሕጂ ንኣገልግሎት ኣይበቕዑን ኢዮም ተባሂሎም ተናሒፎም ዝነበሩ ዜጋታት ተገዲዶም ናብ ኣገልግሎት ይኣትዉ ኣለዉ ይብል እቲ ናይ ላዕለዋይ ኮሚሽን ቃል ውሃቢ። 

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት፡ ብ20 ሕዳር ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "እቲ ናይ 18 ኣዋርሕ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት መደብ ክናዋሕ ዝተገደደሉ ምኽንያት፡ ኢትዮጵያ ንኣህጕራዊ ውዕል ብምጥሓስ፡ ናይ ኤርትራ ልዑላዊ መሬት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽራ ምእታዋ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን" ኢሉ።

"ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት፡ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት፡ ንዅሎም ኤርትራውያን ከም ናይ ፖለቲካ ዑቝባ ሓተቲ ብምቝጻርን ብምቕባልን ንስደት ከተተባብዕ ከምዘይጸንሐ፤ ሕጂ ቍጽሪ ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት በዚሑ ዝብል ናይ ሓርገጽ ንብዓት ክኹዑ ኣየመልክዓሉን ኢዩ" ይብል መግለጺ ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት ኤርትራ።

ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ኣብ ለካቲት ኣብ ዝገበሮ ናይ ተለቪዥን መደረ  "ኤርትራ ብሰንኪ ህድማ ናይ'ዞም መንእሰያት ኣይትበርስን ኢያ። እዞም መንእሰያት ንስደት ስለዝውሓዙ ዝጐድለና ነገር ኣይክህሉን ኢዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ ሃሞምን ቀልቦምን ንግዳም ምኻድ ስለዝዀኑ ንሃገሮም ዘበርክትዎ ዝዀነ ይኹን ፋይዳ የብሎምን" ኢሉ።

ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ዝተሰዱ ኤርትራውያን በስገዳድ ናብ ሃገሮም ይምለሱ ኣለዉ ዝብል ሓበሬታታት ንላዕለዋይ ኮሚሽን የሻቕሎ ኢዩ። "እዞም ስደተኛታት እዚኣቶም ናብ ኤርትራ ክባረሩ ኣይግባእን ኢዩ" ይብል ግሩኢል።

እቲ ብሰንኪ እናዛየደ ዝመጸ ዋሕዚ ንስደት፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ዘቖሞ መርማሪ ሽማግለ ኣብ 20 ሕዳር ስርሑ ከምዝጀመረ ሕቡራት ሃገራት ምእዋጁ ዝፍለጥ ኢዩ።

"ንብዙሓት ስደተኛታት ኤርትራውያን ከዛርብ ዕድል ረኺበ ኢየ። ስለ'ዚ፡ ቍጽሪ ናይ ስደተኛታት እናወሰኸ ምኻዱ ኣይገርመንን ኢዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ ስበስልጣን ኤርትራ ነቲ መሰረታዊ ጠንቂ ናይ ስደት ክቕይርዎ ኣይደልዩን ኢዮም። ግዝኣተ-ሕጊ ከምዘየለ፡ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምንጋሱ፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ብዘይፍርዲ ዝተቐንጸሉ ምህላውም፡ ዝተሰወሩ፡ ብዘይ ክስን ፍርድን ምእሳርን ምስቓይን ከምዘሎ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝገበርክዎ ስራሕ በሪሁለይ ኢዩ። እዚ ከኣ'ዩ ንኤርትራውያን ክስደዱ ዝግድዶም ዘሎ። ደረት ዘይብሉ፡ በስገዳድ ዕዮ ዝልለ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ሓደ ካብ'ቶም ጠንቅታት ናይ ስደት ኢዩ። "እዚ ኣነ ኣባሉ ዝኸንኩ ናይ ምርመራ ኮሚሽን፡ ነዚ ኵሉ ዝቐርብ ዘሎ ግህሰታት ብዕምቈት ከጽንዖ ኢዩ። ንሃለዋት ሰብኣዊ መሰላት ዝገልጽ ወድዓዊ ጸብጻብ ከቕርብ ምዃኑ ድማ እተኣማመን ኢየ" ኢላ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ተኸታታሊት ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ወይዘሮ ሸይላ ኪታሩስ።

መሮን እስጢፋኖስ ከኣ፡ ድሕሪ'ዚ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ጭቆና ለውጢ ክመጽእ ትስፍውቲ ኢየ ኢላ። "ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ንርእዮ ኣሎና። ኣብ ቡርኪኖ ፋሶ ዝርኣናዮ ተረኽቦ፡ ተስፋ ዝህብ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ከኣ ከብቅዕ ኣለዎ" ኢላ።

 

http://www.theguardian.com/global-development/2014/nov/21/eritreans-seeking-asylum-europe-increases-threefold-in-a-year-unhcr

 

 

 

Read 6933 times Last modified on Wednesday, 26 November 2014 06:27