Print this page

ደለይቲ ፍትሒ ቤይ ኤርያ ነቶም አብ 03 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም ዝተረሸኑ ብግብሪ ዘኪሮሞም

2016-04-13 03:37:36 Written by  Published in Community Center Read 5193 times
Rate this item
(0 votes)

ሰንበት ዕለት 3 ወርሒ ሚያዝያ 2016 . ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዳግማይ ጸላም ሰንበት ህልቂት ኣቑርደት ኮይና ተመዝጊባ' ሓሊፋ። ኣብ መላእ ዓለም ዝነብር ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ መዓንጣ ከብዱ ተቐሪጹ ብጓሂ ሕርር ኩምትር ኢሉ ንረኽቦ። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ መሪርን ኣሰልካይን ቃልሲ ናጽነቱ ምስ ተጎናጸፈ ከምዚ ዓይነት ባርባራዊ ህልቂት ዳግማይ ክወርዶ ፍጹም ኣይተጸበየን፡ እሞ ድማ በቶም ንስለኻ ንስለ ናጽነትን ሓርነትን ህዝቢ ተጋዲልና ዝበልዎ ጠላማት ሕድሪ ዝኾኑ መራሕቲ ህግደፍ።

ቶኪስካ ቅተል ዝብል መምርሒ ብዘይ ዕላዊ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብጭፍራ ህግደፍ ካብ ዝእወጅ ነዊሕ ኮይኑ አዩ። ክንደይ ጎዮም ዘይጸገቡ ኣብ ብርኮም ዘተንፍሱ ዕሸላት ኤርትራውያን መንእሰያት ብተመልከተለይ ኣብ ዶባት ኤርትራ ብምክትታል ዶባት ብዝበሃል ኣሃዱ ድራር ጥይት ኮይኖም እዮም። ንቡር ቀባሪ ዝሰኣነ ሬሳታቶም እውን ቀለብ ኣዛብእን ኣራዊትን ምዃኑ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ እቲ ብደው ዝደቀሰ ሕልና ኣልቦ ጥራይ አዩ። እዚ ኣረሜናዊ ኣተሓሕዛን ንዕቀትን ደረት ሓሊፍዎ ሎሚ ኣብ ርእሰ ከተማ ኤርትራ ዝኾነት ከተማ ኣስመራ ኣብ ማእከል ህዝብን ዕዳጋን ተፈጺሙ ኣሎ። አቶም እምቢ ንጉዱድ ባርነት ኢሎም ካብ ዘጓዓዕዝኦም ዝነበራ ናይ ጽዕነት ማኪና ክዘሉን ክሃድሙን ዝፈተኑ መንእሰያት ብወተሃደራት ህግደፍ ብጥይት ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ተረሺኖም ኣለው። ስጋብ ሕጂ ተረጋጊጹ ከም ዘሎ ህይወት 11 መንእሰያት ደም ከልቢ ኮይኑ ሓሊፉ ኣሎ።

እቲ ኣዝዩ ዘሕፍር ድማ ወሃብቲ ቃል እቲ ጭፍራ ካብቲ ማኪና ክዘሉ ዝፈተኑ ተዓላሞ ሳዋ ብዝወረዶም ናይ ሞት ሓደጋ ንሓዝን ክብሉ ኣባጭዮም። ንሕና ኤርትራውያን ግና ነዚ ጨካን ስራዓት ዝፈጸሞ ሰፍ ዘይብል ግህሰት ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ንኹንን። ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ኦክላንድን ምሉእ ቤይ ኤርያን ድማ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ዝፈጸሞ ኢሰብኣዊ ቅንጸላ መንእሰያት ኮኒንናዮ። ካብ ምኹናን ሓሊፍና ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ህንጻ  ማለት ስርዓት ህግደፍ ንፕሮፖጋንዳን፡ ራዕድን እከይ ተጋብራትን ዘዋፍረሉ ብምኻድ ንባርባራዊ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ዘቃልዑ ፖስተራት ኣብቲ መንደቕ ናይቲ ህንጻ ድሕሪ ምልጣፍ፡ ንክብሪ ግዳያት ጸላም ሰንበት ኣስመራ ድማ ሽምዓ ድሕሪ ምብራህ ሕቋፍ ዕንባባታት ኣንቢርናሎም። ነታ ኣብ ነዊሕ ዘንጊ ትሕት ኢላ ዝተሰቕለት ባንዴር ኤርትራ ድማ ብኽብሪ ተኺልናያ። ነቲ ንቡር ክብሪ ህዝብን ባንዴራን ዘይርድኦም ካድራት ህግደፍ ድማ ትርጉም ህዝብን ባንዴራን ከምዝፈልጡ ጌርናዮም። ኣብ መላእ ዓለም ዝነብር ህዝብና ኣሰርና ሲዒቡ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ናይ ሓዘን ዕለት ምዃና ንምግላጽ ኣብ ዝኾነ ህሞት ስጋብ ኢሰያስን ስርዓቱን ዝእለዩ ባንዴራ ኤርትራ ኣትሒቱ ክሰቅል አውን ንላቦ። ህዝቢ ኤርትራ ከይደቀሰን ፍትሒ ከይረኸበን ምስ ዓማጺ ወጊኖም ዘዳኽሩን ዘጣቑን ንዘለው ደቂ ሃገር ሕልንኦም ንኽምርምሩ ናብ ልቦም ክምለሱን ዝጠልብ ተሪር ጻዊዕትና ኣሕሊፍና። እቲ አዝዩ ዘገርም አብቲ ዕለት እቲ ካድራትን ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍን ለይታዊ ትልሂትን ጓይላን ንክገብሩ አብ ውሽጢ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ናብ ዝርከብ አዳራሽ ይተኣኻኸቡ ምንባሮም፡ ማዕረ ክንደይ ካብ ሰብኣውነት ሪሖቖም ሕልንኦም ሸይጦም ምህላዎም ዝተዓዘብናሉን ዝተገረምናሉን ኩነታት ተዓዚብና ድማ ነናብ ዝተበገስናሉ ተፋኒና።


ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሰላም ኣየር ከየስተንፈሰ ሕልናና ፈጺሙ ኣይድቅስን።
ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ቤይ ኤርያ ካሊፎርንያ!!!

Last modified on Wednesday, 13 April 2016 05:42