Print this page
Monday, 03 November 2014 03:48

ወተሃደራዊ ኣተሓሳስባ ንስልጣን ህዝቢ ዝጻረር እዩ

Written by ድራር መንታይ
Rate this item
(1 Vote)

ኣብ ዝኾነት ትኹን ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ዘውሕስ እቲ ስልጣን ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ምስ ዝጭብጦ ጥራሕ እዩ። ስልጣን ናይ ህዝቢ ክበሃል ከሎ ድማ ንሱ ዝውንኖ ሓላፍነት ማለት እዩ። ንሱ ድማ ነቲ ንሱ ዝመረጾ መንግስቲ ዝከታተልን ንረብሓ መላእ ህዝብን ሃገርን ዘየገልግል መንግስቲ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጸ ድማ ዘውርዶን ዝመርጽን እዩ። ኮታ መንግስቲ ናይ ህዝቢ እምበር ህዝቢ ናይ መንግስቲ ዘይኮነሉ ስርዓት ማለት እዩ ብሓጺሩ።

እቲ መንግስቲ ናይ ህዝቢ ከበሃል ከሎ በቲ ንሱ ዝሓንጸጾ ዝመሓደረሉ ቅዋም ክትከል ከሎ እቲ ቅዋም ዝከላኽልሉ ክልተ ሓይልታት እዮም። ንሱ ድማ እቲ ቀዳማይ እቲ መላእ ህዝቢ እታ ሃገር ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ከኣ በቲ ቅዋም ዝእዝዞ መሰረት ዝቖመ ሰርዊት እዩ። ኮይኑ ግን ሰራዊት ብግቡእ ፖለቲካውዊ ኣስተምህሮ እንተዘይ ተዀስኵሱ ከይዱ ከይዱ ንሱ እውን ናብቲ ስልጣን ክመጣጥር ወይ እውን ስልጣን ክጭብጥ እዩ ዝጽዕር። በዚ ምኽንያት መስቲ ዘሎ ወይ ብህዝቢ ንዝትመርጸ መንግስቲ ተመሓዝዩ ይኹን ወይ እውን ነቲ ስልጣን ህዝቢ ረጊጹ ናብ ስልጣን ዝመጸሉ መሳልል እዩ ዝሃንጽ። ኣብ ክምዚ ኩነት እቲ ህዝቢ ነዚ ጉዳይ እዚ ኣጽቂጡ እንተሰጊርዎ እታ ሃገርን ህዝብን ኣብ ኣደዳ ጭቆናን ግፍዕን ይሳጣሕ። ስለዚ ወተሃደራዊ ኣተሓሳስባ ምስ ዝምዕብል ድማ ኩሉ እቲ ቁጠባ ይኹን ፖለቲካ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ እዩ ዘእቱ። ምኽንያቱ ንሱ እንተዘይሕዙ ነቲ ህዝቢ ጨፍሊቑ ኣፈራሪሑ ወይ ኣርዒዱ ክገዝእ ኣይክእልን። እዚ ስለ ዝኾነ እታ ዲሞክራሲያ ትብል ኣምር ትፈሓቝ እሞ እቲ መሰልን ፍትሕን ይድምሰስ። ብዚ ምኽንያት እዩ እምብኣር ኣብ ዝኾነት ትኹን ሃገር ብወተሃደራዊ ወይ ዕጥቃዊ ኣገባብ ስልጣን ዝጨበጠ ውሕስነት ዲሞክራሲ ዘይብሉ። ውሕስነት ዲሞክራሲ እንተዘየልዩ ድማ ፍትሕን ማዕርነትን መሰልን ድማ ይገሃስ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ቦርኪና ፋሶ ዝተባህለት ሃገር ብበላስ ኮምፓውረ ኣብ 1987 ስልጣን ብወተሃደራዊ ዕልዋ ጨቢጡ ክሳብ ትማሊ ዓርቢ ዕለት 31-10-2014 ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ዘልግስ ን27 ዓመታት ንህዝቢ ቦርኪናፋሶ ጨፍሊቑ ክገዝእ ጸኒሑ። ቁጠዐ ህዝቢ ምስ ዝለዓል ግና መዳፍዕ ይኹን ዝተረረ ስልጣን ይኹን ቅጭጭ ከይበሎ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልቲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ኣገባብ ነቲ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ከውርዶ በቒዑ። ኣብዚ ዝተኻየደ ኣገባብ ሰላማዊ ህዝባዊ ናዕቢ ድማ ሰለስተ ሰባት ጥራሕ መይቶም። እዚ ዘመልክቶ እንተልዩ ካብቲ ብዕጥቂ ገርካ ንሓደ ስርዓት ምልጋስን፣ ብሰላማዊ ኣገባብ ኣብልካ ምልጋስን ዘሎ ፍልልይ ከብረሃልና ይኽእል እዩ። ማለት እቲ ዕጥቃዊ ኣገባብ ካብቲ ሰላማዊ ህዝባዊ ናዕቢ ዝያዳ ሰባዊ ህልቂትን ግዜን ዝወስድ ምዃኑ እዩ።

ኮፓውሪ ካብ 1991 ንነጀው ኣከታቲሉ ብምርጫ ስዒሩ እዩ ስልጣን ዝጭብጥ ዝነበረ። ሓደ መራሒ ካብ ክልተ ግዜ ንላዕሊ ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ማለት ኣብ ምልኪ ምቕያር ማለት ምዃኑ ዝተኻየደ ጉዕዞ መራሕቲ ኣጸቢቑ የብርሆ እዩ። ንኣብነት ስርዓት እሳያስ፡ ስርዓት መለስ፡ ስርዓት ዑመር ኣልበሺር ስርዓት ቀዛፊ….. ወዘተ። ኣብ ግዜ ኮምፓውረ ማለት ኣብ 1991 ዝቖመ ቅዋም ከምዚ ይብል። ‘’ እንተ ደኣ ሓደ መራሕ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ፡ እቲ ኣቦ መበር ባይቶ ክሳብ ሕጋዊ ምርጫ ዝካየድ ን90 መዓልቲ ሓላፍነት ይስከም’’ ዝብል ሰፊሩ ይርከብ። እዚ ናይ ሎሚ ወተሃደራዊ ዕልዋ ገይሩ ዘሎ ዚዳ ድማ ነቲ ኣብቲ ቅዋም ዘሎ ጥሒሱ ነቲ ሓጋጊ ኣካል ደምሲሱ ነቲ ቅዋም ድማ ኣደስኪሉ ብቃሕ ዝበሎ ሕጊ ክመሓደር እዩ ዝሸባሸብ ዘሎ። እዚ ከኣ እቲ ስልጣን ካብ ኢድ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ መንዚዑ ኣብ መተርስታ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ስልጣን ኮይኑ ኸመሓድር እዩ። ብርግጽ ድማ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ትካላዊ ቅርጻን ድልዱል ምትእስሳርን ካብቲ ናይ ማሕበራዊ ትካላት ኣዝዩ ስለዝድልድል ቀልጢፉ ነቲ ስልጣን ክጭብጦ ከም ዝኽእል እቲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ላቲን ኣመሪካ፡ ማእከላይ ምብራቕ ከምኡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተፈጸመ ዕልዋታት ናብ ውተሃደራዊ ምልኪ ዘምርሐ ህያው ምስክር እዩ። ኣብዚ ክንመሃረሉ ወይ ክንጥቀመሉ እንኽእል እቲ ወትሃደራዊ ሓይሊ ኩሉ ግዜ ከም ሃገራዊ መሲሉ ንድሕነት ሃገርን ህዝብን እናበለ ዝወጽኦ ትካላት ኣቢሉ ነቲ ህዝቢ ንግዝኡ ከዘንግዖ ይኽእል እዩ። ወተሃደር ነቲ ስምዒት ህዝቢ እዩ ዝያዳ ክምዝምዝ ዝጽዕር። ንኣብነት ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ስርዓት ዝፈጸሞ ተግባራት ወይ እውን ዝኽተሎ ዝንበረ ስነሓሳብ እናተጻረረ እዩ ዝጎዓዝ።   እሞ እዚ ኣብ ቦርኪና ፋሶ ዝተኻይደ ህዝባዊ ናዕቢ ንሱ እቲ ህዝቢ ዋንኡ ክንዲ ዝኸውን እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ናብ ጥቕሙ ክዛዝዎ እነሆ ድሮ ተተሓሕዝዎ ኣሎ። እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ እውን ነጋዛእ ርእሱ ኣብ ነንሓድሕዱ ከወዳደር ምዃኑ ድማ ዝይከሓድ ሓቂ እዩ። ስለዚ እታ ሃገር ካብ ዕልዋ ናብ ዕልዋ ገጻ ከትከይድ ከላ ጸጥታን ሰላምን ናይቲ ህዝብን፡ ቁጠባ እታ ሃገርን ስለዘንቆልቁል ምዕብልናን ዲሞክራስን ኣሰረን ይጠፍእ።

እዚ ናይ ቦርኪና ፋሶ ምስ ናይ ኤርትራዊ ተቓውሞ ምስ እነወዳድሮ እቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝብል እምበኣር ካብዚ ናይ ወተሃደራዊ ኣተሓሳስባ ናጻ ክኸውን ስለዘይክእል ነቲ ስልጣን ናይ ህዝቢ ክምንዝዕ ምዃኑ በቲ ዝጉጉሶን ዝህቦ መናፍሓትን ታህዲዳትን ምቁንጻባትን ህያው ምስክር ናይቲ ክበጽሖ ሓሲብዎ ዘሎ መወዳእታ ማዕርፎኡ እዩ። እዚ ናይ ቦርኪና ፋሶ ብህዝባዊ ናዕቢ ዝተኻየደ ኣገባብ ንደምበ ተቓውሞ ንኸይፈላለን ንኽሰምርን ዝደፋፍእ ናይ ሓሳብ ሓይሊ ምዃኑ ክርዳእ ከምዘለዎ እዩ ዝእምት። እቲ ኤርትራዊ ተቓውሞ ነታ ስልጣን ናይ ምብሓት ኣምር እንተዘይብሉ ኣብ ነንሓድሕዱ ዝቈራቘሰሉ ምንም ምኽንያት የብሉን። እቲ ዕጥቃዊ እባ ኩሉ ኣገባብ እባ እናበለ ክኸዶ ዝደሊ ዘሎ ጉዕዞ ህዝቢ ንምድንጋር እምበር እታ መወዳእታ ማዕርፎኡስ ንስልጣ ህዝቢ ምምንዛዕ እዩ ትርጉሙ።ምኽንያቱ ኣነ ንብሄረይ፡ ኣነ ንኣውራጃይ ኣነ ንሃይማኖተይ ወጽዓ እየ እሉ ዝብገስ ሓይሊ ነቲ ከምኡ ዘለዎ ስምዒት መዝሚዙ ንሓበራዊ ረብሓ ድምሲሱ ኣብ ስልጣን ዝመጸሉ ባይታ እዩ ዝምድምድ። ስለዚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ መላኺ ስርዓት ዝኾነ ይኹን ስያሜ ንሃቦ ብዘየገድስ ዕትቃዊ ቃልሲ ናብ ወትሃደራዊ ኣተሓሳስባ ስለዘምርሕ ንህዝቢ ኤርትራ ኣየዋጽኦን እዩ።

ድራር መንታይ

Read 6074 times