Print this page

ምስጋና ንንኡስ ወድናን ሓውናን ቢንያም ተስፋይ

2020-08-16 18:38:50 Written by  EPDP Information Office Published in Community Center Read 2818 times
Rate this item
(0 votes)

 

ምስጋና ንንኡስ ወድናን ሓውናን ቢንያም ተስፋይ

ወፈያ ካብ መንእሰይ ተጋዳላይ ንውጉኣት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ከሰላ

ኣብ ቀረባ እዋን ተሓቲማ ዝወጸት መጽሓፍ ብጅግና ተጋዳላይ ተስፋይ ተኽልዝጊ: ተመኩሮ ሂወተይ ኣብ ህዝባዊት ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዘርአስታ፡ ኣብ ኢድ ወድና ቢንያም ተስፋይ በጽሐት። ኣንበባ ድማ። ኣቀራርባ አታ መጽሓፍ ቀጥታዊ ምስክርነት ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ ንነጻነትን ሓርነትን ህዝብና ዘተኮረት ኮይና ጅግንነትን ተበጃውነትን ኤርትራውያን ተዋጋአትን ህዝብን ኣጉሊሓ ስለ እተርኢ፡ ብዝነበረ ብጻይነት ትምስጥ፡ ብቅያታቶም ተሐጉስን ተኹርዕን፡ ብዘጋንፍ ዝነበረ ሽግራት እተስተንትን፡ ብዝተሰውኡን ዝሰንከሉን ትረኻ ድማ ተሕዝን ተጉሂ።

ቢንያም ተስፋይ ብዙሕ ካብዚ ትረኻ ተመኩሮ ጅግና ተስፋይ መሲጥዎን ሓዲሽ ኣጠማምታ ታሪኽና ከፊቱሉ ክኸውን ከምዝኽእል ብዙሕ ጥርጥር የብሉን። ነዞም ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ዝነበርና ዝዓበየ ጸጋ፡ ቢንያም ምስ ስውኣትናን ውጉኣት ሓርነትናን ተመኩሮናን እትኣስር ሰንሰለት ረኺቡ ምስ ኣታ ንሱ ዝሰርሓ ዘሎ ታሪኽ ምልጋቡ ኢዩ። ንኣብ መደበር ከሰላ ዘለው ውጉኣትና ሓሙሽተ ሚእቲ ዶላር ኣመሪካ ብምውፋይን ዓመታዊ ወፈያ ብምምብጻዕን ድማ ነዛ ሓዳስ መላግቦ ዛዘማ።

ክብረት ይሃብካ መንእሰይ ቢንያም ምስ ብዙሕ ምስጋና።

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ኤርትራውያን፡ ምእንቲ ነጻነት ሃገሮምን ሓርነት ህዝቦምን ዝተቓለሱን ዝሰንከሉን ኣሕዋትና ክሳብ ሕጂ ኣብ መደበር ውጉኣት ሓርነት ከሰላ ዝእለዩ ዝነበሩን ዘለዉን ዓቕምኹም ዘፍቅዶ ክትሕግዙ፡ ወይ ድማ ዓመታዊ ውጽኢት ክትመባጽዑ ብትሕትና ንሓትት።

ንዝኾነ ሓበረታ ኣብዚ ዝስዕብ ስልኪ ደውሉ

                                                                      

ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን - ሰሜን ኣመሪካ

Last modified on Saturday, 29 August 2020 10:22