Print this page

ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብጉዳይ ትግራይ "ኣዝዩ ተሻቒሉ'ሎ"

2021-03-13 10:30:15 Written by  ቢቢሲ Published in English Articles Read 1104 times
Rate this item
(0 votes)

12 መጋቢት 2021

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን

በቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን “ኣዝዩ ተሻቒሉ” ከምዘሎ፡ ውሃቢት ቃል ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ (ዋይት ሃውስ)፡ ጄን ሳኪ ትማሊ ሓሙስ ንጋዜጠኛታት ተዛሪባ።

“እቲ ፕረዚደንት በዚ ጉዳይ እዚ ኣዝዩ ተሻቒሉ’ሎ፤ ብቐረባ ድማ ይከታተሎ ኣሎ” ኢላ እታ ወሃቢት ቃል።

ወሲኻ ድማ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዝፈልጦን፡ ምምሕዳሩ ነቲ ኩነታት ንምምሕያሽ፡ ናብ’ታ ክልል ሰራሕተኛታት ረድኤት ክኣትዉ ኣብ ምግባር ሓዊሱ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጻ።

በቲ ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲ ፌደራልን ክልላዊ ሓይልታት ትግራይን ዝተወለዐ ጎንጺ፡ ኣሸሓት ሰባት ከምዝሞቱን ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ድማ ኣብ’ታ ክልል ከምዝተመዛበሉን ይግለጽ።

ብሊንከን፡ ኣብ ትግራይ ግፍዒ ይፍጽሙ ኣለዉ ዝበሎም ሓይልታት ኣምሓራን ወተሃደራት ኤርትራን ካብቲ ክልል ክወጽኡ’ውን ጸዊዑ እዩ።

እቲ ጎንጺ ብኸመይ ናብዚ በጺሑ?

ኣብ መንጎ ብህወሓት ዝምራሕ ክልል ትግራይን ፌዴራል መንግስትን ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝዘለቐ ፍሕፍሕ፡ ፌዴራል መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ ሃገራዊ መረጻ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ምስ ኣናወሐ ተጋዲዱ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ነቲ ውሳነ ዘይተቐበሎ እንትኸውን፡ ትግራይ መንግስቲ ፌዴራል "ዘይሕጋዊ" ዝበሎ ክልላዊ መረጻ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም ምስ ኣካየደት ድማ፡ እቲ ጎንጺ እናዓረገ ከይዱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ‘ህወሓት ኣብ ልዕሊ መዓስከር ወተሃደራት መጥቃዕቲ ፈጺሙ’ ኢሉ ምስ ከሰሰን፡ ብሕዳር 4 ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ምስ ኣወጀን፡ እቲ ዝጸንሐ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ጎንጺ ኣምሪሑ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ሕዳር ፌዴራል መንግስቲ ንከተማ መቐለ ምስተቖጻጸረ፡ እቲ ኲናት ከምዘብቀዐ እንተገለጸ'ኳ፡ ውግእ ቀጺሉ ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦትን ይገልጹ።

በዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብቲ ክልል ኣማኢት ኣሻሓት እንትመዛበሉ፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ድማ ናብ ሱዳን ከምዝተሰደዱን፣ ኣብቲ ክልል ከቢድ ጥሜትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣንጸላልዩ ከምዘሎን ይዝረብ።

ኣብቲ ትግራይ፡ ጾታዊ ዓመጽ፣ ገበናት ኲናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝተፈጸሙን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከጻሪ ክፍቀደሉ ምሕታቱን ይዝከር።

Last modified on Saturday, 13 March 2021 11:35