×

Warning

JUser: :_load: Unable to load user with ID: 17
Monday, 22 September 2014 04:11

መጽሔት፡ ፍትሒ 3ይ ሕታም

  ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት 2014፡ ኣርባዕተ ኣቦታት ኤርትራውያን ካቶሊካውያን ኣቡናት“ሓውኻ ኣበይ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ንሕልና ኩሉና ኤርትራውያን ዝትንክፍ ታሪኻዊ መልእኽትን መጸዋዕታን ብመንገዲ ኢንተርነት ተዘርጊሑ ነይሩ .....  

Tuesday, 02 September 2014 00:00

Eritrea Liberty Magazine Issue No. 26

 

Wednesday, 03 September 2014 00:00

Eritrea Liberty Magazine Issue No. 27

 

 

 

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን

ክቡራት ኣቦታትን ኣዴታትን

ክቡራት ደቂ ሃገር ብሓበራ

ብቐዳምነት እንቋዕ ናብ መበል 53 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቅዓና። ኣስዒበ ድማ፡ እዚ ፈላሚ ተጋድሎ'ዚ፡ ብሳላ ዝረኾቦ ህዝባዊ ደገፍ ዓብዩን ጐልቢቱን ብ1991 ዓ.ም ንሰራዊትን ጐበጣን ባዕዳዊ ገዛኢ ስርዓት ኢትዮጵያ ደምሲሱ፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ክትከውን ስለዝገበረ ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ዮሃና፣ ንሰማእታትና ድማ ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ከብጽሕ ኣፍቅዱለይ።

ጅግና ስውእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ይኹን እቶም ብስም ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ይኹን ብስም ተሓኤ ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሰውራ ዝኣወጁ ውሑዳት ኤርትራውያን፡ ኣብ ዓቕሞምን ክእለቶምን ጥራሕ ተመርኲሶም ኣይኰኑን። እንታይ ደኣ፡ እዛ ንሶም ዝጅምርዋ ዝነበሩ ተጋድሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ክሕወሳን ክስውኣላን ምዃኑ ስለዝኣመኑ ኢዮም። እቲ ብግብሪ ዝዀነ ከኣ ንሱ ኢዩ ነይሩ።

 

ኣብ መደረኽ ቅድመ ናጻነት ዝተኻየዱ ሰላማዊ ይኹን ብረታዊ ተጋድሎታትና እናዓበዩ ዝመጸሉ ምኽንያት፡ በቶም ንዕላማታቱ ኣሚኖም ዓቕምታቶም ዘፍቀዶ ኣበርክቶ ዝገበሩ ኤርትራውያን ኢዩ። ብረት ተሓንጊጡ ዝትኩስ፡ ገንዘብ ዝኸፍል፡ ሓርጭ ጥሒኑ ዘቕርብ፡ ንተጋደልቲ ግዒቱ ድዩ ሰንኪቱ ዝዕንግል፡ ምስጢር ጸላኢ ዝሕብር፡ ኣብ ኣህጕራዊ መድረኽ ከይዱ ዝምጕት፡ ዝጽሕፍ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ዝገብር፡ ዝውድብ፡ ዘልዓዕል፡ ዝዝምር፡ ዝገጥም፡ ኵነታት ገድልን ጸላእን ዝሕብር፡ ዝመርሕ፡ ዝምራሕ....ወዘተ ማእለያ ዘይብሉ ዓይነት ተሳትፎ ዘምጽኦ ዓወት ደኣ'ምበር፡ ክእለትን መስዋእትን ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ወይ ሓደ ጕጅለ ወይ ሓደ ውድብ ዘምጽኦ ዓወት ኣይኰነን። ብዙሓት ዝሰርሕዎ ኣብ መወዳእታ ግን ሓደ ግዜ ዝሃቦ ሰብ ጅግና ወይ ክኢላ ተባሂሉ ዝነኣደሉ፡ ብግብሪ ግን ናይ መላእ ህዝቢ ጻዕርን ኣበርክቶን ዘረጋገጾ ዓወት ኢዩ። ስለ'ዚ ከኣ'ዩ ህዝቢ ሰራሕ ታሪኽ ተባሂሉ ዝፍለጥ።

ኣብ ኵሉ መዳይ ናይ ህይወት ደቂ ሰባት ድማ እቲ ሓቂ ከምኡ ኢዩ። ሓደ ምሁር ሓደ ነገር ክምህዝ እንከሎ፡ ካብ ባዶ ተበጊሱ ኣይኰነን፣ እንታይ ደኣ፡ ቅድሚኡ ተደሊቡ ካብ ዝጸንሖ ፍልጠትን ምርምራትን ኢዩ ዝብገስ። ሓደ ናይ ኵዕሶ ጋንታ ኣብ ልዕሊ ካልእ ጋንታ ክዕወት እንተደኣኰይኑ፡ እቶም ኣባላት ጋንታ ብዝገበርዎ ኣስተዋጽኦ ድኣ'ምበር፡ እቲ ሽቶ ዘእተወ ብዝገበሮ ናይ በይኑ ጻዕሪ ጥራሕ ኣይኰነን።

ሕጂ ድማ፡ ንዲሞክራስን ፍትሕን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ናቱ ዓቕሙ ዘፍቅዶ ኣበርክቶ እንተዘይገይሩ ዲሞክራሲ ክነግስ'ዩ ኢልካ ዘይሕሰብ ኢዩ። ዲሞክራሲ ኣብ ኣመሪካ ኣብ'ዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ንምብጻሕ ልዕሊ 250 ዓመት ኢዩ ወሲዱ ዘሎ፡ ጌና ድማ ኣይተዛዘመን። ስለ'ዚ፡ ንዓና እውን፡ እዚ ዕማም'ዚ ግዜ ክወስደልና ምዃኑ ፈሊጥና፡ ነፍስወከፍና፡ ብህይወት ኣብ ዘለናሉ ወቕቲ፡ ዓቕምና ዘፍቅዶ ኣበርክቶ ክንገብር ይግብኣና። ዲሞክራሲ ብፖለቲከኛታት ጥራሕ ዝረጋገጽ ስርዓት ኣይኰነን። ምሁራት፡ ሰራሕተኛታት፡ ሓረስቶት፡ ሙዚቀኛታት፡ ገጠምቲ፡ ሰብ ገንዘብ፡ ተምሃሮ፡ መንእሰያት፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝተፈላለዩ ኣህጕራዊ ትካላት...ወዘተ ኣብ ህንጻ ዲሞክራሲ ነናቶም ኣበርክቶ ኢዩ ዘለዎም።

ኣብ ፖለቲካ ዝዋስኡ ነንሓድሕዶም ተኸባቢሮምን ተጸዋዊሮምን ንሃገሮም ህዝቦምን ዘርብሕ ስርሓት ሓቢሮም ክሰርሑ፣ ከምኡ'ውን ንሃገሮምን ህዝቦምን ዘርብሕ ሓሳባት ከመንጭው እውናዊ ናይ ዘለናዮ መድረኽ ጠለብ ኢዩ። ዲሞክራሲ መስርሕ ደኣ'ምበር ብሓደ ለይቲ ቦቒሉ ዝሓድር ቃንጥሻ ኣይኰነን። ዲሞክራሲ፡ ወለዶታት እናተማላልኡ ዝሃንጽዎ ኣገባብ ምሕደራ ኢዩ። ዕማም ዲሞክራሲ ንሓደ ሰብ ወይ ንሓደ ውድብ ወይ ንሓደ ፍሉይ ሕብረተሰብ ዝግደፍ ኣይኰነን።

ሰላም፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ንምንጋስ ኣብ ዝካየድ ቃልስታት ዝዀነ ይኹን ሰብ ወይ ሓሳብ ክንዓቕ የብሉን። ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ማለት ናይ ኵሉ ርእይቶ ተሰሚዑ፡ በቲ ናይ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ ሓሳብ ተመሪሕካ ምኻድን ነቲ ናይ ውሑዳት ርእይቶ ድማ ኣኽቢርካ ክዛረብሉን ክጕስጕስሉን ምፍቃድን ኢዩ። ዲሞክራሲ፡ ነንሕድሕድካ ተጸዋዊርካን ተኸባቢርካን ምኻድ ኢዩ። ኣብ ሃገርና ተሳኢኑ ዘሎ ነገር ድማ እዚ ኢዩ። ምህዳድ፡ ምጽራፍ፡ ምጽላም፡ በትርኻ ምውጥዋጥ ...ወዘተ ኣብ ህንጸት ዲሞክራሲ ይኹን ኣብ ምንጋስ ፍትሒ ዝዀነ ይኹን ቦታ የብሉን።

እቲ ኣብ ስልጣን ተዀዲጩ ዘሎ ጕጅለ ኢሳያስ ብዘይካ ኣነ ዝበልኩኹም ግበሩ፡ ኣነ ዝሓሰብኩልኩም ሕሰቡ ምባልን ምጕብዕባዕን ምቍንጻብን እንተዘይኰይኑ፡ ናይ ወዲሰብ ክብርን መሰልን ዝሕሉ ስርዓት ኣይኰነን። ሓደስቲ ሓሳባት ክሰምዕ ዘይደሊ፡ ኣብ ናይ ቀደም ጽልኢ፡ ቅርሕንቲ፡ ታሪኽን ናይ ሓጻውን ጨርባሕባን ክነብር ዝመርጽ ስርዓት ኢዩ። ንብዙሕነት ናይ ሓሳባት፡ ቅኑዕ ይኹን ግጉይ ብዘየገድስ ዝጻባእን ከም ቍሪ ዝፈርሕን ሓይሊ፡ ኣብ ኤርትራ ንህንጻ ዲሞክራሲ ዝዀነ ይኹን ኣበርክቶ ክገብር ከምዘይክእል ብሩህ ክኸውን ይግባእ።

ስለ'ዚ፡ ዲሞክራሲ ናይ ኵሎም ወይ መብዛሕትኦም ዜጋታት ሃገር ተኻፋልነትን ኣበርክቶን ዝሓትት ስራሕ ምዃኑ ፈሊጥና ተሳትፎ ናይ ህዝብና ምዕባይ ቀዳማይ ትዅረት ክንህቦ ከምዝግብኣና ምግንዛብ የድሊ። "ኦ ሓደ መስከረም ታሪኻዊት ዕለት፡ ክንቃለስ ኢና ብዘለና ክእለት" ዝብል ናይ መዋእል ብረታዊ ተጋድሎና መዝሙር፡ ሎሚ'ውን ኣብ መድረኽ ህንጻ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝሰርሕ እዋናዊ ጭርሖ ኢዩ።

ግደ ትምህርቲ ኣብ ህንጻ ዲሞክራሲ ኣዝዩ ዓቢ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኰነን። ዘይተማህረ ሕብረተሰብ ንመሰላቱ ክከላኸልን ኣብ ህንጸት ዲሞክራሲ ብግቡእ ክሳተፍን ስለዘይክእል፡ ኣገዳስነት ትምህርቲ ብዕቱብነት ክርአ ዘለዎ ጕዳይ ምዃኑ ምግንዛብ ይግባእ። ንኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዘደንቍሩ ናይ ወተሃደራዊ ታዕሊምን ኣብ ድፋዓትን ወፍሪ ባርነትን ጸሚድካ፣ በዝን ወድኸምዝን ዓቕሉ ዝጸበቦ መንእሰይ ንስደት ከምዘቋምት ጌርካ፣ እታ ሓንቲ ዝነበረት ዩንቨርሲቲ ዓጺኻ፣ ዲሞክራሲ እሃንጽ ኣለኹ፡ ሃገር አማዕብል ኣለኹ ምባል ብንቕሓትን መጻኢ ዕድልን ናይ ሰባት ምጽዋትን ምሽክዕላልን እንተዘይኰይኑ ካልእ ትርጕም የብሉን። ማይ፡ መግቢ፡ ኤለክትሪክ ዘይርከባ ሃገር ሒዝካ፡ እምዕብል ኣለኹ ምባል፡ ኣብ ኣእምሮ ደቅ ሰባት ቦታ ክረክብ ዝኽእል ዘረባ ኣይኰነን።

ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ስደት ዘላቒ መፍትሒ ናይ ሽግርና ከምዘይኰነ ተረዲእና፡ ሃገር ብዘይ መንእሰያት ክትህሉን ክትምዕብልን ከምዘይትኽእል ተገንዚብና፡ ነዚ ዝርአ ዘሎ ዘሰንብድ ዋሕዚ ናይ መንእሰያት ንስደትን ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታትን በደላትን ደው ከነብሎ ዕቱብ ቃልሲ ምክያድ ይሓተና ኣሎ። እቲ ጸገም፡ ነቶም ዝስደዱን ግዳይ ናይ ዓዛብ ዝዀኑ መንእሰያትን ዘጋጥም ዘሎ ስቅያት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንመነባብሮ ናይ'ቶም ነዝማዶም ካብ ጅሆ ናይ ነጋዶ ደቂሰብ ከገላግልዎም ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ዝኸፍሉ ቤተሰብን ቀረብን እውን ከቢድ ዝዀነ ጾር ኢዩ ዝፈጥረሎም ዘሎ። ካብ'ዚ ሓሊፉ፡ ንህዝብን ንሃገርን ብኣሉታ ዝጸሉ ዘሎ ተርእዮ'ውን ኢዩ።  

ስለ'ዚ፡ መንእሰያት ኤርትራ፡ ለውጢ ካብ ውሽጢ ዝመጽእ ምዃኑ ተረዲኦም፡ ዝድለ መስዋእቲ ከፊሎም ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኵነታት ክቕይርዎ ክቃለሱ ኢዮም ዝግብኦም። እቲ ስርዓት ይኹን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ ስቅያት ክሓለፍ ኢዩ። ሃገርን ህዝብን ታሪኽን ግን ነበርቲ ኢዮም። ካብ ባሕቲ መስከረም፡ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎና እንረኽቦ ትምህርቲ ድማ እዚ ኢዩ። ዝሓለፉ ወለዶታት፡ ንግፍዕታት ገዛእቲ ሓይልታት ፈሪሖም ንስደት እንተዘምርሑ ነይሮም፡ ናጻን ልዑላዊትን ሃገር ኤርትራ ክትህሉ ኣይምኸኣለትን ነይራ። ስለዝተቓለሱ ግን፡ ናጽነት ኣረጋጊጾም ንገዛእ ርእሶም ድማ፡  ክብሪ ረኺቦም ኣብ ታሪኽ ይዝከሩ ኣለዉ። ሎሚ ድማ፡ ነዛ መዓት መስዋእቲ ከፊልና ዘምጻእናያ ሃገር፡ ከይነጥፍኣ ክብ ዝበለ ጥንቃቐን ሓልዮትን ክንገብር ይግብኣና።

ኣብ መወዳእታ፡ ዕላማታት ባሕቲ መስከረም መሊኡ ክሳብ ዝዕወትን ጥዑም ዘመን ክሳብ ዝምለስን ሓድነትና ኣትሪርና ብጽንዓት ንቃለስ።

ዓወት ንህዝባውን ዲሞክራስያውን ቃልስታት

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

Tuesday, 26 August 2014 15:26

Donor Drive for Hailemelekot Bitew

اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتري

 

الإخوة والأخوات الكرام

باسمي وباسم قيادة وقواعد حزب الشعب الديمقراطي الارتري يطيب لي أن أتقدم اليكم بالشكر والتقدير علي تلبيتكم دعوتنا لكم لحضور مهرجان ارتريا 2014م، راجياً أن يكون المهرجان مكاناً وزماناً يقودنا الي مزيد من التقارب والتفاهم.

أيضاً لا يسعني إلا أن أتقدم باسم قيادة الحزب بخالص التقدير والامتنان للجنة التحضيرية للمهرجان ومعاونيها من فروع الحزب بأوربا علي المساعي والجهود الدؤوبة والجبارة التي بذلوها حتى أثمرت هذا النجاح العظيم.

Page 1 of 9