Print this page

ቃል መርበብ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን (Network of Eritrean Women)

2014-08-30 23:33:41 Written by  ብዶክተር ኣልማዝ ዘርኣይ Published in Community Center Read 46294 times
Rate this item
(0 votes)

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣባላት EPDP

ክቡራት ዕዱማት

ኣብዚ ተረኺበ ብስም መርበብ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን (Network of Eritrean Women) ንኽዛረብ ዕድል ምሃብኩም ሎዑል ምስጋናይ ይብጻሕኩም። መርበብ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ፍትሓዊ ምሕደራ ኣብ ኤርትራ ንምርግጋጽ፣ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ብዘለወን ዓቅምን ከእለትን ምትእስሳራት ብምፍጥር ተሳትፎአን ክብ ንምባል፣ ንምክባር መሰልን ማዕርነትን ዝዋሳእ መርበብ ኢዩ። ቀዳማይ ሲምፖዝዩም ካብ ዕለት 6-8 መጋቢት ኣብ Stockholm ኣካይዱ።

ጩራ መሰልን ማዕርነትን ደቂኣንስትዮ ኣብ ግዜ ገድሌ ኤርትራ ዝተራአየን ብኽፊሉ ዝተረጋገጸን፣ ይኹን እምበር ድሕሪ ምውሕስ ናጽነት ኤርትራ ዝተጠልመን ኩሉ ሽነኽዊ ምዕብልናታቱ ዝተቆጽየን ኢዩ። ብሰንኪ ውልቀ-ምልካዊ ምሕደራ ኩነታት ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን መለለይኡ፣ ትምህርታዊ ማሕበራዊ ቁጠባዊ ድኽነት፣ ዝተደራረበ ስድራቤታዊ ሓላፍነት፣ ማእሰርቲ፣ ዕስክርና፣ ስደትን፣ ኣካላውን ስነኣእሙሮኣውን ዓመጻታት ኣብ ናይ ስደት ጉዕዞን ኮይኑ ኣሎ።                                        

ኤርትራዊት ድምጻ ብግቡእ ከተስምዓሉ ዘኽአል ቦታ ገና ኣይተረክበን። ሃ.ማ.ደ.ኤ. ድምጺ ደቂኣንስትዮ ካብ ምዃን ዓዲ ውዒሉ መሳርሒ ናይ ውልቀ-መላኺ ንክኸውን ዚተፈርደ ማሕበር ኢዩ።

ራኢና እምበኣር ዚኾነ ይኹን ምሕደራ ብኹሉ ሽነኻቱ ንእንታይነትና፣ መነባብሮናን ብቐጥታ ዝትንክፍ ስለዝኾነ፣ ግዳያት ካብ ምዃን ወጺና ዋናታት ናይ ህይወትና ክንከውን ዘኸእል ምሕደራ ኣብ ምትካል ወሳኒ ተራ ንኽህልወና ኢዩ። ተራና ካብ ናይ መሳሰይትን፣ ጽላሎት ናይ መስርሕን ምዃን ሓሊፉ ናብ ዝልለ ኣካል ናይ ንድፍታትን ኣተገባብርኡን ንምስግጋሩ ኢዩ። እቲ ንህግድፍ ዝትክአ ስርዓት ንመሰልን ማዕርነትን ደቂኣንስትዮ ከረጋግጽ ዚሕልን ምኻኑ ምስዝልለ ጥራይ ኢዩ ድማ አቲ ተሳትፎ ከምዚድለ ዝኸውን። እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዘሎ ግን ካብ ፈውሲ ማሕላ ዝሓለፈ ኣይኮነን። ንተራና፣ ካብ ከም ናይ መሰጋገሪ መሳርሒ ጥራይ ናይ ምርኣይ ኣተሓሳስባ ገና ኣይተቀየረን።

መብጻዓን ቃል-ማሕላን ኣይኮንናን ንጽበ፣ አቲ ንጓል ኣንስተይቲ ዘነኣእስ ኣተሓሳስባን ባህልን ምውጋድ ኣገዳስነቱ ንምዝኽኻር ኢዩ። እዚ ድማ በቲ ንዛረቦ፣ ነተንብሆ ብምስማዕ ይጅምር። እቲ ድምጺ ወዲተባዕታይ ጥራሕ ምስማዕ ዝለመደ ኣአዛን ክሰምዓና ቁሩብ ይኹን።

ብዛዕባ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ክዝከር፣ ጀጋኑና ክበሃል እንከሎ ናይ መን ስአሊ ኣሎ ኣብ ሓንጎልኩም?

ብዛዕባ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ክዝረብ ከሎኸ ቦታ ናይ ደቂኣንስትዮ ኣበይ ይርኣየኩም? ሕዝቢ አርትራ ክበሃል ከሎኸ? መንእሰይ ወለዶ ኣብ ኣተሓሕዛ ሕቶ ደቂኣንስትዮ እንታይ ይወርስ ኣሎ?

ንሳተን አየን ኣብየን አምበር ንሕናስ ክንደይ ግዜ ጸዊዕና ትብሉ ትኾኑ፣ እተን ድሮ ምሳኹም ዘለዋኸ ግቡአ ቦትአን ረኺበን ድየን? እተን ኻልኦትከ ንምንታይ ገና ብማዕዶ ይቋመታ ኣለዋ?

እዚ ምስቲ ንደምበ ፍትሒ ብኸመይ ንግምግሞ ዝተኣሳስር ኢዩ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ህዝብን ሃገርን ካብ ምክልኻል ዝፈሽለ ብገበን ዝሕተት ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ ምርጫ ጥራሕ ዘለዎ ስርዓት ዝውክል ኢዩ። ኣብ ድሮ ምዝዛም አዚ ስርዓት አዚ ድማ ኣቲና ኣሎና። ዋጋ ናይ ሓደ ወርሒ ምንዋሕ ስልጣን ኢሳያስ ኣፈውርቂ፣ 3000 ስደተኛታት፣ ዓመጻ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ኣብ ናይ ስደት ጉዕዞአን፣ ሞት ኣብ በረኻታት ስሃራን ባሕርን፣ ምብትታን ስድራቤታት፣ ምንዋሕ ናይቶም ኣብ ማአሰርቲ ዝኽርትታን ዝኽርትቱ ዘለዉን፣ ብሓጺሩ ሰብኣዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ሃገራዊ ንድየት ኢዩ። እቲ ዝገድፈልና ዘሎ ውርሻ ሰፍ ዘይብል ንድየት ኢዩ። እሞ እቲ ህጹጽነት ይርድኣና ኣሎ ድዩ ወይስ ወግሐ ጸብሐ መርድእ ምስማዕ ለሚድናዮ ኢና?

ህዝቢ ዘገላግሎ ኢዩ ዝጽበ ዘሎ። ሓላፍነት ናይ ኩለን ውድባት፣ አታ ዝዓበየት ስክፈትኡ ስግኣቱ ናይ ጽባሕ ንግሆ ሕንፍሽፍሽ ንኽይኣቱ ምአላይ ኢዩ። ንጽባሕ ዘይግደፍ ናይ ሎሚ ዕማም።

ለውጢ ብውሽጢ`ዶ ብደገ ይመጽእ ዝብል ሕቶ ካብ ናይ ኩነታት መገምገሚ ሓሊፉ ከም ናይ ብሓባር ከስርሕ ዘየኽአል ስትራተጂካዊ ፍልልያት ምቕማጡ መፍትሒ ኣይኮነን። እቲ ብጎረባብቲ ሃገራት ይኹን ብናይ ዓለምለኻዊ ማሕበራት፣ ሓያላት ሃገራት ዝውፈ ድንጋጼን ሓገዛትን መተካአታ ናይ ዋንነት ናይ ጉዳይና ኣይገብሮን ኢዩ። ዋናታቱ ንሕና ኢና። ዋናታቱ ንሕና ስለዝኾንና ኣብ ህዝብና ንሞርኮስ። ልዕሌና ብዛዕባና ብዛዕባ ህዝብና ዝቕንዞ ዝሓልየልና ሃገር ኣይነበረን፣ የለን፣ ኣይክህሉን ኢዩ ድማ። እቲ ንቡር ዲፕሎማስያዊ ርኽኽባት ኣብ ቦትኡ ኣሎ።

ስለዚ ብኸምዛ ዘለናያ ካብ „ሰራዊት- ሕድሪ“ ክሳብ „መድረኽ ሃገራዊ ዘተ“ ተፈላሊና በበይንና ጎይና ዓዲ ክንኣቱ ስለዘይንኸል፣ እንተኣቲና ድማ እታ ሓንሳብ ብሰንኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝሞለቐትና ሰላም ሕጂውን ብድሮ ክትጠፋኣና ኢያ ማለት ኢዩ። ብትራጀዲ ናይ ላምፐዱዛ፣ ሲናይ እናኣእወና፣ ንጸቢብ ውድባዊ ወይ ውን ውልቃዊ ዕብየት ክንጓየ ኣይሳነን ኢዩ። ንሱ ናብ ጽባሕ ይገደፍ።

ናይ ፍትሒ ደምበ ዋንነት ይደሊ ኣሎ። ነዚ ንምትግባሩ ኩለን ኣብ ናይ ፍትሒ ደምበ ዘለዋ ውድባት ብዝተሓተ ሓባራዊ ፕሮግራም ( minimal common program) ተሰማሚዔን፣ ሰላማዊ ናይ ምስግጋር መስርሕ ክዉን ካብ ምግባር ካልአ መተካአታ የብለንን። እቲ በብመንገዱ ዝጠፍእ ዘሎ ዓቕሚ፣ ክአለት፣ ግዜ ምስዝወሃሃድ ተኣምራት ክሰርሕ ከምዝኽአል ጥርጥር የብልናን።

ሲቪካውያን ማሕበራት ነቲ ከነተኣታትዎ እንደሊ ዲሞክራስያዊ ባህልታት ንምትግባር ወሳኒ ተራ ስለዘለወን ኣውቶኖሚ ናተን እናዓቀባ ንዕላማታተን ክደፋኣሉ ነማሕጽን።

ምስጋና ንኹለን/ሎም ንፍትሒ ዝተቃለሳን/ሱን ዝቃለሳ/ሱ ዘለዋን/ዉን። ካብ ናይ ትራጅዲ Champions ንኽንገላገል ተራ ደቂኣንስትዮ ወሳኒ ኢዩ። ንስኹም ወይ ንሕና ኣይኮነን፣ ንሕና ኩልና ኢዩ እቲ መበገሲ።

ንዓመታ ፈስቲቫላትን፣ ኮንፈረሳትን ኣብ Frankfurt, DC, Bologna, Stockholm ዘይኮነስ፣ ኣብ ኣስመራ፣ ከረን፣ መንደፈራ፣ ዓዲ ቀይሕ፣ ባጽዕ፣ ተሰነይ፣ ናቕፋ…ይኹን አቲ መደብ። ራኢን ባህግን ኣብ ምዕዋት ዕላማታት ናቱ ተራ ስለዘለዎ።

የቕንየለይ።

ዶክተር ኣልማዝ ዘርኣይ

 

 

Last modified on Saturday, 13 September 2014 07:58