ሎሚ 27 ጥቅምቲ 2016 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ብዓወት ከም እተዛዘመ ተሓቤሩ።
እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ከተማታት ኣመሪካን ካናዳን ከምኡ'ውን ካብ ኤውሮጳ ዝመጹ ደለይቲ ፍትሒ ተሳቲፎምዎ።
ጨናፍር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቤ ኤርትራ ኣብ ሰሜን አመሪካ (EPDP NA) ብወከልተን ክሳተፋ እንከለዋ፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ሓው ኣለም ዮውሃንስን፡ ካልኦት ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰልፍን፡ ኣባላት መሪሕነት ሽማግለ ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ኣብቲ ሰላማዊ ስለፊ ተሳቲፎም።
ስላማዊ ሰልፊ ኣብ ምዝዛሙ ድማ፡ ብህያው ቲቪ ዝተመሓላለፈ ህዝባዊ ሰሚናር ተኻይዱ። እዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ከምቲ ናይ ጀነብ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ዳግማይ ጽፍዒት ዝሃበ ተረኽቦ ምንባሩን፡ ህዝብና መሰላቱ ንምምንዛዕ ዘኽእሎ ባይታ ዝመድመደ ምዃኑን ዝምስከረሉ እዩ።
ኣተሓሒዝና ኣብ ጥብቆ ዘሎ ስእላዊ መግለጺ ነቕርብ።